Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ሱዳን Travel document ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኤውሮጳ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (Travel document) ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ብረቡዕ 6 ለካቲት ካብ ነርወይን ጀርመንን ስድራቤቶም ክበጽሑ ናብ ሱዳን ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ካብ መዓርፎ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኤውሮጳ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (Travel document) ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ብረቡዕ 6 ለካቲት ካብ ነርወይን ጀርመንን ስድራቤቶም ክበጽሑ ናብ ሱዳን ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም በታ ዝኣተዉላ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ብኡንብኡ ከምዝተመልሱ እቲ ጉዳይ ብኣካል ዝገጠሞም ኤርትራውያን ሓቢሮም።
እቶም ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ካብተን ዝነብሩለን ሃገራት ኤውሮጳ ቪዛ ረኺቦም ከምዝገሹ ኳ እንተገለጹ፡ መገሻኦም ክሰልጦም ከምዘይከኣለ ኣገንዚቦም።
ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝመደበሩ ዲፕሎማት ሱዳን፡ እቲ ሓዱሽ መምርሒ፡ ብወግዒ ናብ ኩለን ኤምባሲታት ሱዳን ከምዘይበጽሐ ጠቒሱ።
እዚ ናይ መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራውያን ብ Travel document ናብ ሱዳን ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓዱሽ ኣዋጅ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ኣልበሺር ብሃንደበት ሎሚ ቕነ ናብ ኤርትራ በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ እዩ ወጺኡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Tekeste Haile February 12, 2013

    That is what a cheap system of governance can do to its kind on the other side – or dictators and warlords can support each other only that way, though that won’t take them far – a double face of Sudan to Eritrean – no surprise!!

  • dani February 14, 2013

    denkoro mengesti sudan.

POST A COMMENT