Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንእሰይ ዘካርያስ ክብረኣብ ንተሞክራታቱ ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፉ። ምስ መራሒት ሃገር ጀርመን ኣንጀላ መርከል ተራኺቡ፡፡

ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ መንእሰይ ፡ ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ ብምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ጥሒሱ ንጀርመን ቅድሚ ምእታው ዘጋጠሞ ናይ ባህርን ናይ ሰብን ተጻብኦታትን መስገደልን ኣጻምእን ዝገልጽ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን

ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ መንእሰይ ፡ ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ ብምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ጥሒሱ ንጀርመን ቅድሚ ምእታው ዘጋጠሞ ናይ ባህርን ናይ ሰብን ተጻብኦታትን መስገደልን ኣጻምእን ዝገልጽ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን ኣሕቲሙ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ኣሎ፡፡

እዛ ብመንእሰይ ዘካርያስ ዝተሓትመት 400  ገጻት ዝሓዘለት መጽሓፍ፡ <Hoffnung im Herzen – Freiheit im Sinn / ተስፋ ብውሽጢ – ናጽነት ብተግባር / ዝኣርእስታ ሓቀኛ ታሪኽ ኮይና ዓቢይ ኣድናቖትን ተጠማትነትን ስለዝፈጠረት ፡ ብማዕከናት ዜናን ዓበይቲ ናይ ተለቪጅን ስቱዲዮን ቆላሕታ ረኺባ ንህዝቢ ክትቃላሕ ቀንያ፡፡

መንእሰይ ዘካርያስ፡ ኣብ መጽሓፉ ከምዝገለጾ፡ ናይዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱ ይኹን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣሽሓት መንእሰያት ዝወረደ ግፍዕን መከራን መሰረታዊ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ንሕስያ ዘይብሉ ኣረመናዊ ስርዓት ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡

እዛ ዝተጻሕፈት መጽሓት ኣብ ጀርመን ካብ ዝርከባ ናይዚ ዓመትዚ ብሉጻት ጽሑፋት ኮይና ስለዝተረኽበት፡ ናይ መንግስቲ ጀርመን መራሒት ፡ ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ንመንእሰይ ዘካርያስ ክብረኣብ ጸዊዓ ኣዘራሪባቶ፡፡ ተዓዘብቲ ከምዝገመትዎ ውን፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኣዚኣ ዝተመርኮሰ ፊልም ኣብ መጻኢ እዋን ከይተሰርሐ ኣይተርፍን ይብሉ፡፡

እዚ ዘካርያስ ዘበርከቶ ስነ ጽሑፍ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓበን ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ከም ዘካርያስ ካልኦት ኣሽሓት ብበረኻታት ሲናይን ሰሓራን ዝተኻላበቱ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ንዘጓነፎም ሓሳረመከራ ዓው ኢሎም ክዘራረቡሉ ዘተባብዕን ማዕጾ ዝኸፍትን ኣብነታዊ ተግባር እዩ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • ahmed saleh February 27, 2012

    Bravo, Zekariyas- congratulation brother. Job well done.

  • Abnet Tesfai February 27, 2012

    ghena!!!!!!!!!!!!! ghena!!!!!!!!!!!! kitsahafi eyu!!!!!!!! kitrek eyu!!!!!, kidres eyu!!!!!!….. ntsuh dem setika dikas yelen…..
    weylekum nwulud welodokum nay tarik besela tihadghulom zelekum….. AMET ZEYEBILEA AMET YEZARIB….. EYU NAYZOM NAY GHIZIENA TELAMAT TEKUALU…

  • Tzegay February 28, 2012

    I have read this book. It is full of truth and facts. Zekarias is a commited courageous Mann.

  • Cambo February 28, 2012

    ኣገናዕ ዘካርያስ
    እንቋዕ ናብዚ ኣብቅዓካ፤ ኮሪዕና ብኣኻ። ፈለማ በቲ ህርኩት ስነጥበበኛ ዮናታን ሃብተ: ብመደብ ሸኾርተት እየ ደሃይ ሓዳስ መጽሓፍካ ዝሰማዕኩ። በቲ ዘሕለፍካዮ ኣዝዩ ፈታኒ ናይ ሞትን ህየትን መፈጠርካ ዘጽልእን ጉዕዞ ሕልና ከየዕረብካ፤ ኣንፈትካ እንዳናደኻ ኣብዚ ብምጻሕካ: ሓበንን ኣብነትን ብዙሓት ደለይቲ ዑቕባ ኣፍሪካውያን ኢኻ።
    እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ጅምር እዩ፤ ምኽንያቱ መብዛሕትና ኣፍሪካውያን ብፍላይ ኤርትራውያን ዛንታናን ተሞክሮናን ባዕልና ኣብ ምምዝጋብን ምጽሓፍን ኣዝዩ ርኡይ ድኻም ኣሎና። ስለዚ እዛ መጽሓፍካን ነተን ብድሕሪኣ ዝስዕባ ዓባይ ኣብነት እያ።
    ንምጥቃስ ዝኣክል ንተመሳሳሊ ተሞክሮ እትድህስስ መጽሓፍ ውን ብመንእሰይ J ሃብቶም ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተጻሒፋ ኣላ።
    ኣርእስታ Lonely Without Me: A Memoir: My journey across five continents in search of home, J W Habtom 2012

    • Cambo February 28, 2012

      ይኹን እምበር ኣብ ታሪኽ ሕትመት መጽሓፍቲ ኤርትራ: ኣብ ዓለም ከምዚ ዝበለ ብሉጽ ክብርን ኣድናቖትን ዝረኸበት እዛ መጽሓፍካ ናይ መጀመርያ እያ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ንጻዕርኻን ሞሳኻን የዐዝዞ።
      ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ግና፥ መጽሓፍካ ከም ግብኡ በቶም ፍሉጣት ደረስትን ኣሕተምትን ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኮነስ: በታ መራሒት እታ ዝሓየለትን ዝበልጸገትን ሃገረ ጀርመን ተናኢዳ:: ንስኻ ውን ከም ግብኡ ሞጎስ ረኺብካ። ኣብታ መሰል ሰብ ዘይተኽብር፤ ናይ ምጽሓፍን ምሕሳብን መሰል ዝተሓረማ ኤርትራ ግና ፋይድኡ ማእሰርትን ውርደትን ምኾነ።
      በዚ መንጽር እዚ እዩ ድማ ስራሕካ ኣዝዩ ዝጎልሕን ዝኹላዕን። ተስፋ ድማ እገብር መጽሓፍካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኻልእ ቋንቋታት ተተርጒማ ክትቀርብ።

  • SileFithi February 28, 2012

    Congratulation Zekarias, I hope it will be translated to different languages and distributed.

  • Fetawihaki February 28, 2012

    i am very very proud to have eritrean brothers like you! the book tells the world the evil deeds of the PFDJ regime and the suffering of eritreans!
    The next book should be the experiences and suffering of eritreans in Senai desert and the evil PFDJ members/officials who cooperate with the senai criminals. These criminals are also carrying on their mean work in eritrea by taking thousands of Nakfa from the relatives of the eritreans held to ransom.

    selam n deki erey
    Fetawihaki

    • ahmed saleh February 28, 2012

      SELAM N’AKHA EWN WEDI EREY HAWNA.

  • Yemane Johar February 28, 2012

    A noble work of courage that deserves a standing ovation! We are so proud of you! Way to go Zekarias!

  • Dawit Andom February 28, 2012

    Well done Zekarias. Wonderful job! I hope the world will understand Eritreans’ ordeal. Your experience is shared by hundreds of thousands of people of Eritrea. You have led us to write up the truth without fear. I hope others will do the same.

  • Alphafil February 28, 2012

    Bravo Zaki, keep it up!!!

  • agelglot February 28, 2012

    yeees zekarias i am proud of u my brother,u are just a wondefull guy.i say brother keep it up and continue like that, i know u will wright in tigrigna too, but i hope too to translate it in tigrigna what have u been wrighten in germen. i say thanx a lot fr, zekarias keep it like that and we gonn follow u. smeeeeeer will win pfdg will destroy complitly as soon as possible

POST A COMMENT