Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓርግ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ’ሎ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • stefanos temolso March 23, 2016

    ጀነራላት ተባሂሎም መዓርግ ተዋሂቡዎም ዘለዉ ክኣምነሎም የጸግመኒ። ገለ ካብቶም ጀነራል ተባሂሎም ዘለዉ ኮንቱር ማፕ ወይ ወተሃደራዊ ቅርጺ መሬት ከንብቡ ዘይክእሉ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኖም ናይ ጀነራል ባህልን ክብርን ዘይብሎም’ዮም። ኢሰያስ ግን መታን ከገልግሉዎ ነቲ መዓርጋት ከም ባሊቃ ጠቂዑሎም። ብወገነይ፡ ንሓደ ስለ ህዝቡ ደው ዘይብል ጀነራል ይትረፍ ጀነራል ሓለቓ ዓሰርተውን ኣይምሃብሉዎን።

    • Merhawi Hagos March 23, 2016

      ኣየ ጽላል፡ ጽላልካ ይበተኽ። ኣስከ ናይ ብሓቂ ሽምካ ንገር። እዚ ኹሉ ዘለፋ ነዚ ጀነራል ትብሎ ዘለኻ ጭብጢ ኣለካዶ? እዚ ተቓውሞና ክምዕብልን ሰባት ከነስምዕን እንተኾንና ኩሉ ንዛረቦ ጭብጢ ክህልወና ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ መንነትካ ዘይፍለጥ ወይ ድማ ብሽም ትግርኛ ተዛራባይ ኤርትራዊ ከብለካ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብዚ ክትርድኦ ዘለካ ነዚ ጀነራል ካባኻ ንላዕሊ ይጸልኦ ይኸውን። ከምዚ ናትካ ግን ብዘይ ሓደ ጭብጢ ሃለውለው ኣይብልን ኢየ ምኽንያቱ ” ጭብጢ የጨባብጥ ማእሲ የገላብጥ” ይብሉ ኣቦታትና!
      መርሃዊ ሓጎስ

  • k.tewolde March 23, 2016

    A constructive criticism to Assenna and Co.I posted a comment yesterday on Tsilal’s article, unfortunately, all is gone along with the article from the site.As much as I admire the wonderful work you do fighting the tyrant at home, you got to live up to your mission of being the voice of the of the Eritrean people hence your website is one of the major mediums the people use to voice their grievance whether it is pleasant or unpleasant.I will appreciate an answer. Kind regards.

  • Debre March 23, 2016

    ዝኸበርካ ጽላል
    ሓደ ጭቡጥ ፍጻመ ክውስኸሉ። ሓደ ጀነራል ሕግን ስርዓትን ሃገር ክሕሉ እዩ ግቡኡ። ማዕረግ ፊሊጶስ ግን ንጥቕሙን ጥቕሚ ስድርኡን እዩ ኣገልጊሉ። ኣብ ጎዳይፍ ዝዓመጾ ምስ ጭብጡ መዓልቱ ሓልዩ ክወጽእ ‘ዩ። ኣብ ጸሎት ናይ ግሪክ ቅርጺ ዘለዎ ገዝኡ ብነጻ ዝተገዝእሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ርሃጽ ይጠርዕ ከምዘሎ ንፈልጦ ሓቂ እዩ።

  • Yonatan March 23, 2016

    Behaki ygbay zeybahalo frdi kemzelo krdeom alowo

  • ተወልደመድኅን March 23, 2016

    ዝከበርካ ጽላል፡
    …..ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን……ዝብል ቃል ኣብ ጽሑፍካ ዘሎ’ዩ።
    ርግጽ’ዩ ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩሎም ዜጋታት ድምር ስራሕ’ዩ።በይኑ ነዚ ናጽነት’ዚ ክሕበነሉ ዝኽእል የሎን።እንስሳ ኤርትራ ከይተረፈ ኣገዳሲ ዕማም ዓሚሞም’ዮም።ሃረስታይ ህዝብና’ሞ ጸብጺብካ ዘይውዳ እ’ዩ።
    ብዛዕባ ናይ ፊሊፖስ ብርግጽ ናይ በይኑ ጅግንነት የለን።ክህሉ’ውን ኣይክእልን’ዩ።ኣብ ስልጣን ምብጻሑ ከኣ ናይ ጅግንነት ዘይኮነ ግንዖ፡ኢሳያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ነቶም ይኾኑኒ ዝበሎም ካብ መስዋእቲ እናተኸላከለ፡ዘድሊ ቦታ እናሀበ’ዩ መጺኡ።ስለዚ ሃላፍነት ይኹን ብ ኣካል ናጽነት ምብጻሑ ናይ ጀግንነት ዘይኮነ ናይ ሕከከኒ ክሓከካ’ዩ።ብመሰረቱ ከኣ ጅግንነት ነቲ ግንባር ንምፍራስ ወይ ኣገዳሲ ዕማም ንምዕማም ሕይወቱ ዝሰኣነ ወይ ካብቲ ኩነታት ብመውጋእትን መስበርትን ዝተረፈ’ዩ።ስለዚ ሎሚ ጀነራል ንዝኾነ ዘበርከትካዮ ምባልካ ምን ኣድ’ዩ።
    ነዞም ኣብ ስልጣን ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሽግርን ጸገምን ዝመርሑ ብጀግንነት ምግላጽ፡ነቶም ስው ኣት ቦታ ምካላእ’ዩ።

    • new eritrea March 23, 2016

      እቲ ጉዳይ ወጠጦ ንወጠጦ እንተፈረደስ ከይሕረድ ፈረደ ዝብል እዩ።ብዙሓት ተዋጋእቲ ነበር ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ፣ እቲ ቃልሲ ቅዱስ እዩ ኔሩ ፣ኢሳያስ እንተዘየባላሽዎ ፊሊጶስ እንተዘይደግሞ ኔሩ ዝብል ጽውጽዋያት ንምንጋር እዩ።ህዝቢ ግን ሓቅነት እናፈለጠ ምዃኑ ኣብ ፓልቶክ ናይ መንእሰያት ምስማዕ ይኣክል።

  • ተወልደመድኅን March 23, 2016

    ዝከበርካ ጽላል፡
    …..ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን……ዝብል ቃል ኣብ ጽሑፍካ ዘሎ’ዩ።
    ርግጽ’ዩ ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩሎም ዜጋታት ድምር ስራሕ’ዩ።በይኑ ነዚ ናጽነት’ዚ ክሕበነሉ ዝኽእል የሎን።እንስሳ ኤርትራ ከይተረፈ ኣገዳሲ ዕማም ዓሚሞም’ዮም።ሃረስታይ ህዝብና’ሞ ጸብጺብካ ዘይውዳ እ’ዩ።
    ብዛዕባ ናይ ፊሊፖስ ብርግጽ ናይ በይኑ ጅግንነት የለን።ክህሉ’ውን ኣይክእልን’ዩ።ኣብ ስልጣን ምብጻሑ ከኣ ናይ ጅግንነት ዘይኮነ ግንዖ፡ኢሳያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ነቶም ይኾኑኒ ዝበሎም ዘድሊ ቦታ ሂቡ ካብ መስዋእቲ እናተኸላኸለ፡ነቶም ዝቃወሙ ዝበሉ እናጥፈአ’ዩ መጺኡ።ስለዚ ሃላፍነት ይኹን ብ ኣካል ናጽነት ምብጻሑ ናይ ጀግንነት ዘይኮነ ናይ ሕከከኒ ክሓከካ’ዩ።ብመሰረቱ ከኣ ጅግንነት ነቲ ግንባር ንምፍራስ ወይ ኣገዳሲ ዕማም ንምዕማም ሕይወቱ ዝሰኣነ ወይ ካብቲ ኩነታት ብመውጋእትን መስበርትን ዝተረፈ’ዩ።ስለዚ ሎሚ ጀነራል ንዝኾነ ዘበርከትካዮ ምባልካ ምንኣድ’ዩ።
    ነዞም ኣብ ስልጣን ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሽግርን ጸገምን ዝመርሑ ብጀግንነት ምግላጽ፡ነቶም ስው ኣት ቦታ ምካላእ’ዩ።

  • Yusuf MB March 23, 2016

    ዝኸበርካ ጽላል
    “ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን” ዶ በልካ።
    እህምም …….. ነዚ ገበነኛ ሰብ ትንእዶ ወይስ ትወቕሶ ኢኻ ዘለኻ? ከምቲ ትብሎ ዘለኻ፡ ብሓለፋ ሽመት-ዘውህብ ብፍላይ ዘበርከቶ ፍጻመ እንተሎ’ዶ ገለ ወስ መበልካና?

  • hara March 23, 2016

    nay isayas maArig nziyada adi zetfeE IYU ziwahab
    slesi NAY TIFIAT GENERAL malet iyu

  • gerimuna March 23, 2016

    Neti kab aekmu nlaeli zetitowo zelo, forma ney sekrum amber nei general uka zeibulu. Ubud kelbi Isyas netom bkebdom zshiyetu alleliu ab meadi tetumu abliue iyu agebiliwom. Asha natu hngole aikonnen zetikm yemrah ttry eyu. Tebeb neiti zulaae hizbi eritre dema netom korakuru methazi geben ab leali hizbobom eyu zetebabae. Nati sebawi melaku zerahak furqu zelul kae kendi ashakru yekonu.
    Bizhatu Eritrawian kea befly Flipos dehri goitu udud zekflelu kerba mealti kemzela kignzeba yergagzelu.

  • new eritrea March 23, 2016

    [እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ….ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ።” ]

    ክቡር ጽላል፣

    ጀነራልን ተጋዳላይን ክትብሎ ስኽፍ ኣይበልካ፣ምኽንያቱ እዚ ኹሉ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ተዋጋእቲ ነበርን ህዝብን ካብ ፈለማ በረኻ ከለዉ ዝጀመረ እዩ፣እቲ ጸገም ካብታ ላም እምበር ካብቲ ጸባ ዝመንጨወ ኣይኮነን።እታ ላም ካብ ትፍጠር ሕምምቲ እያ ኔራ፣ ካብ ሕምምቲ ላም ድማ ጥዑይ ጸባ ኣይንጸበ።ሕጂ ዝጀመረ ኣይኮነን ኣብ ገድሊ ዝጀመረ እዩ፣ንዕሾ ዘለና ንሕና ኢና እምበር ተጋዳላይ ዝብል ሽም ምስ ጠባያቱ ይግብኦ እምበር።እወ ፊሊጶስ ተጋዳላይ እዩ።

1 2 3 5

POST A COMMENT