Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን’ዩ ንቑሕ?

ታሕሳስ 1, 2019 መን’ዩ ንቑሕ? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም፡ ነዳዲ፡ ወርቂ፡ ኣልማዝ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ሃብቲ ዝውንና ሃገራት፡ ዉሑዳት ኣይኮናን። ይኹን’ምበር፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ንዕኡ ተጠቒመን ናይ ብሓቂ ሃብታማት ዝኾና፡ እተን ዝወሓዳ ኢየን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብኣተን፡ ምስ’ተን ዝደኸያ

ታሕሳስ 1, 2019

መን’ዩ ንቑሕ?

ኣብዛ ንነብረላ ዓለም፡ ነዳዲ፡ ወርቂ፡ ኣልማዝ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ሃብቲ ዝውንና ሃገራት፡ ዉሑዳት ኣይኮናን። ይኹን’ምበር፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ንዕኡ ተጠቒመን ናይ ብሓቂ ሃብታማት ዝኾና፡ እተን ዝወሓዳ ኢየን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብኣተን፡ ምስ’ተን ዝደኸያ ሃገራት ክስርዓ ኢና ንርኢ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ እናኾና፡ ብምውናን ብዝሒ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ እንተተለልየን’ሞ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ከም ምርቓ፡ ከም መርገም ምውሳዱ ይሓይሽ።  ምኽንያቱ ገዛእትን ጸላእትን ኢዩ ዝስሕበለን።

 

እተን ገዛእትን ጸላእትን ንብለን ዘለና፡ ስልጣነታት ወይ ሃገራት ክኾና ይኽእላ ኢየን፡፡ ኣብ’ቲ ጎባልል ዝኾናሉ  ዝተወሰነ መድረኽ ከኣ፡ ሓይለን ንምዕቃብን ዝያዳ ተርኒዐን ንምውጻእን ክጽዕራ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ’የን ነተን ዝሓረየአን ሃብታማትን ድኹማትን ዘጥቀዐአን። ይኹን’ምበር፡ ልክዕ ከም ሓደ ስርዓት፡ ሓደ ስልጣነ’ውን፡ ግዚኡ በሊዑ ክእለ ዝእዝዝ ባህርያዊ ሕጊ ኣሎ። እቲ ዝነበረ ደኺሙ፡ ብኻልእ ሓያል ይትካእ። እቲ ሓድሽ በዓል-ዘመን፡ ነቲ ጎበጣን ምዝመዛን ብናቱ መንገዲ ይቕጽሎ ማለት’ዩ። ሕሱር ጉልበት ንምምዝማዝ፡ ማዕድናት ንምብሕጓጉ ይኹን፡ ወሳኒ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ቦታ ንምብሓት ይጓየ። ምስ ግዜን ስልጣነ ሕብረተ-ሰባትን ዝቀያየር ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ጥራሕ ኢዩ። እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ካብ ምርካብ ዝዕንቅፎ ኩሉ ክውገድ ኣለዎ።

 

ስለዝኾነ፡ ንመዝመዝቲ ብባህርያዊ ጸጋ ሃብታም ኮይና፡ ብቕዋማዊ ስርዓት ትመሓደር ሃገር፡ ኣይትብርሆምን ኢያ። ድኹማት፡ ብግቡእ ዝሰርሕ መንግስቲ ዘይብለን ሃገራት ከ? መፍቶቶም! እንክርእዩወን ኣፎም ማይ ይምዕጉ። ልክዕ ከም ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንዝተዳኸመ ሰብ፡ ዘጥቅዑዎ ተበለጽቲ ሕማማት ኢዮም። ንዜጋታት’ታ ሃገር፡ ሃብቲ ሃገሮም እንክዝመት “ዓገብ” ብምባል፡ በእዳዎም ከይሕዙዎም ምእንቲ፡ ድኽመታቶም እናመዝመዙ የናቑቱዎም። ሽዑ ደቂ-ሃገር ንሓድሕዶም ይባልዑ። እቶም መዝመዝቲ ኸኣ ብዘይተጻብኦ ይዝርፉ። ሓንሳብ “ናይ ደም-ኣልማዝ”፡ ጸኒሖም “ናይ ደም-ወርቂ” የማርጹ። ህዝቢ’ታ ሃገር ብጥሙዩ ድማ፡ ንሳቶም ቆፎታቶም ይመልኡ። ነዚ’ዩ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣለካ ማለት፡ ሃብታም ኢኻ ማለት ክኸውን ዘይክእል። ብዘይካ’ዚ እቲ ጥረ-ነገር ተዳህሲሱ፡ ብብዙሕ መስርሓት ሓሊፉ ኣብ ዕዳጋ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ዘድሊ ግዜን ሞያዊ ዓቕምን’ውን፡ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን።

 

ይኹን’ምበር፡ ነዚ ዕማም ዝዕወታሉ ሃገራት ኣለዋ። እዚኣተን እተን ውሽጣዊ ዓቕመን ሃኒጸን ዝጸንሓ’የን። ንትምህርቲ፡ ስልጣነን ሓፈሻዊ ምዕባለን ዜጋታት ቀዳምነት ሂበን ስለዝሰርሓ፡ ተረባሕቲ ይኾና። ሃብታማት ዝኾና ግን፡ ዘይነጽፍ ባህርያዊ ሃብቲ ስለዝወነና ኣይኮናን። እንታይ ድኣ፡ ጸጋታተን ብግቡእ ስለዘለለይኦን ስለዝጥቀማሉን’ምበር! ኣብ ክንዲ ዘባኽንኦ፡ ብግቡእ የማቓርሖኦ። ኣብ ዜጋታተን ዝገብርኦ ልዑል ወፍሪ ከኣ፡ እናሓደረ ክኽሕሰን ይነብር።

 

እቲ ልዕሊ ኹሉ ጸብለል ዘብለን’ምብኣር፡ ሓንቲ ሃገር ትውንኖ ዝዓበየ ጸጋ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ቋንቋ ዜጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ወዲ-ሰብ ምዃኑ ኣሚነን ስለዝሰርሓ ኢዩ። ሃገረ ኖርወይ ሓንቲ ካብኣተን ኢያ። ከምዚአን ዝበላ ሃገራት፡ ብልዕልና ሕጊ ይግዛኣ፡፡ ድልዱል መሰረት ዘለዎ፡ ብግቡእ ዝሰርሕ፡ ህዝቢ ዘማእከለ ስርዓታት ኣለወን። ዓመት መጸት፡ ክልካዕ ዝኽእል፡ ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዘቕንእ፡ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ የመዝግባ። እዚ ግን ብሃውሪ ዝበጽሖኦ ደረጃ ኣይኮነን። ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ጽዑቕን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ዘይከምተን ከም ኤርትራ ዝበላ፡ ንዜጋታተን ከም ኣገልገልቲ ናይ ውልቀ-ሰባት ወይ ስርዓት፡ ዓቕምታቶም፡ ካብኡ ሓሊፉ ህላወኦም ብቐንዱ ክባኽን ዝፈርድኦም ሃገራት፡ ንደቂ ሰባት ዘገልግል ስርዓት ክሃንጻ ብምኽኣለን’የን፡ ዕዉታት ተባሂለን ዝጥቀሳ። እዚ ዓስቢ ንቕሓት ዜጋታተን ኢዩ። ንቕሓት ዜጋታተን ድማ ፍረ ውጽኢታዊ ምሕደረአን ኢዩ።

ንቕሓት ግን እንታይ ኢዩ? ብኸመይ ይህነጽን ይምዕብልን? ስለምንታይ’ዩ ኸ ኣድላዪ ዝኸውን?

ንቕሓት ብተደጋጋሚ ዝልዓል ኣምር ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ጥራሕ ምናልባት፡ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ግምት ዝተዋህቦ ዝመስሎም ኣለዉ። እዚ ግን ግቡእ ትርጉሙ ካብ ዘይምርዳእ ዝብጻሕ መደምደምታ’ዩ። ምኽንያቱ ንቕሓት ሓደ ብዘየከራኽር መንገዲ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት፡ ናይ ድሕነትን ጥፍኣትን ፍልልይ ክፍጠር ዘኽእል፡ ጉሉሕ ባእታ ኢዩ። ውልቃዊ ንቕሓት፡ ሕብረተ-ሰባት ንምህናጽ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ። ሓባራዊ ንቕሓት ከኣ፡ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ሓባራዊ ህላወ ዘውሕስ፡ ትርኑዕ ኣእምሮኣዊ ቅልጽም ኢዩ።

ማህታማ ጋንዲ፡ ህንዳውያን ኣንጻር ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝካየዱዎ ምንቅስቓስ ንናጽነት መሪሑ፡ ናብ ዓወት ዘብጽሖ፡ ኣብነታዊ መራሒ ኢዩ። ንሱ “ብረሳሕ ኣእጋሩ ኣብ ሓንጎለይ ክኸይድ ዝፈቕደሉ ዋላ ሓደ የልቦን፡” ዝበለ፡ ብልዑል ደረጃ ንቕሓቱ ዝተፈልጠ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ንቕሓት ብመሰረቱ፡ ንነገራት ከተገናዝብ ናይ ምኽኣል ዓቕሚ’ዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ፡ ሓሳባትካ፡ ከባቢኻን ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ካልኦትን፡ ብዓቢኡ ድማ ብዛዕባ ህይወትን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳያትን፡ ብተዛማዲ ዕሙቕ ዝበለ ርድኢት ምውናን ኢዩ።

 

ወለዲ፡ ትምህርትን ስርዓተ-ትምህርትን፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ከባቢ፡ ማዕከናት ዜናን ኢንተርነትን፡ ስነ-ጥበብ፡ ኣብነታውያን ሰባት ወዘተ በብደረጅኡ፡ ንቕሓት ሰባት ኣብ ምጽላው፡ ልዑል ተራ ዝጻወቱ ረቛሕቲ ኢዮም። ምንባብ፡ ምዕዛብ፡ ምስትንታን፡ ምሕታትን ምምርማርን’ውን ከምኡ። ምስ ጉዳይ ትምህርቲ ብምትእስሳር፡ ክጥቀስ ዘለዎ ሓደ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ዓይነት ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ልክዕ ከም ኣቀራርባ ወሳኒ ምዃኑ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ንቑሕን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ ብምግባር’ውን፡ ንቕሓት ዜጋታት ምህናጽን ምምዕባልን ዘይክኣል ኣይኮነን። እዚ ነቲ ዕላማ ንምዕዋት፡ ዝተወሰኑ መድረኻትን መደባትን ብምውዳድ ምስራሕ ክኸውን ይኽእል።

እምብኣር ኩሉ ዝተማህረ፡ ንቑሕ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ንቕሓት መስርሕ ኢዩ። ኣስተብህሎን ናይ ምስትንታን ዓቕምን ደቂ ሰባት ስለዝፈላለ፡ ብኡ መጠን፡ ሓድሽ ሓበሬታ ይኹን ፍልጠት ዝምስርሑሉ ኣገባብን ፍጥነትን፡ ሓደ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ዝርከብ ውጽኢትን ዝወሃብ ግብረ መልስን’ውን፡ ብኡ መንጽር ክፈላለ ናይ ግድን ኢዩ። ንኣብነት፡ ልቦምን ኣእምሮኦምን ክፉት ዝኾነ ሰባት፡ ተወሳኺ ብልጫ ኣለዎም። ምኽንያቱ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ፍልጠትን ተመኩሮን ክቕበሉ ቅሩብነት ስለዘለዎም። ነዚ’ዮም ብህይወት ክሳብ ዘለዉ፡ ቀጻሊ ክልወጡን ክዓብዩን ዝርኣዩ።

 

ሓደ ንቑሕ ክንብሎ ንኽእል ውልቀ-ሰብ፡ ብዛዕባ መሰልን ግቡእን ወዲ ሰብ ይኹን፡ ቅኑዕን ጌጋን  እኹል ኣፍልጦ ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህዝቢ፡ ሃገር፡ መንግስቲ፡ ስርዓትን ውድብን ዘሎ ፍልልይ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይግንዘቦ፡፡ ሕጋውነትን ዘይሕጋውነትን ነገራት ይስቆሮ፡፡ ኣብ ሞራላውን ዘይሞራላውን፡ ሞራላዊ ልዕልናን ሞራላዊ ጥፍሽናን፡ ቅቡልን ንጹግን’ውን፡ ልዑል ግንዛበ ኣለዎ። ኣብ ገዛእ ርእሱን፡ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ዓቕሙን፡ ምሉእ እምነት ኣለዎ።  ህላወኡን ኣበርክቶኡን፡ ወይ ብኣንጻሩ ጉድለት ህላወኡን ኣበርክቶኡን፡ ፍልልይ ከምዘምጽእ ኣጸቢቑ ይፈልጥ። ብሓፈሽኡ፡ ንነገራት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ኣለዎ። ኩሉ ዝተባህለ ጎሲሙ ኣይከይድን ኢዩ ንምባል’ዩ። ዘድልዮ ወሲዱ፡ ዘየድልዮ በቲ ሓደ እዝኑ ሰሚዑ፡ በቲ ኻልእ የውጽኦ። ካብ ኩሉ ዓይነታት ቅድመ-ፍርዲ ነጻ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ነገራት ከይመርመረ፡ ናብ መደምደምታ ክበጽሕ ኣይጓየን ማለት’ዩ። ንኣብነት ጓል ኣንስተይቲ እንተኾነት፡ “ንሕና ደቀንስትዮ ድምጽና ብምስማዕ ነምጽኦ ለውጢ የለን። ወሪዱና መን ፍለጣ ኢሉና? እንታዋይ ስራሕ ዝሰኣነ’ዩ ንዓና ክሰምዓና?” ብምባል፡ ናብ ወገና (ናብ ደቀንስትዮ) ዝቐንዐ ቅድመ-ፍርዲ ካብ ምሃብ ትቑጠብ። እዚ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምንቃፍ ዝተፈልየ ኢዩ። ምኽንያቱ ነብስኻ ምንቃፍ፡ ምስ ነብሰ-ንቕሓት ዝተታሓሓዘ ኢዩ። እዚ ኣቐዲምና ብኣብነት ዝርኣናዮ ግን፡ ኣብ ዘይተመርመረ፡ ካብን ናብን ወለዶታት እናተሰጋገረ ዝመጽአ፡ ግጉይ ኣበሃህላ ወይ ኣተሓሳስባ ምርኩስ ብምግባር፡ ዝወሃብ ቅድመ-ፍርዲ ኢዩ።

ሓደ ንቑሕ ሰብ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ካብኡ ብሕብሪ ቖርበት፡ ብጾታ፡ ብእምነት/ሃይማኖት፡ ብኣውራጃ ወይ ሃገር፡ ብብሄር፡ ብመንነት፡ ዝተፈልዩ ይኹን ዝተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት፡ ናይ “ንሕናን ንሳቶምን”፡ መሰረት ዘይብሉ ቅድመ-ፍርድታት ንምሃብ ኣይህንደድን። ብመትከል ስለዝምእዘን ጽኑዕ’ዩ። ብንፋስ ንየው ነጀው ኣይብልን። ንኹሉ ነገራት ብመንጽር መትከሉ ስለዝርእዮ፡ ንሓደ ውሳነ ክቃወሞ ይኹን ክድግፎ ዝድርኾ፡ መትከሉ’ምበር፡ ካልእ ግዳማዊ ረቛሒ ኣይኮነን። ጌጋ እንተርእዩ፡ መን ፈጺሙዎ ብዘየገድስ ጌጋ ኢዩ ይብል፡፡ ንቕኑዕ ከኣ ብመን ተባሂሉ ብዘየገድስ፡ ቅኑዕ ክብሎ ትብዓት ኣለዎ። ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት መርገጺ ይወስድ። ሓሳባቱ ከቕውምን ክገልጽን፡ ድሕር ኣይብልን። ምኽንያቱ ንዕኡ እቲ ጉዳይ ናይ መትከል ሕቶ ኢዩ። ሓያልን ድኹምን ጎንታቱ ፈልዩ ይፈልጥ። ከም ሰብ መጠን ድሩትነት ከምዘለዎ ብምግንዛብ፡ ኣብ ውድድር ዘይኮነ፡ ኣብ ምምልላእ ይኣምን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ብዙሓት ዝሰማምዑሉ ሓደ ሓቂ ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ፡ እቲ ዝለዓለ ወዲ-ሰብ ክበጽሖ ዝኽእል ጥርዚ ዕቤት፡ ከምቲ ዝበለጸ ክኾኖ ዝኽእል ምዃን’ዩ ይብል። ኣብቲ ደረጃ ዝበጽሐ ሰብ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ካልኦት ቦታ ብምቕማጥ፡ ኩነታቶም ክርዳእ ኣይጽገምን። ኩሎም ደቂ ሰባትን፡ ካብ ህይወት ዝረኽቡዎ ተመኩሮን፡ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይርዳእ። ንሓባራዊ ረብሓ፡ ኣበርክቶ ክገብር ከምዘለዎ ድማ ይኣምን። ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ኣብ ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ዉሱን ደረጃ ኣይበጽሕን’ዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ገና ናብቲ ጥርዚ ክበጽሕ ዝጽዕር ዘሎ፡ ተወሊዱ ኣሎ ክብሃል ይክኣል። ብኣንጻሩ እቲ ንደቂ ሰባት ብምቁንጻብን ብምጭፍላቕን፡ ዕቤት ከምዝርከብ ኣሚኑ፡ በቲ መንገዲ ዝተጓዕዘ ተስፋ የብሉን። ምኽንያቱ ተስፋ፡ ህይወት ኣብ ዘለዎ ጥራሕ ኢያ ትርከብ።

እምብኣር ሓደ ካብቶም ተስፋ ዘይብሎም፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኢዩ። ነዚ ውልቀ-ሰብ፡ ኣብዚ ከልዕሎ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ልዕል ኢልና ከምዝርኣናዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምህናጽን ኣብ ምምዕባልን፡ ልዑል ተራ ይጻወቱ ኢለ ካብ ዝጠቐስኩዎም ረቛሕቲ፡ ኣብ ምድብ ኣብነታውያን ሰባት ኣትዩ ስለዝረኸብኩዎ ኢዩ። ኣብነታዊ ተባሂሉ ዝጥቀሰሉ ምኽንያት ግን፡ ገባር ሰናይ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ብእከይ ተግባራቱን ኢ-ሰብኣውነቱን፡ ንሓደ ወለዶ ስለዝጸለወ’ምበር።

 

ደጊም እዚ መራሒ ሃገር’የ ባሃሊ ውልቀ-ሰብ፡ ህዝብና ኣጽኒቱ፡ መሬታዊ፡ ሰማያውን ማያውን ሕዛእቲ ሃገርና ናብ ዕዳጋ ከውርዶ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፡ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ንፍርቂ ዘመን ዝተጠጀአ ሽርሒ፡ ናብ ወግዓዊ መድረኽ ትግባረ ካብ ዝበቅዕ’ኳ፡ ድሮ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ እንሆ።

 

ብዝኾነ እዚ ዕሉል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘካየዶ ሽርሕን፡ ዘውረዶ ግፍዕን ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኢዩ፡፡ ካብኡ ብዘይፍለ፡ ሓደ ኻልእ ረቂቕ ብምዃኑ፡ ግቡእ ግምት ዘይተዋህቦ ጉዳይ ግን ኣሎ፡፡ እዚ ከም ካልእ መዳይ ናይቲ ሽርሒ ክውሰድ ይክኣል። ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ፡ ምስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮ ንዕቀትን፡ ዝፍጽሞ ገበናትን ድማ ይተኣሳሰር። ንሱ ብዘይተሓታትነት ክዕንድር ዕድል ብምርካቡ፡ ንገለ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ናይ ዉጹእ ዕንደራ፡ ፋሉልነትን ኣሽካዕላልን ሕማቕ ኣርኣያ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዝገርም፡ እቶም ብተግባራቶም ኣሰሩ ዝስዓቡን ዝስዕቡ ዘለዉን፡ እዝንን ልብን ብዙሓት ተቖጻጺሮም ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፡ መምህሮም መን ብዛዕባ ምዃኑ፡ ነቒሖም ክሓስቡ፡ ዓቕሚ ይኹን ሕልና ዘይብሎም ምዃኖም ኢዩ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ሓደ ግርም ገይሮም ዝተማህሩዎ  ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ልቡ ዝተደፍነ፡ ዝበልካዮ ጎሲሙ ዝኸይድ፡ ክብረት ዘይግብኦ፡ ከም ባህ ዝበለካ ከተሽካዕልለሉን ከተዳፍኦን ትኽእል ህዝቢ’ዩ፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘበገሶ፡ ዉጹእ ብድዐ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን፡ ልክዕ ከም መምህሮም፡ ንባዕላቶም ኣብ ሃለውሳ ዝነብሩ፡ ድንጉራት ምዃኖም ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ከም ኣብነታውያን ሰባት ኣንቃዕሪሮም ንዝርእይዎም ካልኦት ቅኑዓት ሃገራውያን ምድንጋር፡ ስራሕና ኢሎም ዝተታሓሓዙዎ ምዃኖም ኢዩ።

 

እቲ ካልኣይ ብሰንኪ ገባቲ፡ ዘየሳታፍን ዘይሓቛፍን ኣገባባቱ፡ ዜጋታት ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሓት እምነት ዘይብሎም ክኾኑ ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ክሳራ ድማ ንሱ ኢዩ። ምኽንያቱ ቀቢጸ ተስፋዊ ኣተሓሳስባ ክስዕርር ብምድራኽ፡ ዜጋታት ኩነታቶም ንምልዋጥ ተራ ካብ ምጽዋት ክዕንቅፎም ተኽእሎ ስለዘለዎ።  ብዘይክኡ፡ ሕጊ፡ መምርሒ፡ ግሉጽነት ይኹን ተሓታትነት ዝጽየን ባህርያቱ፡ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣነኣኢስካ ክርአ ኣይክኣልን።

 

ብተወሳኺ፡ መበቆላዊ ሓሳብ ካልኦት በጥቊልካ ብምውሳድ፡ ከየኳማሳዕካዮ፡ ከም ናትካ ገይርካ ምቅላሕ’ውን፡ ሓደ ኢሰያስ ክውቀሰሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ብኡ ጥራሕ ዘይኮነ ግን፡ ኣርኣያ ናይቲ ናይ ሓሳብ ወረራ ብምዃን፡ ንኻልኦት ክኽተሉዎ፡ ከም ኣብነት ስለዝተወስደ፡ ክውቀስ ይግብኦ። መበቆላዊ ሓሳብ ካብ ውሽጥኻ ኢዩ ዝምንጩ። ሓደ ሓሳብ ካብ ካልኦት ሰሚዕካ እንተደገምካዮ’ሞ፡ ንዝግብኦም ሰባት፡ ስለ’ቲ ሓሳብ እንተዘየመጒስካ፡ ካብ ሰራቒ ዝፈሊ የብልካን። ነቲ ሰራቒ ክብሃል ዝነበሮ፡ ከም በሊሕ ክውደስ ንርእየሉ ዘለና እንኮ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ስርቂ-ሓሳብ ቅቡል እናኾነ ክመጽእ ስለዝጸንሐ ኢዩ። እዚ ዝኾነ፡ ኢሰያስ መራሒ ተባሂሉ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ከዘውትሮ ስለዝተራእየ’ዩ።

 

ጭካነ፡ ንሰባት ብምንእኣስ ዝበለጽካ ኮይንካ ክትርአ ምፍታን፡ ንኻልኦት ምዝንጣል፡ ስስዐ ስልጣንን ህቡብነትን፡ ንውርምና፡ ትንኩልና፡ ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ምባል፡ ገለ ካብቶም ኢሰያስ ዝልለየሎም ባህርያት ኢዮም። ብዝተፈላለየ መጠን ከኣ፡ ከም ተላጋቢ ሕማም ናብ ካልኦትን ከላብዖ ጸኒሑ ኣሎ።

 

ሕማም ህዝብናን ሃገርናን’ምበኣር፡ ኢሰያስን ንሱ ዝውክሎ ኩሉን ኢዩ። ኣብ 1973 ብስም መንካዕ ዘሕቀቖም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ ንቕሓት ኣብነት ኢዮም ነይሮም። ንሳቶም ልዕልና ሕግን መምርሕን ከንግሱ ስለዝጽዓሩ’ዮም፡ ክጠፍኡ ተፈሪዶም። ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ድሕሪ’ቲ ፍጻመ፡ ኣብ መስከረም 2001 ዝተሓየሩ ጋዜጠኛታት ብሕቲ’ውን፡ ብዘይካ ናይ ንቕሓት ኣብነት ኮይኖም፡ ዜጋውን ሞያውን ግቡኦም ምፍጻም፡ ካልእ ኣበሳ የብሎምን። ይኹን’ምበር፡ እቲ ሓደ ካባና መሲሉ ኣብ መንጎና ኮይኑ፡ ንምጽናትና ዝዓጠቐ ኢሰያስ፡ ላህመትና እናገፈፈ ጥራሕና ከትርፈና’ኳ እንተጽዓረ፡ ንዓና ግን እዞም ዝተጠቕሱን ካልኦት ኩሎም ናይ ንቕሓት ኣርኣያ ዝኾኑ ኤርትራውያንን፡ በተሓሳስባ ክንበጽሖ ንኽእል ደረጃ ዕቤት ዝሕብሩ፡ ብግዜ መዓልቲ ይኹን ለይቲ ፈጺሞም ዘይሃሱ ከዋኽብትና ኢዮም።

 

መቸም ነዛ መስርዕ ከዋኽብትና ዝኾነት፡ ንቑሓት ሃገራውያን ዝሓቖፈት ጉጅለ፡ መስርዕ ቢተወደድ ኣብርሃ እንተበልኩዋ፡ ብሓበን ኢዩ። እሞ መስርዕ ጅግና ቢተወደድ፡ እናነውሐት ትኸይድ ከምዘላ ጥርጥር የልቦን።  ንቑሓት ሃገራውያን ብቑጽሪ እናተዓጻጸፉ ይኸዱ ኣለዉ። ጸላእትና፡ ብፍላይ እቲ ዕሉል ውልቀ መላኺ ክዝክሮ ዘለዎ፡ ብሰንኪ ሓደ ብዘይፍትሕን ፍርድን ዝስወርን ድሃዩ ዝጠፍእን ኤርትራዊ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተቓለስቲ ይፈርዩ ምህላዎም ኢዩ። በዚ ይኹን በቲ፡ ኣሰር ቃልሶም ኩሉ ግዜ ክንስዕቦ ኢና። ዝጀመሩዎ ቃልሲ ድማ ኣብ ዓወት ከነብጽሖ ኢና። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ንቕሓቶምን ታሪኽ ጅግንነቶምን ተሃኒጻ፡ ንዘልኣለም ክትነብር ኢያ። ምኽንያቱ ኢሰያሳዊ ሽርሒ ኣብ ጉድለት ንቕሓትና ተወጢሑ ናብ ትግባረ ከምዝበቕዐ፡ ንቕሓትና ብምምዕባል ውድቀቱ ከነቃላጥፎ ኢና።

ንቕሓት ክልተ ዝብልሑ ሴፍ ኢዩ። ከይሓርደካ ግን ኣይትፍራሕ። ንስኻ እንተዘይፈለጥካ፡ ንሱ ንመን ከምዝሓርድ ኣይጠፍኦን’ዩ።

ኤደን ኢያሱ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde December 1, 2018

    “ምኽንያቱ ንቕሓት ሓደ ብዘየከራኽር መንገዲ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት፡ ናይ ድሕነትን ጥፍኣትን ፍልልይ ክፍጠር ዘኽእል፡ ጉሉሕ ባእታ ኢዩ። ውልቃዊ ንቕሓት፡ ሕብረተ-ሰባት ንምህናጽ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ።”>>> Indeed dear Eden,I wish we all acquired this indispensable asset early on which is the core of your article,we wouldn’t be in this sociopolitical mayhem we are in today and our very identity on the verge of extinction. Great read,thanks a million.

  • Eden Eyasu December 2, 2018

    Thank you, k.tewolde

  • Nahon December 2, 2018

    Why we are in this despicable situation ?
    Is it because we didn’t know what was happening ?
    Is it because of lack of what sister Eden calls “ንቕሓት” ?
    For many young people it could be indeed lack of consciousness or lack of knowledge.
    Their fathers and mothers had done enough sacrifices so that the new generation can live a normal life. But what these parents had knowingly ignored was the dark side of EPLF’s history. Many people knew the sad fact that this organization despite its heroic achievements in battle fields against the enemy, it had a leadership that committed horrible crimes against Eritreans.
    In 1991 instead of calling for national unity government, they encouraged it to continue its hegemony. Every time it targeted a particular group, people simply clapped hands and approved it. Then came the G15 but it was too late. They published a document that criticized the boss, but because they were silent for too long when a lot of crimes were done, people did not react. They too perished in the hands of their long time comrade.
    So, when was that people did not know what was happening ?, may be in late sixties and early seventies. But after that people knew what was going on, but for one reason or another chose to remain silent.
    Did many “Tegadelti” knew about “Menka” ?, yes they did, in particular those in leadership positions, such as those who later ended up being G15, but they did a choice back then which created a precedent for events that followed.
    Did people knew about “Sunkulan” incident ?, yes they did but chose to remain silent.
    Did people knew about the so-called war on “Jihad”, that left much of Lowlands empty of its people in mid nineties ?, yes they knew but again they chose to remain silent.
    How can people remain silent when a government closes churches ?, again the same story, only those affected were crying, while we the people either looked elsewhere, justified, helped the regime or chose to remain silent.
    So, we are here, in this despicable situation not because we didn’t know where we were going, but chose to stand with evil instead of upholding justice.

  • Simon G. December 3, 2018

    ኤደን ሓፍትና:
    መን’ዩ ንቑሕ ዶ ‘ልኪ?
    ከምዝ ከማኺ ለባምትን ከምኡ ድማ ዘንብቡን!

POST A COMMENT