Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስትን ሃይማኖትን፡ ማዕዶ ማዕዶ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ብጥንቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምሕደራ ከየማዕበለ ኸሎ፡ ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ቀቢላዊ ንጥፈታቱ የካይድ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ፡ እቲ ከሕብሮን ኪጠምሮን ዚኽእል ዝነበረ እንኮ ሓይሊ፡ እቲ ናይ እምነትን ማሪትን ሓይሊ እዩ ዝነበረ። ነቲ ኣብ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ ብጥንቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምሕደራ ከየማዕበለ ኸሎ፡ ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ቀቢላዊ ንጥፈታቱ የካይድ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ፡ እቲ ከሕብሮን ኪጠምሮን ዚኽእል ዝነበረ እንኮ ሓይሊ፡ እቲ ናይ እምነትን ማሪትን ሓይሊ እዩ ዝነበረ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዚፍጸም ዝነበረን ኪገልጾ ዘይክእል ዝነበረን ተፈጥሮኣዊ ክስተታት (ከም ንኣብነት፡ በርቅን ነጎዳን ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን፡ ከምኡውን ኣብ ህይወቱ ዚጓነፎ ዝነበረ ሕማምን ሞትን) ንኺግንዘቦ እኹል ሳየንሳውን ፍልስፍናውን ፍልጠት ሰለ ዘይነበሮ፡ ነዞም ተርእዮታት እዚኣቶም ዚገልጹሉ ፍሉያት ሰባት ከም መራሕቱ ገይሩ ብምውሳድ፡ ኣብ ቀጻልነት ማሕበራውን ማሪታውን ህይወቱ ውሕስነት ይረክብ ነይሩ።

እዞም ሻማን ተባሂሎም ዚፍለጡ ሓውሲ ጠንቆልትን ፈወስትን ትንቢት ነገርትን፡ ኣብቶም ጉጅለታት ዓቢ ስልጣን ስለ ዝነበሮም፡ እቶም ብወራር ይኹን ብዓመጽ ነቲ ጉጅለ ከሰንፉዎን ከንበርክኹዎን ዝኸኣሉ ናይ ኵናት ሓያላት፡ ነቲ ስልጣን ካብቶም ሻማን ኪምንጥሉዎን ንቐጻልነት መግዛእቶም  ኪጥቀሙሉን ግዜ ኣይወሰደሎምን። በዝን ክንድዝን ድማ፡ እቲ ብጥንቲ፡ ወድሰብ ካብ ዘይፈልጦን ዘፍርሆን ነገራት ገላጊሉ ሰላማዊ ናብራኡ ንኺነብር ብማለት ዘጥረዮ እምነት፡ ቤተክህነትን መንግስትን ጠሊፎም ብምውሳድ፡ ኣብ ምኽዕባት ሓይሎምን ቀጻልነት መግዛእቶምን ንኸውዕሉዎ ኣይደንጎዩን።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጥንታውያን ነገስታት፡ ንንግስነቶም ዘደልድልን ቀጻልነቱ ዘውሕስን ያታ ወይ ጽውጽዋይ የድልዮም ስለ ዝነበረ፡ ንገዛእ ነብሶም ከም ውሉዳት ኣምላኽ ወይ ድማ፡ ቀልዓለም ዘይብሉ፡ ባዕላቶም ኣማልኽቲ ምንባሮም ይገልጹ ነይሮም። ኣብዚ ጉዳይዚ ድማ እቲ ቤተክህነት ንገዛእ ርእሱ ምስ መለኮታዊ ሓይሊታት ቀጥታ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምፍጣር ናይቶም ንነብሶም ምስ ኣምላኽ ዘወዳድሩ ዝነበሩ ውልቀመላኽያን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ኣብ ማእከላይ ክፍለዘመን ኤውሮጳ፡ እቲ ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ስልጣኑ ልዕሊ ነገስታት ብምንባሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውን ስጋውን ህይወት ሰባት፡ ገባርን ሓዳግን እዩ ነይሩ። ብ 1077 ዓ.ም ናይቲ ዝዓበየ ክፋል ኤውሮጳ ሃጸይ ዝነበረ ሀንሪ ራብዓይ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ካኖሳ ዝነበረ ግረጎሪ ሻብዓይ ዚብሃል ናይ ሮማ ጳጳስ ንኺረኽቦ ብማለት ብዝወሰዶ ናይ ነብሰ-ምሕሳር ተግባር፡ ኣብቲ ኣፍደገ ናይቲ ኣደራሽ ስለሰተ መዓልትን  ለይትን ኣብ ቀዝሒ ቁሪ ተንበርኪኹ ተጸቢዩዎ። እቲ እዋንቲ፡ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣዚዩ ዓብሊሉሉ ዝነበረ ዘመን እዩ ነይሩ።

ኣብ 18 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ፈረንሳ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ሉዊ መበል 14፡ ነቲ ቤተክህነት ዝሃቦን ዘጽደቐሉን ናይ ነገስታት መለኮታውያን መሰላት (divine right of kings) ዚብል ስልጣን ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ይፍጽም ነይሩ። ኪበዝሕ ኪበዝሕ ግን፡ ኣብ 1789 እቲ ብናይ ፈረንሳ ሰውራ ዚፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ነቲ ኸምዚ ዝበለ እምነታትን ነቶም ዚስዕቡዎ ዝነበሩ ንጉሳዊ ቤተሰብን መኳንንትን ላዕለዎት ኣባላት ቤተክህነትን ብሱሮም መንቝሱ ኣጥፊኡዎም እዩ። ንግዜኡውን ንሃይማኖት ብሳየንስ ወይ ብስነመጎት (reason)ተኪኡዎ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜውን፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ፡ ስዩመ እግዚኣብሄር ዚብል መዓርግ ብምጥቃም፡ ስልጣኑ ብኣምላኽ ከም እተዋህቦ ገይሩ ንህዝቡ ብምዕሻውን ናይ ቤተክህነት መለኮታዊ ሊቸንሳ ብምጥቃምን ዳርጋ ከም ኣምላኽ ኮይኑ ይገዝእ ነይሩ እዩ። ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ ብዚብል ጭርሖታት ደገፉ ሂቡ እዩ። ወድሰብ እናተማህረን እናነቕሐን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ግን፡ ከምዚ ዓይነት ምትላል ነዊሕ ከሰጉም ስለ ዘይከኣለ፡ መብዛሕትኦም ውልቀመላኽያን ካብ ከምዚ ዝበለ ሽጣራ ንግዜኡ ተዓቂቦም ዘለዉ ይመስሉ።

መንግስትን ሃይማኖትን፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ወድሰብ መሰረታዊ ተራ ዚጻወታ ሓይልታት እየን። እታ ሓንቲ ነቲ ማሪታውን መንፈሳውን ህይወት ሰብ ክትቆጻጸሮ ትቃለስ፡ እታ ሓንቲ ድማ ነቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ህይወት ሰብ ክትቆጻጸሮን ክትድርቶን ክትዕምጽጾን ትጽዕር። ዜርካ ዜርካ ግን፡ ናይ ቤተክህነትን ናይ መንግስታዊ ስርዓትን ደምዳሚ ዕላማ፡ ብጥንትን ብመሰረቱን፡ ሓይልን ስልጣንን ንምኽዕባትን ንምድልዳልን እዩ።

መብዛሕትኡ ኣብዛ ዓለምና ብወድሰብ ዚካየድ ንጥፈታትን ጉዳያትን ራእይን ዕላማን፡ ብዓቢኡ ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ብመራሕቲ መንግስታዊ ስርዓትን ዚካየድ መስርሕን፡ ዚፍጸም ተግባርን፡ ዚትለም መደባትን፡ ዚሕንጸጽ መደባትን፡ መልክዑን ሕብሩን ኣገባቡን ኣተገባብራኡን ደኣ ይቐያይር ይኸውን እምበር፡ ብመሰረቱስ ብዛዕባ ምኽዕባት ሓይልን ስልጣንን እዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩሞ፡ ኣብዛ ዓለምና ብመጠኑ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታትን እተፈላለያ መንግስታትን፡ ሰላምን ስኒትን ነጊሱ ምረኣና ኔርና። ስለዚ፡ ዓለም ብኹለንትናኣ ናይ ስልጣን ዓውደ ኵናት ወይ መድረኽ (eternal struggle for power) እያ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይመስለንን።

መንግስትን ሃይማኖትን ስልጣን ኪማናጠላን ኪሻመዋን ኪካፈላን መዋእላት ሓሊፉ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሓደ ኾይነን ነቲ ህዝቢ ይረግጻኦ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ገልቢጣ ስልጣን ብምሓዝ ነቲ ጭቆና በይና ተካይዶ።

ይኹንምበር፡ ሳላ ንቕሓት ወድሰብ፡ ከምኡውን ሳላ ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ኣብ ተክኖሎጅን ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ መሰል ደቅሰብን ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራን ኣብ ቁጠባን፡ ብሳየንስን ብምርምርን እተበጽሐ ምዕባለ፡ ሃይማኖት ንዘመናት ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ዝነበሮ ስልጣን እናደኸመን እናቐሃመን ብምኻዱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ገለ ሃገራት እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ እቲ መንግስቲ ወይ ምሕደራ፡ ምድራውን (secular) ህዝባውን ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ እንተ ተመልከትና፡ መብዛሕትአን ናይ ቀደም መንግስታት፡ ብሃይማኖት እተጸልዋ እየን ነይረን። ገሊኣተን ድማ ፈጺመን ብመለኮታዊ ስርዓት ዚመሓደራ እየን ነይረን። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ቅዋመንን ሕግታተንን ዳርጋ ምስቲ ዚኽተላኦ ቅዱስ መጽሓፈን ይመሳሰል ነይሩ ማለት እዩ። እዚ ዓይነት መንግስታዊ ምሕደራዚ፡ ተዮክራሲ (theocracy) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ገለ ሃይማኖት እስልምና ዚኽተላ ሃገራት፡ ከም ንኣብነት ኢራን፡ እቲ ምሕደራአን ምስ ሃይማኖት ኣዚዩ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።

ሃይማኖት፡ ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ዘምጽኦ ጸገማት፡ ኣብቲ ዘይንቕነቕን ኣብ ሕቶ ዘይኣቱን መትከላቱ ስለ ዚጠብቕ እዩ። ምድራዊ ወይ ሰኩላር ሕግታትን ኣምራትን መትከላትን፡ ከከምቲ ግዜን ማሕበራዊ ምዕባለን ኪቀያየርን (flexibility) ኪምዕብልን ከሎ፡ መለኮታዊ ሕግታትን መትከላትን ግን፡ በቶም ሰዓብቱ ከም ፍጹምን (absolute) ዘልኣለማውን ልዕለ-ተፈጥሮን (supernatural) ስለ ዚቝጸር፡ ምስ ግዜ ኪልወጥ ኣይክእልን። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ምስ ምዕባሌ ኪጎዓዝ ኣይክእልን። ሓድሓደ ግዜውን ንምዕባለ ንድሕሪት ይጎቶ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ዓለምና ዘጋጥም ውድዓዊ ኩነታት (objective reality) ብፍሉይን ኣብ ስነመጎት ብዘይተሰረተን ሓድሓደ ግዜ ድማ ብሕልማዊ መገድን (illusion) ስለ ዚጥምቶ፡ ገለ ኣመንቲ ክፋላት ሃይማኖታት፡ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣገዳስነት ብምንእኣስን ብምንዓቕን፡ ግጉይ ኣተሓሳስባ የማዕብሉ እዮም። ነዚ ንምርዳእ ዘገልግለና ሓደ ኣብነት፡ እቲ ናይ ዓውለማዊ ሙቐት (global warming) ሕቶ እዩ።

ዓውለማዊ ሙቐት ብገለ ኣመንቲ፡ ከም ዘይፍታሕ መለኮታዊ መቕጻዕቲ ኮይኑ ኪውሰድ ከሎ ግቡእ ኣገዳስነት ኣድህቦን እውን ኣይወሃቦን እዩ። ነታ ገዲፍካያን ከም ትራንዚትን ጌርካ እትርእያ ዓለም፡ ጸገማታ ንኽትፈትሓላ ግዜኻ ኣይተጥፍእን ኢኻ። እቶም ንሳየንስን ንስነመጎትን ከም መሰረት መፍትሒ ጸገማት ገይሮም ዚወስዱዎ ግን፡ ጸገማት ዓውለማዊ ሙቐት፡ ብምጕዳል ብከላን ብምዕቃብ ተፈጥሮን ኪፍታሕ ከም ዚኽእል ብምግምጋም፡ ዓለም ንምድሓን፡ ዘይሕለል ጻዕሪ እዮም ዘካይዱ።

ኣብ ጉዳይ አይድስ እውን፡ ገለ ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ንምዝውታር ኮንዶም ብምቅዋም፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣህጉርና ብዙሕ ሰብ ግዳይ አይድስ ከም ዚኸውን ገይረን እየን። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንማዕርነት ጾታን ንህዝባዊ ጥዕናን ንምዕባለ ሳየንሳዊ ምርመራን፡ ንማሓበራውን ቑጠባውን ፍትሕን ብዚምልከት እውን፡ ገለ ክፋላት ሃይማኖት ኣሉታዊ ተራ ተጻዊተን እየን ይጻወታውን ኣሎዋ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ እተዋሕጣ ክፋላት ሃይማኖታት፡ ናይ መንግስቲ ልጓም ምስ ዚሕዛ ወይ ሓደ ካብ ኣባላተን መራሕ ናይ ሓንቲ ኑክለየራዊ ኣጽዋር እትውንን ሃገር ምስ ዚኸውን፡ እዛ ዓለምና ንኽትዓኑን ንኽትጸንትን ዘለዋ ዕድል ኣዚዩ ዓቢ እዩ!

ስለዚ፡ እቲ ዘላቒ መፍትሒ፡ ንሃይማኖት ካብ መንግስትነት ከም ዚርሕቕ ምግባር ጥራይ እዩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥርጠራታት ስለ ዝነበሮም ከኣ እዮም፡ እቶም ናይ ኣመሪካ መስትረትቲ ሽማግለታት (founding fathers)፡ ብፍላይ ድማ ቶማስ ጀፈርሶን፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ጋግ ኪህሉ ከም ዘለዎ ዝሓበረ። መንግስትን ሃይማኖትንሲ ማዕዶ ማዕዶ ደኣ።

ሽሕኳ ሃይማኖት ብመሰረቱ ናይ ፍቕርን ሰላምን መገዲ ዚኸፍት ትምህርቲ እንተለዎ፡ ምስ መንግስትነት ምስ ዚቋረን ግን፡ ካብቲ ጥቕሙ እቲ ጉድኣቱ ከም ዚዛይድ ኣብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

ናይዚ ኣሉታዊ ጠንቅዚ ምኽንያት ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሃይማኖት ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ መንጎ ምድራውን መለኮታውን ስልጣን ዘሎ ፍልልይ ዘይርድኦም መራሕቱ፡ ከምኡውን እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘይኮነስ፡  እቶም ንሃይማኖት ከም መሸቀጥን ከም መቐጸሊ ስልጣኖም ገይሮም ዚጥቀሙ ናይቲ መንግስቲ መራሕትን መጋበርያታቱን፡ ምዃኖም ክንርስዕ ኣይግባእን።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

<script src=”https://apis.google.com/js/platform.js”></script>
<div class=”g-ytsubscribe” data-channelid=”UCMKaCcIDaPJc7ELfP75UeYA” data-layout=”full” data-count=”hidden”></div>

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai May 8, 2018

    Like an ostrich or proverbial Segen, you are pretending you have never heard about this. When we write, knowing is not enough, what most Eritreans need is courage and bravery to say it as it is:
    ” Eritrean Islamic Salvation Movement, EIJM, EIJ, ERIJ, EISM, Eritrean Islamic Jihad Movement, and/or Harakat al Jihad al Islami al Eritrea. The Eritrean Islamic Jihad Movement (ERIJ), is one of several opposition groups that operates in Eritrea and from surrounding countries.”
    “… The primary goal of the ERIJ is to spread the Islamic ideology and the rule by Islamic law -Sharia …… ERIJ also seeks the establishment of an Islamic Government in Eritrea with an eye toward establishing a caliphate in the Horn of Africa.[3][4] In September 1998, an opposition congress was held in Khartoum, Sudan. At that time, the Eritrean opposition group Harakat al Jihad al Islami (Eritrean Islamic Jihad Movement-ERIJ) reportedly changed its name to Harakat al Khalas al Islami al Eritrea (Eritrean Islamic Salvation Movement).

    • k.tewolde May 8, 2018

      There is a boogie man out there,be scared,be very very scared.”establishing a caliphate in the horn” who is going to be the Calipha? we have one already who is wiping us of the face of the horn and replacing us with Riyal waving rich gulf states,they are buying their way from the Red Sea shores to the plateau. Tesfai ,what kind of news feed are you following?.

POST A COMMENT