Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መን ኢኻ!

መኒኻ ኣብ መቃብር ስዉኣት ትስዕስዕ ዘለኻ መኒኻ ግዱዓት ወለዲ ተንብዕ ዘለኻ መኒኻ ብዕድል ህጻናት ትላገጽ ዘለኻ መኒኻ ብደም ኣሕዋትካ ትስውድ ዘለኻ፡ እምበር’ዶ-ኤርትራዊ ኢኻ!!   መኒኻ ኣደ ሓርበኛ ተሕዝን ዘለኻ መኒኻ ኣቦ ጅግና ተቋሽሽ ዘለኻ መኒኻ ብህይወት ንጹሃት ትጣላዕ ዘለኻ መኒኻ ብኽቱር ስስዐ ዓዊርካ

መኒኻ ኣብ መቃብር ስዉኣት ትስዕስዕ ዘለኻ

መኒኻ ግዱዓት ወለዲ ተንብዕ ዘለኻ

መኒኻ ብዕድል ህጻናት ትላገጽ ዘለኻ

መኒኻ ብደም ኣሕዋትካ ትስውድ ዘለኻ፡ እምበር’ዶ-ኤርትራዊ ኢኻ!!

 

መኒኻ ኣደ ሓርበኛ ተሕዝን ዘለኻ

መኒኻ ኣቦ ጅግና ተቋሽሽ ዘለኻ

መኒኻ ብህይወት ንጹሃት ትጣላዕ ዘለኻ

መኒኻ ብኽቱር ስስዐ ዓዊርካ ዘለኻ፡ እምበር’ዶ ብዓል ሕልና ኢኻ!!

 

መኒኻ ወገንካ እናተረግጸ ኣስቂጥካ ዘለኻ

መኒኻ ሃገርካ እናበረሰት ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ዘለኻ

መኒኻ ጎረቤትካ ጾሙ እናሓደረ ተቃይሕ ዘለኻ

መኒኻ ሕሰም ህዝብና ተናውሕ ዘለኻ፡ ጸገም ሓላፊ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ።

 

መኒኻ ምስ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ወጊንካ ዘለኻ

መኒኻ ዜጋታት ትኣስር ትቀትል ተጋፍዕ ዘለኻ

መሬት ምስ ወግሐ ኣበይ’ዩ መእተዊኻ

ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረብካ እንታይ’ዩ መልስኻ፡ ኣይትሓስብን ዲኻ መጻኢኻ።

 

መኒኻ ኣብ መርዛም ከስዐ ህግደፍ ደቂስካ ዘለኻ

እንታይ’ዩ ዓሚቱካ ህዝብኻ ክድፈር እናርኣኻ

እንታይ ዓኒዱካ ደም ወገንካ ክወሕዝ እናሰማዕካ

ንመሰል ውጹዓት ዓገብ ኣይትብልን ዲኻ፡ ሞት ፈሪሕካ ኣበይ ክትኣቱ ኢኻ።

 

መኒኻ ጸሊምን ጻዕዳን ምፍላይ ስኢንካ ዘለኻ

መኒኻ ንሓጥያት ህግደፍ ትሓብእ ዘለኻ

መኒኻ ኤርትራ ዓዲ ሰላም’ያ ኢልካ ትማጎት ዘለኻ

መኒኻ መሬት ክባድም ክበታተን ህዝብኻ ትድሰት ዘለኻ፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኣበይ’ዩ መእተዊ።

 

መኒኻ ምስ በላዕቲ ሰብ ትመሓዞ ዘለኻ

ህግደፍ እናኣረገ’ምበር እናጎበዘ ይኸይድ ከምዘሎ ኣይትግንዘብን ዲኻ

መኒኻ ዕሸል ቀቲልካ ትህብትም ዘለኻ

መኒኻ ጸሊም ታሪኽ ጽሒፍካ ትጠፍእ ዘለኻ፡ ሕልናኻ ኣይተስርሖን ዲኻ።

 

ኣንታ! ቁሩብ እባ ካብ ኣፍንጫኻ ኣርሒቅካ ሕሰብ

እምበርዶ ደም ኣለካ ምስ ኤርትራዊ ዝዋሰብ

ምስ ሓራዲ ስድራቤትካ ከመይ’ሉ ይወርደልካ ንኸብድኻ ክትዕሰብ

ካን ወሲንካ ብህይወትካ ክትቅበር ክትሸይጥ መንነትካ ንገንዘብ።

 

በጃኻ ደረት ግበረሉ ንሰናይ ተዓጠቅ ልዋም ለይቲ ክትድቅስ

ግዜ’ለካ ብልቢ ክትናዘዝ ካብ ጸድፊ ደልሃመት ክትምለስ

ታሪኽ ክትሰርሕ መልክዕካ ከተሕድስ ህዝብኻ ክትክሕስ

ሕዱር ሕማም ሃገርካ ክትፍውስ ንሱ’ዩ ነባሪ ዋሕስ፡ ንመዋእል ዘየጣዕስ።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕዳር 28 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • towedeberhan weldedawit November 29, 2015

    Excellent poem. I hope pfdj supporters will read it.

  • Tesfamariam Weldegiorgis November 30, 2015

    ብሓቂ ቁምነግር ዝሓዘለ ግጥማዊ መልእኽቲ፣ ነዚ ኣንቢብናን ሰሚዕና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እዩ ዝሕተና ዘሎ እሞ ሃየ ነስቆርቁር ኩላትን ብሓባር፣ ኣንቢብናን ሰሚዕናን ኣይነጽቅጥ፣

  • ema November 30, 2015

    Very interesting,,,,
    Meharit nay behaki i hope nlbi zelowo mileti meredaeta

  • ወዲ ኣይተ November 30, 2015

    ልቢ ኩልና ኢቲኹሕኩሕ ጊጥሚ፡ ኢቲ ኣረምየን ክምህ ክብል ትምዕድ፡ ብበልጽ ዝሰወደ ተድንን፡ ዓሻ ሙዓኮር ኣብ ልዕሊ ረሳ ከይ-ስዕስዕ፡ ንበሃም ተበራብር ኮይና ረኺበያ።ስለዚ ድሕሪ ገ…ኣይንጋገ።

  • Ghirmai November 30, 2015

    very explanatory idea if hgdef members can read this they have to side with the people not with isayas and his regime not today or tomorrow but now (libi yihabom)

  • berie haqi November 30, 2015

    እኪት መስሓቒት ! ዝብልዎስ ደቀይ ከም’ዚ ‘ዶ ኣይኮነን : ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ስለዝኾነ ኣስናን እና ተልቓቓሕኩም ክትስሕቁ ምፍታን : ልዛይ ምንጣር ኮይኑ ነገሩ : ከም ጠባብቕ ውጥም ቅልቅል ምባል ምደና ኮይኑ ያኢ :

POST A COMMENT