Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ሆላንድ፡ ከም ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ንስርዓት ህግደፍ ወኪሉ ኣብ ኔዘርላንድስ ንዝነበረ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ከምዝሰጎጎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ከም ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ  ንስርዓት ህግደፍ ወኪሉ ኣብ ኔዘርላንድስ ንዝነበረ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ  ከምዝሰጎጎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሎሚ ረቡዕ 17 ጥሪ ምግላጹ ሮይተርስ ካብ ኣምስተርዳም ሓቢሩ። ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ሃገር ገዲፎም

መንግስቲ ሆላንድ፡ ከም ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ  ንስርዓት ህግደፍ ወኪሉ ኣብ ኔዘርላንድስ ንዝነበረ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ  ከምዝሰጎጎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሎሚ ረቡዕ 17 ጥሪ ምግላጹ ሮይተርስ ካብ ኣምስተርዳም ሓቢሩ።

ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ሃገር ገዲፎም ንዝተሰደዱ ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ግብሪ ከኽፍል ከምዝጸንሐ ዘየማትእ ጭብጢ ስለዝተረኽበ፡ ንወኪል ናይቲ ስርዓት ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ` persona non grata` ኢሉ ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክለቅቕ ከምዝተኣዘዘ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ `ታ ሃገር ንፓርላማ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝነበረ ኣፈኛ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ`ዚ ተሓቲቱ ክዛረብ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣርጎስ ዝተባህለት መደብር ራድዮ ዳች፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገልግሎት ክረኽቡ እንተደኣኮይኖም ናይ ስደተኛታት ግብሪ ክኸፍሉ ጸቕጢ ከምዝግበረሎም ሓቢራ ነይራ። ኣብቲ እዋን`ቲ መንግስቲ ሆላንድ ነዚ ተግባር`ዚ ደው ከብሉዎ ኣጠንቂቑ ኳ እንተነበረ ወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ከምዝቐጸሉዎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ፡ ` ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ዝውሰድ ተሪር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ `ቲ ስርዓት ተወሲዱ ምህላዉ ንስርዓት ህግደፍ መልእኽቲ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ። ` ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየድሊ ተግባራት ኣይንጻወርን ኢና` ድማ ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉምሉ ክዕጾ ወሲኑ ኳ እንተነበረ፡ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ጸገም ስለዝፈጥር፡ ብኣንጻር ድሌት ናይቶም ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ ነቲ ውሳኔ ንሱ ከምዘየተግበሮ ኣረዲኡ።

ኣብ`ታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ብወገን እቲ ኤምባሲ ዝኾነ ገበናዊ ጥሕሰታት ኣብ ዝገጥሞም እዋን ክሕብሩ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • hgdf 0000000 January 18, 2018

    ህግደፍ ከም ዝብኢ ቁስሉ ዝበልዕ ካብ ዘለዉ ስርዓታት እቲ ዝሓሰመ ገና ክድህኸናዩ ክሳብታ ትርድኣና ርጉም ምኻኑ ንሕና ኤርትራውያን።

  • Daniel kelati January 20, 2018

    Hzbi Eritrea Dmu zkone hzbi Lokumat hzbi Deku andatereshenu suk elu zrie newram hzbi

Post a Reply to Daniel kelati Cancel Reply