Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ምሩቕ!

ኣቱም ኣሕዋት! ንሰማማዕ እስከ ንሰማማዕ መን ምሩቕ! ንበል ንሰይጣን ዘርሕቕ! ነዚ ስልጣኑ ከናውሕ ትንፋስ ሰብ ዘምሉቕ መን ምሩቕ! ንበል ንህዝቡ ዝኸውን ጽላል ነዚ ብስለላን ኮለላን ዘይፍጸም መብጽዓን ህዝቢ ዘጠፍእ ዘሎ ሰይጣን ከምቲ ትኣምኖ ሊኢካስ! እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል ዝብሃል ንምረጽ ውፉይ ዘይጠልም ንህዝቢ ካብ

ኣቱም ኣሕዋት! ንሰማማዕ እስከ ንሰማማዕ

መን ምሩቕ! ንበል ንሰይጣን ዘርሕቕ!

ነዚ ስልጣኑ ከናውሕ ትንፋስ ሰብ ዘምሉቕ

መን ምሩቕ! ንበል ንህዝቡ ዝኸውን ጽላል

ነዚ ብስለላን ኮለላን ዘይፍጸም መብጽዓን

ህዝቢ ዘጠፍእ ዘሎ ሰይጣን

ከምቲ ትኣምኖ ሊኢካስ! እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል ዝብሃል

ንምረጽ ውፉይ ዘይጠልም

ንህዝቢ ካብ ኣፍ ሞት ዘድሕን

ነብስና ንመርምር ካብ ዝሓለፉ ጌጋታት ንምሃር

ኔው ንበሎ’ቲ ተደናጊርካ ምንባር

መን ምሩቕ! ንበል ዝጉሕፍ ነቲ ኣሎ የሎን ዝብሃል ዘሎ ሰባር

ንጠንቀቕ ከኣ ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ከይደግመና ዘዋር

ይኣክል! ብደውካ ምማት ምትላል

ብበዓል ክሻ ማንኪ፡ መፍለስ ቅንፍዝ፡ ቁንቁነ ነቐዝ፡

መናፍሕ ሓሶት ዝፍንዉ ንህዝቢ ዘፍዝዝ

ህዝቢ ክጭነቕ ዝብርሆም

‘ንዑ ክንዛተ! እናበሉ ንጀጋኑ ዝጉትቱ ኢዶም እግሮም መቚሖም

ህልዋት ዝመስሉ ምውታት ክነሶም

ብመላሲ ዘይብላ ሞት ትያትር ክሰርሑ ዘየሕፍሮም!

ዘየሕፍሮም፡ ‘ዓዲ ሃሎ ኣጋይሽ ይቕበል ኣሎ!’ ምባሎም

ስእሉን ጽላሎቱን ኣብ ዝኾነ ለጢፎም

‘ኣታ ንበር ንበረልና!’ ይብሉ የግህድዎ ዕብዳኖም

ሕሩመይ ህበይ ዓድና ትሓይሽ ካብዚኦም

ዝኣኽላ ዘሚታ ንዋናታት ዝኣክል ትገድፈሎም

እዚኦም ግን ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆል’ያ ጸለቶም

ዓተር ዝበልዐት ከብዲ ከኣ ቆድያ ዘይትቖዲ

ኣሽንኳይ ብደም ህዝቢ ዝዘቕበበት ከብዲ

ስለዚ ገፋዕቲ ከይተጓፉ ብሰላም ኣይነብር’ዩ ህዝቢ ኣብ ዓዲ

ስለዚ መን ምሩቕ! ንበል፡ ዝሓይሽ ንምከር ስሑላት ነናዲ

ምልእ ዘብሉ ጀጋኑ ዝጀመሩዎ ቅዲ

ዘናግፉ ነቲ ዝጠፍእ ዘሎ ኣብ ጎዳጉዲ

እንተሓመቕና! መን  ምሩቕ! ንበል ንድለ ሕነ ዝፈዲ

ህዝብና ክርዳድ ክጽሂ ስርናይ ክሓፍስ ካብ ዓውዲ

መን ምሩቕ! ንበል ነዚ ደም ህዝቢ ሰትዩ ዘይጸግብ ሰይጣን ዘርሕቕ

ስልጣኑ ከናውሕ ትንፋስ ሰብ ዘምሉቕ

መን ምሩቕ! ንህዝብና ቅዋም ክተክል ዝሕግዝ ንኹሉ ዘመዓራሪ

ደቁ ክእክብ ካብ ዝነጠቡዎ ምድሪ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 11-18-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT