Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓርግ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ’ሎ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • Whedi Hagher March 30, 2016

    “ኣማሕዳሪ ኣውራጃ ሰራየን ክምኡውን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኣቶ መስፍን ሓጎስ – ሓያል መስተውዓሊ ዝብሎን ዝገብሮን ዝፈልጥ ረዚን ሰብ። ኣብ 1994 ዓም ኣብ ምምራቕ ዲጋ ሓርነት ኣውራጃ ሰራየ ናይ ገባር መሬት ኣብ ትሕቲ ዲጋ ንዝነበረ ንህዝቢ ይተዓደል ዝብል ትእዛዝ ብፕ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ምስተዋህቦ መሬት ክዕደል እንተኾይኑ ፈለማ ናይ ኣዋጅ መሬት ክተውጽእ እዩ ዘለካ ብምባል ንትእዛዙ ሙሉእ ብሙልእ ክነጽጎ ኪኢሉ። ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ናይ መሬት ሕጊ ዝምልከት ጽቡቕ ኣስተምህሮ ሂቡ ኣብ ዘፋነወሉ እዋን ሃደ ናይ ምስክር ብቕዓት መስፍን ሓጎስ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ክዝንተውሉ ይግባእ።”

    Desalegn

    ዓሚ ዝሞተ ምራኸ ፈኑ አይትበል

    • Desalegn April 1, 2016

      ሓውና: ወዲ ሃገር

      ኣስተውዒልካ ምዝራብ ተመራጺ እዩ

      ዓሚ ዝሞተ ምራኸ ፈኑ አይትበል ዝብል ኣበሃህላ ክትገልጾ ፈቲንካ ዘለኻ ገበናትካን ወይ መንነትካን ክትሓብኣሉ ትፍትን ካብ ዝዝረብ ዘረባን ኣበሃህላን ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ዘለዎ መሲሉ ኣይስማዓንን።

      ካብ ዓሚን ካብ ሕሉፍን ክንመሃር ስለዘይከኣልና እኮ እዩ እቲ ሽግር ናይ ኤርትራውያን እንዳኸፍአን ጠርዙ በጺሑን ዘሎ።

      ቀልብን ጽቡቕ ኣእምሮ ዘነዎ ሰብ ናይ ዘሕለፎ እዋናት ንዘሰላሰሎም ስራሓትን ተግባራትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሎሚን ናይ ጽባሕን ስርሑ የሰላስል ስለዚ ወዲ ሃገር ሓውና ናይ ሎሚን ናይ ጽባሕን ክትዛረብ ምስ እትደሊ ናይ ዝሓለፈ እዋናት ፋይል ምዉካስ ከድልየካ እዩ።

      ኣብቲ ተጠቂሱ ዘሎ ጊዜ መስፊን ሓጎስ ንብጻዩ ኢሳየስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ መሬት ክትዛርብ ምስትደሊ ሕጊ ተመርኩስና እንተተረዳድእና ይሃይሽ ስለዚ ቅዋምን ሕግ መሬት ይውጻእ እዩ እኮ እልዎ ።

      ስለዚ ነዛ ኣብዚ እዋንዚ ንዛረበላን ንሕዝቢ ኤርትራ ሓሪማቶ ዘላን ናይ ቅድሚ 21 ዓመታት ዘረባ መስፍን ሓጎስ ንሓቅነትን ንጽፉፍነትን ኣሰራርሕኡ ዘንጸባረቐት ስራሕን ተግባራትን ክንውከስን ክንዛረበሉን ካብዘለና ዝዓቢ ኣርእስቲ ክህልወና እይኽእልን።

      ብዛዕባ መስፍን ብዙሕ ክባሃል ይከኣል ይኸውን ኣነ ክዛ ረበሉ ፈቲነ ዘለኹ ግና ሓቅን ንሓቅነቱ ንምስክር ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ዝነበርና ዝምልከተና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ህዝቢ ዓዲ ዓብሻን ኣባዕቦን ከምኡውን ተዛተይቲ ፕ እሳያስን መስፍንን እና።

      ኣነ ከም ሰብ ክዛረብ እንተኾይነ ዘቕርቦም ሓሳባትን ኣበሃህላታትን ናይ ዓምን ናይ ዝሓለፍ እዋናት ንዝረኣኽዎምን ንዝተግበርክዎምን ብምውካስ ምስ ናይ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ምሉእ ዝኾነ ሓሳባት ከቅርብን ክዛረብን እየ ዝፍትን።

  • Moki April 3, 2016

    ስለዚ ነዛ ኣብዚ እዋንዚ ንዛረበላን ንሕዝቢ ኤርትራ ሓሪማቶ ዘላን ናይ ቅድሚ 21 ዓመታት ዘረባ መስፍን ሓጎስ ንሓቅነትን ንጽፉፍነትን ኣሰራርሕኡ ዘንጸባረቐት ስራሕን ተግባራትን ክንውከስን ክንዛረበሉን ካብዘለና ዝዓቢ ኣርእስቲ ክህልወና እይኽእልን።

    Desalegn

    Brother, it’s very difficult to believe that Mesfin Hagos took a stand against Iseyas, on any issue, no matter what. The two men belong to the same crime syndicate that killed innocent Eritreans during Ghedli and they still have a lot in common, even when they appear to be in different camp.

  • Desalegn April 5, 2016

    Hello Moki,

    ኣነ ንሓሳባተይ ብምጹር እየ ክጽሕፍ ፈቲነ ዘለኹ ምኽንያቱ ኣብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታ ዝምልከቶም ሰባት ከምዝነበሩን ነዚ ጠቒሰዮ ዘለኹ ሓቕነቱ ክገልጹን ክምስክሩን ዝኽእሉ ድማ ንሳቶም እዮም። ንዝጻሓፍኩዎ ጽሑፍ ብሓቅነቱ ስለዝተኣማመነሉ ኣብ ገዛ ተሓቢኤ ዘይኮነስ ናብ ኩሉ ዓለም ንኽበጽሕ ብማዕበል* ክፍንዎ መሪጸ። ስለዚ ነዓኻ ከም ሰብ መጠን ክትኣምኖ ወይ ክትቅበሎ ንግዝይኡ ከጸግመካ ኽኽእን ይኸውን እዩ እንተኾነ ግን ሓቅነቱ ንምርግጋጽን ንኽትቅበሎን ናይ ጊዜ ሕቶ ስለዝኾነ እዚ ከኣ ንግዜን ነቶም ዝምልኮቶም ጠቂሰዮም ዘለኹ እንተገደፍናዮ ዝሓሸ እዩ።

    ወደሓንካ

1 3 4 5

POST A COMMENT