Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ?

መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ? ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) ከ መን ኢዩ? መንቀሊ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብምኽንያት እታ ዓመት መጸ ዜጋታትና ናጽነት ሓሪምዎም

መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ?

ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) ከ መን ኢዩ?

መንቀሊ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብምኽንያት እታ ዓመት መጸ ዜጋታትና ናጽነት ሓሪምዎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ገለን ብ ISIS ክጉይሑ ገለን ኣብ ማዕምቑ ማእከላይ ባሕሪ ክሰጥሙ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ተካል ስማዕ ክንሱ ጽምብል ናጽነት ኣመኽኒዮም ወይጦታት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ንምስሎም ዘመላኽዑላ ኣጋጣሚ ብምርኣየይ ዋእ! እንታ! ካን ዲዮም ሎምስ ብሂወትና ከለና ታሪኽናን ታሪኽ ጀጋኑናን ክዘምቱና ብምባል ኢየ።

ኣርእስቲ ጹሑፈይ ነዚ ኣብ ስእሊ ዝርኣየኩም ዘሎ ሰብ ጠቒሰ “መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ጀጃዊ ሕጂ ወሃብን ከልካልን መንነት ክኸውን የምሕረሉ ዶ? ወይጦ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ) መን ኢዩ?” ዝብል’ዩ። ስለዚ ኣብቲ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ባዕሎም ብመገዲ ቃለ መጠየቕ ብቪዲዮ ክሊፕ ምስቲ ኣይ ሙዚቀኛ ኣይ ጋዜጠኛ ሓዲግ ዝተረፈ ወይጦ ያሬድ ተስፋይ ነጋሲ ኮይኖም ኣዳሊዮሞ ስለ ዘለዉ እንሆልኩም ኣብዚ ሊንክ Interview with Mr. Suleman Hasen, Head of Consular Affairs at the Embassy in UK. https://www.youtube.com/watch?t=182&v=iVC_w_GekLo እናበልኩ ሰማዓይን ተዓዛባይን ካብኡ ተበጊሱ ሚዛኑ ከቐምጥ ስለ ዝኽእል ኣብኡ ኣቲየ ክዛረብ ኣይኮንኩን። ስለዚ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ እምብኣር፡- እዋኑ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ እቲ ኣነ ዝተጋደልኩሉ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 1976 መጀመርታ 1977 ዓ.ም “ሰብን መሬትን በብቑሩብ ሓራ ምውጻእ” ዝብል ናይቲ መድረኽ እዋናዊ ጭርሖ ዝነበረሉ ጊዜ ኮይኑ፡ ኣነ ዘለኽዎም ብሓይሊ ፊተውራሪ እንፍለጥ ንኡስ ዝዕድመና ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ንዕለመሉ ዝነበርና መደበራት ታዕሊም ፋሕን ብሌቓትን ናይ ሽዑ ወተሃደራውን ፖሎቲካውን መማህራናን ሓለፍትናን ዝነበሩ ከም ብዓል ስዉእ ኮለኔነል ኪዳነ ሚዒተልካ፡ ሕዩራት ኣባላት G-15 ነበር ተጋደልቲ ሳልሕ ኬኪያን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ከምኡ ድማ ናይ ሕጂ ስማዊት ሚኒስቴር ፍትሒ ዘላ ፎዚያ ሓሽምን ብዓቢኡ ክኣ እዚ መዛረቢና ኮይኑ ዘሎ ሱሌማን ሓሰን (ማንጁስ)ን መዘንኡ ዝነበረ ሓይልኣብ ተስፋይን ኢየ ዝዝክር። እዚ ዝተጠቕሰ ሱሌማን ብነብሱ ደቂቕ ዝመሸከሉ ድኣ ኮይኑ’ምበር “ከመዮ ሓጺር ኣድግስ ወትሩ ዒሉ” ዝብል ምስላ ወለድና ንእሽቶስ ኣይነበረን። ግን ክኣ ብምድቃቑ መሰታና ኮይኑ ስለ ዝርኣየና በታ ተዛራቢት መልሓሱን ሓያል ናይ ፖሎቲካ ኣተናትንኡን ምኣስ ኢና ከምዚ ንኾኖ ብምባል ግደ ሓቂ ንቐንኣሉ ነበርና። ሓቂ እንተኾይኑ ሽዑ ንሰሞዖ ዝነበርና ክልቲኦም ሱሌማንን ሓይልኣብን ቅድሚ ናይ ፖሎቲካ መማህራን ኮይኖም ናብቲ መደበር ታዕሊም ምምጽኦም ኣብ ፋሕ “ሸውዓተ ሓደ” ናይ ሽዑ ሚስጢራዊ መጸውዒ ኮድ ቦታ መሪሕነት ተልኣኣኽቲ (ማሕዮ) ምምባሮም ኢዩ ዝንገርሎም።

ብድሕሪ’ዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምሕራር ከተማታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብምስዓቡ ኣብ ሰምሃር ብፍላይ ክኣ ንወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ ንምሕራር ህዝባዊ ሰራዊትና ኣብ ሓያል ምርብራብ ኣብ ዝተጸመደሉ ጊዜ፡ እዚ ዘይብሃል መስዋእቲ ኢዩ ዝተኸፍለ። ነዚ ዓቕሚ ሰራዊትና ዝበልዐን ዘጓደለን መሪር ኲናት ንምትካእ ክኣ፡ ካብ ክፍልታት ወድብ (ደጀን) ኣሎ ዝብሃል ዓቕሚ ሰብ ከም ዝኸትት ተገይሩስ ከም ካብ ኩለን ክፍልታት ውድብ ካብ ክፍሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም’ውን ከተቱ’ሞ እዚ ዝተጠቕሰ ሰብ ሱሌማን ማንጁስ ክኣ ናብቲ ግምባር ከቲቱ ኣብ ውግእ ባጽዕ ከም ዝስለፍ ድኣ ተገብረ። እንተኾነ ኣይግድን ወያ ንፖሎቲካ ከም ማይ ትሰትዮን እንተደሊያ ትጭንግዖን ዝነበረት መልሓስ ኣበይ ከም ትኣቱ ድኣ ጠፍኣ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ካብ ምሒር መስዋእትን መውጋእትን  ምብዝሑ ፍጹም ዘስተባሃለሉ ሰብ ዘይረኸበ ወላእላእ ዝበለ ሱሌማን ማንጁስ ምኹልይ ብምባል መውጋእቲ ዘይብሉ ክንሱ ነጸልኡ ብምቕዳድ ግጥም ኣቢሉ ኢዱ ብምጅናን ውጉእ ተመሲሉ ናብ ሕክምና ናይቲ ግምባር ዝነበረ ያንጉስ ብምኻድ ምስ ካልኦት ብርቱዕ መውጋእቲ ዝነበሮም ጀጋኑ ተሓዊሱ ንማእከላይ ሕክምና ሰብርቀጠ (ሳሕል) ኢዩ ዝተመርቀፈ። ኣብኡ ምስ በጽሐ መውጋእቲ ከም ዘይብሉ ተፈልጠ’ሞ ኩሎም ውጉኣት መኻይዱ ብፍላይ ክኣ እቶም ንሱ ዝመሃሮም ፊተውራሪ ክዓብዎን ተጸየፍዎን  ድኣ። “ኲናት ድኣ ምኣስ መልሓስካ ኣንዊሕካ ለውለው ኮይኑ” እናበሉ ኮፍ ድኣ ከልእዎ። ግን ክኣ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ዝሓፍር ፍጥረት ስለዘይኮነ እንሀለ ሕጅ’ውን ወልፈስፈስ ይብል። ብድሕሪ’ዚ ፍጻመ እዚ ከምቲ ኣብ ታዕሊም ተፈላጥነቱ እታ ኣበሩ ክኣ ኣብ ምሉእ ውድብ ስለ ዝተዘርግሐት መሕለፊ መገዲ ድኣ ስኣነ። ዝረኸቦ እሂ’ታ ምጅሉሕ፡ እሂ’ታ ሮግራግ ዝብሎ ጥራሕ በዝሐ። ብድሕሪ’ዚ ንሱዳን ክሃድም ተታሒዙ ሓለዋ ሰውራ ኣቲዩ ድሕሪ መቕጻዑ ክኣ  ናብ ሕክምና ተመዲቡ። እቲ ቁርሱስ ዕድሉ ክኣ ካልኣይ ክሃድም ተታሒዙ ናብታ ልምድቲ ገዝኡ ሓለዋ ሰውራ ድኣ ተመለሳ። ኣበየናይ ጊዜ ምዃኑ’ምበር ኣብ ብርጌድ 44 እውን ነይሩስ እንተ ሃዲሙ እንተ ኣነ ብዘይፈልጥክዎ ምኽኒያት ናብ ቤት/ትምህርቲ ሰውራ ተመዲቡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሳልሳይ ጊዜስ ሰሊጥዎ ንሱዳኑ ድኣ ተመርቀፈ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እቲ ዘይሓፍር ምዃኑ ሱዳን ምስ ኣተወ ናብራ ሱዳን ከቢድዎ ኣብ ልዕሊኡ ክኣ ጥዕና’ውን ርሒቕዎ ናብ ዝኸዶ ምስ ጠፍኦ ናብ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ ሙግሬን ካርቱም እናተመላለሰ ቁልማጾ ድኣ ለመደልኩም። ሽዑ ይዝከረኒ እቲ ውድብ ሃዲሞም ንሱዳን ንዝኣተዉ ተጋደልቲ ሃደምቲ እናበለ በቶም ደገፍቱ ገይሩ ዝድህሎም ዝነበረ ኣካይድኡ ቀይሩ ክጥቀመሎምን እንተወሓደ ክኣ ናብ ካልኦት ውድባት ከይከዱ ክሕዞምን ስለ ዝመረጸ ኢዩ ሱሌማን ናይዚ ልቑማጾ ተጠቃሚ ዝኾነ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እምበኣር’ዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካርቱም ምጉሬን ኣባላት ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ መሓመድ ስዒድ ባርህን ካልኦትን ኮፍ ኢሎም እናዕለሉ ከለዉ ኣብቲ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ክሰግር ዝርኣዮ ድሩዕ ንመሓመድ ስዒድ ባርህ “ኣንታ ሱሌማን ማንጁስ ዲየ ዝረኣኽዎ?” ኢሉ ይሓቶ’ሞ ወዲ ባርህ ክኣ “እወ! ንሱ” ኢሉ ይምልሰሉ። ድሩዕ “ኣብዚ ድኣ እንታይ ይገብር?” “ዋእ! እነሀልካ ሃዲሙ ድሕሪ ምምጽኡ ሓሚሙ ክመውት ኢሉ ኣብዚኣ እናተመላለስ ክኣ ይነብር” መለሰ ወዲ ባርህ። ድሩዕ “ ዋእ! ኣንታ ወዲ ባርህ እንታይ ተርእዩና ኣለኹም?” “ፈሪሐ ዝበለ ትባዕ ኣይትበሎ” እኳ ዝብሃል። እዚ ክኣ እታ ኲናት ፍጹም ኣይ ባዓልቲ ለይቱን ኢያ፡ ይኹን’ምበር እታ ዓቕሙ ጌሩ ኢዩ። ሕጂ ኽኣ በጃኹም ክፉእ ኣይተርእዩና ምስ’ዞም ንወጻኢ ክሕከሙ ዝኸዱ ዘለዉ ብጾትና ከም ገለ ጌርኩም ስደድዎ ኣብኡ ከይዱ ይተሓከም፡ ንነብሱ ይኹን ኢሉ ብምትሕስሳቡ ምስቶም ሽዑ ንሆላንድ ዝኣተዉ ናይ ኲናት ውጉኣት ኣሰኒዩ ከም ዝኣቱ ተገይሩ። ሕጂ ኽኣ እነህልኩም “ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ” ከም ዝብሃል እቲ ዘይጽኑዕን ግቡዝን ሱሌማን ማንጁስ ብዛዕባ ዘይምጽናዕን ዘይተጻዋርነት መንእሰያትን ኢሉ በስተሓቃር ኣስተምህሮ ክህበና ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። እሱ ጥራይ መኣስ ኮይኑ ሕሉፍ ሓሊፉ መንነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ራሕሪሑና ዝሃደመ ባልዋይ ሕጂ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ያእዪ ኮይኑስ መንነት ንመን ይግብኦ ዝህብን ዝእግድን ክኣ ኮይኑልና እነሀ። ካብቲ ኩሉ ዘደንጹ ጽዩፍ ተግባራቱ  ግን ነዚ ሕጂ ካብ ሞት ድሒኑ ጥዕዩ  ብሰላም ናብርኡ ንኽመርሕ ዘብቅዖ ሃይለ ድሩዕን ብጾቱ ጉጅለ 15ን ምስ ተኣስሩ ክርሸኑ ኣለዎም እናበለ ዘጎሳጉስ ዝነበረ ካሕዳይምዃኑ’ዩ። ንምስሉይነቱ ዝምልከት ድማ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዓንዳሪ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ምስ ኣወጀ ንዕኡ ንምቅዋም ደገፍቲ ህግደፍ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ናብ ስዊዝ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ሱሌማን ወዮ እታ ተበርግጎ ተኹሲ ዘይብላ ግምባር እንዲዩ ረኺቡ፡ ምስቲ ካብ ኣስመራ ናይ ዜና ሓበሬታ ከመሓላልፍ ዝተላእከ “ዝነገሰ ዝንጉሱ ዝበረቐ ዝጸሓዩ” ናይ ስርዓት ደርጊ ጋዜጠኛ ነበር ገረመስቀል ገረዝጊሄር እናተቐባበለ “ መራሕትና ብዓል ወዲ ኣፎም፡ ወዲ ኤፍረም ከም ናይ ብዓል ኦባማ ስማዊ ምርጫ ኣብ ሳንዱቕ ዘይኮነ ኣብ ሱድሕ ዔላ ኣብ ተኽሊ ዝፈረዩ ጀጋኑ ኢዮም እናበለ’ውን ክንገፍ ተሰሚዑ ኢዩ።

ንምዝዛሙ እምብኣር ስርዓት ህግደፍን ምሕደራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብኹሉ መለኪዒታቱ ፍሽለታት ጥራሕ ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ንመሪሕነቱ ኣሜን ኢሉ ዝምእዘዞ ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ’ውን  እናተጸንቀቖን እናወሓዶን ብምኻዱ ሕማቕ ሰብን ሕማቕ ገረብን ምስ ተረፈ፡ ኮነ ኢሉ ንመሳርዓቱ በቶም ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልስ ብሰንኪ ኢንታኦምን ኣበሮምን ምስ ሰብ’ውን ዘይቆጽሮም ዝነበረን ሕጂ ሱቕ ኢሎም ዝተበሃልዎ ጥራይ ዝገብሩ ምእዙዛት ከም ብዓል ተስፋሚካኤል ገራህቱ ጀጃዊ ብፍርሒ ዝፍለጥ፡ ከም ብርሃነ ገብረሂወት ሕጂ ቆንስል ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተጋደለ ሰፍኢ ኣየቐበለ ብስም ሃመመተኤ ካብ ከሰላ ዝተወሸለ (ውሻል) ዘይርጡብ፡ ብዓቢኡ ክኣ ከምዚ ምስሉይ ሱሌማን ሓሰን ቆንስል ኣብ ዓዲ እንግሊዝን……. ወዘተ ዝኣመሰሉ እልፊ እራይ ምራይን ይካየድ ምህላዉ ዘነጸረ መድረኽ ኢዩ።

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

ሎንዶን 04/05/2015

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • wedi Ken May 6, 2015

    Welldone wedi Asfaha jigna! Seeing u in old eplf videos in your young days testifies your selfless dedication to your beloved country!
    Ajoka, ezom nay tarik hatela tsibah kihalfu eyom!
    Eziom kabtom “amora nakfa” zbelom esubat entay fliliy alewom elkayom ekka!

  • lemlem May 8, 2015

    Mr.Eseyas Asfha is telling something from his own experience about real behavior of individuals who looks like honest but they are not. Well told story.however there is no way to divert it to hatred about Muslim or Christian inclination. After all, Mr.Eseyas is sharing his story perhaps people know about who is Manjus???

  • Mana May 8, 2015

    Isaias, this is exactly Suleman’s history. When he left Meada I was in Revolution School. We saw Suleman for a month or two. After a while, I remember some one asked Beraki, in the meeting, where Suleman was. Beraki said “do not worry about Suleman, I think he is tired. I hope one day he will come back to Meada.” Everyone laughed. Now after 40 deadly years, he came back to Meada . What a shame! Thanks Isaias for exposing this idiot.

  • tsehaye May 9, 2015

    atum sebat aithafrundo? kulukum neza hager rahrihkumado ab Western countries kof ilkum hiwetkum tehlfwo ayelekumn. patriots do not abandon their nation and people. Suleiman did what everyone of you did: ran away from hell and misery.

  • wedi haile May 9, 2015

    well done wedi asfeha arkey hakeya tarik nayzi lukmax suleman meglaxka thank you wedi asfeha

POST A COMMENT