Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብርሂ 15 ውድባት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ እቲ ብዕለት 19/04/2016 ብሽድሽተ ውድባት ዝወጸን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርገሐን ጽሑፍ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ግንባር /ጽላል/ ናይ ብዙሓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ መጠን ኣብ ጉዕዞ መስርሕ ቃልሲ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት የጋጥምዎ ደኣ እምበር ሕጂ እውን ነዚ ብቃልሲ ክሰግሮ ጻዕርታቱ ህያው

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ግንባር /ጽላል/ ናይ ብዙሓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ መጠን ኣብ ጉዕዞ መስርሕ ቃልሲ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት የጋጥምዎ ደኣ እምበር ሕጂ እውን ነዚ ብቃልሲ ክሰግሮ ጻዕርታቱ ህያው እዩ ዘሎ። እቲ ኩነታት ከምዚ እንዳሃለወ ብሸነኽ 15 ውድባት ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ምዝዛም ሰሚናሮም ምስ እቶም 5 ውድባት፡ ባይቶ ከጋጥምዎ ንዝጸንሑ ጸገማት ንምፍታሕ ዘኽእለና ሓሳባት ተበግሶ ሒዝና ክንራኸብ ኣብ ምድላው እንዳሃለና ብሸነኽ 6 ውድባት ክረኽቡና ከም ዝደልዩ ገሊጾም ንሕና እውን ሓሳባቶም ክንፈልጥ ክልተ ብጾት መዚዝና። ናይ ልዝብ ተበግሶ ከም ዘለዎም ድሕሪ ምሕባሮም ብሸነኽና እውን ብተመሳሳሊ ናይ ልዝብ ተበግሶ ከም ዘለና ሓቢርናዮም፡ ከመይ እቲ ቀጻሊ ርክባት ይካየድ ሓሳብ ንሓሳብ ተወሃሂብና ልኡዃትና ናብ ቦቶኦም ምስ ተመልሱ ብሸነኽ እቶም 6 ውድባት ዘይተጸበናዮ መግለጺኦም /ጽሑፎም እቲ ተበግሶ ኣለና ዝበልዎ/ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተበቲኑ ረኺብናዮ። እንታይ እዩ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ቃልዕ ከውጽእ ዘገድድ ምኽንያት ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ይመስለና ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእ ሚዛን ተዋሂብዎ ክንምልስ እውን ግድን እዩ ዝኾነና።

ብሸነኽና ክሳብ ሕጂ ብተበግሶና ምስ እቶም 5 ውድባት ዘለዉና ጸገማት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብጽሑፍ እናዘርጋሕና ኣፈላላይና ይኹን ዘቃራርቡና ክንገልጽ ነቲ መስርሕ ናይቲ ጉዕዞ ቀጻሊ ክህልዉ ዝኽእሉ ልዝባትን ምቅርራባትን ኣይሕግዝን እዩ ብዝብል ምኽንያት ተቖጢብና ጸኒሕና ኢና። ብሸነኾም ግን ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ዘውጽእዎ መግለጺታት ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ግን ክሳብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ወሪዱ ካብ ተሰጋገረ እንተወሓደ ነዚ ኣብ ቃልዕ ወሪዱ ፈታውን ጸላእን ዝዛረበሉ ዘሎ ናዓና ዝምልከት ተበግሶኦም እዚ ንግዜኡ ብዝተወስነ ደረጃ መልሲ ክንህበሉ ክንግደድ ኢና። እነሆ ኸኣ መልስና ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

  • እዚ መግለጺ እዚ ከምዚ ካብ ተዛተይቲ ኣካላት ወጻኢ ኣብ ፍሹሕ ቃልዕ ወጺኡ ኣዛራቢ ክኸውን ዝገበሮ ምኽንያት እዚ ሽነኽ’ዚ ኣብ ባሕሪ ናይ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ጥሒሉ ንገለ ግሩሃት እንተደናገርኩ ካብ ዝብል ሕልምታት ዝብገስ ዘሎ ደኣ እምበር ሽግራት ብልዝብ ንኽፍታሕ ናይ ዝዓለመ ጠባይ ዘለዎ ኣካይዳ ኮይኑ ኣይረኣየናን። በዚ ክንረኽበኩም ንደሊ ኣሎና ተባሂሉ ኣብ መኣዲ ልዝብ ክኣትዉ ሓው ዑቕባዝጊ ድቡስን ዮውሃንስ ኣስመላሽን ብ19/04/2016 ተበግሶኦም ድሕሪ ምግላጾም በቲ ካልእ ናይ 15 ውድባት ሸነኽ ተወከልቲ ከኣ ሓሳባቶምን ድሕሪ ምስማዕ እዚ ሸነኽ ናይ 15 ውድባት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ልዝብ ተበግሶ እማመ ከም ዘለዎ ተሓቢርዎም እንከሎ ንልዝብ ቁሩብነቶም ድሕሪ ምግላጽ ክልቲኡ ሸነኻት ብልዑል ሃገራዊ ሓላፍነት ሕድገታት እናገበርካ ክንላዘብን ውረድ ደይብ ኢልካ ዓቕምታትና ክነወሃህድን ክነቀራርብን እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ክንዲ ዓዳሚ ዝኸውን ፈታውን ጸላእን ከይፈለየ ኣብ ፈቖዶ መራኸቢ ብዙሓን ክዝርግሕዎ ትኽክል ኣይነበረን። ብእምነትና ከምዚ ኢሉ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን ናይ ምግባሩ ናይ ኣጋጣሚ ክስተት እዩ ኢልና ኣይንርእን። ኣቐዲሙ ዝተዋደደ ናይ ፖለቲካ ጸዋታን እንተዘይኸውን ነይሩ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ነቲ መስርሕ ናይ ዘተ ዝዕንቅፍ ከምዚ ኢሉ ኣብ ቃልዕ ኣይምወጸን ነይሩ። እዚ መግለጺ እዚ ከምኡ ዘይምዃኑ ዘርኢ ብወግዒ ብላዕለዎት ኣመራርሓታት ናይዚ ውድባትዚ ኣብ ኢሜይላት ናይ ናይ ብዙሓት ኣመራርሓታት ተላኢኹ ምምጽኡ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ምዝርግሑ ኸኣ ፈትዩ ጸሊኡ እቲ እትዛተዮ ዘለኻ ሸነኽ ብዝተፈላለየ ተጽዕኖታት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እምነታትካ ተገዲዱ ክርዕም ክላዘብ ወይ ብተመሳሳሊ ነዚ ዘይቅኑዕ ተግባርዚ ናይ ልቓሕ በሰሮ ተጻይ መልሲ ክህብ እሞ እቲ ግርጭታት መሊሱ ክጋፋሕን እቶም ሽግራት ኣብ ክንዲ ኣብ ጽብብ ዝበለ መድረኽ ብህዱእ ናይ ምቅብባል መንፈስ ብውሽጥኻ ብልዝብ ክፍታሕ ዝገብሮ እቲ ጸገማት መሊሱ መኣዝኑ ክስሕት ዝገብር ግጉይ ናይ ልዝብ ኣካይዳን ኣተሓሕዛን ተርእዮ እዩ።

 

  • እዚ መግለጺ እዚ ቅድሚ ብኸምዚ ምውጽኡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ መግለጺታት እናውጽኡ ኣብ ፈቖዶ መራኸቢ ብዙሓንን ፓልቶካትን ዝምድርዎ ዝነበሩ ነይሩ እንተዝኸውን ወላ እዚ ልሙድ ናብ ልዝብ ዘይዕድም ግጉይ ኣካይዳ ይኹን ደኣ እምበር ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ወይ እውን ብተመሳሳሊ መልሲ ተዋሂቦ ከይድገም ክብራን ክብርትን ተኸባቢረን ናይ ምንባር ምኾነ ነይሩ። እዚ ተርእዮ እዚ ግን ከምኡ ኣይኮነን፡ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ሓደ ግዜ፡ መዓልትን ሰዓትን ንልዝብ ኮፍ ኢልካ እናተረዳዳእካ እንከለኻ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ክላዘብ ዝመጸ ሸነኽ 15 ውድባት ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ብድሕሪ መጋረጃ ነዚ ዘብገስ ዘሎ ዘተ ዝዕንቅፍ እከይ ስራሕ ምስራሕ “ጭጉራፍሲ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ከም ዝብሃል ነቲ ናይ ልዝብ መስርሕ ካብ መስመሩ ኣውጺኡ ኣብ ዘየድሊ ክርክርን ግጭትን / ናይ ፖለሚክስ/ ኣካይዳታት ዝሽምም ፈታውን ጸላእን ካብዚ ተበግሶ እዚ ከከም ዝንባሌኡን ዝጥዕሞን መመንጪቱ ንፖለቲካዊ ረብሓታቱ ዝጥቀመሉ ፍንጡሕ ኣካይዳ እዩ። ድሮ እኳ ዝተፈላለዩ ኣካላት ጸላኢኦም ከይተረፈ  ኣብ ፎቖድ  ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ማለት ፓልቶካትን ፌስቡካትን ነቲ ናይ ልዝብ መንገዲ ኣብ ዘይመኣዝኑ ክውጥጥዎን ተጽዕኖ ክገብርሉን ክሓላልኽዎን ኣፍ-ደገ ከፊቱ ይሓማዝቕዎ ኣለዉ። እዚ ኣብ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ዘይርጡብ ተበግሶ እዚ ናይ ልዝብ መስርሕ ዝተኸስተ ሕማቕ ተረኽቦ ክኸውን እንከሎ ኣብ ትሕዝቶ ቁም ነገሩ ኸኣ ንምጻእ።

 

  • ቁም ነገር ትሕዝቶ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ክንርኢ እንከለና ጉዳይ ሰነዳት ጉባኤ ሓደ ካብቲ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምስ ተኸስተ እቲ ጸገም ብሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክፍታሕ ከም ዝከኣል ብተደጋጋሚ ምስ ተገልጸን ኣብ ሓደ ምርድዳእ ምስ ዘይተበጽሐን ሕጂ ብሰሚናር ናይ 15 ውድባት ኣቢሉ እቲ ሰነዳት ተመዓራርዩ ምስ ተዳለወ ንሳቶም እውን ክርእይዎን ዝጎዶሎ ይኹን ዝስረዝ ሓሳባት እንተለዎም ከማልእዎን ብድሕሪዚ ናብ ኣካላት ባይቶ ክወርድ ብምባል ኩሉ ሰነዳት ሰሚናር ተላኢኹሎም ቀልጢፎም ክምልሱልና ዝግብኦም ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20 መዓልቲ ጌሩ ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ መልሲ ኣይሃቡን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ንልዝብ ዝዕድም ኣጀንደኦም እውን ከየካተትዎ እዮም እዚ ሕጂ ከም ሰብና እንሪኦ ዘለና ዝዘርግሕዎ ጽሑፎም ብሃንደበት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተበቲኑ ዘሎ። ሽዑ ቅንዕና እንተዝነብሮም ኣብቲ ግዜ ርክብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ናይ ልዝብ ተበጉሶና ኣለና እሞ ክንዝርግሖ ኢና ኢሎም ምሓበሩና ነይሮም። ከምኡ ግን ኣይገበሩን ኣይመረጽዎን እውን። ሽዑ እታ ናይ ዘተ ኮሚቴና ምስኦም ኣብ ርክብ እንከላ ድሮ ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሮም ይጓየዩ ኔሮም። እቲ ኣብዚ ዝገጠመ ሓቂ እዚ ኮይኑ እቲ ካልእ ኣዘራቢ ኮይኑ ዝጸንሐ ሰነዳት ናይ ጉባኤ ብሰሚናር ተመዓራርዩ ምስ መጾም ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ መእተዊ ጽሑፎም ከም ዝእምቶ እቲ መፍትሒ እዩ ኢሎም ዝርእይዎ ከምቲ ናይ መጀመርያ ዝነበረሉ ኩነታት ጌርካ ብምርኣይ ናይ ሰዓራይን ተሳዓራይን መንፈስ ዝዘርእ መንገዲ ክተሓሓዝዎን እቲ ልዝብ ፍታሕ ከይረክብ ዝዕንቅጽ ሓደ ጽዑቕ መርኣያ ናይ ኣተሓሳስባኦም መግለጺ እዩ።

 

እቲ ሓደ ጌጋታትን ጉድለታትን እናረኣየ ማዕለሽ እናበለ ዝኸይድ እቲ ሓደ ኸኣ ዝገርሕን ዝቐጽዕን ጌርካ ብምቕራብ እቲ ሽግር መፍትሒ ከይረክብን ህዝቢ ግጉይ ስእሊ ክሕዝን ተስፋ ክቖርጽን ዝገብር ብምዃኑ ብሸነኽና ህዝቢ ቅኑዕ ተረድኦ ክሕዝ መልሲ ክወሃቦም ዝዕድም መኸተ ምዃኑ ንግንዘብ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ኣብቶም ካብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ንድሕሪት ኣብ ዘጋጠሙ ጸገማት ኣብ ኣሰናዳኢት ይኹን ኣብ ፈጻሚት ዝተኸስቱ ጌጋታት ንጻዕዳ ጻዕዳ ንጸሊም ጸሊም እንዳበልና ነናቱ ጌጋታትን ሓላፍነትን እንዳሰከምና ዝመጻእና ደኣ እምበር ጌጋታት ናይቲ ሓደ ክንሸፋፍንን ናይ ሓደ ኸኣ ክነጉልህን ክነማዕርግን ዝኸድናዮ ዋላ ሓንቲ ግዜ ኣይነበረን። እቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ፍልልይ ጌጋታት ብልክዕ ነንቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምቕራብን ምንቃፍ ምእራምን ኣይነበረን። እቲ ፍልልያትና ኣብ ኣፈታትሓ እቲ ዝተኸስተ ጸገም እዩ ነይሩ። ብሸነኾም እቲ ዘቕረብዎ ፍታሕ ናይ ሰዓራይን ተሳዓራይን መንፈስ ዝዘርእን ባይቶ ካብቲ ዝኣተዎ ቅልውላው ናብ ዝዓሞቐ ክኣቱ ዝገብርን ብውጽኢቱ ኸኣ ነዚ ኣጋጣሚዚ ተጠቒምካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ፈጢርካ ነቲ ተመሓዙካ /ተላፊኑካ/ ዘሎ ሸነኻት ብምህራም ልዕልናኻ ክተረጋግጽ ናይ ምድላይ ትምክሕታዊ ዝምባሌታት ዝተጠናነጎ እዩ ነይሩ። እቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ሽግር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝዓሞቐ ቅልውላው ዝኣቱ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተገይሩ እቲ ሰነዳት ኩሉ ብዝሰማማዓሉ ኣገባብ ብዝተሓተ መደብ ዕዮ ቀሪጽካ እንደገና ኣመዓራሪኻ ብናይ ዊን ዊን ፍታሕ ምስትኽኻሉ ዝከኣል ምዃኑ እቲ ተሪፉ ዘሎ ናይ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ናብ ጉባኤ ዘእቱ ኣብ መንጎ ፈጻሚትን ኣሰናዳኢትን ተወሃሂዶም ምትእምማን ዝፈጥርሉን ዝሰርሑሉን ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር እዩ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ዝብል እዩ ነይሩ።ኣብዚ ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይተበጽሐ እቲ ሽግራት ቀጺሉ።

 

ንምዃኑ እዚ ሕጂ ብትግርኛ ተጻሒፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ዘሎ ንቋንቋ ትግርኛ ዝፈልጥ ክፍሊ ሕብረተሰብና በዚ መግለጺ እዚ ኣቢሉ እዚ ናይ ሽዱሽተ ውድባት ሸነኽ መልእኽቱ ከሕልፈሉ ዝዓለመ እናሃለወ ማዕለሽ እትብል ቃል ምስዚ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ትሕዝቶ እዚ ስው ኣቢልካ ምቕራቡ እንታይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ተደልዩ እዩ? ንለባምን ኣምተሉ ንዓሻን ደርጉሓሉ ከም ዝብሃል እዚ ብሂል እዚ ከምቲ ሕሉፍ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ዘረጋገጾ እቲ ሓይልታት ኣብ ነንሓድሕዱ ኣብ ዝወናጀለሉን ዝነጻጸገሉን ዝነበረ ግዜ ፈሊኻ ንፍሉይ ክፍሊ ሕብረተሰብና ንድሑር ሕብረተሰባዊ ሕማማት እናመዝመዝካ መልኽእቲ ክተሕልፈሉ ክድለ እንከሎ ብኸምዚ ዝኣመሰሉ ቃላት ሓደ ግጉይ ምስሊ ዝህብ ሕላገት ለጢፍካ ነቲ መሰረታትን ህዝብን መልኽእቲ ንምምሕልላፍ ናይ እስላም እዮም ናይ ዓረብ እዮም ወይ ክርስትያን እዮም ዝብል ክመሓላለፈሉናይ ምዕምጣርን ምቁንጻብን ትምክሕታዊ ጃንዳዊ ኣካይዳታት ዝጥቀመሉ ናይዚ ግብረ መልሲ ኸኣ ናይ ጸቢብ ወገናውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ጉጅላዊ መልእኽትታት ዝዝውተረሉ ዝነበረ ናይ ድሕረት ኣካይዳ ሕጂ እውን ተደጒሉ ዘሎ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባታት ብምብርባር በዚ ጦብላሕታታትዚ ጌርካ ኸኣ ነቲ ሕብረተሰብ ክመቓቕል ዝሕልን ግጉይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝህቅን ኣካይዳታት እንትርፎ ንጸቢብ ጉጅላዊ ሕሳባትካ ንቓልሲ ዝጠቅም ኣይኮነን።

 

  • እዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ናይ ሃገራዊ ባይቶ እዚ ተሓቚፍሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት’ዚ ንጽብረቅታ ናይ’ቲ ሽግራት ዝሓቁፍ ኮይኑ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሽግሩ ንሱ ንባዕሉ’ውን ኣካል ናይቲ ጸገም ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞና ኩልና ክንሪኦ ከም ዝጸናሕና ብኡ መሰረት ፍታሕ ክንግብረሉን እቲ ኣብ ባይቶ ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ናቱ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ብምእማንን ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ማኣዝን ኣብ ምትሓዝ ስለ ዝሕግዝ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንግበር ከም ዘይበልና ተወሲዱ ሕጂ ኣብዚ ተበቲኑ ዘሎ ጽሑፎም ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሰሚናር ሓሳብ “ኩሉ ትካላት ባይቶ ዝሳተፈሉ ሰሚናር ክጽዋዕ ዝዕድም” ሓሳብ እንታይ ዝተሓደሰ ጉዳይ ስለ ዝተረኽበ እዩ ከምኡ ዝድለ ዘሎ? ሽግራትና ኣብ ጽብብ ዝበለ ናይ ዘተ መድረኻት እቲ ቀንዲ ጸገማትና ዝንጸባረቐሉ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓባራዊ ሰሚናር ክነካይድን ክንፈትሕን ዘይበቓዕናስ ምሉእ ኣካላት ባይቶ ኣኪብካ እንታይ ኢኻ ትፈትሕ። እዝስ ክግበር እንተዝምረጽ እውን ብጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣባላት ባይቶ ይኹን ግዜን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ እውን ግዜ ናይ ምሽማት ሜላን ምስቲ ተደጋገመ ክምጠጥን ክጉተትን ዝጸንሐ ጉዕዞ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ኣባሉን ህዝብን ተስፋ ቆሪጹ ከዋድቖን ወይ ካልእ መተካእታ ክተናድን ኣፍ ደገ ዝኸፍት ደኣ እምበር በዚ ሕጂ ዘሎ ወድዕነት ንጉዕዞ ባይቶ ንቕድሚት ክውጥጦ ዘኽእሎ ኣይመስለናን። ካብዚ ብዝገደደ ኸኣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ባይቶ ኣፍሪስካ “ካብ ሰሚናር ናብ ጉባኤ እተብጸሓና ሓንቲ ሽማግለ እውን ክንመርጽ ንኽእል ኢና” እዝብል በየናይ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኢና ከምኡ ንገብር። ኣብ ትካላት ባይቶ ዝኾነ ምምዕርራይ ዘድልዮ ጉዳይ ምስ ዝህሉ ብመንገዲ ሃገራዊ ባይቶ ጥራሕ እዩ ምልውዋጣት ክግበር ዝከኣል። ሕጊ ባዕለኻ እንዳፍረስካ ሕጊ ይጣሓስ ኣሎ እናበልካ ደጋጊምካ ምምራር ዘምሕረልና ኣይኮነን።

 

“ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል” ከም ዝብሃል እዞም ብጾትና ኣብዚ ናይ ሕጂ ናይ ልዝብ ተበግሶና ኢሎም ኣብ ቃልዕ ዘርጊሖሞ ናይ ጸላእን ፈታውን እዋናዊ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣብ ዘሎ ይኹን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውጽእሉ መግለጺታቶም ደጋጊሞም ከይጠቐስዎ ዘይሓልፉ ኣቦ መንበር ባይቶ ሕጋዊ ትካል ናይ ባይቶ ዝኾነ ንፈጻሚት ኣካል ኣደስኪሎሞ ኣግላሊ ኣካይዳታትን ኢደ-ወነናዊ ስጉምቲታትን ውሳኔታትን እናወሰዱ.. ወዘተ ዝብልዎ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እውን ደጊሞም ገሊጾሞ ኣለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ቅድሚ ሕጂ እውን ብብጻይ ዑቅባዝጊ ድቡስ ብሽም ሽዱሽተ ውድባት ናብ ኣቦ መንበር መሪሕነት ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ነዚ ዘራጉድ ኮይኑ መልሲ ከም ዝተዋህቦ ዝፍለጥ ይኹን ደኣ እምበር ብድሕሪኡ እውን ደጋጊሞም ምልዓሎም ኣይተረፈን እቲ ሓቂ ግን ንሱ ድዩ? መጀመርያ  ኣቦ መንበር ባይቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ሓጅ  ኣብዚ ጉዳያትዚ ኣመልኪቱ ኣብቲ ብብጻይ ዑቕባዝጊ ድቡስ ብሽም ሽዱሽተ ውድባት ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ንዘቕረቦም ጉዳያት ዝተዋህበ መልሲ እንታይ ይመስል ኔሩ ብቐዳምነት ንርአ።

  1. ኣብ መልእኽትኻ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ተጎስያ ሓሊፋ፡ ሽማ’ውን ኣይልዓልካዮን ዝብል ብዝምልከት፡ መሪሕነት ባይቶ ዝሓተቶ ምምጣጥ ግዜ ጉባኤን ምስኡ ዝተታሓሕዙ ውሱናት ጉዳይትን ነዚ ክነልዕል ዝገብረና ኣይነበረን። መሪሕነት ባይቶ ከኣ፡ ንንቡር ትካላት ባይቶ ፈጻሚት ትኹን ኣስናዳኢት ወዘተ ብዘይ ውሳኔ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንሕጋዊ ቦታኦም ክንትከፍ ሓላፍነት የብልናን። ህያው’ዩ ዘሎ። እቲ ምምጣት ግዜን ቦታን ኣገባብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶን ብዝምልከት ንመሪሕነት ባይቶ ሓላፍነት ምሃብ ዝብል ምስ’ቲ ዝገጠመና ሽግርን ንምፍትሑ ክሳብ ሕጂ ዘይተኽእለ ዘሎን ብሕጂ ኣብ ምፍትሑ ይኹን ንጉዕዞ ባይቶ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክንውጥጦን ይሕግዝ ካብ ዝበል ዳ”ምበር ኩሉ ኣብ ንቡር ኩነታት እንተዝነብር ጸገም እምበይነበሮን።

 

  1. ኣብ ዝቀደመ ይኹን ኣብ ዝድሓረ ዝተሓተ ብዛዕባ ግዜ ጉባኤ ምምጣጥ ሓሳብ፡ ምስ ፈጻሚት ቤ/ጽ ተወኻኺስካ ኣይተገብረን ዝብሃል ብቀንዱ እቲ ዘጋጠመና ሽግር ኣብ መንጎ ፈጻሚትን ኣሳናዳኢትን ፈጻሚት ቤ/ጽ ንበዓላን ኮይኑ ብዝተፈላለዩ ሽማግለታት ምፍታሕ ተሳኢኑ ናብ መሪሕነት ባይቶ ዝተሰጋገረ ጉዳይ ብምዃኑ መሪሕነት ባይቶ ምስ ፈጻሚት ተወኻኺስካ ከሰርሕ ኔይሩዎ ዝበሃል ምኽንያታዊ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ፈጻሚት ቤ/ጽ ካብ መጀመሪያ እቲ ሽግር ምስ ኣጋጥመ ኣትሒዛ ምስ ኣስናዳኢት ክትስርሕ ከምዘይክኣለት ንመሪሕነት ባይቶ ፍታሕ ክርእየላ ብወግዒ ከምዝሓተትን ባዕላ ደስኪላ እንሃለወት ሕጂ ንጉጅላዊ ረብሓኻ ክትብል ከይተስርሕ ቀይድኩማን ኣደስኪልኩማን ወዘተ ዝብሉ ጠቀነታት’ዚ፡ እቲ ሽግር ከይፍታሕ ሽፋን ዝኽውን ዘሎ ዳ’ምበር ቅንዕና ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየናን። እዚ ጉዳይ’ዚ ብጥንቁቅ ሕጋዊ ዓይኒ ክንርእዮ እንተኾይና’ውን ኣባላት ፈጻሚት ቤ/ጽ፡ ባይቶ ክእከብ እንክሎ ወይ ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ንምይይጥ ክውረድ እንክሎ ከምዚ ሕጂ ንሕና እንገበሮ ዘሎና ኩነታት ኣባላት ፈጻሚት ቤ.ጽ ከም ኩሉ ኣባል ባይቶ ተራ ኣባላት ኮይኖም ርእይቶኦም ከም ስቦም ዝህቡሉ ዳ’ምበር ከም ፈጻሚ ቤ/ጽ ዝወሳኡ ኣይኮኑን። ባይቶ ንዝውሰኖ ውሳኔታትን መደባትን ከኣ፡ ናይ ምፍጻም ዕማም ሓላፍነት ዝውስዱ ዳ”ምበር ልዕሊ ኣባላት ባይቶ ሓላፍነት ዘለዎም ኮይኖም ምስ መሪሕነት ባይቶ ዝወኻኽስሉ ኣይኮኑን። ኣብ ንቡር ጥዑይ ሃዋሁ ኣብ ዘለውሉ ከኣ፡ ዋላ ብሕጊ ከምኡ ዘኣምስለ ሓላፍነት ኣይህልዎም እናተውኻኽስካ  ክትስርሕ ሃናጺ ዳ”ምበር ጉዳእን ዓንቃፍን ኣይኮነን። ንምዃኑ ኸ ፈጻሚት ቤ.ጽ በቲ ዝጋጠመ ጸገማት ኣብ ስራሕ ዘይላ ደስኪላ ኣብ ዘላትሉ ኩነታት ንበይና ትኹን ወይ ምስ መሪሕነት ባይቶ ናይ ምምጣት ሓሳብ ምኽሪ እንተዝቅርበላ ብኣውንታ መምልስተ ዶ ዝብል ብተግባር ኣይተኽእልን’ዩ መልስና። እኹል ኣብነት ከኣ፡ እዚ ንስኹም መልስኩሞ ዘሎኹም ሕጂ’ውን ክንመጠጥ ኣይንኽእልን ዝብል’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ባይቶ በዚ ዘይመሰረታዊ ግርጭታት’ዚ ተሓሊኹ ክፈረስ ሳዕበኑ ሕማቕ’ዩ ዝኽውን ንብል። እቲ ዝህልውና ኣማራጺ ዝኾነ ኣባል ባይቶ ዝኽአለ ክድሕኖ ናብ ንቡር ቦታኡ መሊሱ ናብ ዝሓሸ ከሰጋገሮ ኩልና ክንጽዕር ጥራሕ’ዩ ዝህልውና። ብዝተረፈ ባይቶ ብሕጋውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ግዜ ጉባኤኡ መጢጡ ጸገማቱ ከይርእን ናብ ዝሓሸ ባይታ ከይረግጽን ኣብ ዝቅደመ ይኹን ኣብ ዝዳሕረ ክመጠጥ ክተቅብሉ ዘይገብርኩም ዘሎ ምኽንያት ንዓና ብቑዕ ምኽንያት ኮይኑ ሰለዘይረኣየና ሕጂ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያታቱን ጠንቅታቱን ንቅድሚት ዝበርሃልና’ዩ ዝኽውን ንብል።

 

  1. ብስም ልፍንቲ ሽዱሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ እቲ ፍታሕ ኢልኩም እትርእይዎ ህጹጽ ወይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብምጽዋዕ ምፍትሑ ዝሓይሽ ዝብል ርእይቶኹም ብእምነትና ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተኻይዱ ጸበብቲ መድረኻት ክፍትሑ ዝተውስዱ ተበግሶታት ዘይተፈተሐስ ኣብ ኣቀዲሙ ዘይተወገነ ገፊሕ መድረኽ ክፍታሕ ዝኽእል ኮይኑ ኣይረኣየናን። እቲ ሽግር መሊሱ ክተሓላለኽ እንተዘይኮይኑ። ኣባላት ባይቶ ነዚ ተሓቱዎ ዘለኹም ኣኼባን እንደገና ንጉባኤን ከመላለሱ ከወጽእዎ ዝኽእሉ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ንኹልና ስውር ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ኣባላት ባይቶ ንህጹጽ ኣኼባን ንጉባኤን ንምምጻእ ብዓቅምና ንኽእል ኢና ዝብል እምነት እንተለዎም ከኣ፡ እዚ እንመላልሶ ዘሎና መልእኽትታት ይከታተልዎ ስለዘለዉ ዝካኣል እንተዳኣኮይኑ ንሕና ጸገም የብልናን ኣኼባ ባይቶ ክግበር።

 

  1. ካብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ታሕሳስ 2014 ዝቆሙ ትካላት ባይቶ ማለት፡ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚትን ኣሳናዳኢትን ቀንዲ ዝተወሃቦም ዕማም ንባይቶ ናብ ጉባኤ ክእተዉ ጥራሕ ዳ’ምበር ከም ኣብ ንቡር ኩነታት ዘለና ተውሲዱ 3ይን 4ይን ኣኼባ ባይቶ እንዳብሉ ዝገበሩ ኣይኮኑን። ተደላይነት እንተሉ ከኣ፡ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ ዝጽዋዕ። ዋላ ኣኼባ ባይቶ ክግበር ዝድለ እንትሎ’ውን ዕድመ ጉባኤ ከይተመጠ ብኽመይ’ዩ ዝኽውን። ወይስ ሕቶኹም ካብ ድሌት ኣባላት ባይቶ ወጻኢ ብቲ ንስኹም እተርእይዎ መንገዲ ጥራሕ ግድን ከግበር ከምዘለዎ ከም ቅድመ-ኩነት ድ’ዩ ንባይቶ እተቅርብዎ ዘለኹም? ወይስ ከምቲ ግቡኡን ፍትሓውን መንገዲ ንኣባላት ባይቶ ኣዕጊብኩም እቲ ኣኼባ ባይቶ ከካይድ ምግባር’ዩ እቲ ሕልና ንዓና ፈጺሙ ብሩህ ኣይኮነን። በዚ በለ በቲ ኣኼባ ባይቶ ብሕጋውን ፖለቲካውን መንገዲ እቲ ዝተውሃቦ ግዜ ገደብ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ይዛዘም ስለዘሎ እቲ ዝሕተት ዘሎ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ክል’ቲ ዝተመጠ ግዜ’ዩ ክግበር ዝከኣል። ከም ቅድመ-ኩነት ዝቅረብ እንተዳኣህልዮ ጽቡቅ ኣይከውንን።እዚ ነቲ ብልዝብ ክፍታሕ ክጸዓር ዘለዎ ጸገማትን ከይፍትሕን ካብ ብሕጂ ሓቢርካ ናይ ምኻድ ዕድላት ናብ ዕጽዉ መንገዲ ክኽይድ ስለዝግበርን ተማራጺ ኣይኮነን ክብል ከም ዝመለሰ ዝዝከር እዩ።

 

ብሸነኽና እነረጋግጾ ነገር ምስ ዝህሉ ኸኣ ንሶም እውን እቶም 5ተ ውድባት ሕርሕራይ ጌሮም ዝፈልጥዎ ኣቦ መንበር ባይቶ እዚ ሽግራት እዚ ድሕሪ ምኽሳቱ እቶም ንምፍታሖም ዝተኻየዱ ፈተነታት ብመሪሕነት ባይቶ ይኹን ብዝተፈላለዩ ሽማግለታት ኣብ ዘይሰመርሉን እቶም ቀጸልቲ ጉዕዞታት ባይቶ ሓባሪ መንገዲ /ሮድ-ማፕ/ ይኹን ኣብ ምምጣጥ ግዜ ጉባኤ ወዘተ ዝኣመሰሉ ንኣባላት ባይቶ እንከላይ ነዞም ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎም ብጾትና ንኹሉ ብሓባር ከይተወከሰን ሓሳባቶም ከይፈለጠን ብበይኑ ዝገብሮ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ዝበዝሑ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ባዕሎም ነብሶም ካብቲ ዕለታዊ ስረሓት ናይ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣግሊሎም እንዳሃለዉ ኣግሊሎምና ኢሎም ክዛረቡስ ነውሪ እዩ። ከምቲ “ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ” ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና ዘዘኻኽረና እዩ። ከምኡ እንተድኣ ኮይኑ ደኣ ኣብ ክንዲ ባይቶ የለን ኣይሰርሕን እዩ ኢልካ ባዕለኻ ምሉቕ ኢልካ ሓላፍነትካ ኣዋዲቕካዮ ብኢደዋኒንካ ምኻድ ብሕጋዊ መንገዲ እዚ ጉዳይ እዚ ካብ መጀመሪያ ዘየልዓልዎ እንታይ ኮይኖም እዮም። ከምኡ እንተኾይኑ እውን ብሓላፍነት ዝሓትት ኣካል ስለ ዘሎ ሓላፍነትካ ንዕኡ ምውራድ እዩ እቲ ቅኑዕ ዝኸውን። ሕጂ እውን ብእምነትና እዚ ጉዳይ እዚ ብሓቂ ኣብ ቀጻልነትን ሓድነትን ዕብየትን ባይቶ ጽኑዕ እምነት እንተድኣ ሃልዩ ኮይኑ “ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ከም ዝብሃል ባህርያዊ ቦትኡ ሒዙ ንኽጉዓዝ ሓደ ካብ ናይ ልዝብ መደባትናን እምነታትናን እዩ።

 

እንተቲ ሕጂ “ካብ ምትራፍስ ደንጒዩ ምምጻእ” ከም ዝብሃል እዚ ሕጂ ንመጀመርያ ግዜ ተበግሶ ወሲዶም ክዛተዩና ቅሩብነቶም ምግላጾም እነመጉሶ ይኹን ደኣ እምበር ብድሕሪት መዓት ጎርብታት ከቢብዎ እናተሓቑነ ንንፋስ ምሃቡ ብጣዕሚ ዘሕዝነናን ንቕድሚት ክሳብ ክንደይ ብምትእምማን ክዝለቕ ይከኣል? ካብ ዘተሓሳሰበና ሓደ እዩ። ንሕና ቅድሚ ሕጂ ብኣቦ መንበርነት መሪሕነት ባይቶን ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስን ናይ ዝተኻየዱ ናይ ፍታሕ ተበግሶታት ብሸነኽና ልዕሊ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ተበግሶታት ወሲድና ኩለን ተበግሶታትና ኸኣ ሓንቲ ድሕሪ እታ ሓንቲ ክትፍተን እንከላ ከካብ ዝቐደማ ሕድገታት እንዳተገብረ ክኽየድ ኢና ጽዒርናሉ። ሕጂ ኸኣ ምስ ዝማዕበሉ ሓደስቲ ወድዕነታት ዝሰማምዑ ናብ ፍታሕ ገጹ ከቀራርቡና ይኽእሉ እዮም ኢልና ዝኣመናሎም ፍታሓት ኣዳሊና ክንጽውዖም ኣብ እንዳለወሉ ዝነበርና ግዜ ክንረኽበኩም ኢሎም ኣብ ዘዛረቡናን ተበግሶ ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ ውጽኢቱ እዚ ኣብ ሚዲያታት ተዘርጊሑ ዝርከብ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ተርእዮ የጋጥም ደኣ እምበር ንሕና ከምቲ ናቶም ንናይ ልዝብ ተበግሶና ሕሳብ ምስኦም ክንዛረበሉ ደኣ እምበር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከምቲ ናቶም ተዘርጊሑ ዘሎ ንፋስ ክወቕዖ ክንዝርግሖ ናብ ናይ ልቓሕ በሰሮ ኣካይዳታት ክንከይድ ኣይንመርጽን። እቲ እምነታትና ሕጂ እውን በዚ ዘጋጠመ ተረኽቦ እዚ ተኾሊፉ ዝተርፍ ዘይኮነስ ብዝበለጸ ምስኦም ተቓራሪብና ክንላዘብን ክንረዳዳእን ጻዕርታትና ጠጠው ክብል ኣይኮነን። እቲ ንፍታሕ ይዕድም እዩ ኢልና ሒዝናዮ ዘለና ናይ ገዛእ ነብስና ርእይቶን ተበግሶን ብሸነኾም ዝቐርብን ብልዝብ ናይ ሓባር ክኸውንን ክቀራረብን ክዕወትን ተስፋ እንዳገበርና ሕጂ እውን ደጊምና ንልዝብ ተዳሊና ከም ዘለና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንገልጽ ንደሊ።

 

  • እቲ ኣብ ነንሕድሕድካ ዝካየድ ዘሎ ጸለመታት ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ማንም ዝጻረሮ ኣይኮነን። ኣብ ተግባር ክረጋገጽ ግን ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ሰብ ብተወፋይነት ናይ ምትግባር ጽንዓት ዝሓትት እዩ።

 

  • እቲ ካልእ ኣብ መጠቓለሊ ቀሪቦም ዘለዉ ነጥብታት ናይ ልዝብ ነጥብታት እኳ እንተኾኑ ሕድሕድ ርኽክባትን ዘተታትን ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ክቕጽልን ንኹሉ ዝጥርንፍ ዳግም ሰሚናር ክግበር ዝብል ሓሳብ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ግዜ ንምሽማትን ሰብ ተሰላችዩ ክገድፎ እንተዘይኮይኑ ድሮ እኳ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ /ኤስዲለ/ ምስ ውድባት ክላዘብ እየ ኢሉ ምስ ገለ ሓሙሽተ ሽዱሽተ \ውድባት ኪዳን ኣብ ልዝብ ምስ ተጓዕዘ እዚ ርክባት እዚ ብዙሕ ትጽቢትን ተስፋን ዝተገብረሉ እኳ እንተነበረ ሕጂ ብውጽኢቱ ክንርእዮ እንከለና ግን ካብ ኣጉል ተስፋታትን ከንቱ መብጸዓታትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ባይታ ኣብ ቁምነገር ዘየለ ብኣንጻሩ ነቶም ሽዱሽተ ውድባት ሓዊሱ ናብዝ ሕጂ ብቓልዕ ዝረኣናዮ መግለጺ ክበጽሕ ብኣሉታ ዘንጸባርቕ ምዃኑ እዩ ኣርእዩና። እዚ ተመኩሮ እዚ እንተዘይተደግመ ዝሓይሽ እኳ እንተኾነ ከም ዝሓሸ ቅኑዕ ኣገባብ ናይ ሜላ ክረአ እንከሎ ግን ብክልተኣዊ ልዝባት ንጉዳያትካ እናብሰልካ ናብ ሓደ ወይ ዝተቐራረበ ኣረኣእያ ክብጻሕ ዝጽላእ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣገባብ ጽቡቕ ጥበብ ናይ ልዝብ ኮይኑ ንስለ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልክን ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታትን ክትሽምተሉ ክኸውን ግን ኣይግባእን።

 

  • መድረኽ መንጎኛታት ክኾኑ፡ ጋዜጠኛታት ተዓዘብቲ ክኾኑ፡ ዝብል ርእይቶኦም ኣብዚ ናይ ምስ ቀረባ ሕሉፍ ተመኩሮ እነዛምዶ ናትና ትዕዝብትታት እኳ እንተለና ቅድም ሽግርና ባዕልና ንርአ እዚ ምስ ዘይሰልጥ ከኣ ኩልና እንረዳዳኣሎም መንጎኛታት ክኣትዉ ክንላዘበሉ ንኽእል። እቲ ካልእ ኣብ ኣብዚ መግለጺ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ብሓደ ሸነኽ ብሰሚናር ኣቢልካ ካልእ ግዜ ኸኣ ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከኽይደና ዝኽእል ትካላዊ ኣሰራርሓ ክመዓራረ ዝብል ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ጽሑፍ እዩ።
  • ካልእ ኣብዚ መግለጺ እዚ ጉዳይ ደምሓኩኤ ብፍሉይ ዝተሓዝ እናሃለወ ኣብ ንልዝብ ዝቐርብ ተበግሶኦም ደምሓኩኤ ከም ኣካል ናይቲ ዘተ ሻድሻይ ውድብ ጌርካ ምቕራቡ እቲ ሽግር ክተሓላለኽን ከምቲ ዝቐደመ ንምዕንቃፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ደምሓኩኤ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝድስክለሉ እዋን ኣትሒዙ ኣካል ናይዚ ድሒሩ ዝገጠመ ሽግር ኣይጸንሐን። ጉዳዮም ከኣ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክላዘብሉን ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ክርከበሉ ዘለዎን ደኣ እምበር መዳምቕቲ /መባዝሕቲ/ ናይ ሽግራትና ክንገብሮም ኢልና ነቲ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ዘጋጠመና ጸገም ኣብ ምፍታሕ ሽፋን ኣይንግበሮም። እዚ ኣካይዳዚ እንትርፎ ዕንቅፋት ነቲ እነካይዶ ልዝብ ክኸውን እምበር ዝሕግዝስ ኣይኮነን።

 

ኣብ መደምደምታ ክንብሎ እንደሊ ምስ ዝህሉ ንሕና እዞም 15 ውድባት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝኾና እቲ ቀዳማይን ወሳንን ምርጫና ኩሎም ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበረሰባትን ምሁራንን ደቂ ኣነስትዮን መንእሰያትን እዚ ባይቶ እዚ ነዚ ሃገራዊ ዓቕምታት እዚ ሓቊፉ ካልኦት ካብዚ ወጻኢ ዘለዉ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበረሰባትን ወዘተ ዝጽንበርዎ ኮይኑ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብዝጸፈፈ ቅድመ-ምድላዋት ክዕወት እዩ እምነትናን ምርጫናን። ነዚ ከረጋግጾ ኸኣ ዝኣክል ጻዕርታት ክንገብር ኢና። ንዝኽሰቱ ጸገማት ብምምሕዳራዊ ስጉምቲታት ጥራሕ ክፍትሑ ዘይኮነስ ብቀንዶ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ርኢኻ ጻዕርታት ክግበረሎም ዝጸንሐ ሕጂ እውን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ባይቶ ማእከልና ጌርና ንፖለቲካዊ ፍታሓት ዕዙዝ ቦታ እናህብና እዚ ጻዕርታትና እዚ ክንቅጽሎ ኢና። ክሳብ ምግባእ ናይዚ ጉባኤ ዘሎ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ወይ ተበግሶታት ዝኾነ ሸነኻት ክወስድ እምነት እዚ 15 ውድባት ኮይኑ እዚ ዝደሓረ ፈተነታትዚ ቅድሚ ከምዚ ሕጂ ኣጋጢምዎ ዘሎ ምኽሳቱ ግዱሳት ኣሕዋትና ኤርትራውያን “ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ስኒት” ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለዉን ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክነመስግኖም ንፈቱ። እዚኦም ኩሎም እነካይዶም ዘለና ጻዕርታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ፍታሕ ክብጻሕ እንተዘይተኻኢሉ በቲ ኩሉ ቁርብነቱ ዝርኤ ሽነኻት ናብ ጉባኤ ገጽና ምኻድና ተገዲድና እንኣትዎ ካልኣይ ምርጫና እዩ። እዚ ግን ከምቲ ኣሕዋትና 5 ውድባት ዝተንበይዎ እዚ ጉባኤ እዚ ንኤዲኪ +ወይ- ጉባኤ ምግባእ እዩ ዝበልዎ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ብዘይብኦም ዕድመ ጉባኤ ባይቶ እናመጠጠ ክኸይድ ዝጸንሐ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣባል ባይቶ ውድባትን ህዝብን እኮ ኩሉ ኣባል ኪዳን ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ኣጉል ተስፋታትን ትምክሕታዊ ምቁንጻባትን እንተዝቑጠቡ ንኹልና ይኹን ብቐዳምነት ከኣ ንነብሶም ምሓሾም ንብል።

 

ዓውት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ!!

ዘልኣልማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዋኣትና!!

 

15 ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23/04/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS April 23, 2016

    Weñcome to democracy “JEBHA style” endless argument with no space for compromise, where as the issue has top do with unresolved 1970s resentment , as long as I am right who cares about the big issue..ክሰርዓካ(ክዘርዓካ)፣ክኣልየካ።ነጥቢ ስነ ስርዓት ፣ነቐፌታ ፣ርእሰ ነቐፌታ፣crap ,Eritrean youth ,these were your tegadelti leaders ,who could not administer a coffee house but think they can administer you…. I wish the line to abroad was easy ,I would have recommended all of you leave the trime bomb we call our country ERITREA…
    WE,the old goats really did a number on you..We have no compassion for your plight that is happenning under mudada higdef ,that we created ,…Eritreanism can only be expressed through resentment hatred ,invented identity and self destruction ,I really truly feel for you ,young Eritreans.

  • Fkadu gebreab April 26, 2016

    ክንዲ ጽሕፈት ቁምነገር ዘለዎ ይመስሎ፡ንዘይፈልጥ።ንሙኻኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝብል ትንፋስ ኣለዎ ኢሉ ዝሓስብ ይህሉ ዶ? እተን 15+6 ዝብሃላ ውድባት ከ ናይ ብሓቂ ኣለዋ ዶ? ከክንደይ ኣባላት ዩ ዝህልወን? 3 ወይ 4 ዶ ይበጽሓ? ካብ ህግደፍ እምበር ከፊእኩምና።ንዓመታት ዓጀውጀው።ዘየለ፡ነገር ከም፡ዘሎ ጌርካ፡ምቕራብ።21 ወድባት ኣለዋ ትብሉ ኣለኹም።ገሊአን ኮ ብጽላሎት ናይተን፡ካልኦት ውድባት ዝተመስርሓ የን።እታ ሓቒ ግን ካብ 4 ወይ 5 ኣይሓልፋን፡የን፡።ዶስ ጎጎጅኡ፡ዘዝፈለየ ውድብ ሙቕጻር እንተ ኾይኑ ኣብ ዓለም፡ተዘርጊሐን ዘለዋ” ማሕበራት ኢና ዝብላ ሓዊስካ ናብ 200 ክበጽሓ የን፡።ወይ ኤርትራ።

Post a Reply to Fkadu gebreab Cancel Reply