Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ውልቀመላኽነት ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ምህላዉ ይውቀስ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። በዚ

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ምህላዉ ይውቀስ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ፈለማ ርብዒ ናይዚ ዓመት’ዚ 73 ሚእታዊት ኣንውታዊ ምላሽ ዝረኸበ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ዝምለሱ ዘጋጠሞም ሓደጋ የልቦን ኣብ ዝብል ካብ ሰበስልጣን ናይቲ ጨፍላቒ ስርዓት ንዝረኸቦ ኣጉል ውሕስነት ተመርኵሱ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውሳን ሰራሕተኛታት ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ንዝውከሱሉ መምርሒ ድሕሪ ምኽላሱ፣ ኣብቲ ዝቐጸለ ርብዒ ዓመት ኣውንታዊ ምላሽ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ 34 ሚእታዊት ኣዝዩ ለጠቕ ከምዝበለ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ወርሒ ሰነ፣ 3568 ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕቶ ዑቕባ ከቕርቡ ከለዉ፣ ካብታ ብኵናት ተሓሚሳ 4 ሚልዮን ህዝባ ተሰዲዱ ዘሎ ሶርያ 2204 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ከምዝሓተቱ  ዘ ኢንደፐንደት ይጠቅስ።

ይኹን ‘ምበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዘውርዶ ዘሎ መዳርጊ ዘይብሉ ግፍዕታት ማዕረ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት እናኸሰሶ ኸሎ፣ መንግስቲ እንግሊዝ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ቀጻሊ ወቐሳን ነቐፌታን ይወርዶ ኣሎ።

መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ምርጫ ንተደጋጋሚ ግዜ ቁጽሪ ስደተኛታት ንዓመት ትሕቲ 100 ሽሕ ከውርዶ ምዃኑ ኳ እንተተማጽዐ ሎሚ ዘበን ልዕሊ 300 ሽሕ ንሂሩ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ። ይኹን እምበር፣ እቲ ዝበጽሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብተን ምስ እንግሊዝ ነጻ ናይ ምንቅስቓስ ስምምዕ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳ ዝመንጨወ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Eden Tekeste August 31, 2015

    What do you expect from a Conservative government then? The Tories only represent the rich class of British society.
    For Eritreans and other poor Africans in-order to get fair deal and favourable justice, there should be a Socialist Labour government that represents the normal working class in Britain – UK.

  • Tewelde Keleta September 1, 2015

    Why are we blaming the British government for our own weakness and faults? A democratically elected government has to look and be accountable only to its own citizen and voter. Eritreans who are still fanincing this suicidal exodus have to take full responsibility and the blames for not stopping it and to let it continue with further shames and suffering on innocent Eritreans.

  • Lidya September 9, 2015

    No we the Eritreans are the reason for the rejection! After we got the asylum the next morning we go to the HGDEF office to apply for Eritrean passport,,,, to pay 2%,,,,, we go to the HGDEF guayla,,,,,,,, kiss HGDEF ass by going back to Eritrea. This is the reason for our rejection,,,,, the British government is not a stupid!!!!!!

POST A COMMENT