Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብጽዓይ ኣኽብረለይ ሽምዓ ኣይትወልዓለይ

ዝኸበርካ መጋድልተይን ወዲ መስርዐይን ስዒድ፡ ፈለማ ኩነታት ጥዕናኻ ክሓተካ ፍቀደለይ። በቲ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ደርዘናት እስኮጆታት ከምትሳቀ ዝስሓት ኣይኮነን። ኣብ ገድሊ እንከለና’ኳ፡ ነቲ ኣብ ነብስና ዝተደኮነን ዝተኻረየን ቁርጽራጽ ሓጻውንን ጠያይትን “ስልማት ናጽነት” ኢልና ኢና ንጽውዖ ኔርና።

ዝኸበርካ መጋድልተይን ወዲ መስርዐይን ስዒድ፡

ፈለማ ኩነታት ጥዕናኻ ክሓተካ ፍቀደለይ። በቲ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ደርዘናት እስኮጆታት ከምትሳቀ ዝስሓት ኣይኮነን። ኣብ ገድሊ እንከለና’ኳ፡ ነቲ ኣብ ነብስና ዝተደኮነን ዝተኻረየን ቁርጽራጽ ሓጻውንን ጠያይትን “ስልማት ናጽነት” ኢልና ኢና ንጽውዖ ኔርና። ገጽ ንገጽ ካብዘይንርእአ ድሮ 30 ዓመታት ኮይኑ’ሎ። ኣነ’ኳ፡ እታ ኣብ እዋን ምድምሳስ እዚ ናደው ዝሃብካኒ ካብ ሽቦ ካዝና ካላሽን ዝሰራሕካያ ሚዶ ክሳብ ሎሚ ምሳይ ስለዘላ ጸጉረይ ክስንትር እንከለኹ ወትሩ’የ ዝዝክረካ። ንስኻ’ውን እታ ካብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝማረኽናዮ ጫማታት ተረፍ መረፍ ገይረ ዝሰፈኹልካ ጓል ብሽክሊት ምሳኻ እንተላ ትዝክረኒ ትኸውን።  ስዒዶም፡ ብኣጋጣሚ ድኣ ምሳኻ ብኣካል ኣይተራኸብናን እምበር፡ ብዙሓት ደቂ ኣሃዱና ካብ ዝነበሩ’ኳ “ናብራ ከቢዱና” ኢሎም ናብ ዘለናዮ ቦታ ይመጹ ስለዘለዉ፡ ንራኸብ ኣሎና። እቶም ኣፋሩ ዝነበሩ ገሊኦም በሪሖምን ሰይቦምን፡ እቶም ጋምባለን ቁምጣ ስረን ወድዮም ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ዝነበሩ መንእሰያት ድማ ዳዕሲሶም ኣቦሓጎታትና መሲሎም። ግዜ እንታይ ኣለዎ ከም ንፋስ ኣውሎ ይሕምበብ ሰብ ድማ ይፈርስ። ንሕና’ኳ ኣሪግና ብኮፍና፡ ግዜና ለይትን መዓልትን ኣብ ድቃስ እናኣሕለፍናዮ፡  ዝወለደት ኣደ ኣይትርአ። “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይኣቱ” ከምዝብሃል፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ድማ ይምጽእ ኣሎ። ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ፡ ህዝብና ንስውኣቱ ብኽብሪ ንምዝካርን ዘለዎ ፍቅሪ ንምግላጽን፡ ሽምዓን ጥዋፍን ከምዝውልዕ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ጸሎትን ዶዓን ከምዝካየድ፡ “ስውኣትና ክብረት ይሃብኩም ሳላኹም ብርሃን ርኢና” ኢሉ ልዑል ምስጋና ከቅርብ’ዩ። ንናጽነት መሬትካን ክብሪ ህዝብኻን ህይወትካ ካብ ምብጃው ዝዓቢ፡ ነገር ስለዘየለ፡ ነቶም ስለ ናጽነት ክብርቲ ህይወቶም ዘወፈዩን ዝሰንከሉን ኣብ ከርሲ ኤርትራ ዘለዉ ጀጋኑ፡ ኣብ 20 ሰነ ሽምዓ ምውላዕን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምዝካርን እናወሓዶም’ኳ።

ዝኸበርካ ስዒድ፡

ዝበዝሑ መጋድልትኻን ደቂ ኣሃዱዃን ስለዝተሰውኡ ንስኻ ብዕድል ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብህይወትካ ምህላውካን ናጽነት ኤርትራ ምርኣይካን ብርግጽ ብዓል ግንባር ኢኻ። ይኹን እምበር በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሰቅቅ ኩነታት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ርሃብን ግዕዙይ ምሕደራን፡ “ብኻባ ተሰዊእና ሓመድ ገድሊ በሊዑና፡ ነዚ ክንርኢ ኢና ድሕሪ ብጾትና ተሪፍና” እናበልካ ተማርር ከምዘለኻ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ  ህይወቶም ዝሰኣኑ መጋድልትና ሓበሬታ ረኺበ። ሓቂ ንምዝራብ፡ መንግስትና ክሳብ ክንድኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ድማ ብፍላይ፡ ጨካን ይመስለኒ ኣይነበረን። “ጠቢብ ብፈታዊኡ ይጅምር” ከምዝበሃል፡ ዋና’ኳ ንስኻ መታን ንዓይ ከይተጉሂ ኢልካ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ክትሓብኣለይ እንተፈተንካ፡ ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ኣሃዱናን ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያት፡ ደቂ ስውኣትን ስንኩላትን ከይተረፉ ናብ ስደት ከምዘምርሑ፡ ገለ ካብኦም ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ኣብ ጉዕዞ፡ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ጓና ዘለዉ ድማ ብመውጋእትን ሕዱር ሕማምን፡ ንኽነብሩ ኣብ ከቢድን ውሑድ ክፍሊትን  ዘለዎ ዕዮ ከምዝተዋፈሩ፡ ገሊኦም ድማ ደስኪሎም ብዘይ ስራሕን ብጭንቀትን ብወልፊ መስተን ሽጋራን ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ዘወን ይብሉ ከምዘለዉ፡ ብቀጻሊ ብዘይምኽንያት ምእሳር ከምዘጋጥሞም፡ ውሑዳት ከኣ ብረብሓን ፍትወት ነብስን፡ ቀንዲ ምጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ህዝብና የጋፍዑ ከምዘለዉ እሙናት ሰባት ገሊጾሙለይ። “ብኻ’ባ ተሰዊእና ብእምኒ ተጸቂጥና” ኢልካ ምስቁርቛርካ ድማ፡ ካብ መስዋእቲ ተሪፍካ ናጽነት ምርኣይካ ዘይኮነ፡ ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ ህዝቢ ኤርትራ ብዝወለዶም ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ንሓሳረ መከራ ክቃላዕን ክዋረድን ምዕዛብካ’ዩ።

ዝኸበርካ ስዒድ፡

ንኽብረይ ኢልካ፡ ዓመት መጸ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት፡ ንወለደይ ከተጸናንዕ ከምዝጸናሕካ ኣይርስዖን። ሕልናኻን ሞያኻን ድማ ሓደ ካብቲ ኣብ መቃብረይ ብሩፍታ ክነብር ዝሕግዘኒ ጉዳይ’ዩ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ግን፡ እቲ ኣብ እዋን ስርሒት ፈንቅል ዝተበኮርኩዎ ግን ከኣ ቅድሚ ልቢ ገይሩ ኣቡኡን ኣዲኡን ምልላዩ፡ ኣብ 8 ወርሑ ወለዱ ክርኢ ዕድል ዘይረኸበ፡ ጠዋሪ ወላዲተይ ዝነበረ ጴጥሮስ ወደይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ንዓመታት ተሓይሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣባላት ጸጥታ ንወላዲተይ “ወድኹም ሞይቱ ኢሎም ብከውታ ለይቲ ሬሳኡ ምስኣረከብዋ ብስንባደን ብኽቱር ጓህን ኣብ ዓሱር ወደይ ኣሰርና ስዒባ። ስለዚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ 20 ሰነ፡ ሽምዓ ምውላዕ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወላዲተይን ወደይን ስለዝውሰኾ ዝያዳ ዕዳ ኣለካ። ዋጋ ሽምዓ ሰማይ ዓሪጉ ይብሃል ስለዘሎ ግን፡ ብዙሕ ኣይትሰከፍ ንኹልና ሓንቲ ሽምዓ ትኣኽለካ። ኣባል 6ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲ ስውእ ሓውኻ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ስለዝመረሮ ካብ ትምህርቱ ስለዝተሰናኸለን፡ ኣይንሓዳር ኣይንውላድ ስለዝኾነን ዓዲ ጥልያን ክኣቱ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓለ’ውን፡ እቲ ዝኸበደ ናይ ህይወት ፈተን ከምዝኾነካ ኣይዘንጋዕኩን። እዝን ካልእን ጸገማት ምስ ከበበካ፡ “ካብዚ ህይወት’ዚ መስዋእቲ ምሓሸኒ” ኢልካ ምምራርካ ሓቅኻ ኢኻ። ንሕና ስውኣት፡ ኣይንሪኦ ኣይንሰምዖ’ኳ እንተኮና፡ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ፡ ካብ ምህላው ዘይምህላው ዝምረጸሉ ግዜ ተበጺሑ ምህላዉ ግን፡ ክብሪ መስዋእትና ከምዝነከየ ኮይኑ ይስምዓና። ስዒድ ዓርከይ፡ ህዝብና ክርህዎ ንሕና ንሕግዞ ነገር የለን። ዘዝተሰዉኡ ኣብ ምቅባልን ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ኣብ ምሕጋዝን ግን ኣይንሓምቅን። ይኹን እምበር እቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ህይወቶም ዝሓለፈ ንቡር ስነ ስርዓት ቀብርን መሬት ዓዶም ዝሰኣኑ ዜጋታት ግን፡ እታ ንሕና ረኺብናያ ዘለና ዕድል ምሕራሞም ድርብ ሓዘን ይስምዓና።

ስዒድ ዓርከይ፡ ብኣና ኣይትሻቀል። ጽምኢ፡ ጥሜት፡ ዕርቃን ከምሻሙ። ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ህዝብና ኣይከፍኣናን’ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ ህግደፍ ስለዘየለ፡ ኣተኹም ወጻኹም፡ ኣብ በዓላት ህግደፍ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይፈጸምኩምን፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይከፈልኩምን፡ ናይ ጣዕሳ ወረቀት ምልኡ ዝብለና የለን። ንጽምዋ ዝምልከት ድማ፡ ሳላ ህግደፍ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተቀጥቂጡ ዝመውት፡ ረዳኢ ስኢኑ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝሃልቅ ኤርትራዊ መዓልታዊ ተርእዮ ስለዝኾነ፡ ወትሩ ተቀበልቲ ሓደስቲ ኣጋይሽ ኢና። ዋእ! ልብኹም ይዓቢ ብህይወት ዘለኹም ኤርትራውያን ዝመጽእ 20 ሰነ፡ ንዝኽሪ ስዉኣት ሽምዓ ምውላዕ ዘይኮነ፡ መታን ሕድሪ ስዉኣት ክኸብርን ስቃይ ህዝብና ከኸትምን፡ ሽግ ናጽነት፡ ፍትሕን ብልጽግናን ክበርህ ይግባእ።

በል ስዒድ ዓርከይ ስራሕካ ከየብኩረካ’ምበር ዝብሃል ብዙሕ ነይሩኒ፡ ናፍቆተይ’ውን ኣይወዳእኩን። ዕድመን ጥዕናን እንተሂቡካ ዝተረፈ ዕላልና ንኻልእ እዋን ይኹን። ንኹሎም ደቂ ኣሃዱና ድማ ሰላም በለለይ።

ጽቡቅ ናትካ ዝምነን ዝናፍቅን፡ ዓርክኻን ወዲ ኣሃዱኻን ነበር ስዉእ ኣንገሶም! ቻው ኣብ ዓወት የራኽበና።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 15 ሰነ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde June 14, 2017

    This sentiment above is commonly shared among the trench combatants who gave it all they got in the front lines ,nobody understands this unique bond but them,it is a sanguine camaraderie when one of theirs fall they all bleed.On this occasion,I like to remember a few, Mengstaab Tecle Kerkebet,mahmuday Barentu,Ahmedin (wedi akria) Barentu,Alem Neraayo (wedi fermeri) Bailul,Freweini (hayet) Tessenei,Alaazar(manjus) Adebara, Abrar(MG) Agordat………..and more, the most beautiful souls I came across in my life,carved in my memory forever young,upon your fossil an evergreen and democratic Eritrea that accommodates all of us will sprout. A reflective and peaceful Martyrs day to all Eritreans around the world.

  • Henock .hagos June 14, 2017

    k tewelde do you have work always writing

    • k.tewolde June 14, 2017

      I do Henock,12 hr days 4-5 days a week in a busy trauma network saving lives,I am not getting any revenue sharing from Bisha mine either,that is for those who don’t want to work.I can conveniently jot down a comment after I finish my dictation,no big deal.Fact is,if a foot soldier like me who spent 10 of his prime years in the field and come here empty handed and make something of himself,can you imagine the tens of thousands post independence youth we lost in HGDEF’s hand for myriad of reasons,if given a chance what they could have done for their country!? that is what eats me up every single day.Hope that answers your question.

  • Nahon June 15, 2017

    HenOk

    The ex-tegadalay K. Tewelde is a medical Doctor. That is what I understood from his comments.
    He is a proud nationalist who cares about his people and country.
    He is always at Assenna because of that. If that disturbs you may be because you are here for some other reason. Take it easy.

Post a Reply to Henock .hagos Cancel Reply