Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ኢዩ ነይሩ ? ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ ? መመላእታ ንቐዳማይ ክፋል

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ  ኮይኑ ዝንቀሳቐስ 

ኤ ና ስ ኣ ምስ ዓመጹን ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ምእዛዝ ምስ ኣበዩን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ጠንቁ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ሽግር ክፍጠር ዝኸኣለ ኤ ና ስ ኣ ኣኻል ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዘይነበረን ነብሱ ኽኢሉ ነጻ  ኮይኑ ዝንቀሳቐስ  ማሕበር ብምንባሩ ዝተፈጥረ ጸገም ብምንባሩ ኢዩ፡፡ እዚ ስለዝተረድኦ ድማ ኢሳያስ ነዚ መሰረታዊ ፍታሕ ንክገብረሉ ኣብ ሜዳ  ሽበድበድ ክብል ጀመረ፡፡ እዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ጸገም ኣብተን ኻልኦት ናይ ሓፋሽ ውድብ ማሕበራት ማለት ከም ማሕበር ተማሃሮ፣ ማሕበር ደቐንስተዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ሸቓሎ ወዘተ. . . ንኸይድገም ስለዝፈርሀ ድማ ንኹለን ሓፋሽ  ውድባት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህ. ግ. ከምዝቅየዳ ንምገግባር ከም ብሓድሽ ክሰርዐን ክውድበንን  ጀመረ፡፡  ዕላምኡ ድማ ከምዚ ናይ ኤ ና ስ ኣ ዓይነት ጸገማት መታን ከይድገም ብዝተኻእለ መጠን እተን ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት እንተተኻኢሉ ብኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ  እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብሕጹያት ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ከምዝምርሓ ምግባር ነበረ፡፡
ናይ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ጉባኤ ብምጽዋዕ ድማ እቲ ጉባኤ ኣብ ሜዳ ኣብ ንሱ ብዝያዳ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ክገብሮ ስለዝወሰነ ኩለን ሓፋሽ ውድባት ወኸልተን ንሜዳ ከምዝሰዳ ተገብረ፡፡ተንኾላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተረድኡ ኣባላት ኤ ና.ስ ኣ. ድማ ሽውዓተ ወከልቶም መሪጾም ንሜዳ ለኣኹ፡፡ ካብቶም ዝተላእኩ ድማ ሓጎስ ገብሪሂወት (ኽሻ) ን ታደሰ እምባየን ይርከብዎም ነበሩ፡፡
ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ ሓጎስ ኽሻን ታደሰ እምባየን እቶም ካልኦትን ክብገሱ እንከለዉ ድማ ብዛዕባቲ ግርጭቶም ምስ መሪሕነት ህ. ግ. ተላዚቦም ሓደ ፈታሕ ሒዞምሎም ክመጹ ተማሕጸንዎም፡፡ ኣብዚ ጉባኤ‘ዚ ድማ ኢሳያስ እተን ማሕበራት ብሃገራዊ መልክዕ ከምዝስራዓ ገበረ፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ድማ ንኤ ና ስ ኣ  ንምብትታንን ካልእ ብወገን ተ.ሓ. ኤ. ክምስረት ዝክእል ማሕበራት ንምትዕንቓፍን ነበረ፣ ማለት እቲ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ፣ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ወዘተ… ዝብል ፓቴንት ንምግባርን ስለዝመደበ ኢዩ፡፡
በዚ መስረት ድማ ንሓጎስ ኽሻ ከም ኣቦ መንበር ናይ ማሕበር ተመሃሮ ከምዝምረጽ ክገብር እንከሎ ንታደሰ እምባየ ድማ ወኪል ናይ ተማሀሮ ኣብ ሰሜን  አሜሪካ ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ብዘይካ‘ዚ ድማ ዘመደ ተኽለ  ኣብ ኤሮጳ፣ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ቤይሩት፣ዮሱፍ ሳይቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ወከልቲ ናይ ማሕበር ተማሀሮ ገበሮም ፣ ኩሎም እዞም ዝተጠቅሱ ድማ ኣባላት ናይቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሓለፍቲ ኤ ና ስ ኣ ዝነበሩ ኣብ ሜዳ ኣትዮም ፍረዶም ምስ ዝቕበሉን ይቕሬታ ምስ ዝሓቱን ጥራይ ኢዮም ኣባላት ናይዚ ሓዲሽ ዝቖመ ማሕበር ተማሀሮ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል ውሳኔ  ምሕላፉ ይዝከር፡፡
እቲ ኣብ ሜዳ ኣንጻሩ ዝእለም ዝነበረ  ውዲታት ዘይፈለጠ መንግስትኣብ ኢሳቅ ድማ ኣብዚ እዋን‘ዚ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስልኪ ክራኸብ ፈቲኑ ኔይሩ፡፡ (ኣብ ሜዳ ሓንቲ ናይ ስልኪ መራከቢት መሳርሒት ነይራ ንሳ ከኣ ኣብቲ ናይ ኢሳያስን ሮመዳንን ቦታ ነበረት)፡፡ ኢሳያስ ምስ መንግስትኣብ ክራከብ ስለዘይደለየ ግን ኣብ ስልኪ ሮመዳን ኢዩ ተቀቢልዎ፡፡ ሮመዳን ንስካ ብድሕሪ ሕጂ ምስ ኢሳያስ ዘራኽብ የብልካን ስለዚ ትብሎ ነገር እንተሎካ ምሳይ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ ስለዝበሎ ድማ መንግስትኣብ ኢሳቅ ኢቲ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ክብሎ ዝደሊ ዝነበረ ጉዳይ ንሮመዳን ገለጸሉ፡፡
ናይ መንግስትኣብ ርእይቶ እቲ ብሶቬት ሕብረት ተሃንዲሱ ኣብ ምብራቅ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ናይ ኢሳያስ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ክቛረጽን ካብኡ ሓሊፉ‘ውን መርሕነት ህ. ግ. ን ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ክትሰርዓን ከተሓሳስቦ ይደሊ ምንባሩ ንሮመዳን ምስ ሓበሮ፣ ሮመዳን ብቑጣዔ „ንስኻ መን ኢኻ ? ንዓና ክንገብሮ ዘሎና ክትነግረና ድማ  ኣየድልየካን ኢዩ“ እዚ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ድማ ምስ  ኢሳያስ ዘራክብ የብልካን“ በሎ፡፡
ብድሕርዚ ድማ ብስልኪን ብደብዳቤን ሶቬት ሕብረት መሓዛና ኢያ ዝብል ተደጋጋሚ መልእክቲ ምስ መጾም ን ህ. ግ. ክኹንንዋ ወሲኖም ጉባኤ ጸውኡ፡፡
ሓጎስ ክሻ ደድሕረ‘ቲ ጉባኤ ካብ ሜዳ ንዓዲ ጥልያን ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ንምንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ንሜዳ ኣትዩ ይቅሬታ እንተሓቲቱ ናብቲ ማሕበር ተማሃሮ ክምለስ ዝፍቐደሉ ምዃኑ ብምግላጽ ንሜዳ ንክኣቱ ክሰብኮ ጅመረ፡፡ መንግስትኣብ ግን ብመግለጺ ሓጎስ ክሻ ተቖጢዑ “ ኣታ ከዳዕ ንሕና ጸገምና ተመያይጥካ ክትፈትን መልሲ ክተምጽኣልናን ኣሚንና ሰዲድናካስ ንስካ ድሮ ካዲዕካና ንስካ ናይ ብሓቒ ከዳዕ ኢካ“ በሎ፡፡
በዚ መሰረት ድማ እቲ 9ይ ጉባኤ ተካይዱ ንመሪሕነት ህ.ግ. ኰነኑን ካብ ህ. ግ.ሓ. ኤ. ድማ ምፍላዮምን ብወግዒ ኣወጁ፡፡ ታደሰ እምባየ እቲ ካብ ሜዳ ንማሕበር ተማሀሮ ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ኣብዚ ኣኸባ ኣርኪቡ ስለዝነበረ፣ እቲ ውሳኔታት ናይ ኤ ና ስ ኣ ምስ ሰምዐ ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተዋህቦ ሓለፍነት ከምዘይቅበሎ ገሊጹ እቲ ሓላፍነት ከምዝደርበየሎም ይፍለጥ፡፡
ድሕር‘ቲ 9 ውድባዊ ጉባኤ ናይ ኤ ና ስ ኣ ድማ ምንግስትኣብ ኢሳቅ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰውራ ናይ ኤ ና ስ ኣ ከምዝኣቱ ተገብረ፡፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ New York) ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ድማ ሃይለ ሞገስ ሃብተማርያም ገብረመስቀል   (ቺፖላ) ሳባ ኢሳያስ (ጓል ጀነራል ኢሳያስ) ፓድረ  New york  ይርከብዎም ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም እተን ናይ መወዳእታ ሰዓታትን ደቓይቅን ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ዝኮነ ሰብ ንላዕሊ ሰለዝፈልጡ እቲ ሓቂ ንክገልጹልና ንላበዎም፡፡
ድሕሪ መንግስትኣብ ኢሳቅ ምቅታሉ ድማ  ኣንደብርሃን ገብረመስቀልን ዓንደሚካኤል ካሕሳይን ንኣሜሪካ መጺኦም ምንባሮም ይፍለጥ፣ መደቦም  ድማ ነቲ ናይ ኤ ና ስ ኣ ተቓውሞ ንምብትታኑን ነቲ ብ ሓጎስ ክሻ ዝምራሕ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ንምድልዳልን ነበረ፡፡ መንግስትኣብ ድሕሪ ምሟቱ ድማ ሳባ ኢሰያስ ንሜዳ ኣትያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስብሓት ኤፍሬም ትነብር ምንባራ ይፍለጥ፡፡ ቁርብ ዓመታት ጸኒሖም ድማ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ ና ስ ኣ  ንሜዳ ዝኣተዉን ምሕረት ዝሓተቱን ነይሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ፡፡
ድሕሪ ሞት ናይ መንግስትኣብ ድማ ስብሓት ኣብ ሜዳ እናዞረ ንኣባላት ሚስጥራዊ ሰልፊ መግለጺታት ይህብ ነበረ፡፡ ትሕዝቶ መግለጺኡ ፣ ሸኽ ዛይድ ንውድብ ህ ግ. ሓደ ሚልዮን ዶላር ( $ 1.000000) ሓገዝ ከምዘወፈየ ፣ ኣባላት ኤ ና ስ ኣ ድማ እቲ ዝቃወም ዝነበረ መራሒኦም ካብ ፓላሶ ጸዲፉ ድሕሪ ምሟቱ ከም ብሓዲሽ ተወዲቦም ንውድቦም ብዙሕ ወፈያታት ይገብሩ ምንባሮም ዝሕብር ነበረ፡፡
ስብሓት ነዚ ኣኼባታትዚ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ኣዔርዩ ድሕሪ ምምጽኡ ነበረ፡፡ ስብሓት ኣብ ባሕሪ ባራ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓደ ግርማይ ብሬን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጥይት ተባሪቐቶ‘ሞ እታ ጥይት 6 ናይ ቅድሚት ኣስናን ናይ ስብሓት ለኺማ ስለዝከደት ንሕና ንስብሓት ኤፍረም  ጓህማም እንከሎ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና፡፡
ዓለም ሃይለ  አለም ሃይለ ኣብ 1972 ዓ.ም. ካብ ኣስመራ ናይ 12 ክፍሊ መርመርኡ ዝበለጸ ነጥቢ (Distinction) ኣምጺኡ ብምሕላፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቬርስቲ ይመሃር ነበረ፡፡ ኣብ 1974 ዓ. ም. ድማ ናብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ተሰሊፍ ክጋደል ጀመረ ነበረ፡፡ አለም ናይ ሰሜን ናይ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ሓላፊ ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ምስ ሓለፍቱ ዘይምቕዳው ከምዘነበሮ ይፍለጥ ፡፡ ቐጥታ ሓላፊኡ እስቲፋኖስ ብሩኖ ኰይኑ ብልዕሊኡ ድማ ስብሓት ኤፍረም ይመጽእ ማለት ኢዩ፡፡ ምስቲ ኣብ ግዜ ምዝላቅ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሚሊሻ ዝተራእየ ጋሕመጥመጥ ተኣሳሲሩ ድማ ናይ ኣለም ሽም ይጥቀስ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ብዝኰነ ድሕሪ ምዝላቅ ስብሓት ኤፍረም ንብድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕድዳር ኣብ ሳቡርኤባ የካይድ ነበረ፡፡ እቲ ኣኼባ ንናይ ምሳሕ ንዕረፍቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ድማ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀተለ፡፡
እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተወዲኡ ኣኸቤኟታት ናብ ኣኼባ ምስ ተመልሱ ድማ ስብሓት እፍሬም እዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቡ፣ „ ኣለም ሃይለ ነብሱ ቀቲሉ ኣሎ፡፡ ነብስኻ ምቅታል ቖራጽነት ኢዩ፣ ዝበለጸ ቖራጽነት ግን ነቲ ነብስኻ ንኽትቀትል ዝደፋፍኣካ ነገር ክትገልጾን ክትምክቶን አዩ „ክብል ዘረብኡ ዓጸወ፡፡  ስብሓት ኤፍሬም ንኣለም ሃይለ ዝክረ ሰማዕታት ክገብረሉ ይኩን ወይ ድማ ናይ ሓንቲ ደቒቅ ናይ ሕልና ጸሎት ክገብረሉ ኣይተገደሰን፡፡
ብድሕሪ ሞቱ ድማ፣“ ኣለም እኮ ርእሱ ከምገለ ክገብሮ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ፣ ሓኪም‘ኰ በይኑ ኣይትግደፍዎ ኢሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ ኢዩ“ ብምባል ኣለም ተጸሊሉ ነብሱ ከምዝቀተለ‘ምበር ካልእ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ስጉምቲ ንክወስድ ዘገደዶ ኩነታት ኣብቲ ውድብ ከምዘይነበረ ንምሽፋን ይፍተን ነይሩ፣ እዚ ድማ ልሙድ ባህሪ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡
ጴጥሮስ ዮሃንስ ከ መን ኢዩ ነይሩ ስለምንታከ ተቐቲሉ
ጴጥሮስ  ዮሃንስ ቐቅድሚቲ ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ ኣሜሪካ ንሜዳ ከምዝኣቱ ተገይሩ ኣብ ሜዳ ዝተቀትለ ካልእ ስውእ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡ ጴጥሮሰ ዮሃንስ  ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል (ናይ 73 ምንቅስቃስ) ዓርኩን መማህርቱን ምንባሩን ፖለቲካዊ ብስለቱ ድማ ክብ ዝበለ ምንበሩን ይሕበር፣ ይኹን‘ምበር ኣባል ናይቲ ማእከላይ  ሽማግለ ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣይነበረን፡፡
 ጴጥሮስ ናይ 73 ምንቅስቃስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ምንቅስቃስ ኢዩ ክብሃል ዝክእል እምበር ፣ አዕናዊ ወይ ዘይሰውራዊ ምንቅስቃስ ኣይኰነን ፣ ስለዚ ድማ ብዘተ ኢዩ ክፍታሕ ዝግብኦ ዝብል እምነት ሰለዝነበሮ፣ ነዚ ዕግበቱ‘ዚ ዓው ኢሉ ይጣበቀሉ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ኤ ና ስ ና ብዝኮነ ይኩን መንገዲ ኣካል ናይ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ከይከውን ኣትሪሩ ይካታዕ ነበረ፡፡ ኤ ና ስ ኣ ነጻ ማሕበር ኰይኑ ነብሱ ኪኢሉ ከሰርሕ ክንቀሳቀስን ከምዘለዎ ይኣምን ነበረ፡፡ እዚ መርገጺ‘ዚ ድማ ንውለቀ መላኪ ኢሳያስ ፈጺሙ ኣይመቀሮን ፣ ስለዝኮነ ድማ ንጴጥሮስ ንምጥፍኡ ክበላሓት ጀመረ፡፡ ኢሳያስ ንተንኮልን ክፍኣት ግብርን ዘርክቦ የብሉን፣ ተንኰል 10 ዓመታት ቅድሚ ሰብ ኢዩ ዝሓስብ ፣ ተንኰል ግን ኩል ጊዜ ኣይኰነን ንቅድሚት ዘሰጉመካ፡፡ ብዝኰነ ንጴጥሮስ ንሜዳ መታን ክመጽእ ኣብቲ ናይ ሓፋሽ ውድባት ኣሰራርዕኡ ናብ „ውፍይ“ ከምዝድይብ ብምግባር ናይ ኤ ና ስ ኣ ናይ ፖለቲካ ኰሚሽነር ከምዝከውን ገበሮ፡፡ ከም ሓደ ፖሊቲካል ኰሚሽነር ድማ ውፉይ ስለዝኰንካ እቲ ውድብ ዝሃበካ ስራሕ ክትሰርሕን ኣብ ዝመደበካ ቦታ ክትከይድን ትግደድ ኢኻ ማለት ኢዩ፡፡ እዚ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ኢሳያስ ንሜዳ ንቁርብ ግዜ ተድልዩና ኣለኹም ኢሉ ሰለስት ተማሃሮ ካብ ኣሜርካ ንሜዳ ክኣትው አዘዘ፡፡  በዚ መሰረት ድማ ጴጥሮስ ዮሃንስን ግርማ ኣስመሮምን ሕጂ ኣምባሳደር ዘሎ ሓደ ሳልሳዮምን ንሜዳ  ኣተዉ፡፡
ጴጥሮስ ግን ሜዳ ምስ ኣተወ ብዙሕ ከይጸንሔ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ተቀቲሉ፣ ብሓደጋ ከምዝሞተ ንምምሳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ መሃዙ፡፡ ጴጥሮስ ምዕባሌታት ክረኢ ደልዩ ኣብ ሜዳ (ብኤነ ተሬ) (N3) ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ድቃስ ወሲድዎ ስለዝነበረ ጨዓ ሲሒቡ ኣውዲቅዎ መይቱ፡፡ዝብል ወሬ ኣብ ሜዳ ተነዝሐ፡፡ ኣብ ሜዳ‘ኳ ዝኣምኖም ሰብ ኣይረከቡን፣ ጨዓስ ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ነጸለ‘ውን ሲሒባ ክተውድቅ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡፡ እዚኣ ፍልይ ዝበለት ጽውጽዋይ ኢያ ነይራ፡፡ እንታይ ድኣሞ‘ዮም ክብሉ ? ኣብ ሜዳ ፓላሶታት ኣይነበረን፡፡ ተ ጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ክብሉ‘ውን ዝጥዕም ኣይነበረን፡፡
ናብ ኤ ና ስ ኣ ዝተላእከ ወግዓዊ መግለጺ አይነበረን፡፡ ግርማ ኣስመሮም (ኣምባሳደር) ግን ብእዋኑ ሓንቲ ደብዳቤ ጺሒፉ ብጻይና ጴጥሮስ ዮሃንስ ብሓደጋ ሞይቱ ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር፡፡
እግረ መንገደይ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ካልእ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ብዛዕባ ግርማ ኣስመሮም ከሕብር ይደሊ፡፡ እዚ ድማ ኣስቴር ዮሃንስ፣ ባዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ሰብኣያ ምስ ተኣስረ ተገብሮ ጨነቑዋ ናብ ኣምባሳደር ግረማ ኣስመሮም ከያዳ ብዛዕባ ስክፍትኣ ምስ ኣማኸረቶ ፣ ግርማ ኣስመሮም ኢዩ ንኣስቴር ንኤርትራ ክትኣቱ ዘተባብዓ፡፡ „ ዋላ ሓንቲ ኣይትኰንን ኢኺ „  „ዓድኺ ኣቲኺ ድሃይ ሰብኣይኪ ጌርኪ ክትምለሲ ትኽእሊ ኢኺ“ „ ኣነ ዋሕስኪ ኢዬ፣ ንኣይ እመኒኒ“ ኢሉ ንኤርትራ ከምዘፋነዋ ይፍለጥ ፡፡ ኢሳያስ እምበኣር ከምዚኦቶም ዓይነት ከዳዓት ጥራይ ኢዩ ሒዙ ዝጓዓዝ ዘሎ፡፡
ኣብ ህ.ግ ድሕሪ ምስላፍካን ሓዲሽ እንኰሎካን እቲ ብናይ ጸላኢ ጥይት ይቅተል ይከውን ኢየ ዝብል ፍርሒ ቀልጢፉ ኢዩ ዝብህንን፣ ነዚ ድማ ኩላትና ተዳሊናሉ ሓሲብናሉን ዝመጻእና ዓይነት መስዋእቲ ስለዝኰነ  ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናብ ህ. ግ. ምስላፍካ እቲ ቀንዲ ዘሰክፈካን ዘፍርሃካን ነገር ግን ብናይ ህ. ግ. ጥይት ከይትጠፍእን ወይ ድማ ኣብቲ ሓለዋ ሰውራ መሽሚሽካ ከይትተርፍን ኢዩ፡፡ ኢዚ ድማ ህይወትካ ጥራይ ዘይኰነስ ሽምካ‘ውን ንዘላኣለም ከምዝድምሰስ ስለዝርድኣካ ኢዩ፡፡ ከም ከዳዕ፣ ሲ.አይ. ኤ (C.I.A.) ፣ ኣድሓርሓሪ ወዘተ…ዝብል ሽም ንዘለኣለም ከምዝልጠፈካ ስለትፈልጥ ድማ ኢካ ትፈርህን ትስከፍን ፡፡
ኣብ  ህ.ግ.ሓ. ኤ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የሎን፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ሓበሬታ ብምስናቕን ስእሊ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅ ብምልኣክን ከምኡ‘ውን ሞራላዊ ደገፍ  ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ኣዕሩኽተይን ሃገራውያንን  ምስጋናይ የቅርብ፡፡
የማነ ተኸለገርግሽ
27.11.2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • weyshgre November 29, 2013

    In a struggle a lot of stuff can happen however life goes on we don’t have to dwell
    on the ugly side of the past remember our freedom fighters jebha shaebia they kill each other back then but they join again continued the struggle and we got our independence. The entire Eritrean people suffered because of this but today our people celebrate the good stuff and they remember all our fallen hero’s at the same time. I really don’t know why the writer is writing such thing at this time while our people are still suffering because of lampadusa.

  • weyshgre November 29, 2013

    May God/Alah bless Eritrea and Eritreans

  • simon November 29, 2013

    I wonder there a lot of eritreanes there advocate of H G d F but those poeple the dont now hoe is Issajas

  • Solomon November 29, 2013

    Haki zihaze wala eqa bikediat enteteketle: shimu entetselemu ab mezgeb kea bitselim mahtem entehatemiwo: hanti mealti gin beyen metse zeytiblo malet nitsuh( pure blood) dem silezikone eti deku kizareb yigimir. goita kea neti haki zigeltsu yetesie. sirah seytanin aganintin kea wielu hadiru sifra yeblomin netom natu seabti hizu nabti zitedslewelu gehanem isat yikeyid. kilite mot kea yimewut: Abza midrin Abta biketsali halhal zibil zeytef hawi nizelalem yidrbeyu. silezi asbi nay nitsuhat abzi iyikonen.

  • Paradiso November 29, 2013

    How many bright and independent young Eritreans like this young man were wiped out by Jebha and Hgdef? The evil Jebha had killed hundreds of young Eritreans in what is known as Sriyet Addis (Eritreans from Ethiopian colleges) as it also hunted down many thousands in Fallul. Shaebia did the same in the so called Menkae and yemin. I did not even mention the thousands of Eritrean men and women peasants mostly from Kebesa Eritrea who were rounded up and thrown to multiple wars.
    After all these death and pain, many young Eritrean men and women are sold in hundreds to the savage Arab slavery.
    Nothing new here, when shall this madness end?

  • Paradiso November 29, 2013

    ተ.መድኅን,
    your response makes a lot of sense to me. this is the reason the evils in Jebha and Shaebia committed all the atrocities.

    ኢሳያስ ብሽም ነጻነት ኤርትራ፡ኣብ ዝተናወሀ ቃልሲ ክንዕወት ኢና ዝብል ጭርሖ ሒዙ’ዩ ተበጊሱ።እዚ ማለት ከኣ፡ቃልሲ እንተነዊሑ፡ውሑድ ህዝቢ ዘለዎ ዕላማ ይጠፍእ።ኣብቲ ምርብራብ ዜጋታት ይሞቱ ተስፋ ዝቖረጹ ይስደዱ፡ብኅልና ደኺሞም ኣላሽ ይብሉ።ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገርን ዕላማን ግን ገለ እንተሞተ ካልእ ኣሎ።ሚኢቲ ሺሕ እንተጠፍ ኡ ካል ኦት ሚኢቲ ሺሕ ዝተቀረቡ’ለው።ክሳብ መወዳኣታ ከኣ ኢትዮጵያውያን በቶም ፍጮሚጮ ዜጋታት ኣብ ጽርጊያ ዝድቅሱ ዜነበሩ’ዩ ክዋጋእ ጸኒሑ’ምበር ነታ ስድራቤት ትብሃል ኣይተንከፋን።……..ስለዚ ኢሳያስ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ጥፍ ኣትን ኣላሻነት ኤርትራውያን ብዕርቒ ኣምሲሉ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ’ዩ ዕላማኡ።እዚ ምስ ገበረ ከኣ ኦኣወቱ’ዩ።ስለዚ ነዚ’ዩ እቲ ኣብዝተናወሀ ቃልሲ ክኖወትና ዝብል ጭርሖ ገኒኑ ዚነበረ።ብዙሃት ኣኤርትራውያን ግን፡ነዚ ከም ቅኑዕ ፍልስፍና ተጠቂሞም፡ወላ ሓደ ይትረፋ ኣብ ዝተናወሀ ቃልሲ ግን ውድብና ተዓወቲ’ዩ ይብሉ ኔሮም።……..ኣብ ጀብሃ እንተመጺና ከኣ።እታ ንኤርትራ ሃቒፋ ዘላ ኢትዮጵያ ናይ እሰራኤልን ኣይሁድን መንግስቲ፡ታሪኻዊ ናይ ክርስትና እምነት ዘለዋ ሃገር ብምቑጻር፡ነቲ ዝገብሩዎ ናይ ኦኣረብነት ምስፍሕፋሕ ኣብ ኣፍሪኻ ጸገም ስለዝኮነት፡ን ኢትዮጵያ መቓቒልካ ምድካማ ዚብል ዕላማ ብምሓዝ ንጀብሃ የዕጥቑ ኔሮም።ተጋደልቲ ጀብሃ ከኣ ቋንቋኦም ኦኣረብ፡ናይ መረዳድ ኢ ጉዳዮም ዓረብ ምንባሩ ናይዚ ምልክት’ዩ።…….ብዘይካ ኡ ግብጺ ነዚ ሕጂ ኢትዮጵያውያን ዝሰርህዎ ዘሎ ናይ ኣባይ ጉዳይ ንኸይበጽሕዎ፡ኢትዮጵያ ኣብ ዕንኪልል ክነብሩ፡ንሳቶም ብሰላም ከፍርዩን ክበልዑን ደልዮም ዝገበሩዎ ተንኮል፡ንጀብሃ ኣጀሚሮም ሃጊዞም ምስ ህግ’ውን ጽቡቕ ዚምድና ገይሮም ኔሮም።ስለዚ ኣዝን ክልተ ወድባት ማለት መራሕተን ብሓቂ ንህዝቢ ኣኤርትራ ሃራ ንምውጻእን ድሕሪ ነጻነት ህዝቢ ኣኤርትራ ብሃርነት ክነብር ዚብል ኣምር ዘይነበሮም ብጽግዕተኝነት ክነብሩ ዚተበገሱ’ዮም።ኣዚ ስለዝኾነ ከኣ ሚስጢሮም ክፈልጥ ዝፈተነ ወይ ዚፈለጠ ምቕንጻል’ያ ኒራ ስረሖም።

  • Selino Asmarino November 29, 2013

    ዝኸበርካ የማነ ተኽለገርግሽ ሕሉፍ ታሪኽ ተቓለስቲ ዘኪርካ ምግላጽካ ዝጽላእ እኳ እንተዘይኮነ ፥ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ክትጽሕፍ ከለኻ ጭብጢን መወከስን እንዳገበርካ ምጽሓፍ ነቲ ታሪኽ ተኣማንነት የንግሰሉ እዩ። ደሓር ድማ ሰዋስው ዝተኸተለን ግዜን ሰዓትን ሓልዩ ዝኸይድ ጽሑፍ ንምርድኡን ምስናዱን ቀሊል ስለዝኸውን ጥንቃቐ የድሊ ፤ ጽሑፍካ ቅድሚ ናብ ኣንበብቲ ምስዳድካ ደጊምካ ብምንባብ ክትእርም ይግባኣካ ፤ ኩሉ ኣብ ገዝኡ ኮምፒዩተር ስለ ዘላቶን ቅርጸ-ቑንፊ (font) ግእዝ ስለ ዝጸዓናን (install) ስርዓተ-ሕጊ ሰዋስው ዘይሓለውን ከምኡ’ውን ምሉእ ታሪኽን ዘይዳህሰሰን ፡ ካብ ጽልእን ቂምን ዝነቐለ ጽሑፍ ምጽሓፍ ካብ መኽሰቡ ክሳርኡ እዩ ዝገድድ። ካብ ጽሑፍካ ሓንቲ ሕጥቢ ወሲደ ከም ኣብነት ከቕርበልካ “ጴጥሮስ ግን ሜዳ ምስ ኣተወ ብዙሕ ከይጸንሔ ሽዑ ንሽዑ ኢዩ ተቀቲሉ፣ ብሓደጋ ከምዝሞተ ንምምሳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጽውጽዋይ መሃዙ፡፡ ጴጥሮስ ምዕባሌታት ክረኢ ደልዩ ኣብ ሜዳ (ብኤነ ተሬ) (N3) ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ድቃስ ወሲድዎ ስለዝነበረ ጨዓ ሲሒቡ ኣውዲቅዎ መይቱ፡፡ዝብል ወሬ ኣብ ሜዳ ተነዝሐ፡፡ ኣብ ሜዳ‘ኳ ዝኣምኖም ሰብ ኣይረከቡን፣ ጨዓስ ኣሽንኳይዶ ሰብሲ ነጸለ‘ውን ሲሒባ ክተውድቅ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ፡፡ እዚኣ ፍልይ ዝበለት ጽውጽዋይ ኢያ ነይራ፡፡ እንታይ ድኣሞ‘ዮም ክብሉ ? ኣብ ሜዳ ፓላሶታት ኣይነበረን፡፡ ተ ጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ክብሉ‘ውን ዝጥዕም ኣይነበረን፡፡” ከምዚ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ንጽውጽዋይ ከማን ኣይበቅዕን እዩ ፤ እቲ ታሪኽ ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ ፤ እቲ ናትካ ኣጸሓሕፋ ግን ጽውጽዋይ ኣምሲልዎ። ንብድሕር-ሕጂ ክትጥቀቐሉ ድማ ተስፋ ይገብር። ናይ ምጽሓፍ ሽግር እንተለካ ንጽሒፎም ዝኽእሉ ክእርሙልካ ወይውን ክጽሕፉልካ ተወከስ። እዚ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ዝድገምን ብሰነድን ምስክርነትን ዝተደገፈ ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ ዘበለኒ ድማ ካብቲ ዝገለጽካዮ ታሪኽ ኣተኣታትዋ ኣስቴር ዮውሃንስ ናብ ኤርትራ ፡ ፍጹም ጌጋን ካብ ሓቂ ዝረሓቕን እዩ ፤ እዚ ዘበለኒ ምኽንያት ፡ እቲ ሓቀኛ ‘ኩነት ኣንዳዕዲዐ ስለዝፈልጦን ፤ ምስ ግርማ ኣስመሮም ዘለካ ሕዱር ቂም ድማ ካብ ማንም ስውር ስለ ዘይኮነን እዩ። ስለዚ ታሪኽ ጅግና ኣስቴር ዮውሃንስ ፤ ንግርማ ኣስመሮም ክትረክብ ክትብል ኣይተበላሽዎ። ደቃ ኣብ ጥቓኻ ኣለዉ’ሞ ካልእ እንተተረፈ ብሕጊ ከይሓቱኻ።

    እዚ ወድሓንካ

    • ተ.መድኅን November 30, 2013

      ዝኸበርካ ….Selino Asmarino ትብሃል። ኣቶ የማነ ነቲ ዝፈልጦን ዚሰምዖን ኣወሃሂዱ ጽሒፉ።እዚ ከኣ ነቲ ተደፊኑ ክተርፍ ምእንቲ ደብተሩ ዝሃረረ ታሪኽ ኤርትራውያን ብከፊሉ’ምበር እቲ ምሉእ ኣይኮነን።ንስካ ነቲ ታሪኽ ኣፍልጦ ዘሎካ እንተኾንካ ልክዕ ከምዚ ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ኣቕሪቡዎ ዘሎ መኣረምታ ምስ ትሕትና ክትህብ ሎሚ ዝሃተካ ዘሎ እዋን’ዩ።…..ካብዚ ሃሊፍካ ግን፡ከምቲ ኣቶ ኢሳያስ ….ኣበይ ኣሎ ጭብጢ….እናበለ ዓለም ከታልል ዝፍትኖ ኣይትግበር። ቀጺልካ ንጸሃፊ ኣብ ቛንቋ ትግርኛ፡ኣብ ኣመዘጋግባ ሰዋስው ጉድለት ከምዘለዎ ሕሉፍ ሃሊፍካ ንሰባት ጸሓፉለይ ክብል ተላቢካ።እዚ ግን ነቲ ቋንቋ ዝሃለካ ኣምሲልካ፡ነቲ ሰብ ክተነውር ትገብሮ ሕቡእ ወራር’ዩ።ሎሚ ካባይ ጀሚርካ መን ኣሎ ጽፉፍ ናይ ትግርኛ ጽቡቕ ናይ ኣጸሃሕፋን ኣዘራርባን ክእለት ዘለዎ።ንስካ ሽም ዘይብልካ፡ኣበይናይ እዋን ትግርና ተማሂርካ።ትግርኛ’ኮ መዛረቢ ጥራሕ ኮይኑ ዝጸንሀ ቛንቛ’ዩ።ካብ 1991 ንደሃር ከኣ፡ኣይኮነን እቲ ቋንቋ ብደረጃ ዩንቨርስቲ ክጽናዕን፡ዜጋታት ከመሃይሹዎ ምግባር መመሊሱ ተበላሽዩ፡እንግሊዝ፡ዓረብ፡ጢልያን ምስ ካልእ ተዳቒሉ ዘይትርጉሙ እናፈጠረ’ዩ ዝከይድ ዘሎ።ስለዚ ሎም ኤርትራውያን ታሪኽ ሰኣን ምፍላጥ፡ናብቲ ናይ ሱሳታት ተመሊስና እናሃለና፡ሕጂ ገለ ወስ ዘበለ ብከምዚ ክተሰናኽሎ፡ናይ ሃደ ቅኑዕ ደላይ ፍትሕን፡ደላይ ሃገራዊ ለውጢ ኣገባብ ኣይኮነን።መኣረምታ’ውን ኣይኮነን ምቁንጻብ፡ምኹላፍ ሞራሉ ምግዳብ’ዩ።እዚ ኣገባብዚ ከኣ ሎሚ ዚተመሃዘ ጥበብ ዘይኮነ ኣብ ቃልሲ ሰባት ምእንቲ ክጽለሉ ምእንቲ ኣፎም ክሕዙ ዝተገብረ ብቋንቋ እንግሊዝ..mobbing ዝብሉዎ ተግባር ኣኸሳት’ዩ።……..ኣብቲ ታሪኽ ኢካ ዝደገምካዮ ዝበሎ የብለይን።ምኽንያቱ ዝፈልጦ ነገር የለን።…… እዚ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ዝድገምን ብሰነድን ምስክርነትን ዝተደገፈ ክኸውን ይግበኦ…..እዚ ቃልዚ ኣገዳሲ’ዩ።ናትካ ምእንቲ ካልእ ዝፈልጦ ከየምጽእ ንምቑጻይ’ዩ።ን ኣብነት፡ሓደ ጋዜጠኛ ካብ ሰብ ዚሰምዖ ኣበይ ከምዝተፈጸመ ዝሕብር ጉዳይ እንተቃሊሑ፡ነዚ ጉዳይዚ እቲ ሃላፍነት ዘለዎ፡ማለት ናይ ፍትሒ ሚንስተር፡ፍሉይ ቤትፍርዲ ሰባት መዚዙ ነቱ ጉዳይ የጻሪ።ሰባት ስራሐይ ኢሎም ኣጽኒዖም ኩነታት ምስተጻረየ እቲ ጋዜጠኛ ሕሶት እንተናፊሱ ይከሰስ፡ይፍረድ።ሕጂ ኣቶ የማነ እቲ ዝፈልጦ ይኹን ዝተሃበሮ ተዛሪቡ፡ነዚ ዝፈልጡ።ብፍላይ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኩነታት መንግስተኣብ ኢሳቕ ዝፈልጡ ሽም ሰባት’ዩ ረቒሑ።ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እቶም ናይ ሎሚ ወለዶ የጽንዑዎ፡ነቲ ሃቀኛ ታሪኽ ትኽ ኣቢሎም ንህዝቢ ይገልጹዎ።ንስካ ኣቶ ግን፡ብድኽነት ዚተጠላቐየ ወለዶ ታሪኽ ከጽንዕ ዝግደስ ከምዘየለ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፡ስለዚ እቲ ተሓቢኡለይ ቀሪበ ዓሰርተ ዒይስራ ዓመት ተሪፈናኒ ብጽፉፈይ ክሓልፋ ዛ’ዓለም ኣብትብለሉ ከምዚ ናይ ኣቶ የማነ ጽሁፍ ረኺብካ ሰንቢድካ፡ሎሚ ንሰባት ክተደናግር፡ጽሑፍካ ምስ ግርማ ኣስመሮም ዘሎካ ዘይምስምማዕ፡ኣስቴር ዮውሃንስ ጀግና’ያ ንስካ ጀግና ኣይኮነትና ትብል ኣሎካ፡ናይ ግእዝ ሽግርካ ኣቃልል እቲባ ኣቲ ትብል ኣሎካ።ኣዘራርባካ ከምቲ…..ኣብ ቃልሲ ዝኸሰረን ብቀትሪ ዝሰኸረን ሓደ’ዩ ዝብሉውዩ ኣስማሪኖ።ርግጽ ከኣ ኣስማሪኖ ካብ በልካዮ ባዕልካ፡ኣስመራ ኩሉ ጥዑይ ርኹስ፡ሰራቒ መደልሓቂ፡ፍትሃዊ ገበነኛ…..ካልእን ዘማዕበለት’ያ።ካብዛ ኣስመራዚኣ ባህሪ በጋሚዶ ሒዞም ዝወጹ ንሰውራ ኤርትራ ናብ ግሉጽ ጋሕማጥ ውድብ ምቕያሮም ኩሉ ዝፈልጦ ታሪኽ’ዩ።ስለዚ ኣስማሪኖ፡ሎሚ ወዲ’ስመራ’ዩ ጽቡቕ ዝዛረብ ተባሂሉ ዝስመኦኣሉ ኣዋን ኣይኮነን’ሞ፡ተመልሰ ኣብ መስርዕ ሃፋሽ እቶ።እታ መርከብ ፍትሕን ሃቅን ንቅድሚት’ያ ትምርሽ ዘላ፡ፍጹም ንስካ ክቶኣግታ ኣይትኽእልን። ወጺኡ ባህሪ

    • wediEritrea November 30, 2013

      Selino Asmarino must be the Arada boy Ghirma Asmeron himself.I can tell the Amharized Tigrigna as I have spoken to this good for nothing poodle of Isaias in the past and even played soccer with him in DC. As far as Aster Yohanes’ case that is what is reported (Ghirma deceived her and was interviewed later denying what he promised her) when she left to Eritrea and never to be heard from. I don’t know Aster but knew Petros Solomon very well and Ghirma is no Petros by anyone imagination.

  • ogbai November 30, 2013

    History is a great teacher that only we can learn from it not to repeat another mistake. But in our case in the Ghedli time even now our people dying everywhere. A country without the Rule of Law what do we expect, if you die so be it so far. You don’t have to cry about the past. We still dying everywhere. Because the Dictator wouldn’t care who is dying or not, as far as you say Nhna Nusu Nusu Nhna. Wake up people to end the suffering of our people,and that is our chose between death and life. So far we are our own enemy.

  • Ogbai GhebreMedhin November 30, 2013

    ዝኸበርካ ሓው የማነ ተኽለጊዮርጊስ፡- ኣቐዲመ ካብ ኣገዳሲ ታሪኽ ኤ.ና.ስ.ኣ. ተገዲስካ ብዘቕረብካዮ እናኣመጐስኩ፡ ሓደ-ሓደ ናይ ጭብጢ ሓበሬታት ጕድለት ስለዘለዎ፡ -ዝወዓለ ይንገርካ -መኣረምታ ፈይ እንተ ኣበልኩ ኣይሓስምን ።
    1. መጀመርያ ብዛዕባ ኣካልነት- ኣካልነት ዝተወሰነሉ ኣብ 8ይ ጉባኤ ወርሒ ነሓሰ፡ 1977 ኪኸውን ከሎ፡ ብጽዑቕ ጐስጓስ መሪሕነት ኤናስኣን ብውዕዉዕ ድጋፍ ኣባላትን ከም ዝሓለፈ ብኣካል ዝነበርኩዎ ኢዩ። በዚ ውሳኔዚ ኤናስኣ ኣካል ሓፋሽ ውድባት ህ.ግ ኮይኑ ማለት ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንመሪሕነት ህ.ግ. ዘይወሓጠሎም ጉዳይ እንተ ነበረ እቲ ብዛዕባ -ሶቬት ሶሻል ኢምፐሪያሊዝም (ኣግላስነት ሶቬት ሕብረት) ብወግዒ መጽናዕቲ ተውሲዱ ምንባሩ ኢዩ።
    መንግስትኣብ ኢሳቕ ኣብ ውርሒ ታሕሳስ 1977 ኣብ ሜዳ ኔሩ ከም ንኣመሪካ ከም ዝተመለሰ እፈልጥ። ምስ መሪሕነት ህ.ግ. ናይ ዝተብሃሃሉ ዝርዝር ሓብሬታ የብለይን፡ ብሓፈሻ ከይተቓደወ ከም ዝተመለሰ ግን ብጭብጢ እፈልጥ። እቲ ዝበልካዮ ሓጐሽ ክሻ መራሒ ኮይኑ ዝወጸሉ ማሕበር ተመሃሮ ኣብ ኣካባቢ ወርሒ ግንቦት 1978 ኣብ ሜዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ፣ ከምቲ ዝበልካዮ ኸኣ ኢሳያስ ብፍላይ ንኣብ ወጻኢ ዚነበረ ምንቅስቓሳት ንምቍጽጻር ዝዓለመ ምንባሩ ብዙሕ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን።
    2. ናይ ምዅናን ውሳኔ፡- ልክዕ ኣብ ዓመት ውሳኔ ኣካልነት፡ ማለት ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 1978 ኣብ ዝተኻየደ 9ይ ጉባኤ ኢዩ ኔሩ።
    3. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ (ገብረመስቀክል ኣይኮነን) ምስ ዓንደሚካኤል ካሕሳይን ድሕሪ ናይ ምዅናን ውሳኔ ሰ.ኣ. ንምዕራይ ዝተላእኩሉ ኣብቲ ፈለማ ናይ 1979 ጊዜ ኢዩ ኔሩ።
    4. ብዛዕባ ጴጥሮስ ዮውሃንስ፡- ጴትሮስ ንኣመሪካ ዝመጸሉ ኣብ 1974 ኢዩ፤ ንሜዳ ዝኣተወሉ ጊዜ ግንኣብ ውርሒ ታሕሳስ 1977 ምስ ግርማ ኣስመሮምን የማነ ገብራኣብ (ማንኪ) ኮይኑ፡ 1ይ ጉባኤ ህ.ግ. ዝተኻየደሉ ኣብ ወርሒጥሪ 1977 ስለ ዝነበረ ኣብ ጉብኤ ኣይተሳተፈን። ሜዳ ምስ ኣተወ ልክዕ ኣብ ክልተ ቅኔኡ ምዕባለታት ክርእዩ ተባሂሉ ይዞሩ ኣብ ዝነበሩ ኢዩ ኔሩ፤ ብዛዕባ ኣማውታኡ ግን በዚ እዋንዚ ርትዓዊ ኪኸውን ዝኽእል ግምታት እምበር ጭብጢ የብለይን።
    5. መንግስትኣብ ዝሞተሉ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 1979 ኢዩ፤ ብዛዕባ ጠንቂ ኣማውታኡ ጭብጢ የብለይን።
    ደምዳሚ ርእይቶይ፡- ኤ. ና.ስ. ኣ. ክልተ መሰረታዊ ታሪኻዊ ጌጋታት ገይሩ ኢዩ፡-
    1. ንኣካልነት ብምውሳኑ ናጽነቱ ሰዊኡ፡ ሓያል ሲቪካዊ ማሕበር ኮይኑ ኪቕጽል ናይ ዚነበሮ ዕድል ኣጥፊኡ።
    2. ንኣካልነት ስሒቡ ኣብ ናይ ቀደሙ ናጻ ማሕበር ኣብ ክንዲ ዚምለስ ን ህ.ግ. ምስ ኮነነ፡ ምስ ተ.ሓ. ኤ. ኸኣ ወግዓዊ ዝምድና ስለ ዘይነበሮ፡ ከም ማሕበር ካብ ቃልሲ ተነጺሉ፣ በዚ ምኽንያትዚ ኸኣ ኣብ ኣባላት ምግምማዕ ስዒቡ። እዚ ኩነታትዚ ንኢሳያስ ጥዒሙሉ፡ መብዛሕትኡ ኣብታ ብኣካልነት ትጐዕዝ ውድብ ተመሊሱ። ኤናስኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1979 10ይ ጉባኤ ዝተባህለ ብወግዒ ፈሪሱ። እዚ ወደሓንካ።

    • Semhar December 1, 2013

      GhebreMedhin, it will be nice and appropriate if you write your own side of the story and your experience in EFLNA and in the field, EPLF.

      • Semhar December 1, 2013

        Ogbai GhebreMedhin, it will be nice and appropriate if you write your own side of the story and your experience in EFLNA and in the field, EPLF.

  • tesfay tekle November 30, 2013

    I read this historicalpoint ,again and again and again, since I was directly affected and was a victim my self. Yemane thanks for your contribution

POST A COMMENT