Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰይ ተሰካሚ ሕድሪ!!

ብናይ ኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ እዚ ዘሎናዮ እዋን ልደት ኣሕሊፍና ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሓዲሽ ዓመት ክኾነልና ይምነ፡፡ ኣብ ኩለን ሃገራት መራሕቲ ሃገራት ንህዝቦም መደረን ትንቢት ሓዲሽ ዓመትን ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ኣረጊት

ብናይ ኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ እዚ ዘሎናዮ እዋን ልደት ኣሕሊፍና ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና ናይ ሰላምን ቅሳነትን ሓዲሽ ዓመት ክኾነልና ይምነ፡፡ ኣብ ኩለን ሃገራት መራሕቲ ሃገራት ንህዝቦም መደረን ትንቢት ሓዲሽ ዓመትን ገምጋም ናይ ዝሓለፈ ኣረጊት ዓመት ገምጋምን ኣሕጺሮም ይገብሩ፡። እቲ ካልእ ዝነውሐ ገምጋማት ንናጻ መድያ ይገድፍሎም፡፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንእሱራት ይፈትሑ ሓዲሽ ሕግን ጠቓሚ ነገራትን እውን ይገብሩ ኢዮም፡፡ ኣብ እዋን ልደት 2011 መንግስቲ ኩባ 2900 እሱራት ክርምዝፈትሐ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ። ኣብ ሃገርና ከምኡ ዶኾን ይግበር ?ኣይተዓደለን ህዝቢ ኤርትራ፡፡ በንጻሩ ብዙሕ ሃለውለውን ምውርዛያትን ጸለመን ንዝማዕበለ ሃገራትን ክፍሊ ዓለምን ብመራሕ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሰምዕ ኣሎና። ናብቲ ኣርእስተይ እምብኣር ክመልሰኩም፡፡

መንእሰይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሕብረተሰብ ዕድሚውኡ ካብ 17 ክሳብ 35 ዓመታት ዝግምገም ክኸውን እንከሎ ካብ ኣርብዓ ዓመት ዕድሜኡ ናብ ሽማግለ ገጹ ስለ ዝሰጋገር ወደርብዓ ዘርባዕባዓ ፡ ዝብል ቅጽል ስም ይወሃቦ፡፡ እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ሎሚስ ዝሰርሕ ኣይኮነን፡ ምስ ምዕባለ ተክኖሎጅን መድሃኒትን ዕድመ ወዲ ሰብ ይናዋሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ገደብ ዕድመ ንእስነት ንላዕሊ ገጹ ክድይብ ዘይተርፍ ኢዩ፡፡እዚ መንሽሮን መንድዓትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነቲ ልሙድ ኣመዳድባ ሓብረተሰብና ብምቕያር ናብ 50ን ልዕሊኡን ብምድያብ ንምግፋፍ ክጥዕሞን ወተሃደራዊ ጽላለኡ ንምርዋይን ይሰርሓሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኢዩ፡፡

ተራ መንእሰይ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብኩሉ እንትንኡ መወዳድርቲ የብሉን፡፡ መንእሰይ ተስካሚ ሕድርን ተስፋ ሃገርን ኢዩ፡፡ ነዚ ዕማማት እዚ ብግቡእ ንኽዓዮ ድማ ብወለዱን ብመንግስቲ ሃገሩን ናይ ትምህርትን ካልእ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ክግበረሉ ግቡእን መሰልን ኢዩ፡፡እዚ መሰላት`ዚ ዝረኸበ መንእሰይ ቅድም ንነብሱ ቀጺሉ ንወገኑን ሃገሩን ይጠቅምን የገልግልን፡፡

ካብ`ዚ ብምንቃል ንተራ ኤርትራዊ መንእሰይ እንተርኢና ኣብ ዓለም ውሑድ መዋዳድርትን መዘናን ጥራይ ዝርከቦ ቅያን ጅግንነትን ሰሪሑ ኢዩ፡፡ ጌናውን ይሰርሕ ኣሎ ክሰርሕ`ውን ኢዩ፡፡ ኣብ እዋን ብሰበኽቲ ሃይማኖት ኣምሲሉ ጥልያን እግሩ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝረገጸሉ እዋን ናይ ሽዑ እዋን መንእሰያት እዚ ጻዕዳ ህበይ ሓመድ ዓድና ክረግጽ የብሉን ኢሎም መኪቶሞ፡፡ብዝነበሮ ብልጫታት ኣታሊሉ እንተኣስፋሕፈሐን እንተሰበኸን ብዙሕ ኣይሰለጦን፡፡ መንእሰይ ኤርትራ መኪትዎ ጥራይ ዘይኮነስ ስዒርዎ እውን፡፡ ናይ ሽዑ ጀጋኑ ድማ እዚ ዝስዕብ ደረፉ፡፡

ንበር ውግእ ንበሩ ጀጋኑ

ንበሩ ኣብዑር ድራርና ትኾኑ፡፡

ኤርትራውያን መንእሰያት ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃግር ከምዝኾነት ንሕብረተሰብ ዓለም ንምእማንን ልእላውነቶም ንምርግጋጽን ካብቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ጌሮምን ጌናውን ይገብሩ ኣለውን ክገብሩእውን ኢዮም፡፡ ነዚ ስራሕ ጀጋኑ ክሰርሑ እንከለው ሃገራውን ኣህጉራውን ውዲታት የጋጥሞም ስለ ዝነበረን ዘሎን እቲ ዋጋ ይኸብድን ይዓብን፡፡

እቲ ቅድሚ እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ዘሕለፎ ጻዕርን ዝኸፈሎ ዋጋን ክቡር ኢዩ ፡፡ እዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕዮ ፍረ ውጽኢቱ ንውሑዳት ኮይኑ ስለ ዘሎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ንምግባሩ ናይ`ዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ትውልዲ ኢዩ፡፡ግን እዚ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መንእሰይ ትውልዲ ኣበይ ኣሎ? እወ እዚ ሕቶ`ዚ ከይመለስካ ብዛዕባ መንእሰይ ትውልዲ ክትዛረብ ይኸብድ ኢዩ፡፡  እሞ እስከ ህሉውኩነታትኤርትራዊ

ትውልዲ ዝርከበሉ ኩነታትን ቦታን ንፈትሽ፡፡

  1. ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን መንእሰይ ትውልዲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊ ተጸሚዱን ጅሆ ተታሒዙን ይርከብ፡፡ እዚ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ልምዓትን ብምባል ኣብ ፈቐዶ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ከምዝነብር ዝተፈርዶ ትውልዲ ኮይኑ ዘሎ ኢዩ፡፡ እዚ ክፋል ሕብረተሰብን ተስፋ ሃገርን ተመርዕዩ ከይወልድን ከይዝምድን ተማሂሩ ከይፈልጥ ሰሪሑ ከየፍሪ ሓሪሱ ከይሓፍስ ነጊዱ ከየትርፍ ብህ.ግ.ደ.ፈውያን ዝተፈርደ ኢዩ፡፡
  2. ካብዚ ኣደራዕ`ዚ ንምንጋፍን ካብታ ንኽረግጻ እሾኽ ኮይናቶ ዘላ በቦታቱን ኣዴታቱን ኣያታትን ሰንዳታቱን ናጻ ዝወጸት ሃገሩ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ይስደድ እሞ ኣብጉዕዞ ስደቱ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ዓይነቱን ዓቐኑን ዝተፈላለየድኻምን ሽግራትን ሓሊፉ ኣብ ውሑስ ክነብረሉ ዝኽእል ቦታታት ዝበጽሐ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ጉዕዞ መስርሕ ዝጠፍኤ ኣሎ እቲ ዝገደደ ድማ ኣብ “ ሲናይ ብደዉ ውሽጣዊ ኣካላቱ ይሽየጥ ኣሎ፡፡እቲ ኩነታት ክትዝክሮ እንኮለኻ መዓንጣኻ ዘሕርር ድቃስ ዝኸልእ ኮይኑ መፍትሒኡ ትደሊ እሞ ብዙሕ ነገራት ኣብ ቅድሜኻ ይግተሩ፡፡ እቲ ዝበለጸን እንኮን መፍትሒ ኸኣ ይርኣየካ፡፡

ህ.ግ.ደ.ፍን መራሒኡን ክእለዩን ክውገዱን ከምዘለዎም ጥራይ ኢዩ እቲ ፍታሕ፡፡እዚ ኣነየ ብዛዕባ ሃገር ዝሓልን ዝሓስብን ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ እንተዘይገበርኩም ከኣ ትእሰሩ ብምባል ድላዩ ዝገብረና ዘሎ መኪትና ከይሰዓርናዮ እቲ ሽግር ዝፍታሕ ኣይኮነን፡ ስለዝኾነ ኣገባብና ኣዋሃሂድናን ኣመዓራሪናን ብተሰካሚ ሕድሪ መንእሰይ ተመሪሕና ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ናጻ ክንከውን ይግባእ፡፡

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ሽሕኳ ናህሩ ከምቲ ዝድለ ኣይኹን እምበር እቲ ጅማሮ ዝንኣድ ኢዩ፡፡ እዚ ጅማሮ ሽቶኡ ክወቅዕ እንተኾይኑ እቲ ናህሪ ምንቅስቓስ መንእሰይ ወለዶ ክሕይል ኣለዎ፡፡ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝሕይል? እቲ ተጀሚሩ ዘሎ በብሃገሩን ክፍለ ዓለሙን ብዘመናዊ ቶክኖሎጂ ዝፈጠረሉ መራኸቢታት ተጠቒሙ ውዳቤኡ ኣሓይሉ ጠመትኡ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝሕመረቱ ጌሩ ናህሩ ኣሓይሉ ክቕጽል ይግባእ፡፡

ውዕሎ ኒዩ ዎርክ ውዕሎ ጊሰን ውዕሎ ሊድስ ውዕሎ ተልኣቪቭ ን ውዕሎ ሲዊዝን ወ.ዘ,ተ መሊሱ ክደምቕን ክደጋገምን ይግባእ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፍ ክንስዕሮ እንተኾና ብመጀመርያ ነቲ ኣብ መሰል  ደቂ ሰባት ዝኽበረሉ ሃገራት ኮይኑ ንህዝቢ ዝመቓቕልን ዘፈራርሕን ዘሎ ወኪል እቲ ጉጅለ ብሕጋዊ መንገዲ ክንስዕሮ ኣሎና፡፡ እዚ ድማ ኣብ ዝተገብረ ቅሉዕን ሚስጢራውን ኣኼባታት ብምኻድ ነቲ ኣኼባ ናብ ረብሓ ህዝቢ ምቕያሩ እቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ዝብሃል ከኣ እዚ ኢዩ፡፡ ብፍላይ ናብቲ ቅንጣብ  ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጡ ኣንጊሆም ብምስዳድ ናይ ቀለም ትምህርቲ ንምኽዕባት ዕድል ዘጋጠሞም  ውልቀ ሰባት በቲ ስርዓት ብምዕባስ ዝገብርዎ ጎስጋስ ብጭብጢ ክንስዕሮም ይግባእ፡፡

ን ቋንቋ ትግርኛ ዘይትመልኽ ወታእታእ እንዳበለት ኣብ ሃገርና ኢንቨስት ክንገብር ኣሎና ስሰለስተ ገዛ ኣብ ኣስመራ ክንሰርሕ ኣሎና ኣብ ክንዲ ፍሎሪዳ ኣብ ማሳዋ ከድና ከነዕርፍ ኣሎና እንዳበለት ጎስጓስ ትገብርን ጭቡጥ ተግባራት ናይ ዓሳቢኣ ዘይትፈልጥን ሶፍያ ተስፋማርያም ትመርሖ ኣኬባ ብቐሊሉ ክስዓር ዝኽእል ኢዩ። ሓሶትን ትሕዝቶ ዘይብሉ ሶንኮፍ ስለ ዝኾነን፡፡ ሶፍያ ርሕቀት ኣስመራን ሰገነይትን ዘይትፈልጥ ኣብዲ ኢያ፡፡ ህበይ ዶክተር ጊደዎን መሳትኡን መሓዙትን ዝገበርዎ ዘይገበረ ትሕቲ መዘናታቱ ዝምዘን ተበላጺ ሰብ ሰባት ኣኪቡ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር እሞ ድማ ሓሶትን ዝንቡዕን ጎስጓስ ክገብር ክሓንኽን ክሓፍርን ኔርዎ፡፡መእሰይ ወለዶ በቲ ዝውዓሎን ዝርኣዮን ብምጥቃም ከፍሽሎ ይግባእ፡፡ ኣብ እስካንድነቭያን ሃገራትዝዘውር ዘሎ ወይጦ ፕሮፈሰር በርሀ ካብዞም ክልተ ዝገደደ ንማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕንዐ ጌሩ ንሰባት ከዘንብዕ ዝፍትን ምሁር ኣብዲ ኢዩ፡፡ እዞም ወይጦታት ክምከቱ ኣለዎም፡፡

እዞም ወይጦታት ዝብልዎ ዘለው ንጻዕዳ ጸሊም ንለይቲ ቀትሪ ኢዩ ኢዮም ዝብሉና ዘለው፡፡ ንሳቶምን ቤተ ሰቦምን ኣብ ውሕሱን ምችኡእን ቦታ ኣንቢሮም ንደቆምን ቤተሰቦምን ኣብቲ ዝበለጸ ቤት ትምህርቲ እንዳ ኣምሃሩ ብዛዕባ ሳዋን ምክልኻል ሃገርን ክምህሩስ ዓጀብ ኢዩ ዘብል፡፡

እዞም ምስ ተበላጺ ባህርያቶም ብዝፈጠረሎም ዕድል ተጠቒሞም ፊደል ዝቆጸሩን ዝተማህሩን  ውልቀ ሰባት ሃገርን መራሒ ሃግርን ምፍላይ ዝሓርበቶም ንሃገር ኢሳያስ ንኢሳያስ ከኣ ሃገረ ኢርትራ ገይሮም ዝቖጽሩ ሰባት ቅድሚ ንህዝቢ ኣኪቦም ምዝራብ ንነብሱም ክውን ኩነታት ኤርትራን ኣቋውማ ሕብረተሰብ ኤርትራን ክማሃሩ ይግባእ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዘየጋጠሞ ኣበሳ ሎሚ ብደቁ ዘጋጥሞ ዘሎ ሓሳረ መከራ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ነዚ ኩሉ ኣደራዕን ጸበባን ብናይ ሓሶት ቃላት ሸፊንካ መሳርሒ ወልቀ መላኺ ሙዃን ልክዕ ታሪኽ ናዚ ኣብጀርመን ብናይ ናዚ ምሁራት ዝተፈጸመ በደል ኣብ ኤርትራውን “ብሙሁራት ኢሳያስ “ይድገም ኣሎ፡፡

እዚ ኣብ ፓልቶካት ዝግበር ጎስጎሳት ዝንኣድ ኮይኑ እዋኑ ግን ናብ ተግባር ንሰጋገረሉ መድርኽ ኢዩ`ሞ ካብ ምዝራብ ሓሊፍና ብግብሪ ንቓላትና ነሰንየሉ መድርኽ በጺሕና ከምዘሎና ክንዝንግዕ የብልናን፡፡

ጅግና መንእሰይ ኣማኑኤል ኢያሱ ዋና መርበብ ሓበረታ ኣሰና ኣብነት ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኣሰሩ ስዒብና ኣጆኻ እንዳበልና ብንኽእሎ ዘበለ ኩሉ ክንድግፎ ዝግባእን ግቡእና ኢዩ`ሞ ንበገስ፡፡

ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እቲ እንኮ መጠራነፊ ጽላል ስለ ዝኾነ ዝሕይለሉን ኣድማዒ ዝኾነሉን ምትሕብባር ክረክብ ይግብኦ፡፡ብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት ክሳብ ሕጂ ዘድመዖ ነገር ከምዘየልቦ ታሪኽ ኢዩ፡፡ ክጣራነፍን ክፋናጣሕን ኣብ ነንሕድሕዱ ክናዳሕን ዝባኸነ ዓመታት ታሪኽ ኢዩ፡፡ ሕጂ`ውን ብኽልተ ሰለስተ ሰባት እሞ ጥሙሕን ሕቡእን ኣጀንዳታት ሒዝካን ውድብ ኣሎኒ ምባልን ንቓልሲ ህዝቢ ምድኻምን ብሉይ መድርኽ ኢዩ፡፡ እተን ኣለዋ ዝብሃላ ውድባት ናብ`ዚ እዋን ዝፈጠረለን መድርኽ ኣትየን እቲ ባይቶ ግብራዊ ንምግባር ክጽዕራ እምበር ኣብ እዋን ምምስራት ባይቶ ሰሚርናን ተፋናጢሕናን ክብላና ኣይንደልን ሎሚ ካብ ውድባት ክንሰምዖ ንደሊ ብእውጅ መልክዕ ንዝነበረና ውድብ ናብ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጸንቢርና ባይቶ ዕውትን ውጽኢታውን ንኽኸውን ንኽእሎ ኣበርክቶ ከነወፊ ኢና ክብላና ኢና ንጽበየን  ፡፡ እተን ገሊኤን ከይሃለዋ ንነብሰን ኣተዓሻሽወን ከምህልዋት ኮይነን ኣጸግዑና ምሳኹም ብምባል ድዩ ሓደ ንኹን ብምባል ናይ ዝሰመራሉ ኣዋጃት ንንባብ ከቕርባ ንርኢን ንሰምዕን ኣሎና፡፡ እዚዝጠስጠሰ መድርኽ ረጊጽዎ ዝኸደ ሙዃኑ ክዝንግዓ ኣይግባእን፡፡

ቃልሲ መንእሰይ ትውልዲ ብኸምዚታት ክተዓናቐፍ ጸንኢሑ ኢዩ፡፡ ባይቶ ብህልኽ ክጓተት ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ሕጂ እቲ መድርኽ መድርኽ ስመር ኢዩ መድርኽ መርሽ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ እቲ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅምን ዘድሕንን ቀዳምነት  ተዋሂብዎ ክናህሪ ክንሰርሓሉ ይግባእ፡፡

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ

ዝኽሪ ንሰማእታት

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፡፡

ጋብር ብርሃነ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Isayas Front for Dictatorship and Jaling February 21, 2012

    Isayas his blind supporters must follow the fate of gaddafi

    • Abdi February 21, 2012

      Nxelaetom eba, enda t’aum aywexom.

  • Abdi February 21, 2012

    Change this picture if you really want change in Eritrea!!

  • A.Berhane February 23, 2012

    ጽቡቕን ለባምን ኣስተምህሮ ኣብ ልብና የሕድሮ ካብ ሞት ናይዝጊ ክፍሉ የድሕነና፡፡

  • dude June 15, 2013

    ሶፍያ ርሕቀት ኣስመራን ሰገነይትን ዘይትፈልጥ ኣብዲ ኢያ………………..
    ህበይ ዶክተር ጊደዎን መሳትኡን መሓዙትን………….too much insult ,i think u need to attack idea not a person ,or else people are fed up with insults of one another .

Post a Reply to Abdi Cancel Reply