Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንዩ ፈላላዪ – 4ይ ክፋል – ብ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ክቡራት ተኸታተልትና ድሕሪ 3ይ ክፋል ጽሑፍና http://demo.archive.assenna.com መን'ዩ ፈላላዪ? ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ኣብ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ተጸሚድና ብምድንጓይና ይቕሬታ እንዳሓተትና 2012 ዓመተ ስኒትን ሓድነትን ክትኮነልና ምምናይ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ክንሰርሕ ዓቕምን ጽሮትን ይሃበና ብምባል ኣብ

ክቡራት ተኸታተልትና ድሕሪ 3ይ ክፋል ጽሑፍና http://demo.archive.assenna.com መን’ዩ ፈላላዪ? ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ኣብ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ተጸሚድና ብምድንጓይና ይቕሬታ እንዳሓተትና 2012 ዓመተ ስኒትን ሓድነትን ክትኮነልና ምምናይ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ክንሰርሕ ዓቕምን ጽሮትን ይሃበና ብምባል ኣብ ምህለላ ከይተደረትና ንፈላለይትና “በርቂ ይፍለዮም” ኢልና’ውን ኣብ ምርጋም ከይተወሰና ነቲ ኣብ ደጎል Eri – TV ተኾርምዩ ዝቑዝም ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በብሞያናን ክእለትናን ኢደይ ኢድካ ኢልና ነቃልዓሉን ብሰንኪ ሕጽረት ኣፍልጦን ምትላልን ብሕማም ወገንነት ተጸልዩ ዘሎ ጉሩሕ ክፋል ህዝብና ሓቂ ነጊርና ንጥርንፈሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ሓድነትን መድረኻዊ ዕማሙ ክስከም ነዘኻኽር።

“እዝኒ ዘይትሰምዖን ዓይኒ ዘይትርእዮን የለን” ብወርሓቱ ዓጀብ ዘበለ ትያትሮ ክረእን ከብድኻ ዘይበልዕ ቁዛመ ክስማዕን ቀንዩ። መዳመቒ ነቲ ፍልስፍና ኣይትብሎ ትንቢት፣ መብጽዓ ዝመስል ግን ከኣ ዝበለየ ናይ ብዕዙዛት ሃተፍተፍ “ቃላት ብወርቂ ቀለም” ዘረባ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ንግዲ ኣውቶብሳትን ናይ ካምፓኒታት ማሺነሪታትን ብጽርግያ ባጽዕ ብምፍንታት ተሰሪዔን ክድይባ ተደጋጋሚ ኣሰልቻዊ ሰልፊ ኣርእየን። ውጽኢት ጻዕርና መርኣያ ብልጽግናና እዩ ዝብል። ኣብዛ ተካል ዓመት 2011 ካብ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ ሓጺነ መጺን ዝሓለቐን ተሰዲዱ ዝወጸ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃብቲ ሃገር እንዶ ኣይበዝሕን። እቲ ዘይተነግረ በረኻታት ሲናይ ውሒጥዎ ዘሎ ጽያፍ፣ ህይወት ኣማኢት መንእሰያት ዝወሓጠ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንሓደ እዋን’ውን ከም ቛሕ ሰም ኣብቲ ዘዕዘፍዝፈሉ ዝነበረ መስኮት ቴለቪጅን እንተዝረእ እንታይ ኮን ምበለ ህዝብና?

“ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ከምዝበሃል ነቲ ባርነት ህ.ግ.ደ.ፍ መሪርዎ ብተመልከተለይ ጥይት ተሳሒቱ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደደ መንእሰይ ክሽሕጥ “ብጌግኦም ተጣዒስና ኢሎም ዓዶም ክኣትው ይኽእሉ እዮም” ኢሉ። “ንዶርሆ ጥረ ሂብካ” ኮይኑ። ህርፋንን ናፍቆትን ዓዶም ከጽድፎም ደልዩ’ሎ ዝብል ጸብጻብ ልኡኻቱ ኣደናጊሩዎ እንበር እቲ ምሒር ሓንቀውትኦም ንዑዑ ካብ ስልጣን ኣጽዲፍካ ከምዝፍታሕ ኣንጊሆም ፈሊጦሞስ ንኣንባሳደራቱ ከካብ ዝደየቡዎ መድረኽ መእከቢ ኣዳራሻት ደደፊኦም ሃነው ከብሉዎም ከምዝጀመሩ ከተማታት ሊድስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ቴሌኣቢቭ ኣብ እስራኤልን ይመስክራ። ወረ ሕጅስ ነቶም መቓልሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ ስነጥበበኛታት’ውን ዕጭዖም በጺሕዎም ኣሎ።

ተልመዴን ፖለቲካ ናይ ወጻኢ ሓደሽቲ ሰብ ጊዜ ብስም መኸት ንእገዳ “ባህ ከይብሎም ጸላእትና ብዓል ኣሜሪካ ሕጂ ንመንግስትና ጠቕሊልና ዋላ ብዕጽፊ 2% ግብሪ ንኽፈል፣ ንዕረፍቲ ማሳዋ ንኺድ፣ ኣብ ሃገርና ሰሰለስተ ገዛ ንስራሕ” ኢሎም መዲሮም። ሃምን ቀልብን ህዝብና ስለዘይፈልጥዎ ጸሎትናን ጸሎቶምን በበይኑ እዩ። እቲ በብምኽንያቱ ኣብ ዝዕድምዎ ኣኼባ ተረኺቡ ዘጣቕዕን ተገይጹ ዝስሕቕን እንቛዕ ነታ ብሰንኪ ህ.ግ.ደ.ፍ ጠቂራ ዘላ ልቡ ከፊቶም ኣይርእዩዋ። ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ሽግርን ተሓሊኹ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቕመጥ መቕርብን ፈተውትን ብዝሕወሎ ገንዘብ ብቑንጣሮ ተመቒሉ ከምዝነብር ፈላጢኡ እዩ ዝፈልጦ። እቲ ኣባይቲ ክስረሓልካ ተባሂሉ ቁማር ዝተባህለ ክፍሊት ቦንድ ሶሎሉኡ ስጋዕ ሕጂ ኣይወጸን። ነቶም ብበደዊን ይኹን ራሻይዳ ጅሆ ዝተትሓዙ መልቐቒ ህይወት ዓቕምኹም ሓግዙና ንሕማቕ እዋን ኩኑና እንዳተባህለ ናይ እግርን ኢድን ተነጊፍ ዝተኸፍለ ኣሽሓት ዶላራት ንመን ዘይተንከፈ። “ኣብ ከብዲ ጥሙይ የለን ጽጉብ” ወዳጄ ሰለስተ ገዛ ንስራሕ።

ብመብጽዓ ምድንጋር ከም ኣመል ተወሲዱ፣ ዝቐደመ ዝተረስዕ እንዳመሰሎ፣ ኣተሃራሪፍካ ኣፎም ማይ ከምዝመልእ ንምግባር ቃላት ለዋዊጥካ ከተወናውን ምህቓን ብመደብ ዝስርሓሉ ብልሓት እዩ። እዚ ምትዕርራይን ምውሳኽን ምጅማር ሓድሽ ስርዓተ ደሞዝ ዝብል ሓረግ ካብ ክልተ ሽሕ ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክጋዋሕን ውልዕ ጥፍእ እንዳበለ ብዘዋሪ ደብዳበ ከይተረፈ ክደጋገም ዝጸንሕ ጉዳይ እዩ። ኣብ ናይ 2009 ጽምብል ናጽነት ባዕሉ ኢሳያስ ኣብ መደርኡ ንሃገር ዝሰርሕ ዘሎ ዋርሳይ ይከኣሎ ጻማ ኣበርክትኡ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳቡ ፍሉይ ገንዘብ ክቕመጠሉ እዩ ኢሉ ከምዘይመደረ ሕጂ “ወሰኽ ደሞዝ ንምግባር ዝጀመርናዮ መጽናዕቲ ኣሎ” ኢሉ። እዚ ጣቛ ዘይብሉ መኽረሪ ዘረባ’ ዚ “ምራኸ ሰንዓፈ” ዝብል ሳጓ ካብ ዝጥመቕ እነሆ ዓሰርተ ዓመት ኣሕሊፍ። ሰንዓፈ በሪኽን ንባሕሪ ገምገም ስለዝኾነ እቲ ምራኽ ሙሉእ ሓጋይ ንበርቂ ናይ ባሕሪ እንዳርኣየ ጽባሕ፣ ድሕሪ ጽባሕ ማይ ክሃርም እዩ እንዳበለ ብተስፋን ብጥሜትን ቛንጣ ኾይኑ ትልኽ ክብል ዝናብ ሓጋይ ስኢኑ ይዓርብ። እቶም ተጫረቕቲ’ውን ንተግባራት ኢሳያስ ስለዝተረድኡ ደሞዝ ብጽባሕ ይውስኽ ድሕሪ ጽባሕ ይጅመር ዕድመ ስለዝዓረቦም ንደሞዝ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምራኽ ሰንዓፈ ኢሎም ዝሰመዩዎ።

ኤርትራ ናይ ትሕቲ መሬት ጸጋኣ ተባሕጊጉ ዕንኳር ወርቂ’ውን ትኹን ኣብ መዓላ ረብሓ ህዝቢ ክትውዕል ትጽቢት የለን። ኢሳያስ ቀዳምነት ዝሰርዖ ምሕላው ስልጣኑ ስለዝኾነ ናይ ስለያ ትካላቱ፣ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሱዳን እዩ። ባህሪያዊ ጸጋ ሃገርስ ይትረፍ ኣብ ምሻጥን ምልዋጥን ጸሊም ዕዳጋ ሲናይ ናውቲ ኣካላት መንእሰያትና ዘለዎ እጃም ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ” ዝተባህለ ሕጂ እቲ ክመጽእ ዘይተጸበዮ ናይ ሕቡራት መንግስቲ እገዳ ሓኒቑ ምስሓዞ ክዓፍር ንርእዮ ኣለና ። እዚ ዋጋ ናይቲ ንኸባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለዝረበሸ ኮይኑ፣ ጌና ብሕጂ ከኣ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኽተሎ ዘሎ ኣረሜንነት ካልእ ዝኸረረ እገዳ የንጸላልዎ ኣሎ። መስርሑ ምስወድእ ሸቐቕ ከብሎ እዩ።

ናብ ኣርእስትና ክንኣትው፣ ኢሳያስ ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ነቶም ክወዳደሩዎን ክነቕፍዎን ዝኽእሉ ምሁራት ንኡስ ብርጅዋ፣ ተበለጽቲ፣ዝምቡላት እንዳበለ ካብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ክፈልዮም ዘይገብሮ ኣይነበረን። ንባዕሉ ነቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ፈላልዩ ንምሓዝ ኣብ ውሽጡ ምስጢራዊ ሰልፊ ብምቛም ኣባል ሰልፍን ግንባርን ኢሉ ኣብ ክልተ ገሚዑ ነጻጺሉዎ እዩ። እዚ ዝፈጠሮ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ስምብራቱ ስጋዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ብጠንቂ እዚ ክትሓስቦ ዘሰክፍ ነውራም ምፍልላይ ነብሶም ዝቐተሉ ንጹሃት፣ ንቃልሲ ራሕሪሖም ናብ ስደት ዘምርሑ ሓርበኛታት፣ ኣብ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲሮም ብምጭናቕ ኣእምሮኦም ዝተመዛበሉ ማእለያ የብሎምን። እቶም ብቓጻ ዝተቐንጸሉን ብመደብ ኣብ ድብያታት ጸላኢ ኣትዮም ግዳይ ዓረር ወትሃደራት መግዛእቲ ኮይኖም ብዘይ ሓታቲ ተሰዊኦም ተባሂሉ ብድብድቡ ተሰጊሩ ዘሎ ብኡ ኣቢሉ ንሓዋሩ ተዓቢጡ ዝተርፍ ዘይኮነ ጊዚኡ ምስኣኸለ ምስ ጭቡጥ መርትዖታቱ ቐሪቡ ዘተሓትት እዩ።

እዚ ከም ማይ ነሓሰ ቀርኒ ላም ዝፈሊ ኣብ ፍቕሪ ሳልስቲ ዝኣምን መናው ውልቀ መላኺ ”ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ” ኮይኑ ካብ በረኻ ምስ ኣተወ ጥልመትን ክሕደትን በቶም ጼሮሞ ዝኣተው ተጋደልቲ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ሕድሕድ ንምፍልላይ ዝተጠቕመሉ ላግጺ “ፍሉይ ስራሕ ክዓምም ብፍሉይ ጥይት ዝተሃርመ ሰብ የሎን”፣ ሰንበት ሰንበት ኣብ ገገዝኦም በጊዕ ክንሓርደሎም ኣይኮናን” ኢሉ። እዚ ሰራም ቃላት እዚ ኮነ ኢሉ ንመዳልያ ዝግብኦም ሰራሕቲ ቅያ ዲል ከሊኡ ማሕበራዊ ተቐባልነቶም ንምድቛስን ብህዝቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ንምንጻሎም ዝዓለመ እዩ። ኣብ 1993 ዝተገብረ ናይ ተጋደልቲ ምንቅስቃስ ብመሰረታት ተኾብኪቡ ናብ ኣስመራ እስታድዮም ምስከደ ዝተመጻደቆ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓፋሽ እዩ ገርህኛ እንበር ብውሽጡስ ጥራሕ ንሎሚ ምሓሩኒ እንበር ተሞኪረ ኣለኹ እንታይ ከምዝገብረኩም ባዕለይ ይፈልጥ እዩ ዝብል ኔሩ። ምጥያስ ኣብ ክንዲ በቶም ዝሸምገሉን ዝደኸሙን ናይ 1960ታት ተጋደልቲ ዝጅምር፣ ግርምቢጥ በቶም ጌና ሓደሽቲ ዘይደኸሙ መንእሰያት ብስም ናይ ቴስዓ  ዝጽውዑ ምጅማሩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣጸቢቑ ድሂጹ ካብ ሱሩ ምሕዩ ብምፍልላይ ንቓልሲ ዲሞክራሲ ፋሕ ብትን ከብሎ ስለዝደለየ እዩ።

ክፍሊ ሕክምና ናይ መጀመርታ ኢሳያስ ንምፍልላይ ግብራዊ ፈተነ ዘካየደሉ ኣሃዱ እዩ። እዚ ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ብጥርናፍኡን ብናይ ስራሕ ሞይኡን ወሃ! ዘበለ ክፍሊ’ዚ ካብ ተራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮ ክሳብ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ምኩራት ጠባሕትን ኪኢላታት ናይ ፋርማሲ፣ላቦራቶሪ፣ ራጂ ዘፍረየ ደም እንዳተቐድሐ ዝተበሳሰዕ ዘሕውይ ንዝተደራቆሰ ዝጽግን ኮታ ምውት ዘተስእ እንዳተባህለ እምነት ዝተነብረሉ ኣዝዩ ንኡድ ክፍሊ እዩ ኔይሩ። በዚ ልዑል ሓድነት ኣባላቱ ዝሰግእ ውልቀ መላኺ ሰርተፊኬት (ባጀላ) ስለዘይብልኩም ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ከም ሰብ ሞያ ሕክምና ቅቡላት ኣይኮንኩምን። ኣብ ገድሊ ዝደለብኩሞ ትምህርትን ሞያዊ ብቕዓትን ምስክር ወረቐት ከውህበኩም ኣይክእልን እዩ ብምባል ምስቶም ሰብ ምስክር ወረቐት መማህራኖምን መሳርሕቶምን ኣብ ምትፍናን ከም ዝኣትው ብምግባር ንዝነበሮም ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽንኩር እዋን ብስራሕ ዝሰጠመ ሓድነት ዘራሪጉዎ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ቀንዲ ባእታታት ካብቲ ሞያ ኣልዩ ኣብ ሚኒስቲሪታት ፋሕ ፋሕ ኣቢልዎም።

ዕሉል ኢሳያስ ብኽምዚ ዝተጠቕሰ ዘተኣታተዎ ናይ ምፍልላይ ተግባር ናብ ኩሉ ብምልሓም ሓድ ሕዳዊ ምትእምማን ተጋደልቲ ከምዝጠፍእን ብረብሓን ጉኑዖን ብምጉዝዛይ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ከድህቡ ብምድፍፋእ ነታ “ኖኻል ጁባ” ዝመጸውዒቶም በሊሉ ህዝቢ ንክንጽሎም ዝከኣሎ ዘበለ ሰሪሑ።

ኣብ ሞንጎ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍን ዘሎ ፍልልይ ክሳብ ንምርድኡ ዝጽግም ብጸሊም ሓሶት ሓላሊኹዎ ዘሎ ሽርሒ ኢሳያስ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍእን ህዝብና ክነቕሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ተጋዳላይ ማለት ካብ ሂወቱ ረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ዘቐድም ብሰለስተ ዙርያ ፈንጂ ተሓጺሩ ብታንክታትን መዳፍዕን ተነዲቑ ዝተሃንጸ ጎዳጉዲ መዓስከራት ጸላዒ ከም ጽንብላሊዕ ጠኒኑ ዝኣትው ፍሉይ ፍጥረት እዩ። ብኣንጻሩ ህ.ግ.ደ.ፍ ማለት ከኣ ህዝቡ ዘጽንት፣ ኣብ ምቹእ ሆቴላት ውስኪ እንዳጨለጠ ብጉቦን ኮንትሮባንዶን ዶላራት ዘኻዕብት፣ ንምብትታን ሃገር ዝጽዕት ህድግለነ ዘይብሉ ሓራም እዩ። እዚኦም ክልቲኦም ብተግባራቶም ጥራይ ዘይኮነ ብግዳማዊ ትርኢቶም’ውን ኣይመሳሰሉን እዮም። ንኹሉ ተጋዳላይ ከም ጠንቂ ህሉው ሽግር ሃገርና ጌርካ ምውሳድ ኮነ፣ ንኹሉ ከም ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ ጌርካ ምርኣይ ዕውር ጽልኢ ወይ ኣጉል ጥርጣረ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ እዚ ኣጠማምታ’ዚ ብኸመይ ክሰፍን ክኢሉ ብጥልቀት  ምስ እንምርምሮ ናይ ሰራም ኢሳያስ መርዚ ምፍልላይ ስለዝተነስነሶ እዩ።

ብኣልማማ ኩሉ ተጋዳላይ ንፖሊሲን ግስሩጥ ኣካይዳን ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዝቕበሎን ዝሰማማዓሉን ጌርካ ምርዳእ ካብ ክውንነት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ካብኡ ሓሊፍ ግን ካብ መጀመሪያ ኣትሒዝና ብምጽብጻብ እንተተንቲናዮ ቀዳማይ ግዳይ ተጋደልቲ እዮም። እቶም ውሑዳት የማናይ ኢድ ኮይኖም ዘገልግልዎ ዘለው ደቂ መዛሙርቱ ንገጸ ባህርያት ኩሉ ተጋዳላይ ዝውኩሉ ኣይኮኑን። እዚ ኣብ ክልተ ዘይራኸብ ጫፋት ዘሎ ብሓደ ሰምዩ ንከየመዛዝን ዝገበረ መንቀኛ ኢሳያስ ዕላምኡ ብህዝቢ ከምዝንጸሉ ጌይሩ ኣንጻሩ ናይ መቃለሲ ባይታ ከምዝስእኑ ብምግባር ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ምዃኑ ክረጋገጽ ይከኣል።

ነዚ ከም ማይን ጸባን ዝተሓወሰ ህዝቢ መራግእቲ ዘይብሉ ሽርሕን ተንኮልን ኣብ ዓይበት መሊኡ ክፈላልዮ ማእለያ ዘይብሉ መዋእለ ንዋይ ኣፍሲሱ እንተሓቖኖ፣ ስራይ ከኽትብ ናብ ዛዕጎል ዝሽሕሽሑ ፈቆዶ እንዳሽሑር ኣጸልሚቱ እንተኾለለ ጊዜ ይቐትል ዝለከመ ኸኣ ይልክም እንበር ፋይድኡስ ባዶ እዩ። “ሕማቕ እዋን እሳ ትሓልፍ በሰላ ትገድፍ” ከምዝበሃል ኣብዚ ናይ ተፈራረድ ወቕቲ ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ናብ ውልቃዊ ጉዳያትካ ብምዝዛው ንሕልና ዘየቕስን ምስራሕ ንሓዋሩ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፡ ነቲ መዋእል ዘቑጸረ “ኣይንፈለ ኣይንፈላለ ብሓደ ንውዓለ” ዝብል ያታዊ ደርፊ ኣዋልድ ሃገርና መበገሲ ምንጩ ዘመን ኣካሒዳ ምዃኑ ብምስትውዓል ኣቦሓጎታትና ዝኣተውዎ ኪዳን ሓድነት ነጽንዕ።

ልዕልና ሕጊ ይንገስ!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

31 ጥሪ 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Cambo February 2, 2012

    ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ:

    ዝለዓለ ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ከም ወትሩን ቀዳሞት ጽሑፋትክን ብውሕሉል ቃላትን መርትዖታትን እተነድቀ ግሩም ኣስተምህሮ እዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ጽሑፋት ካባይ ጀሚሩ ትሩጉም ቃልስን ተቓውሞን፤ ትርጉም ፍትሕን ሓቅን ክንመሃር ይግባእ።
    ብፍላይ እዛ ሓጻር ምልእቲ ሓሳብ፤
    “ኣብዛ ተካል ዓመት 2011 ካብ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ ሓጺነ መጺን: ዝሓለቐን ተሰዲዱ ዝወጸ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃብቲ ሃገር እንዶ ኣይበዝሕን።”
    ሓቂ እወ፥ ዓመት መጸ ብባዶ መብጽዓታት ስርዓት ህግደፍ ኣእዛና ጸሚሙ፤ብደውና “ምራኸ ሰንዓፈ” ተቐይርና እንታይ ተሪፍና። “ሰንዓፈ በሪኽን ንባሕሪ ገምገም ስለዝኾነ እቲ ምራኽ ሙሉእ ሓጋይ ንበርቂ ናይ ባሕሪ እንዳርኣየ ጽባሕ፣ ድሕሪ ጽባሕ ማይ ክሃርም እዩ እንዳበለ ብተስፋን ብጥሜትን ቛንጣ ኾይኑ: ትልኽ ክብል ዝናብ ሓጋይ ስኢኑ ይዓርብ::”

    ከማኽን ከመሓዙትክንሲ ኣብዚሑ ይሃበና።

    የቐንየለይ

  • HGDF February 2, 2012

    ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ ኮይኑ ነገሩ። መን ድዩ ደኣ ካብ መዲትራኒያ ሂወት ንምድሓን ደቂ መነመን ዓዲ ኣለዉ ምስኦም እናበለ ዝሓትት?
    መን ድዩከ ደቀባት ደቂ ኣርብዓን ደቂ ሓምሳን እናበለ ለይቲን መዓልትን ንተቃወምቲ ከይተረፈ ፋሕ ብትን ዘእቱ ዘሎ?

  • Cambo February 2, 2012

    For those of you who want to see a documentary about life of a group of African refugees across the Sahara and the Mediterranean Sea, here is a good documentary.
    This is a good documentary made by an Ethiopian about Ethiopian refugees. The first few minutes is in Italian, interspersed later in Amharic.
    This is for those of you who can understand Italian or Amharic.
    Thanks to Elsa Chyrum, Aba Mussie, and Radio Assenna, we had heard and read most of the same stories.

    http://www.youtube.com/watch?v=LQv98JoycgE&feature=player_embedded#!

POST A COMMENT