Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ናጽነት፡ መርዓን ሓዘንን ኣብ ሓደ ዳስ

ሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝሓኩር፡ ብፍላይ ድማ ካብ 1970 ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብስም መንካዕ፡ የሚን፡ ጸረ ሰውራ፡ ከድዓት፡ ሃሱሳት፡ በላዕቲ ጉቦን ካልእ ሰበብን ብምጥቃን፡ ንተቃወምቱን ካብ ናቱ ኣተሓሳስባ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘቅረቡን ዜጋትታ

ሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝሓኩር፡ ብፍላይ ድማ ካብ 1970 ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብስም መንካዕ፡ የሚን፡ ጸረ ሰውራ፡ ከድዓት፡ ሃሱሳት፡ በላዕቲ ጉቦን ካልእ ሰበብን ብምጥቃን፡ ንተቃወምቱን ካብ ናቱ ኣተሓሳስባ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘቅረቡን ዜጋትታ ብምቅታል፡ ብምእሳርን ብምርዓድን’ዩ ዝነብር ዘሎ። ኩሎም’ቶም ብሃጸይ ኢሳያስ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሰፈሩን ዝተመቑሑን ገና ዝቅጽል ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራትን ድማ፡ሃጸይ ኢሳያስ ካብ ተሓታትንት ንምህዳም፡ ንዝወስዶ ጨካን ስጉምቲታት ምኽኑይ ንምግባርን የዋሃት ንምድንጋርን፡ ንንጹሃት ሰባት ጸለሎ ምቅባእ’ዩ።

ኣብዚ ወርሒ’ዚ፡ ህዝብና ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነቱ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ሓጎሱ ክገልጽን ዋጋ ናጽነት ከስተማቅርን’ዩ። ብርግጽ፡ ኤርትራዊ ልዕሊ ሰቡ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ስለዝተገፍዐን ናጽነት ንምምጻእ ክቡር ዋጋ ስለዝኸፈለን፡ዓመት መጸ ብፍስሃን ኩርዓትን ምጽምባልን’ውን እናውሓዶ’ዩ። ነቶም ነዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ንምምጻእ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ደቁን ኣሕዋቱን ድማ “ክብረት ይሃበልና፡ ብሳላኹም ካብ ጸልማት ተገላጊልና፡ ኮሪዕና፡ ንጹህ ኣየር ነተንፍስ ኣሎና” ኢሉ ከመስግኖም እንከሎ፡ ንስውኣትና ዓቢ ሩፍታ’ዩ። ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ክልተ በበይኑ ትርጉምን መልክዕን ብዘለዎ ኣገባብ’ዩ ክኸብር።  ሓደ ኣገባብ መዓልቲ ናጽነት፡ እቶም ብፍንፉን ሜላታትን ብኣራዊታዊ መንገዲ ዝተቀትሉ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳን ብዘይ ቀባሪ ዝተቀዝፉ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራን ወጻእን ዝሳቀዩ ዘለዉ፡ ካብ ቤተሰቦም ተፈልዮም ኣብ ስደት ዝርከቡ፡ ከምኡ’ውን፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓሳውን ኣጻምእን ቦታታት፡ ብጽምዋ፡ ብጽምኢ፡ ጥሜትን ሕማምን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ዝዝከሩላን፡ ንሃጸይ ኢሳያስ ድማ፡ ብስም ኩሎም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ኤርትራውያን  “ኣበይ ኣለዉ” “ኢድካ ኣይትስኣን” ኢልካ ንሃጸይ ኢሳያስ ሕቶ ዝቀርበሉን መረረ ዝግለጸሉንን ኣጋጣሚ ክኸውን’ዩ። ኩሉ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ድማ፡ ፍንጫሕ መሰንገሉ፡ መተዓቢቱ፡ ኣዕሩኽቱ፡ መማህርቱ፡ መልክዖምን ፍሽኽታኦምን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናተቀጀሉዎ፡ ንሞት፡ንማእሰርትን ጥሜትን እናተፈርዱ’ሞ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ክስዕስዕን ሓጎሱ ክገልጽን? እቲ ካልኣይ ኣገባብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ድማ፡ ብፍላጥን ብምድንጋርን መጋበርያን ኣብኣስቲ ስቃይ ህዝብናን ብዝኾኑ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መቃብር ስእውኣትና ምዝላል፡ ፈንጠዝያ ምክያድ፡ ከምኡ’ውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃጸይ ኢሳያስን ኣብ ስደትን፡ ወገናትና እናተሳቀዩን እናነብዑን እንከለዉ ዝግበር ዳንኬራ’ዩ። እዚ ዕንደራ’ዚ ድማ እቲ ዝኸፍአን ደርሆ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት ካብ ምባል ካልእ ትርጉም ኣይርከቦን’ዩ።

ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት፡ ህዝብና፡ እዘን ዝስዕባ ሕቶታትን ካልእ ጉዳያትን ካብ ሃጸይ ኢሳያስ ዘዕግብ መልሲ እንተረኺቡ ጥራይ’ዩ መዓልቲ ናጽነቱ ብዕልልታን ጓይላን ክጽምብሎ ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃጸይ ኢሳያስ “እቶም ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብየማንካን ጸጋምካን  ዝዕጅቡኻ ዝነበሩ መሳቱኻን መሳርሕትኻን መጋድልትኻን ‘ኣበይ ኣለዉ’ እቶም ኣብ ነፍስ ወከፍ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝመርቅካዮም፡ ሰራሕቲ ቅያ ኢልካ ትሽሕጦምን ናይ ሓሶት መብጽዓ ትኣትወሎምን ዝነበርካ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣበይን ኣብ ከመይን ይነብሩ ኣለዉ? እቲ ኣብ ዝተፈላለየ በዓላትን ኣጋጣሚታትን ኣብ ማዕከናት ዜናን ኣኼባታትን ትኣትዎ ዝነበርካ ዝነበርካ መብጽዓታት ስለምንታይ ዘይተተግበረ? ንህዝቢ ዝውክል  ስርዓት መኣስ’ዩ ዝትከል? ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ዜጋታት ስለምንታይ ዘይፍትሑ? ዝተለጉመ ኣፍና መኣስ’ዩ ዝኽፈት? ካብ ጥሜትን ስደትን መኣስ ኢና ንገላገል?” ኢሉ ክሓቶ ይግባእ።

ጽላል ካብ  ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • keshi mars May 15, 2015

    Hello Tsilal Kab America,

    Stop insulting the people. Isaias is a criminal and you should know better than calling him Hatsey. He is not and he can’t be. He is a criminal and doesn’t even have a decency to be called a gentleman.

  • Tes May 16, 2015

    Tsilal

    Very wise words as always. Keep up the good work.

  • national pain May 16, 2015

    If it is possible on may 14th people should go out on the street and show their grief and then have party at night for the valuable independence we have.

POST A COMMENT