Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መናፍቓን! ዋላስ ጻድቃን?

መናፍቓን! ዋላስ ጻድቃን? 20 ሕዳር 2017 ሃይማኖት ውልቃዊ ምርጫ፣ ሃገር ሓባራዊ ምርጫ እዩ። (ሃይማኖት ብውልቂ፣ ሃገር ብሓባር)። ኣብዚ ኩልና ኢና ንሰማማዕ። ስለንታይሲ ኣብ ሓንቲ ብቑዋም እትመሓደር ሃገር እተፈላለየ መንፈሳዊ እምነት ዝኽተሉን፣ ጭርሻ መንፈሳዊ እምነት ዘየምልኹን ሕብረተሰባት ስለ

መናፍቓን! ዋላስ ጻድቃን?
20 ሕዳር 2017

ሃይማኖት ውልቃዊ ምርጫ፣ ሃገር ሓባራዊ ምርጫ እዩ። (ሃይማኖት ብውልቂ፣ ሃገር ብሓባር)። ኣብዚ ኩልና ኢና ንሰማማዕ። ስለንታይሲ ኣብ ሓንቲ ብቑዋም እትመሓደር ሃገር እተፈላለየ መንፈሳዊ እምነት ዝኽተሉን፣ ጭርሻ መንፈሳዊ እምነት ዘየምልኹን ሕብረተሰባት ስለ ዝነብሩላ።  ምንምኳ ሰባት ዝደልዩዎ ስርዓተ ሃይማኖት ይእምኑ፣ ብስርዓተ እግዚኣብሄር እንተ-ተቐቢልናዮ እውን! ሰባት ከይበዳደሉን ካብ ስርዓት ከይወጹን ሕጊ ደኣ ወረደ እንበር፣ ቅድሚ ሕጊ ዶብ ሃይማኖታት ኣይወረደን። ንሙሴ እተጻሕፈሉ 10 ትእዛዛት እግዚኣብሄር እምበር! 10 ስርዓተ ሃይማኖታት ኣይወረደን። ስለ ዝኾነ ሰባት ንመንፈሳዊ ኣምልኾቶም ብዝደለዩዎ ክኣምኑ ዝእግዶም ሕጊ ፈጣሪ የለን። ኣብዚ ዘይሰማማዕ ኣሎ ኣይንብልን። እንተኾነ ብምኽንያት ሃይማኖታት ብምስባብ ዓለምና ካብ ውግእን ወረ ውግእን ተገላጊላ ኣይትፈልጥን እንተ-በልናውን ካብ ሓቂ ኣይወጻእናን። ፖለቲካውያን መራሕቲ ምምሕዳራዊ ድኽመታቶም ንምሽፋን ምኽንያት ሃይማኖታት ብምስባብ ህውከት ክዘርኡን ህዝብታት ከፋልሱን እቲ ዝቐለለ ፍቱን መድሃኒቶም እዩ። ናብ ነዊሕ ትንታነ ብዘይ ምእታው ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ጥራይ! ሓጸርትን ሃነጽትን ሓሳብት ምሃብ ናይ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ጥራይ ዘይኮነስ እዛ እንብላ ኤርትራ ሃገርና ብዓብላልነት ሓደ መንፈሳዊ እምነት ከም ህዝቢ ክንነብረላ ከቶ ዘይከኣል እዩ። ስለ ዝኾነ እዩ ድማ! መሬት ናይ ሓባር፣ ሃይማኖት ናይ ውልቂ ዝበሃል ዘሎ። ህዝባዊ ሓላፍነት እወስድ እየ ዝብል ዝኾነ መንግስቲ ይኹን ገዛኢ ሓይሊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ክሕሉን! ትካላቱ ከውሕስን! ንዕኡ ዘቑሙ ኣዕኑድ- ሃገራዊ ቅዋም ከቕውምን ዝግደድ። ኣብ ሃገርና ግን ብኣንጻሩ እዩ።

ዓለምና ብጥበባትን (ፈጠራታት) ሳይንሳዊ ኣተሓሳስባታትን ተወንጭፋትሉ ኣብ ኣትርከበሉ ክፍለ-ዘመን፣ ክርስትያኑ-ሙስሊሙ ህዝቢ ኤርትራ! ኣብ መንፈሳዊ እምነቱን ትካላቱን ብምትእትታው ኣእዳው ህግደፍ ተሓማዚቑን ተዋሪዱን ይርከብ።  ስለዙይ ወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ካብዙይ ናብቱይ እዩ ኢልካ ገደብ ክትገብረሉ ኣብ ዘይከኣል ዘመን ንርከብ። ብኹሉ መዳዩ እዩ ወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ፣ ማለት! ብባህሉ፣ ብልምዱ፣ ብታሪኹ፣ ብመንፈሳዊ እምነቱ፣ ወዘተ ድከቱ ካብ ዝርኢ ኣስታት 3ተ ዓሰርተታት ዓመታት ተገማጊሙ ይርከብ።

ምናልባት ደኣ ዝሕደሰና እናኾነ እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኣኽርያ እተርኣየ ተርእዮ ሓደ ካብቱ እኩይ ሳዕቤናት ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ደኣ እምበር ጀማሪ ጠንቂ ኣይነበረን። ስርዓት ህግደፍ ሃይማኖታዊ ሕጋውነት ምዕቋብስ ይትረፍ ኣኽብሮት ዝበሃል እውን የብሉን። እተፈላለያ እምነታት ሃገርና ብህግደፍ ዘይተወጸዓን ዘይተሃድናን የለዋን። ብዓብይኡ ድማ እታ ጥንታዊትን ፈላሚትን እምነት ክርስትና ዝኾነት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ካብ ግዳያት ሃይማኖታት ኤርትራ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ትርከብ። ስለ ምንታይሲ ኣቦኣ! ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝኣክል ሕጋዊ መንፈሳዊ መራሒ ዘምቆሐት (ዛብጥያ ዘውረደት) ቤተ-ክርስትያን እያ ዘላትና። እወ! ግዳያት ኣእላፍ ሊቃውንትን ኣቦታትን ዝኾት ቤተ ክርስትያን እያ ዘላትና። ኣነ ኣብቲ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ትግሪኛን መሰሎም ኣይሓቱን፣ ኣይጣበቑን፣ <ስለዙይ< ወገን ናይቱ ስርዓት እዮም ዝብሉ< ዘይበሰሉ ስምዒታዊ ዘረባታት ኣይሰማመዓሉን። ምኽንያቱ ቤተክርስትያንና ካብዙም ዝንገረሎም ዘለዉ ሊቃንቲ ኣቦታት ንላዕሊ ክትከፍል ትጽቢት ምግባር ኣብ ቦትኡ ኣይኮነን። ከም ውጽኢቱ እያ ድማ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክልተ ተመቒላ ትርከብ። ማለት! ኣቦና ኣቦነ ኣንጠንዮስ ሕጋዊ ኣቦ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኢዮም ዝብሉን፣ ብኣንጻሩ! ምስ ህግደፍ ዝወገኑን እሞ! ግን ከኣ፣ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘይብሎምን ኣብ ክልተ ተመቒላ ትርከብ ቤተ-ክርስትያንና። እቲ ሽግር ኣብኡ ተወሲኑ ኣይተደረተን። ነዙ ክልተ ብልሒ ተጠቒሞም ካልእ ሳልሳይ ኣካል ቤተ ክርስትያን ዝመስሉ  ኣናእሽቱ ትካላት ቅልቅል ውጥም ካብ ዝብሉውን ኣይቀለለን። ከምቱ ኣብ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ! ሓሰውቲ መሲሃን ክበዝሑ እዮም ዝብሉና ወቕቱ ዝኣኸለ ይመስል።

ሎሚ እምበር ኣብ ሓደ  ትዕዝብቲ እየ ብርዐይ ክተክል። ብፍላይ ፖለቶካዊ ዑቕባና ተኸቢሩልና ከቢርና እንነብረሉ ሃገር ዘሎኒ ውሱን ትዕዝብቲ። ክጅምራ ከለዋ ካብ ህግደፍ ዝረሓቓ ክመስላን ተኸተልቲ ኦርተዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን  ኢና ዝብላሞ ኣብ ተግባር ካልእ መልእኽቲ ዘለወን ኣናእሽተይ ትካላት ኣትኲረይ እየ ክጽሕፍ መሪጸ ዘለኹ። ውጽኢት ኩሉ ዓይነት ውጽዓታት ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ዋሕዚ-ስደቱ ጥራይ ምምዛኑ እኹል እዩ።

 

ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ስደትን ዝርከብ ምዃኑ ንቐባራይ ኣይተርደኦን። መራሕቲ ሃይማኖታትውን ካብኡ ነጻ ክኾኑ ኣይትጽበዮምን። ኮይኑ ኸኣ። ነቲ ኣብ ኤርትራ እተፈጥረ ግህሰት ሃይማኖታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝወረደ በደል ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ፣ ኩሉ ብሰሃራ ዝስገረ ዘበለ፣ ቀሺ ወይ ድያቆን ይኹን መዘምራን ክርስትያናዊ እምነትና ተሓሪምና፣ መራሕትና ተሓይሮም ኣድባራትና ተደፊሮም ብምባል ኣብ ነብሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱለን ሃገራት ብጭቃ-ቀለም ፌርምኦም ኣቐሚጦም እዮም። ብዙሓት ሓቀኛታት ከም ዘለዉ ኣይክሕዶምን፣ ኣለዉ። እንተኾነ ካብዚ ፈልፊሎም ዘይትብሎም ምስቱ ስደት ተደዋዊሶም <<መናፍቓን ድዮም ጻድቃን<< ክተለልዮም ዘሸግሩን  ንባዕልቶም ዝሽገሩን ተፈጢሮም ምህላዎም ክትርኢ ከሎኻ!! ኣየ ጉድድድድ እዩ ዘብለካ። ብፍላይ  ብብዝሒ ኣብ ሓደስቲ ዘማርያን ኢና በሃልቲ ልዕሊ ጳጳሳት ክውግዙን ከናዝዙን ክፍትኑ ምርኣይ ወይ እንታይ ከርእየና  እዩ ዘብል። ሃይማኖትሲ በዓል ንእሽተይ ፍልጠት ይዓብደላ ከም ዝበሃል! ንኹሉ ዓይነት ባህላውን ልምዳውን ጸጋ ሕብረተ-ሰባት ኤርትራ ነውሪ ይብሉዎ። ንኹሉ ጥንታዊ ጸጋታትና ሃይማኖትና ኣይፈቕዶን ክብሉ ይሰብኩን ይእግዱን። ኣብ መርዓ ጎይላ ኣይትግበሩ፣ ኣይትትሓጎሱ፣ ኣብ ጉዳይ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ብፖለቲካ ኣይትካትዑ፣ ብዘይካ ናትና ካልእ ሃይማኖት ዋጋ የብሉን፣ ካሎኦት ሃይማኖታት ጣኦታት ወይ ድማ መናፍቓን እዮም ወዘተ ይብሉ። ድኹምን ግን ከኣ ሰራም ስብከትን።  ናይ ጰንጠ ድዩ? ጀሆባ እድቡ ዘይፍልጥ ጸረ ፖለቲካን ምሕደራ ህዝብን ዝኾነ ጎስጓስ ምጉስጓስ ፈጺሙ ካልእ ህግደፋዊ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላዉ የብረሃልና።  ካልእስ ይትረፍ ነተን ዘስተኣናግዳና ሃገራትን እምነታት ኣህዛበን ምብራዝን ንዕቀትን ብዘይ ስክፍታ ክሰብኩ ይስትውዓሉ።

ኤረ ንሱ ጥራይ መኣስ ኮይኑ! ኣብ ዓድና እምነትና ተነፊግና ክብሉ ብፌርመኦም ዘረጋግጹዎ፣ ተመሊሶም ሰባኽያን ክመስሉ ንዝኣከቡዎም መንእሰያት ናይ ጣዕሳ ሰነዳት ህግደፍ ውሽጢ ውሽጢ ምዝርጋሕን፣ ቁዱስ ወንበራ ዝተነጥቀት ሲኖዶስ ኤርትራ ኢና ንምራሕን ዝብል ሰራም ስብከት ንሓተትቲ ዑቕባ ዘተዓናቕፍ ስብከታት ምዝውታሮም እዩ። እቱ ዘገርም ነቶም ኣቡነ እንጠንዮስ ክፍትሑ ኣለዎም፣ ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣእዳዉ ኣብ ቤተክርስትያናን ምትእትታው ደው የብል ዝብሉ ሊቃውንቲ፣ ከይተሰከፉ ንገሊኦም ተሃድሶ-ንገሊኦም መናፍቓን  ክብሉ የጸልሙዎም። ህግደፍስ እንታይ ድዩ ደኣ ዝበለ? እሞ ኣብ ውሽጦም ልኡኻት ህግደፍ ተዘሪኦም ኣለዉ እንተበልናስ ምግናንዶ ይኸውን። ካብኡ ንላዕሊ እውን ኣሎ፣ ንሎሚ በዚ ክሰናበትሞ ኣብ ዝቕጽል ሓደ ርኡይ ነገር ንነበብቲ ምትሕልላፍ ኣይተርፍን።

ብወዲ ባሻይ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • sami November 23, 2017

    Miss you my beautiful churches.

Post a Reply to sami Cancel Reply