Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መትከል ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ: ዘይሳነ ኣብ ወረቐት ዘሎ ፖሊሲን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን

መትከል ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ ዘይሳነ ኣብ ወረቐት ዘሎ ፖሊሲን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን   ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ዝምልከት ክልተ ርእሰ ኣንቀጻት ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ: `ሃናጽን ንጡፍን ጽምዶ ንዞባዊ ርግኣትን ዕብየትን` ዝብል

መትከል ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ

ዘይሳነ ኣብ ወረቐት ዘሎ ፖሊሲን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ዝምልከት ክልተ ርእሰ ኣንቀጻት ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ: `ሃናጽን ንጡፍን ጽምዶ ንዞባዊ ርግኣትን ዕብየትን` ዝብል ንሓፈሻዊ መርገጺ`ቲ መንግስቲ ከነጽር ዝፍትን ኮይኑ፡ ትሕዝቶኡ ዞባዊ ጸጥታን ሰላምን ንምዕባለ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑን፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነዚ ተረዲኡ ካብ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ ዝሰርሓሉ ዝነበረ መትከል ምዃኑ ይትንትን። ካብኡ ቀጺሉ`ውን እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ነዚ ስትራተጂካዊ መርገጺ ሓይሊ ከምዝወሰኸሉ ድኣምበር እቲ መትከል ከምዘይተቐየረ ይሕብር። እቲ ካልኣይ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብዚ`ውን መንግስቲ ኤርትራ ንዕቑር ጸጋታት ቀይሕ ባሕርን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱን ኣብ ቅድሚት ሰሪዑ ከምዝሰርሕ`ዩ ዝገልጽ። እዚ ምስቲ ንፍሹል ዑደት ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝቐረበ `ሰናይ ጕርብትና መወዳእታ ዘይብሉ ሕርያ` ዘርእስቱ ርእሰ-ኣንቀጽ ወሲኽካ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ ሰለስተ መግለጺታት ምዃኑ`ዩ።

 

ንምንታይ ኣብዚ እዋን`ዝን ኣብ ሓጺር ግዜን፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ መርገጽን መትከልን ዝምድናታት ወጻኢ ምግላጽ ኣድለየ ኢልካ ምሕታት ግቡእ ይመስለኒ። እቲ ቀዳማይ መልሲ፡ ከምቲ እቲ መግለጺ ዝብሎ፡ ሓዲሽ ነገር ከምዘየልቦ ግንከ ነቲ ዝጸንሐ መርገጽን ንሱ ዘማእዝኖ ፖሊሲን ምንጻር ዘድልየሉ ሓዲሽ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይን ንዓይ ቀንዲ ኮይኑ ዝስመዓኒ ግን፡ ግብረ-መልሲ ነቲ ብኤርትራውያን ሃገራውያን ዝቐርብ ዘሎ ንልኡላውነት ሃገር ዝምልከት ሕቶታትን ናይ `ይኣክል` ምንቅስቓስን እዩ – እምበር ውዕል ሰላም ካብ ዝፍረምሲ ውሑድ ግዜ ኣየቝጸረን። ስለዚ እቲ መግለጺ መሰነይታ ነቲ ብመራሕትን ካድራትን ዝግበር ዘሎ `ኣይከስርናን፡ ተዓዊትና ኢና፡ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣይወደቐን` ዝብል ጐስጓሳት ጥራይ`ዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋህበ ትንታነታት`ውን ከምኡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ክኸይድ ዝጸንሐ ግጉይን ድኹምን ፖሊሲ ምኽኑይ ንምግባር`ዩ።

 

ካብዚ ቀጺልና ነቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቶም ርእሰ-ኣንቀጻት ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውን ነገር ኣተሓሒዝና ንርአ።

 

እቲ መግለጺታት ኣብቲ ከም መእተዊ ተጠቂሙሉ ዘሎ ዓንቀጻት ገለ ቁሩብ ሓቅታት ይትንክፍ እዩ። ንኣብነት እቲ ቀዳማይ መግለጺ፡ `ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስዘለዎ ኣቀማምጣ: ብዝሒ ህዝብን ዕቑር ሃብትን ዝተሓሓዝ ጸጋታት ብሰንኪ ዘቤታውን ዞባውን ድኻማት ከምኡ`ውን ነዚ ድኻምዚ ዝምዝምዝ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ክጠቀመሉ ከምዘይከኣለን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ብፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣዕናዊ ኲናትን ግጭታትን ሽበራዊ መጥቃዕትታን ክሕመስ ዝጸንሐ`ዩ` ይብል። ምስዚ ኣበሃህላዚ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ዝሰማማዕ ይመስለኒ።

 

`ህዝብታት ዞባና ካብ ዘይርጉእ ሃዋህው ወጺኦም፡ ዕቑር ዓቕምታቶምን ጸጋታቶምን እናተመላልኡ ብኣድማዕነት ዝጥቀሙሉ ናይ ውሑስ ሰላምን ጸጥታን ባይታ ክፍጠር` ዝብል ቀንድን ጠማርን ዝኾነ ሓሳባት’ውን የስዕብ። እዚ ብከመይ ከምዝረጋገጽ ክሕብር ከሎ፡ ቅድም ቀዳድም ‘ብደረጃ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ውሽጣዊ ርግኣትን ስኽነትን ምርግጋጽ የድሊ’ ይብል። ነዚ መሰረታዊ ሓሳብዚ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣከይዳ ከተወዳድሮ ከሎኻ እቲ መግለጺ ክሳብ ክንደይ ‘ባዶን’ ሓሳውን ምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን። ኣየነይቲ ናይ ዞባና ሃገር`ያ ንውሽጣዊ ሰላምን ጸጥታ ብቐዳምነት ሰሪዓ እትንቀሳቐስ? ነተን ሃገራት ነፍሲ-ወከፈን ሓደ ብሓደ ምርኣይኳ ዝከኣል እንተኾነ፡ ነተን ክልተ ባዕለን ናይዚ ዞባዊ ፕሮጀችት መራሕቲ ገይረን ሓርየን ዘለዋ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምርኣይ ጥራይ ይኣክል። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ብሄራት ግጭትን ቅዋማዊ ቅልውላውን ተሸሚማ እትርከብ ዘላ ሃገር`ያ። ኤርትራኸ ዋላ ስማዊ ባይቶ`ኳ ዘይብላ፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ከም ናይ ብሕቲ ዋኒኑ ገይሩ ዘመሓድራ፡ ህዝባ ገዲፉዋ ዝውሕዝ ዘሎ ሃገር`ዶ ኣይኮነትን? ጕዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ገዲፍና፡ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ሃገርና፡ ምስቲ ኣቐዲምካ ውሽጣዊ ሰላምን ጸጥታን ምዕባለን ምርግጋጽ ዝብል ናይ ወረቐት መትከል ፍጹም ዘራኽብ የብሉን። ብኣንጻሩ፡ መንፈሱ ምስቲ `ሃገርና ናብ ንቡር ትመለስ፡ ባይቶና ይተኸል፡ ቅዋም ይሃልወና፡ ዶብና ይተሓንጸጽ’ ዝብል ጻውዒት ህዝቢ`ዩ ዝቃዶ።

 

እዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓዲሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ምስቲ ኣብቲ ሓተታ ተጠቒሱ ዘሎ `ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ሃገራዊ ረብሓን ዝተመስረተ`ዩ` ዝብል ናይ ወረቐት መትከል ዝሳነ ኣይመስልን። ብኣንጻሩ፡ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ክወሃቡ ዝጸንሑ ዘይግሉጽነት ዝመለልይኦም ንውህደት ኣብ ቍጠባን ዲፕሎማስን ምክልኻልን፡ ብፍላይ ድማ ንሓይሊ ባሕርን ኣጠቓቕማ ወደባትን ዝምልከቱ መግለጺታትን ናይ ሰብነት ቋንቋን (body language)፡ ነዚ መትከል`ዚ ዝጻረሩ`ዮም። ዋላ ብቅንዕና እተበገሱ`ዮም ኢልና ሕድገታት ክንገብር እንተንሓስብ`ውን፡ እንተወሓደ ዘይግሉጽነቶም ናብ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ናብ ዘይድሊ ትርጉምን ትንታነን ከምርሓና ይኽእል።

 

እቲ ካልእ ዘገርም እቲ `ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዞባና እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ሰላምን ፍትሕን ዝጠልብ ንቕሓትን ናብ ሓባራዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘቋምት ባህጊ፡ ኤርትራ ካብ ቅድም ኣትሒዛ እትብህጎ ዝነበረትን ብውሱን ዓቕማ ትጽዕረሉ ዝነበረትን` ዝብል`ዩ። እቲ ሓቂ ግን ኣብ ዝሓለፉ 28 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እዚ መርገጺ`ዚ ምንባሩ ንምርኣይ መጽሓፍ ምሉእ ምጽሓፍ ዘኽእል ምዃኑ`ዩ። ውሑዳት ኣብነታት ንምጥቃስ ግን ነዞም ዝስዕቡ ንርአ፡

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ ውድብ ኢጋድ

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ ውድብ ሃገራት ዓረብ (Arab League)

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ ኤሮጳዊ ሕብረት

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ መንግስቲ ኣመሪካ

-ዲፕሎማስያዊ ግጭት ምስ መንግስቲ ስዑድያ: ወ.ዘ.ተ.

 

-ኲናትን ዲፕሎማስያዊ ግጭትን ምስ መንግስቲ ሱዳን

-ኲናትን ዲፕሎማስያዊ ግጭትን ምስ መንግስቲ የመን

-ኲናትን ዲፕሎማስያዊ ግጭትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ

-ኲናትን ዲፕሎማስያዊ ግጭትን ምስ መንግስቲ ጅቡቲ

 

እቲ ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ትንታነ`ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን:: እቲ ኣብ ቍ. 6ተ ተመልኪቱ ዘሎ ንነፍሲ-ወከፍ ናይ ዞባና ሃገር፡ ገሊኡ ብመልክዕ ምኽሪ ገሊኡ ድማ ብመልክዕ ትእዛዝ ቀሪቡ ዘሎ፡ ንኣተሓሳስባ መራሕቲ ኤርትራ ኣብሪሁ ስለዘርኢ በብሓደ ምርኣዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

 

እቲ ዓንቀጽ፡ `ሃገራት ናይ ባዕለን ልኡላዊ ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ብሓፈሻ፡ ዘይንዓቕ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ ብፍሉይነት ክህልወን` ብምባል ይጅምር። ዝገርም ኣስተምህሮ ካብ ሓንቲ መንእሰያታ ራሕሪሖማ ዝውሕዙ ዘለዉ፡ መሳርዕ ሰራዊት ምክልኻላ እንትርፎ ዝደኸሙን ዝኣረገኡን፡ መንእሰያት ዘይብሉ፡ ሓይሊ ባሕራን ሓይሊ ኣየራን ስማዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ሃገር! ብዛዕባቲ ኢትዮጵያ ክትሃንጾ ዝብሃል ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ እንተኾይኑ ግን፡ ኣእምሮና`ኳ እንተዘይቀሰነ፡ ዓይንና ከይርኣየ ፍርዲ ንምሃብ ኣይንህወኽን።

 

ቀጺሉ ኣብ ቍ. 6ተ፡ `ሶማልያን የመንን ካብ ጃላነትን ቅልውላውን ወጺአን፡ ናተን ብቑዕ ትካላት ምክልኻል ክሃንጻ፡ ካብኡ ወጻኢ ዝኾነ መተካእታ ክውገድን ከይሕሰብን` ዝብል ትእዛዝን መጠንቀቕታን ይህብ። ይገርም`ዩ! ሞግዚት ስዑድያን ኢማራትን ኮይና ዘላ ኤርትራኸ ከመይ ኢላ`ያ ንየመንን ሶማልን ብዛዕባ ብቑዕ ትካላት ኣተስተምህሮ ክትህብ። ነዊሕ መልሲ ካብ ምሃብ፡ እታ ንተኸልቲ ሃይማኖት ሺዓ ዝኾኑ የመናውያን ሑቲ ትውድብን ተዕጥቕን ዝነበረት፡ ድሕሪ ምስ ስዑድያን ኢማራትን ምሽራዋ`ውን ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ናብ ናይ ኢማራት ወትሃደራዊ መዓስከር ቀይራታ ዘላን፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ስቓይ የመናውያን ትሳተፍ ዘላን፡ ኣብ ጕዳይ ሶማል`ውን ብኣሉታዊ መገዲ ክትዋሳእ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ እንታይ ሞራላዊ ጸብለልታ ሃልዩዋ`ያ ብዛዕባ ርግኣትን ጸጥታን ናይዘን ሃገራት ክትዛረብ።

 

ንጅቡቲ ብዝምልከት፡ ኣብ ቍ. 6ተ፡ `ጅቡቲ ካብ ምስሳይ ሓይልታት ወጻኢ ተገላጊላ ናታ ሃገራዊ ትካላት ክትሃንጽ` ይብል። እዚ ምስቲ ንሶማልን የመንን ኣመልኪቱ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ንመትከል ዝምድናታት ወጻኢ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ንስነ-ልቦናን ባህርያትን መራሕቲ ኤርትራ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጽ ይመስለኒ። ዓቕሚ ካብ ምስኣኖም እንተዘይኮይኑ፡ ሃገራት ንሳቶም ዘይደልዩዎ ወይ ዘይሰማምዑሉ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ወይ ርክባት ከይገብራ ምኸልከሉ ነይሮም ማለት`ዩ። እዚ ኣተሓሳስባ`ዚ ድማ`ዩ ኣብ ዝሓለፉ 20 ወይ 30 ዓመታት ንሃገርና ምስ ሃገራት ዞባናን ካብኡ ወጻእን ናብ ምስሕሓብብ ግጭትን ከእትዋ ዝጸንሐ፡። ጅቡቲ ምስ ህሉው ኵነታታ ተተሓሒዙ (ብዝሒ ህዝባ፡ ባህርያዊ ጸጋታታ፡ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ሰላማን ስግኣታን)፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጕርብትና ዝኸይድ ዝተጸንዐ ናይ ወጻኢ ዝምድና ኣለዋ ኢለ እግምት። ንሕና ካብ እንምህሮም ድማ ካብኦም እንመሃሮ ዝበዝሕ ይመስለኒ። ንጅቡቲ ሓያላት ሃገራት ክቀዳደሙላ ከለዉ፡ ወደባ ብዘመናዊ ኮንተይነራት ዓቕሉ ክጸቦ ከሎን፡ ወደብ ዓሰብ መቓብር ናይ ዝኣረገን ዝመረተን ኮንተይነራት ኮይኑ`ሎ። ደቂ ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳን ሞሮኮን ተማሂሮም ንዓዶም ክምለሱን ስራሕ ከማርጹን ከለዉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ግን፡ ዝተማህሩን ዘይተማህሩን፡ ዝፈትዉዎም ሃገሮምን ህዝቦምን ገዲፎም ንስደት ይውሕዙ ኣለዉ። ብዙሓት ካብኦም ህይወቶም ስኢኖም፡ ካልኦት ድማ ኣብ መዓስከር ስደታኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን የመንን ይበልዩ ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ቍ. 6ተ፡ `ስዑድያ ብዘለዋ ብልጫታት ኣብቲ ምሕቡር ጻዕሪ ኣበርክቶ` ክትገብር ዝብል ተጠቒሱ`ሎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ርኡይ ኮይኑ ዘሎ ዓብላሊ ተራ ስዑድያ ኮነ ኢሉ ኣነኣኢሱ ከቕርብ ዝፍትን`ዩ። እቲ ክንገር ዘይተደልየ ሓቂ፡ ስዑድያ ንዞባ ቀርኒ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽራ ኣእትያቶ ከምዘላ`ዩ። ካልእ እቲ መግለጺ ነቲ ኢማራት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትጻወቶ ዘላ ዓቢ ግደ ኮነ ኢሉ ጐስዩ ምሕላፉ መርኣያ ናይ ምስሉይነት ናይ ጸሓፍቱ`ዩ።

 

መደምደምታ

እቲ ትንታነ ሓደ ዘብርሆ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ እቲ ዝርካቡ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፖሊሲ ኣሎ እንተኾይኑ፡ ሓይሉ ካብ ውሽጢ ንደገ ዝገበረ፡ ንኵነታት ኤርትራን ከባቢናን ኣብ ግምት ዘየእተወን ምዃኑ`ዩ። ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ፡ ኣብ ዘይርጉእ ግንከ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ከባቢ እትርከብን፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ኲናት ዝጸንሐትን ድኻ ሃገር፡ ነዚ ዓይነት ፖሊሲ ክትክተል የድሊ`ዶ?

 

ንቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት፡ ከምቲ እቲ መግለጺ ኣነጺሩዎ ዘሎ፡ ኤርትራ ማለት ቀይሕ ባሕሪ ማለት`ዩ። ክውስኸሉ። ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ጕዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ምዃኑ ኣድሚቕካ ክስመረሉ ዘለዎ`ዩ። ካብዚ ሓቅዚ ወጺእካ ዝግበር ንዝምድናታት ወጻኢን ካልእን ኣመልኪትካ ዝግበር ትንታነ ምሉእ ኣይከውንን። እቲ ሓተታ ንስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ጽቡቕ ገይሩ`ኳ ገሊጹዎ እንተኾነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዝተራእየ ኣካይዳ ግን ነዚ ዓለም ዝቐንኣሉ ጸጋታትን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ዘይምንባሩ`ዩ። ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ውሕስነት መግብን ኣመልኪቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ቍጠባዊ ወፍርታትን ምስኦም ዝኸዱ ናይ ዜና ሸፈነታትን፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንላዕሊ፡ ንዲጋታት ዓዲ ሃሎን ገርሰትን ኣድሚቖም ዘርእዩ`ዮም ነይሮም። መንግስትታትን ኣውፈርቲ ርእሰ-ማልን ካልኣኦት ሃገራት ካብ ባሕሪ ኣማኢትን ኣሽሓትን ኪሎመተራት ርሒቖም ዘፍረዩዎ ምህርቲ ዝሰዱሉ ወደባት ከናድዩ ከለዉ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢርትራ ዋላ ሓንቲ ጥር ትብል ፋብሪካ ዘይምስራሕናን፡ ኤርትራውያን ዓበይቲ ነጋዶን ኣውፈርትን ይስደዱን ሃገራት እንዳማቶም ይልምዑን ምህላዎም፡ ከምዚ እዚ ናይ ወረቐት ፖሊሲ ዝብሎ ዘሎ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘቕንእ ባህርያዊ ጸጋታትናን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣናን፡ ዝግብኦ ክብርን ጠመተን ከምዘይረኸበ ጥራይ`ዩ ዘመልክት።

 

ብርግጽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ይቕየሩ ኣለዉ። እቶም ዘይተቐየሩ፡ መራሕቲ ኤርትራ ጥራይ`ዮም። ብሕጂ`ውን ዝቕየሩ ኣይመስሉን። ኣካይዳኦም ምስቲ ኣብቲ ርእሰ-ኣንቀጽ ጽሒፎሞ ዘለዉ፡ `ዝምድናታት ወጻኢ መቐጸልታ ውሽጣዊ ፖሊሲን፡ መሰረቱ ድማ ምርግጋጽ ሰላምን ውሽጣዊ ርግኣትን እዩ` ዝብል ዝጋጮ`ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ዞባዊ ርግኣትን ጸጥታን፡ ከም ቀደሞም ንህዝቢ ኤርትራ ተሳታፋይ ካብ ምዃን ኣወሲኖምን፡ ኣብ ጕዳዩ ተዓዛባይ ከምዝኸውን ገይሮምን፡ ብኣንጻሩ፡ ባህርያዊ ሃብቱ ጓሕጒሖም፡ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸጋታቱ ኣዳኺሞም፡ ከምጽኡዎ ይህቅኑ ኣለዉ።  ቀጻልነት ዘለዎ ውሽጣዊ ሰላምን ጸጥታን ግን ብዘይ ሕጊ ዝኽተልን መሰል ዜጋታት ዘኽብርን ኣሳታፊ ፖለቲካን ክረጋገጽ ዘይከኣል`ዩ። ናይ ሃገርና ሰላምን ራህዋን፡ ናይ ዜጋታታትና ድሕነትን ዕብየትን ናይ ህይወት ዕግበትን ዕላማ ዘይገበረ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ድማ ኣብ ቅኑዕ መትከል እተመስረተ ክኸውን ኣይክእልን።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዞባዊ ርግኣትን ምዕባለን ንሱ ምስ ሃለወ ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ኣሚኑን ተኣማሚኑን ናይ `ይኣክል` መልእኽቱ የቃልሕ ኣሎ። ህላወኡን ድሕነት ሃገሩን ምሰረጋገጸ፡ ዞባዊ ምርግጋእን ውህደትን ባዕሉ ዝስዕብ ምዃኑ ስለዝግንዘብ።

 

ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • k.tewolde April 3, 2019

    “ብርግጽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ይቕየሩ ኣለዉ። እቶም ዘይተቐየሩ፡ መራሕቲ ኤርትራ ጥራይ`ዮም። ብሕጂ`ውን ዝቕየሩ ኣይመስሉን።” Indeed Doc.,it is like trying to send a text message using a rotary phone.trying to build superhighways with a brigade of boulder carrying human beings,trying to move goods and services at a lightning speed using a caravan of camels…..trying to forge peace,collaboration and economic integration while you are not at peace with yourself…..Lord have mercy! put an end to this human misery because you can.

  • Hagherawi April 3, 2019

    ንነብሱ ከም “መንግስቲ ኤሪትራ” ሰሚዩ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጂለ እሰያስ (ህግደፍ) ፥ ንሃገርና ሰናይ ተሰማዕነታ፣ ክብራን ጥቅማን ንምብልሻው ዘይገበሮ ክፋእ የልቦን።
    እቲ ጉጂለ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፥ ኣብ ቀጻሊ ውግኣትን ወጥሪ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተጸሚዱ ፥ ህዝቢ ቅሳነት ሲኢኑ ፥ ብድኽነት ተዳኺሙ ፥ ብዘይካ ነታ ዕለታዊ እንጀራ ፣ ካልእ ክሓስብ ከምዘይክእል ዝገብሮ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዘተኮረ ፖሊሲታት እዪ ከተግብር ጸኒሑ ።
    እቲ ብኮንትሮባንዳን ስርቂን ፥ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ናውራም ቁሐባዊ ንጥፈታት ፣ ነቶም ኣብ ብልሽውና ዝተዋፈሩ ሰበስልጣን ጉንዖ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ፣ ንሃገርና ኣብ ዕንወታ እምበር ኣብ ህንጸታ ወሰኽ ኣየርኣየን።
    ሕጂ ውን ፣ ህዝቢ ኤሪትራ ፣ ነታ ንብረቱ ዝኾነት ሃገሩ ካብ እድ ጸላኢ መንዚዑ ፣ ክብራ ከልብሳ ፣ ብሕግን ሓልዮትን ክሃንጻ ፣ ተሓቛቂፉ ኣብ ኑቡር ክመልሳ ምእንቲ ፣ ከይዋዓለ ከይሓደረ ክሰርሕ ግዴቲኡ እዪ።

    • k.tewolde April 3, 2019

      Indeed Hgherawi,your pen name says it all,you can’t convey the message better concisely and articulately in a language we all can understand,my respect and admiration always,habrom! like my Dad use to call me in my childhood years.

  • Hagherawi April 3, 2019

    ኩቡር ሓወይ K. Tewelde

    ሓደ ከማኻ ፥ ብጉዳይ ሃገሩ ዝሓምም ፥ ንህዝቡ ዝሓሊ ፣ ብመንነቱ ዝኾርዕ ውዲ ሃገር ፥ ክሳብ ዝመርሓና ስቃይና ቀጻሊ እዩ።
    ስለዚ ፥ እታ ነጻ ከተውጻኣ ፥ ብንኡስ ዕድመኻ ዝተቃለስካላ ሃገርካ፥ ሕጂ ውን ፥ ኣበይ ኣሎዉ ደቀይ ትብል ኣላ ።
    ኣለናልኪ ንበላ ። እደይ እድካ ንበል።

    • Danilo April 3, 2019

      Hagerawi, ጹቡቅ ኣለኻ።”ኤርትራ ኣበይ ኣለዉ ደቀይ ትብል ኣላ” ግን፡እቶም ደቀይ ትብሎም ህሉዋት ክኾኑላ፡ እቶም ዝተሰዊኡላ’ውን ወትሩ ክዝከሩ ሑሉባን ጠስማን ማለት(ደምን ዓጽምን ንያትን ጻዕርን) ዘይረሰዐትን ካብ ኩሉ ንላዕሊ መቦቆል ሰብኣውነት፡ርሕራሒየ ዘለሊ ግን ዘይተዓደልኩ ስትራተጂካዊት ሃገር ሙኹዋነይ ንባዕዳውያን ኣገዳሲት ሙኹዋነይ ዕድል ኣይረኸብኩን ግን፡ንደቀይ ጸጋዊት እየ።ደቀይ!!!ኣይተጠቀምኩምሉን ብሰንኪ ሓሳድ እሰያስ ትብል’ውን ኣላ።

      • k.tewolde April 4, 2019

        I am floored Ahwat! I am speechless,for a moment my mind went into a time lapse(trans) to our sane homeland where brothers/sisters complimented and loved each other,protected and fought for one another,a time when a mentor mentored instead of misleading and indoctrinating,a time when the older folks were the respected members of the community,a time when the priest came home blessed and broke the bread instead spying on the family,a time when every child was accounted for in the dinner table>>>>>>> your kind words transported me there,I am not deserving but million thanks,Yes! that Eritrea is not out of grasp if we pull together.

  • Aba thimmer April 3, 2019

    Enough is enough! i guess . Whispering by Eritrea it self. .saying, “I never thought my son stubs my chest ” desperately need rehabilitation prior death if someone is up there?

  • Woldegabriel April 3, 2019

    It is a very concise, precise, in-depth and elaborate analysis that exposes the so-called foreign policy of the dictatorial regime. It is more relevant because it is written in Tigrinya. I also applaud Hagherawi for always complementing conceptual understanding with ground to earth practical approaches.

  • ኣማኑኤል ገብረስላሴ April 4, 2019

    ብመጀመርያ ብዙሕ የመስግን ዶር መብራሕቱ

    እዚ ኣብቲ ባሕርታትና ዘለካ ዓሚቅ ኣፍልጦ ዝተመርኮሰን እዎናውን መልሲ ኣገዳስን ዝናኣድን እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።

    እቲ ሓጽር ታሪኽ ናይ’ነጻ’ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣስላስላ ሚንስተር ነበር ሕጂ ኣብዘይ ተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ዝምሽምሽ ዘሎ ፕጥሮስ ሰሎሙን ኣብቲ ምስ ዳን ኮነል ኣብ መጋቢት 2001 (ቅድሚ ብዘይ ሕጊ ምዕፋኑ) ዝሃቦ ቃለ መጠይጥ ዝገምገሞን ሕጂ ውን ዝቅጽል ዘሎ ከምዚ ዝስዕብ እዩ( ቃል ብቃል ኣይኮነን)

    ” ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዘለና ስራሕ ዝተወለዕ ሓዊ ምትፋእ እዩ”

    ብርግጽ ብረብሓ ሕዝብን ሰባዊ መስላትን ዘይምእዘንን ብትካላውን ቅዎማውን ሕግታት ዘይግዛእ ስርዓት ንድሕነት ሕዝብናን ሃገርናን ዎሕስ ክኽውን ስለዘይክእል ኩሉ ዓቅምታትናን
    ሓይልታትናን ነቲ ብይእካል ዝጠራነፍ ዘሎ ብዶሃዊ ጎስጎስ ንሕጀመሉ።
    ኣማኑኤል

  • Yonas April 4, 2019

    Nice collection ….keep posting such things

POST A COMMENT