Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓርግ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ’ሎ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • Berhe Tensea March 25, 2016

    This general is the most cruel and coward, who doesn’t even hesitate a bit to obey Iseyas orders no matter how much wrong and bloody it may be.
    This generals crimes will not be forgotten and his crimes will be repaid by him or by his family as Wedi Vacaro had said it before.
    He is leaving bloody hands that will be inherited and the Eritrean people will not forget and will demand revenge sooner or later.
    This general in name only his main job is a hit man for the mafia boss.
    Death and agony to Iseyas and his tes men.

    • Hamid Sorobeti March 25, 2016

      Brother,
      We have to avoid the langage of revenge from our principle of struggle because it is mor destructive than the criminal regime itself. Criminals should have to face court of justice without any relation with their family members unless if they are involved in crimes.

    • Haleka March 26, 2016

      U wil revenge for nothing WE will revenge u for Everything forever.

  • Berhe Tensea March 25, 2016

    This general is the most cruel and coward, who doesn’t even hesitate a bit to obey Iseyas orders no matter how much wrong and bloody it may be.
    This generals crimes will not be forgotten and his crimes will be repaid by him or by his family as Wedi Vacaro had said it before.
    He is leaving bloody hands that will be inherited and the Eritrean people will not forget and will demand revenge sooner or later.
    This general in name only his main job is a hit man for the mafia boss.
    Death and agony to Iseyas and his yes men.

  • Berhe Tensea March 25, 2016

    What an important excellent and logical article is this, thank you very much.
    This general like others is also involved in human trafficking and is making hundreds of thousands to himself and PFDJ.
    According to Allah or God fearing Rashaida business man I met in Eastern Sudan in 2010, General Philipos, Tekle Manjus and others are employed by the Rashaida organized crime groups.
    Iseyas also knows about this and has failed to do anything about it since he is only interested about the revenue and the services of the Rashiada who had kidnapped and killed many opponents of the regime, and as he also wants them in the future.
    Satan is waiting for Philipos and his friends with open arms in their everlasting resting place the hell.
    Thank you again for the wonderful article.

  • gansheraanbetha March 25, 2016

    ጽላል ለማኒ ዲካ ዋላ ተቃዋሚ?እንታይ ዝበልዎ ሕስረት እይዩ ሜዳ ወሪድካ ተጋደል።ለማኒ ኣይትኩን

  • ertra n ertrawyan March 25, 2016

    Hizbi ertra berihulu eyu hji men n rahwa hzbi ygadel neru men ke n siltanu ygadel neru. Slezi kulu memealtu alewo eti nnebsu ngus alem zkotsra zinebere n ahzab zetsnete win edu rekibu eyu. Tray eta isayasn deki mezamrtun edom zrekbula nay aybelnakumn do mealti beakli tetsebeyuwa.

    • ertra n ertrawyan March 25, 2016

      NB. nnebsu ngus alem zkotsra zinebere n ahzab zetsnete hitler win tedahiku eyu aykonen isayas.

  • helen solomun kahsay March 25, 2016

    this is true story,at 2008 the wife of zeragaber(rich corupted merchant)told me that her husbund is inprisoned for killing of other merchant fukuru by poison and she wanted her husbund to be released by giving bribe to general philopos.she told me that she went at 9 pm to the house of general philipos at dark time with other woman ane met the wife of general and gave her bribe two million nakfa.but the general is not satisfied and asked her other million in terms of dollars and that she is worried how she can change that amount of nakfa to dollars,but still he is not satsfied and that she was trieng other methods.

  • Henock hagos March 25, 2016

    Ezom belaety hizbi eritrea Kea hanti mealti kiwehatsu eyom

  • ስዩም ምራጭ March 26, 2016

    ብመጀመርታ ንጸሓፊ እዛ ኣርእስቲ ከመስግኖ እፈቱ። ምክንያቱ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ድምር ኣረሜናዊ ተግባራት ፕረዚደንት ኢሰያስን ጉጅልኡን ስለዝኮነ ብኸምዚ ኣገባብ ምቕራቡ ገበነኛታት ምዃኖምን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቕድሚ ሕጊ ቐሪቦም ዋግኦም ክረኽቡ ምዃኖምን ብውልቆም እውን እንተኾነ ተሓተቲ ምዃኖም ዘተሓሳስብ ብምዃኑ ። ብሓፈሻ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ንከየክትም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢሰያስ ብተፈላለየ መልኽዓት መሳርሕን በትርን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ብምልኦም ተሓተቲ እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ስድራቤቱ ብውልቓዊ ድሌትን ተበግሶን ከይተረፈ ብኣገልገልትን ኣባላትን እዚ ስርዓት ብዝተፈላለየ ምክንያታት ጉልባብ ብምግባር ዝእሰር፡ ዝጭወይን ዝጠፍእን ዘሎ ሰቡ መብዛሕቱ ብመንን ንምንታይን ይግበር ምህላዉ ይፈልጥ እዩ። ግዜ ዝሆቦ ሓምሓምሲ —- ስለዝኮነ ነገሩ ግን ከም ዘይርኣየን ዘይፈልጥን ደኒኑ የሕልፎ አሎ። ህዝቢ ኤርትራ ምዕቡልን ስልጡንን ስለዝኮነ ጽባሕ ንግሆ እውን እንተኮነ ብውልቓዊ ተበግሶታት ኣብ ልዕሊ በደለኛታትን ስድራቤቶምን ሕነ ኣብ ምፍዳይ ዝኣቱ ኣይኮነን። ነዚ ሕጂ ርኢዎ ከም ዘይርኣዮ ዝሓልፍ ዘሎ በብውልቆም እውን ከይተረፈ ኣብ ፍርዲ ኣቕሪቡ ክሓቶም ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።

    ብወገነይ ብዛዕባ (ጀነራል) ፊሊፖስ ዝፈልጦ ገለ ወስ ክብለኹም። ንሓደ ዓርከይ ሓዉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብህጹጽ ክወጽእ ስለዝነበሮ ስድርኡ ኣብ ዝሓጸረ ዝከኣሎ ክገብር ስለዝሓተትዎ ከም ዓርኩ መጠን ተጨኒቑ ዘዕለለኒ ከምዚ ይመስል። ሓዉ ንዓርከይ ኣብ ጋሽ ባርካ ኣብ ትሕቲ ፊሊፖስ ካብ ዝነበራ ኣሃዱታት ተመዲቡ ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ ናብ ስድርኡ ንኣስመራ ኣፍቒዱ ምስ ከደ ከይተመልሰ `ኮብሊሉ` ነዊሕ ገበረ። እቲ ግዜ እቲ ከኣ ካብ ሰራዊት `ምኩብላል` እንዳ በዝሓ ዝኸደሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ሓቆም እዮም እንታይ ምግባር ይሓይሽ ተባሂሉ ሓቀኛ መፍትሒ ዝድለየሉ ግን ፊሊፖስ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ እዚ ተርእዮ እዚ ጠጠው ዝብል ስጉምቲ ምስ ዝውሰድ ጥራይ እዩ ስለዚ ካብ ዝኮብለሉ ኣባላትኩም ገፊፍኩም ኣምጺኩም መምሃሪ ክኾኑ ሰራዊት ኣኪብኩም ረሽንዎም ዝብል ትእዛዝ ስለዘተሓላለፈ ብዙሓት ኣሃዱታት ኣባላተን ብፍላይ ናብ ኣስመራ (ብኣሰያይማ ኢሰያስ ጃንግል) ብምልኣክ ክገፋ ጀመራ፡ ሓዊ ዓርከይ ብዙሓት ከምኡ ዝኮብለሉ የዕሩቱን ካልኦትን ካብ ገዝኦምን ጎደናታትን ይግፈፉ ምህላዎም ስለ ዝሰምዓ ጥራይ ሕጅስ ናብ ቦታይ ክምለስ ኢሉ ጉዕዝኡ ናብ ጋሽ ባርካ ገበረ። ጉዕዝኡ ናብ ኣሃድኡ ንምቕጻል ኣብ ከተማ ባረንቱ ክሓድር ስለዝነበሮ ከምኡ ገበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ሓደ ዘሰምብድ ሓበሬታን ማዕዳን ብስራሕ ካብ ዝተንቀሳቀሱ ኣባላት ኣሃድኡ ዝረኸበ። ስም እንዳ ረቑሑ ካብቶም ኮብሊሎም ዝነበሩ ኣባላቶም ገለ ካብኦም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ምስኡ ክዘሩ ዝቐነዩ ሰራዊት ተኣኪቡ ከምዝተረሸኑን እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ ክቅጽል ምኳኑን ከም ዝተነግሮም፣ ንሱ ከኣ ካብ ገለ እቶም ዝተረሸኑ ዝነውሕ ግዜ `ኮብሊሉ` ብምንባሩ ጉዕዝኡ ናብ ኣሃድኡ ከቛርጽን ክሓስበሉን መዓድዎ። ንድሕሪት ከይ ምለስ ኣብ መንገዲ ከይሕዝዎ ስለዝፈርሓ ንስድርኡ ኣብ ባረንቱ ኮይኑ ብምድዋል ሓበሮምን ኣብ እንዳ ዝፈልጦ ሰብ ተሓቢኡ ምህላዉን ነገሮም። እዚ ሰሚዓ ዝሰምበደት ስድራ እዩ ከኣ ንዓርኸይ ገለ ክገብር ዘጨነቀቶ። ነቲ ካብ መግዛእቲ `ነጻ` ኣውጺኣዮ ትብሎ መንእሰይ ህይወቱ ብስም `መምሃሪ` ክኸውን ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ ስሓላዊ ወይ በረኻዊ ኣተሓሳስባ ካብ ምኹብላል ደው ከብልዎ ግን ኣይኸኣሉን። እዃ ድኣ ዓለም ብዘሰንበደ ምልኽዑ ናብ ዝገደደ ፍልሰት/Exodus መንእሰያት፡ ህጻናትን ኣረግቶትን ከይተረፈ ኣኸቲሉ።

    ስዩም ምራጭ
    ቶሮንቶ ካናዳ

  • መሐመድ ሐምድ March 26, 2016

    ከም ጀነራል ፍሊፖስ ይብዙሑልና እግዚኣብሄር ዕድመን ጥዕናን ክህቦ ንምነየሉ

    • Negash S. March 26, 2016

      Well said brother Mahammed, Eritrea needs more brave and qaulified military men like General Filipos to defend its independence and freedom of its people. Some people are only short sighted and against Eritrean statehood.

      • AHMED SALEH !!! March 26, 2016

        “KEM GENERAL PHILIPOS YIBZUHULNA”
        An insult to the plight of those who are crying for help . It is a
        matter that define our human moral value against wrong for GOD sake.
        To fight evil with evil mentality replaces another evil which we should
        avoid than share responsibility in our support for criminalization .
        Remember Rashaida , Sinai ,ISIS , HGDF crimes against humanity can not
        be given black and white biased verdict . Crime is a crime , period . General Philipos cruelty did commit crimes that took many innocent
        lives . Even though for now he may get some defenders but time will
        come tell the whole truth about enemies of our people .

  • Berhe March 26, 2016

    ኣቶ ፍሊፖስ ጀነራልነት ማለት ዝፈልጥዎ ኣይመስሉን ።ኢቲ ልክዕ ትርግሙ መካዕበቲ ገንዘብ መትፊኢ ህዝቢ ኢዮም፣ ዝፈልጥዋ።ሽመት ከቢዱዎም ከይከውን።ደሃር ከኣ ብርኪ ሂቡዎም ኢምበር ዕንዳይ እኮ ኢዮም፣እምበርዶ ወዲ ዜጋ ኢዮም የብለካ።

POST A COMMENT