Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ ኣሰና ኣብ ጉዳይ'ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ

ኣሰና ኣብ ጉዳይ’ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ዘጋለጸ ሓበሬታ ኢያ ተጸሚዳ ቀንያ። መስከረም ኔትን ራድዮ ኤረናን ከ?

መስከረም ንግዚኡ ተጸጊዓ ትጽናሕ’ሞ ብራድዮ ኤረና ክንጅምር።

ዝኾነት ትኹን መደበር ሓበሬታ በቲ ንዓኣ ዝመስላ መንገዲ ስራሓታ ከተሰላስል መሰላ ኢዩ። ራድዮ ኤረና’ውን ከምኡ። ምስ ደለይቲ ፍትሒ  ከይወገንኩ፣ ጸግዒ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ከይሓዝኩ “ነጻ ኮይነ፣ ሓቀኛ ሓበሬታ” ከማሓላልፍ’የ እንተኢላ ዝንኣድ ሓሳብ ኢዩ። ክትታባባዕ’ውን ይግባእ።

ኣብ’ታ ቅዋም ዘይብላ ብምዃና ፍልይቲ ዝኾነት፣ ዝጸደቐ ቅዋም ዘይተተግበረላ፣ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ዝርከቡዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብፖለቲካውን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ዝበልዩላ ዘለዉ፣ መጻወቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዘላ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ብኣወንታ ትጥቀስ ነገር ስለዘየላ ግን ነቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ሓበሬታ ከምዘለዎ እንተቃሊሕካዮ እቲ ስርዓትን ኮራኹሩን ደስ ክብሎም ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ኣብ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ክሳብ ዘቕረብካዮ ነቲ ስርዓት ዕርቃኑ ክውጽኦ’ምበር ዘወድሶ ኣይኮነን። ነዚ’ዩ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝተፈላለያ ዝዃሓሕልኦ መራኸቢ ብዙሓን ከዋፍር ተገዲዱ። ንሳተን ወግሐ ጸብሐ ምስ ኣሰና ክፋጠጣ ትጽበየን ኢኻ።

ራድዮ ኤረና ግን ነጻን ሓቀኛን ኣብ ናይ ምዃን ገድሊ ተጸሚዳ ትርከብ መደበር ሓበሬታ እንተኾይና ንስርዓት ህግደፍ መወደሲ ጫፍ ምስ ስኣነትሉ ናብ ኣሰና ተነጻጽረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ብኮምሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ትምወል ራድዮ ኸ ስለምንታይ ኢያ ስርዓት ህግደፍ ከተጸባብቕ ትሃልኽ?

እቲ ሓቂ ምብኣር መወልቲ እውን ናታቶም ቅድመ ኩነታት ስለዘለዎም ማሕፉዳ ከይጎድል ምጉያይ ኣድላዪ ስለዝኾነ ኢዩ። እቶም ንውልቀ ምልኪ ኢሰያስ ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ ብምንጽጻር ንኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ብምባል ዝጽዉዑዋ፣ ዓመት መጸት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑዋ መሻርኽቶም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ንኢሰያስ ውልቀ መላኺ ኢሎም እናጸውዑዎ፣ ንጋዜጠኛታት ራድዮ ኤረና ወይልኹም ኢሎም ነቲ ዓንዳሪ ውልቀ መላኺ ፕረሲደንት ኢሎም ክጽውዑዎም ብምእዛዞም ፍሉያት ክኾኑ ፈሪዶሞም ኣለዉ።

ዓማጺ ኣብ ዘለወሉ ተዓማጺ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ጎይታ ኣብ ዘለወሉ ግን እቲ ጊላ ክኸውን ዝተፈርደ ናይ ጊላ ስራሕ እናሰርሐ እውን ናይ ጎይታ መንፈስ ክህሉዎ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ሓይሊ ብሓይሊ ክምንዝዖ ዝኽእል ፈጺሙ የልቦን። ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ጊላነት እናማረረካ ነቲ ገዛኢ ገዛኢ ኢልካ ካብ ምጽዋዕ ብምሕራምካ መቸም ማእከላይ መርገጺ ሒዘ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ተግባር መርኣያ ናይ መንፈስ ጊላ ምዃንካ ኢዩ። ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጊላነት ንርእስኻ ናጻ ኣውጺኻ ካብ ኤርትራዊ ጎይታ ርሒቕካ ንዕኡ ብካልእ ብቕድመ ኩነታት ዝሕልኽ ጎይታ እንተተካእካዮ እንታይ መለሳ ጊላነት ኣለዎ? ነቲ ካብ ሃገርካ ርሒቕካ ንምምባር ብቑዕ ዝበልካዮ ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋትት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምእዋይ ኣብ ዘድልየሉ ህሞት ዘይብቑዕ ኮይኑ ክትረኽቦ ከለኻ እቲ ድርብ መለክዒ ጎይቶትካ ዘይኮነ መሪጽካ ዝኣተኻዮ ጊላነት ናይ ሕልና ሕቕያ ኣስዒቡልካ ክትስተር ዘይምፍታንካ እውን ትሩፍ ደጊም ዘብል ኢዩ።

ካብ ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ ብስም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝርከብ ምወላ ኣብ ምንታይ ምዓላ ውዒሉ ካልእ ሕቶ ኮይኑ ብዝረኸብካዮ ምወላ ጊላነት ምግዛእ ዘነውር ኢዩ። ክዝከር ዘለዎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታ እቶም ብዘይካ ጋዜጠኛታት ምዃኖም ካልእ ገበን ዘይነበሮም ኣብ መስከረም 18 2001 ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ብዘይክስን ፍርድን ንልዕሊ 14 ዓመታት ተኣሲሮም ገኢኦም ብህይወት ውን ዘየለዉ፣ ገሊኦም ብዝተፍላለየ ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ይኹን እቶም ጋዜጠኛታት ራድዮ ባና ዝርከቡዎም ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊሮም ከለዉ  ህይወቶም ዝስኣኑ ወይ ብዘይሕግን ፍርድን ተኣሲሮም ዝተሳቐዩ ይኹን እቶም ልዕሊ 30 ሃገር ለቒቖም ዝተሰዱ ብምሉኦም ማለት ኢዩ። ብቐንዱ ከኣ እቲ ንሳቶም ደው ዝበሉሉ መሰል ምግላጽ ሓሳብ፣ ናጽነት ምርካብን ምዝርጋሕን ሓበሬታ ከይግሃስን ክኽበርን እምበር መዐደጊ ጊላነት ዝግበር ምወላ የለን።

ንጉዳይ እታ ተላዒላ ዘላ ሓንቲ ኣሞን ሒዛቶም ናብ ኢትዮጵያ እናተጓዕዘት ናይ ሞት ሕማቕ ሓደጋ ዝገጠማ ስድራ መካራኸሪትን መኻዕበቲ ፖለቲካዊ ነጥቢ ተበለጽቲ ወገናት ኮይና ምርኣይ ዘጉህን ዘደንጹን ምዃኑ ምጥቃስ ኣድላዪ ኢዩ። ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ክጠፍኡ ከለዉ ደቅናን ሓብትናን ምቃል ጎንና ስኢና ንዓና ከም ኤርትራውያን ማዓንጣ ኸብድና ዝቖርጽ ኢዩ። ብኸመይ ጠፊኦም ብዘየገድስ ምጥፍኦም ኢዩ’ቲ ዝዓበየ ክሳራና። እታ ስድራ ግዳይ ኣራዊት ድያ ግዳይ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ወይ ኢትዮጵያውያን ሸፋቱ ኮይና ኢልካ ኣብ ግምታትን ባዕላዊ ትንተናታት ኣቲኻ ምዝራብ ካብቲ ዋና ዛዕባ ወጺኻ ናብ ጓል መንገዲ ከእቱ ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር እታ ስድራ ኣብ ሃገራ ምንባር ስለዘይክኣለት ልክዕ ከም ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን እግራ ናብ ዝመርሓ ሃጽ ኢላ ክትጠፍእ ዝገደዳ ምኽንያት ኢዩ። እቲ ጠንቂ ከኣ ስርዓት ህግደፍን ሕሱም መግዛእቱን ኢዩ። እሞ ድኣ እቲ ዓለም ብዓለማ ፈሊጣቶ ዘላ ሓቂ እዚ እናኾነ ራድዮ ኤረና እንታይ ሓድሽ ነገር ኢያ ከተምጽእ ትደሊ ዘላ?

ብመሰረቱ እቲ ራድዮ ኤረና ናብ ኣሰና ዘቕናዓቶ ጠቐነ ዝያዳ ሕቶታት ድኣ’ዩ ዘልዕል ምበር ዝመለሶ ሕቶታት የብሉን። እታ ራድዮ ካብ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ካብ ስርዓት ህግደፍን ርሒቐ ጋዜጠኛዊ ስነምግባር ተሓንጊጠ እታ ሓቃ ከውጽኣ ኢየ ትብል እንተድኣ ሃልያ እታ ሓቂ እንታይ ኢያ ኢልካ ምሕታታ ይግባእ። ኣሰና ዝበለቶ ሓሶት እንተኾይኑ እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ? ኢንቨስቲገቲቭ ሪፖርተርስ ራድዮ ኤረና ዝሓዙዎ ጭብጢ እንታይ ዩ እንተበልካ ግን ዝሓዙዎ ነገር ከምዘይብሎም እቲ ዘቕረቡዎ ትሕዝቶ ባዕሉ ዘረጋግጾ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብዚ ኣሰና እቲ ሓበሬታ ካብ መን ረኺባቶ ብኸመይ ንዝምልከት ሓበሬታ እንተዝነብረና ሓጋዚ ምኾነ። ይኹን ምበር ኣሰና ብወግዕን ብተዳጋጋምን ንፋይናንሳዊ ይኹን ሓበሬታዊ ሓገዝ ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተመርኲሳ ከምትንቀሳቐስ ብግልጺ ስለትሕብር ወከልታ ልኢኻ ሓቂ ኣጻርያ ከተቕርበልና ከምዘይትኽእል ርዱእ ኢዩ። ምስ ኩሉ ሕጽረታታ ግን መርገጺኣ ንጹር ኢዩ። ብግብሪ ኣብ ጎኒ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራን ደው ምባል ምዃኑ ኣመስኪራ ኣላ። በዚ መርገጺ’ዚ ከኣ ብብዙሓት ጸላእቲ ከምትኽበብ ኮይና ኣላ።

ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዕድለኛ ውልቀ መላኺ ኢዩ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ውን ካብቲ ካልኦት ኣብ ጎኖም ዘለዉ ደለየቲ ፍትሒ ዝብሉዎ ነቲ ኢሰያስ ዝብሎ ክኣምኑ ኢዩ ዝቐሎም። ኢሰያስ ባዕሉ ሞይተ ኢሉ እንተዘይርዲኡ ሞይቱ ኢሉ ንዘርድኦም ውን ክኣምኑዎ ከሸግሮም ኢዩ። እዚ ካብ ትሑት ነብሰ ምትእምማን ዝብገስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣሰና ቅድሚ ሒደት ዓመታት “ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ  ኢሰያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ወይ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር ኣሎ” ክትብል ዘቃላሓቶ ራድዮ ኤረና ክትዋራዘ ዕድል ዝረኸበትሉ እዋን እውን ነይሩ ኢዩ። ሽዑ ዘይተፈስወ ኣይጭኖን ከምዝብሃል ብዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ናይ ብጽኑዕ ምሕማሙ ጉዳይ ዘራጉድ ሓበሬታት እናተናፈሰ ከሎ ኣሰና ኣትኪላ ነቲ ዘረባ ኣብ ክንዲ ትካታተል ንዕኡ ገዲፋ ኣብ እቕሬታ ምሕታት ኢያ ኣትያ። ኢሰያስ ድሕሪ ናይ ብዙሕ መዓልታት ስቕታ ተገዲዱ ኣብ ተለቪዥን ክቐርብ ከሎ’ውን ካብ ሞት ስለዝተረፈ ጥራይ ብጽኑዕ ሓሚሙ ምንባሩ ክኣምን ዝደለየ ኣይነበረን። እዚ ግን ነቲ መደበር ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ምስ ኣቃልሓ ነቲ ሓቂ ሓሶት ምዃኑ ንኸእምን ነቶም ዝተጠቕሱ ተኣሲሮም ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ተለቪዥን ከምዝርኣዩ ዝገብር ውልቀ መላኺ ክሳብ ክንደይ የዋሃት ምዃኖም ዘረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።

ዓወት ራድዮ ኤረና ኣሰና ካብቲ ሽሕ ብሉጽ ስራሓታ ሓንቲ ጉድለት ረኺበላ ኢላ ክትኣምን ከላ ምዃኑ ዘስደምምን ዘሕፍርን ኢዩ። እዛ መንእሰይ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል ካብቲ ን15 ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ተኣሲሩ ወርቃዊ ንእስነቱ ዘብለየሉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ፈንጢሱ ብምውጽኡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ልባ ምልስ ኢሉ ነቲ ብርቂ ንኹሎም ኤርትራውያን ዘሐበነ ብስራት ኣሰና ስለዘቃላሓቶ ተሓሲማቶ ብምሕላፋ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ኣትያ ኢያ። ሓደ 15 ዓመት ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀይዲ ማሕዩር በቲኹ ምውጽኡ ብኸመይ ኢዩ ንሓንቲ ናይ ኤርትራውያን መደበር ዜና ዘይብቑዕ ዜና ኮይኑ ዝርከብ ኢልካ ነብስኻ ትሓትት። ጉዳይ ምወላ ውን ኣብቲ ግድል ስለዝኣቱ ግን መልሱ ከቢድ ኣይኮነን።

ራድዮ ኤረና’ምብኣር ንነብሳ ከም ናይ ኤርትራውያን መደበር ሓበሬታት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣሰና ዎችዶግ ኢያ ትርእያ ትመስል። እቲ ስልጣን መን ከምዝሃባ እዝግሄር ዋናኣ ግን ብፍቶቱ ጊላ ካብ ዝኾነ የድሕነና ዘብል ኢዩ! ጊላኹም ክኸውን ኢልካ ኣቲኻ ከተብቅዕ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ዘስተማቕራ ዘለዋ ትርጉም ናጽነት ዝስቆረን ከም ኣሰና ዝኣመሰላ መደበር ሓበሬታት ልክዕ ምስ ዝጨቆነካ ጥራይ ክህልወካ ዝኽእል ጽልኢ ካብ ምርኣይ ሓሊፍካ ኣብ ምትንዃል ብምእታውካ ትነብረሉ ዘለኻ ባርነት ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ኢኻ ተረጋግጽ ዘለኻ። ናይ ርድኡኒ ኣውያት ውን ክኸውን ይኽእል፣ መን ይፈልጥ? ናጽነት ኣማዕዲኻ ትርእያ፣ ከይተረዳኣካ ካልኦት ከስተማቕሩዋ ትቐንእ፣ብድሕሪዚ ምስቶም ናጽነት ዘስተማቕሩ ዘለዉ ጽልኢ ይሕዘካ። ግን ቀይዲ ጊላነት መን ክበትከልካ ኢዩ? ደጀን ዓንደ ሕሸል?

መስከረም ኔት ክቡር ሓው መሲናስ መሽረፈት ኢሉ ምስ ጸዋዓ ኣብየት ክትብል ምስ ርኣኹዋ እምበኣር ደለይቲ ፍትሒ ዝሃቡኺ ስም ትፈልጥዮ ኢኺ ኢየ ኢለ። መሽረፈት ኔት ግን በዚ ኣጋጣሚ ሓው መሲናስ ካልእ ስም ክረኽበላ ይልቦ። ምኽንያቱ መሽረፈት ብዙሕ ቁም ነገር ዘለዋ መሳርሒ ኢያ። እንተዋሓደ ብፍላይ ሎሚ ነዳዲ ወርቂ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ኤርትራ ብቀሸም ወዲ ቀሸም ንሱ ውን እንተተረኺቡ ብመሽረፈት ኣንበድቢድካ ደቅኻ ትዕንግል። መስከረም ኔት ግን ትሕቲ ዜሮ ኢያ። -40 ዲግሪ! የሐው!!!!! ኣብ ደረጃኣ ትወርድ ራድዮ ኤረና ስለዝረኸበት ግን እንኳዕ ሓጎሰኪ ይብላ! ክንደይ ኢላ ዳኣ በይና ሕልምልም ክትብል? መሳትይቲ ቡን ይበልክን!

በዚ ኣጋጣሚ ኣሰና ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መስመር ምንቕ ከይበለት ንልዕልና ሕግን ፍትሕን፣ ምስ ህዝባ ደው ምባል ክትቅጽል ለበዋይ የማሓላልፍ።

ድሃብ ተፈሪ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • tela February 24, 2015

    Mesinas xhfatka kulu yenbbo eye kem hade lebam eye zqaxreka nere hiji gn kemzi elka mxhafka geriuni mkri hab gn neqefeta gn aygdn antay gberu tblom nradio erena yqalesu gmr gdf zegebru delika nmntay

  • tela February 24, 2015

    European hbret antemewela nredio erena xbuk radio asena dma nqalsi ndhrit zgott aytfonwo nradio erena gdefwom bnatom mengdi yqalesu dictater nay gdn aykonun kblu

    radio asena dictater antebelku akul

    • robi February 24, 2015

      tela kkkkkkk
      entay maletka iyu radio asena dma nqalsi ndhrit zgott aytfenwo? seb bel kesemaaka teseter? Asenas embar nkalsi ndhrit zigotit tfinu iya? enkuae kua bzeyka ka kulna xemamat aykona. ezni alena nsemie ina seb ketedanagr aytifetn habib…habibi….tedengix, tela..tesihik kea beti hade

  • Mesinas February 24, 2015

    “Mesinas xhfatka kulu yenbbo eye kem hade lebam eye zqaxreka nere hiji gn kemzi elka mxhafka geriuni mkri hab gn neqefeta gn aygdn antay gberu tblom nradio erena yqalesu gmr gdf zegebru delika nmntay” ቃል ክቡር ሓው ተላ።

    ክቡር ሓው ተላ ሕመረት ዓለቐይ (ርእይቶይ) ኣነ ኣባል ኣሃዱ ኣሰና ስለ ዝኾንኩ፡ ንኣሰና ንምጥባቕ ኢለ ዘይኮነስ ካብቲ ወትሩ ዘይቅየር ዕላማይ ማለት፡ “ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ደገፍቱን ዘይኮነስ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ ስለ ዚዕወት! ኣብ መንጎና ናይ ግድን ፍቕርን ስኒትን ማለት ሓድነት ኪህሉ ኣለዎ! ካብ ዚብል መርገጽየይ ስለ ዚነቅል’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ቅድሚ ሕጂውን ኣሰና ንኽብርቲ ሓብትና ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ዚምልከት ናይ ጠቐነ ጽሑፍ ምስ ኣአንገደት ያዕ! ኢለያ ኔረ’የ። ምኽንያቱ፡ ንሓድሕድና ክንተኣራረምን ክንተሓጋገዝን’ምበር ንሓድሕድና ክንወናጀል ስለ ዘይግብኣና! ምትእርራምናውን ዝያዳ ከብልሓናን ከፋቕረናን ደኣ ኣለዎ’ምበር ንምታይ ነቒፉኒ ብምባል፡ ከተፋንነናን ከጻላኣናን የብሉን! ከምኡ እንተ ኮይኑ’ሞ ነቲ ጸላኢና ብምሉእ ዓቕሙ ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ ምፍልላይና ወፍሪ ተወሳኺ ነዳዲ ምኽዓው’ዩ ኪኸውን። በዚ ከኣ ኩልና ስለ ንጉዳእ ክንጥንቀቕ’ዩ ዘለና። ኣነ ከኣ ንራድዮ ኤረና ሕማቕ መዓልቲ ውዒልኪ! ኣሰና ግንባር ኣሃዱ ፍትሒ ሙዃና እናፈለጥኪ ንምንታይ ብዘይተረጋገጸ ወረ ስማ ንምኽፋእ ተዋፊርኪ’ዩ ሕቶይ’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ክቡር ሓው ተላ ስለ’ቲ ቅኑዕ ርእይቶኻን ሕቶኻን ብልቢ አኽብረካን አመስግነካን። የቐንየለይ።

  • mehari February 26, 2015

    abet hatewtew gele sebat haleiti mesilom kinat kiteklu eyom zihknu bizaeba ezi tibliyo zeleki zena semiayo sile zikonku hasot eki tizarebi zeleki bigele Eritrean radiotat akedimu ziwetse habereta gega u malet asena hasawit eya ayesmien u. silezi natki ridiet u gega wey hasot habtna dehab teferi

  • ተወልደ February 27, 2015

    ስቕ ኢልካ ምርኣይ ይሓይሽ ፤ ምኽንያቱ ኩለን ትካላት ንዐአን ዝድግፍ እንተዘይ ጽሑፍ እንተዘይኮይኑ ነጻ ኮይነን ናይ ኩሉ ሓሳብ ስለ ዘየእንግዳ ድኻም እዩ ትርፉ። ግኡዝ (Neutral) ኴንካ ምእንተ ሗቂን ፍትሕን ዝጽሓፍ ሓሳብ ህዝቢ ነቲ ንሰን ክብልኦ ዝደልያ ዝጻረር እንተኾይኑ ህዝቢ ኣንቢቡ ሓሳቡ ከይሃበሉ ዝድምሰስ እንተኾይኑ ካበይ መጽዩ እዩ ፍትሒ ክነግስ? ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ እመኑ ወይ ደግፉ ምባል ከም ህግደፍ እንታይ መለስኡ?

POST A COMMENT