Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓርግ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ’ሎ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ

ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።

ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • ኣለናወ March 26, 2016

    ጽሉል’ዶ ኢልካያ ንነብስኻ።
    ምስ ስዲ ጸርፋኻ ዝሳነዩ።
    አምብር ጅግና ተጋዳላይ ጀነራል ፍሊጶስ’ሲ ነዚ ከምዚ ኸማኻ ኣጋመን ከምኡውን ከዳኣት ኤርትራውያን ሓዊ ከኾልስ ኣምላኽ ሽይምዎዩ።

    ተውስበል
    ኣመሪካ

    • Berhe Tensea March 27, 2016

      To Alenawwe,
      I feel sorry for people like who do things against their own interest. This general is just a yes man and has no real power except to obey orders and prolong our people’s agony.
      As far as Agame saying of yours is concerned, you are insulting Iseyas along with Philipos and others such as Kisha.
      You as a first class zombie also might be from the south of the border and suffering from identity crisis.
      The Tembenay Iseyas who deny his roots strongly is on the fore front when it comes to insulting Tigray just to appear more Eritrean.
      You and likes will be asked to account in the future and that will be brutal justice and that is a given.

  • maharitesfamichael March 26, 2016

    ይገርመኒ እኮ ኢዩ ኣነስ ጉልባብኩም ቀሊዕኩም ኣንጻር ጸላእትኹም ክትዛረቡ ዘይትኽእሉ ዜጋታት ምህላውኩም ዘሕዝን ኢዩ።ኣፍካ ሒዝካ ትም ምባል ምድጋፍ ውን እኮ ኣማራጺታት ኢዩ።
    ኣብ 1991 ጎይቲኦም ጀነራል ክህቦም እንከሎ ይቢኦም ኢዩ ካብ በልካ ደኣ ሕጂ እንታይ ሓድሽ ተረኺቡ?ህግ ብቁል ትኽል ክብል ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።ፍሊፖስ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብዝገበሮ ቃልሲ ኢዩ ጀነራል ተዋሂቡ።ሕጂ ውን ኣብታ መትከሉ ኢዩ ዘሎ።ስለዚ ጽላል ዲኻ ጽሓይስ ተሓዋዊሱካ ኣሎ።

  • Emyhs merhawit March 27, 2016

    Tewes bel kab America.
    Entay aynet comment eka tsihifka. Nbalka tuy dika. Kemzi dyu jgninet. Haki comment zeythb. May be the comment is too personal or specific otherwise it is real.
    Sweet

  • Emyhs merhawit March 27, 2016

    Tewesaki zehzeneni zehfr zerebaka ” amlak sheymwo eyu ktbl” ezi Nay seytanawi hasab koynu kabtom ab eritrea zelewu zfximwo zelewu ekey tegbarat zeyfle eyu.

  • Simon March 27, 2016

    Yes, the officials of Eritrea especially the president Isaias afewerki are criminals. They have been killing, detaining, and displacing Eritreans. The crime which is being done in Eritrea and on Eritreans it is far away from oppression. They are treating the people of Eritrea really badly. They are the enemies of the Eritrean people. Tsilal from America you are right. The generals and all the officials in Eritrea are criminals. The main thing is how do we remove them from our country? What should we do to remove them for once and for all? They must be gone; otherwise, Eritrea is dying. I suspect that if we can’t remove them, then are we sure that Eritrea will continue as a country? The status of Eritrea is in danger. What I fear is that they are going to rejoin her again with Ethiopia. They are doing all these foolishness to destroy Eritrea. They are demoralizing the people to hate their country and to long for Ethiopia. We should do something to save our people and our country.

  • Berhe Tensea March 27, 2016

    It is a shame and a criminal act that this general in name only and his likes to stand in the martyrs resting place, just for show off purposes.
    I hope and wish that this general and like him will never get that honour and respect, when they depart to hell and just get dumped in garbage dumping places such as eskariko only.
    Heroes cemetery is only reserved for heroes and true nationalists only.
    We must also reconsider in the future about the other few criminals buried there, and we will do the right thing .

  • Moki March 27, 2016

    Instead of always talking about the dictator, who is not the only criminal, it’s very important that people also keep a good eye on those who are protecting his regime, like the notorious murderer Filippos.
    Iseyas sooner or later will go, but his brutal regime, with all those criminals who control it, will be there for some time, until and unless Eritreans unite to bring peace to the country.

  • ሽግ ሓቂ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል March 27, 2016

    ሽግ ሓቂ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል

    ሽግ ሓቂ ኤርትራ ዲኺ እንታይ ደኣሉ ናብዚ ከተማ ናቕፋ ኣዉራጃ ሳሕል መምጺኢኺ ክብል ህዝቢ ከተማ ናቕፋ ሕትኡ ኣቕረበለይ።

    ኣነ ናብዚ መምጽእየይ ቀንዲ ዕላማ ካብ ከተማ ናቕፋ ኣውራጃ ሳሕል ብምብጋስ ብእግረይ ናብ መላእ ሃገርና ብምንቅስቓስ ህግደፍ ብግብሪ ንዝሰርሖም ስርሓት ካብ ጊዜ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ከምኡዉን ን 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ንዘበርከቶ ኣንጸባረቕቲ ዓወታት መጽናዕቲ ንምክያድን ናይ ዝገበርኩዎ መጽናዕታዊ ጸብጻበይ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምግላጽን ንምንጽብራቕን እዩ።

    ኣነ ብወገነይ ነታ ሓበሬታን ትእዛዝን ሂባ ክተበግሰኒ ዝመጸት ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተውካሊት ህግደፍ ንዝኾነት እዚ ቀጺሉ ዘሎ ርኢቶይ ኣቕሪበላ ነይረ።

    ኣነ ብቑዕ መጽናዕቲ ከቕርብ እተተደልዮን ሓቅነትን ብቕዓትን ዘለዎ ንኽኾነልኩም ትደልዩ እንተኾንኩም ኣብክንዲ ብኣውራጃ ናቕፋ ዝብገስ ብሳውራ ዝተጀመረሉ ኣውራጃ ባርካ ክብገስ እዩ ዚግባእ ክብል ፍርሒ ብዝታሓዎሶ ሪኢቶይ ኣቕሪበ ነይረ።

    ሪእቶይ ነታ ክተዋፍረኒ ዝመጸት ተወካሊት ህግደፍ ኣብዘቕረብኩሉ እዋን ሓያል ዝኮነ መጠንቀቕታን ንዚወጠንኩዎ ዕላማ ዘተዓናቕፍ ጥራሕ ዘይኮነ ንሂወተይ እውን ዝፈታተን ኮይኑ እየ ረኺበዮ።

    ስምዒስከ ሽግ ሓቂ ኤርት ንሕና ህግደፍ ምኻና ብጉቡእ ኣይፈለጥክናን ወይ ኣየለለኽናን ዘለኺ ይመስለኒ ብምባል መግናሕትን ብድዐን ብዝተሓዎሶ ኣዘራርባ መለሰት ኣመዳሪት ዞባ ሰመናዊ ቀይሕ በሕሪ – ዘረባኣ ቀጸለት

    ኣዝዩ ሃብታም ተሞክሮ ዘለናን ዕላማና ገና ክንብገስ ከለና ዘነጸርና ኢናኮ በለት ከይሓነኸት:

    ክንብገስ ከለና ክልተ ናይ ቀረባን ርሑቕን ንጹራት ዕላማ ሒዝና ከምተበገስና ብቀዳምነት ክገልጸልኪ ይደሊ:

    1. ናይ ቀረባ ዕላማና ንህዝብን ንሃገርን ከምትሰርሕን ከምትሓልን ብምምሳል ንህዝቢ ኤርትራ ብምትላል ንህግደፍ ምህናጽ እዩ
    2. ናይ ርሑቕ ዕላማና ንማለሊት ትግራይ ኣብ ሰኪዔት ህግደፍ ኣእቲኻ ዓባይ ናይ ማፍያ ትካል “ትግራይ ትግርኚ” ብዝብል ስም ንመላእ ኢትዮጵያ ንምግዛእን ከምኡውን ንመላእ ኣፍርካ ንምምሕዳር ዝዓለመ እዩ።

    ብመሰረቱ እዚ ኣቕሪብክለይ ዘለኺ ሪኢቶ ብዉድብና ተቀባልነት የብሉን ምኽናያቱ ብሓቂ እንተንጎዓዝ ኔርና ዓወታት ብምጭባጥ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ክንበጽሕ ኣይምስካኣልናን ኔርና። ስለዚ እዚ ኣብ ክንዲ ብኣውራጃ ሳሕል ዝብገስ ብኣውራጃ ባርካ እንተተበገስኩ ይሓይሽ ንዝበልክዮ ሓቅነት ዝሓዘ ሓሳብ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ብግደፍ ሓቅነት ዝበሃል ገበን ስለዝኾነ ብጻይ ኢሳያስ ከይሰምዓ እዛ ዘረባ እዚኣ ኣብ ዝኾነ ቦታን ጉዕዘኽን ከይትሞልቀኪ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ይህበኪ ከምዘለኹ ተረዲእኪ ብዝተዋህበኪ መምርሒ ክትሰርሕን ክትንቀሳቐስን ጥራሕ እዩ ተፈቒዱልኪ ዘሎ።

    ካብ ገለ ገለ ብሉጻት ተመኩሮታትናን ብልጫታትናን ክትማሃሪን ንስራሕኪ ከም መወከሲ ንኽኾነኪ ካዝብል ሓልዮት ብምብጋስ እዚ ቀጺሉ ዘርዚረዮ ዘለኹ ነጥብታት ከካፍለኪ እየ ግና ብጻይና ኢሳያስ ክሰምዕ ወይ ክፈልጥ የብሉን ኩሉ ሚስጥር ኣብ ክሊተና ክተርፋ ኣለዎ ሽግ ሓቂ ኤርትራ።

    ንኣብነት ካብቲ ብዙሕ ዉሑድ ሓቀኛ ታሪኽናን ተግባራትናን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከዘንትወልኪ እየሞ ሽግ ሓቂ ኤርትራ ጽን ኢልኪ ተኸታተልኒ።

    ሓደ ኢለ ይጅምር ኣለኹሞ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ ።

    1. ንጀብሃ ሓቀኛ መትከል ሒዙ ዝተበገሰ ዉዱብ ብውሕሉል ኣገባብ ነበረያነበረ ኮይኑ ከምዝተርፍ ዝገበርናዮ ሚስጢራዊ ስሪሒት ሕግደፍ እዩ ነይሩ

    2. ንመንካዕ ሙሁራት ንዝመርሕዎ ምንቅስቓስ ካብ ዕሸሉ ዝሕቐቅናዮ ንዉሕሉል ኣገባብ ኣሰራርሓና ዘመስከረ እዩ ነይሩ

    3. ኣብ 1975 ኣብ ትግራይ ዝሓየለ ዉድብ “እድዩ ተባሂሉ ዝጽዋዕ” ንዝነበረ ኣብ ወረዳ ኣዲ ዳዕሮ ኣውራጃ ሽረ ምስ ወያነ ብምትሕግጋዝ ሙሉእ ብሙልእ ዝደምሰስናዮ ናይ ርሑቕ ዕላማና ኣብ ግምት ዘእተወ ዝዓብየ ስሪሒትን ንማለሊት ንምትላል ዝዓበየ ባይታ ዝፈጠረልና ስርሒት እዩ ነይሩ

    4. ናይ ርሑቕ ዕላማና ንምውቃዕ ዘነጻጸረ ባይታ ንምጥጣሕ ምስ ማለሊት ትግራይ ኮይና ናይ ሓባር ስትራተጂ ብምቕያስ ካብ ኣውራጃ ሽረ ጀሚርና ንመላእ ኢትዮጵያ ሓራ ብምውጻእ እዲስ ኣባባ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና የእቲናያ

    5. ድሕሪ ኢትዮጵያ ሓራ ምውጻእ ናይ ኦሮሞን ካልኦት ዉድባትን ኢትዮጵያ ኣብ ምድምሳስ ዝዓበየ እጃም ኣበርኪትና እዚ ከኣኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብንጹር ዝፈልጦን ዓው እሉ ክምስክረልና ዝኽእልን ንብቕዓትና ዘመስከረ ዓብይ ስሪሒት እዩ ነይሩ

    6. ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን መድረኻትን ደስ ዘይብሉና ኣባላትናን ብጾትናን ዘጸጋዕናሉን ዘኣለናሉን ንኣባላትና ንምትላል ካብ ዝተጠቐምናሉን ዘዓየይናዮ ዉሕሉል ዕዮታት ኣብ ቅድመይ ቅጅል ይብለኒ ኣንትቲ ሽግ ሓቂ ኤርትራ

    7. ኣብ 2001 ብምኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ዝተዓየ ናይ ተዋስኣዊ ድራማ ጉጅለ 15 ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ንህግደፍ ብኽልተ ኣእጋሩ ደው ኢሉ ንኽኸይድ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ዝገበረን ዘቕሰነ ስራሕን እዩ ነይሩ

    8. ህግደፍ ናይ ሩሑቕ ዕላምኡ ንምትግባር ድልዱል መሰረት ንምንጻፍ ብዘውጸኦ ውጥን መሰረርት ኣብ 1996 ሓደ ዘዓበየ ስሪሒት ክፍጽም ስለዝነበሮ ነቲ ዝወጠኖ ውጥን ንምትግባር ዕንቅፋት ይኾነኒ እዩ ንዝበሎ ንመራሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣይ [ ሓዱሽ ኣርኣያ] ምቕንጻል ስለዝነበረ እዚ ንምትግባር ብናይ ውሽጣዊ ስለያ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝኾነ ነጋድይ ወዲ ገረወይና [ዑመር ገረወይና] ኣቢሉ ዝተቐነባብረ ናይ ምቕንጻል ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ስርሒት ኣብ የካቲት 14, 1996 ብጀሚል ያሲን ዝተባህለ ኣባል ስለያ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ክፍጸም ተኻኢሉ።

    9. ዘይ ምርዳእ ህግደፍን ማለሊትን ካብ ምቕንጻል ሓየሎም ኣርኣያ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ 1997 ኣብ ኣዲ ሙሩክ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ዶባት ናይ ክልትኤን ሃገራት ፈኸም ክብል ንዝጸንሐ ሓዊ ምኽኑይ ንምግባር ኣብ 1998 ኣብ ባድመ ንዅውላዕ ህግደፍ ምቹእ ባይታ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ንትግባሪኡ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ ናይ ሰራዊት ሓይሉ ብምትእኽኻብ ናይ ርሑቕ ዕላምኡ ንምትግባር ብቐዳምነት ትግራይ ንምቁጽጻር ዝብል ሕልሙ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩናት ፈለማ ብባድመ ቀጺሉ ብዛላምበሳ
    ኣባሪዕዎ ሰራዊት ኤርትራን እትዮጵያን ከም ጽምብላልዕ እንዳዘለለ ኣብ ዝተኣጉደሉ ናይ ሓዊ መጋርያ
    ተጠጠቐ [ከም ደርቂ ዝወቕዖ ቆጽሊ ረገፈ] ንብረት ክልትኤን ሃገራት ዓነወን ተዘምተን
    መስኪንን የዋህን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ በሓቂ ኩናት ዶብ መሲልዎ በብወገኑ ፈከረን ደበለን።

    ዝነበረ ናይ ህግደፍን ማለሊትን ናይ ሓባር ስትራተጂ ብሰንኪ ኩናት ባድመ ምስተበትከ ከይወዓለ ከይሓደረ ድሕሪ ኩናት ምጅማር ባድመ “ጀሚል ያሲን” ብማለሊት ናይ ሞት ስጉምቲ ተወሲድሉ። እዚ ድራማዚ ንባዕሉ ኩናት ባድመ ንምታይ ተበጊሱን ካበይ ዝነቐለን ንምኻኑ ንጹር ስእሊ ስለዘርኢ ኣንቢቡ ንዘይርዳእን ናይ ባድመ ሕቶ ናይ ዶብ ሕቶ እዩ ዝብል ስብ እንተሎ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣጓኒፍዎ ከይህሉ ናብ ዝምልከቶ ናይ ሕክምና ቦታ ብምኻድ ኩነታት ጥዕንኡ እንተፈለጠ ይሓይሽ ዚብል ኣረኣእያ እዩ ዘለኒ።

    ሽግ ሓቂ ኤርትራ ኩሉ ዝነገርኩኺ ጽን እልኪ ከምዝሰማዕክንን ብዙሕ ከምዝተመሰጥክን ካብ ኩነታትኪ ከስተውዕልን ክፈልጥን ብምኽኣለይ እዝዩ ሕጉስቲ እየ።

    ንዘረባይ መዕጸዊ ብምግባር ናብ ዝተመደበልኪ ስራሕ ከፋንወኪ ስለዝኾንኩ ሰጥ በሊ።

    ኣነ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾንኩ ብ ፕረሲደንት እሳያስ ኣፈወርቂ ተወኪለ ነዓኺ ንሽግ ሓቂ ኤርትራ ናይ መበል 25 ዓመተ ናጽነት ሽግ ኣብ ከተማ ናቕፋ ብምዉላዕ ናብ መላእ ሃገርና ብምንቅስቓስ ኣብ
    መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ተረኺብኪ ጸብጻብኪ ንዝምልከቶ ኣካል ክተቅቕርቢ ስለዝኮንኪ ዓብይ ሓላፍነት ኣሰኪመ የፋንወኪ ኣለኹ።

    ኣብ ጉዕዞኺ እዚ ቀጺሉ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ከጋጥመኪ ስለዝኽእል ከም ኣመጻጽኡ ግብረመልሲ ክትብሉ ተስፋ ይገብር።

    ህዝቢ ኤርትራ ብዝደመቀ ጓይላን ጣቒዕትን ክቕበሉኽን ከፋንዉኽን እዮም ብፍላይ ኣዴታት ኤርትራ ብዕልልታን ሳዕሲዒትን ምድሪ ከንቀጥቅጠኦ ስለዝኾና ምስአን ክትስዕስዒከለኺ ጥንቕቕ ደኣ በሊ ስራሕኪ ከየረሳዓኺ።

    ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ንሓፋሽ ናይ ምባል ወልፊ ስለዘለዎም ክምስ ምስ ትብልዮም ባህታ ስለዝፈጥረሎምን ናይበሓቂ ናጽነት እዮም ኣምጺእምልና እሎም ንኸኣምኑን ናይ ደቆምን ስድሮኦምን መስዋእቲ ብዘየገድስ ብፍላይ ኣዴታት ዳንኬራ ምህራም ስለዘገድሰን ኣብዚ ጊዜዚ ዓብይ ተራ ንኽትጻወቲ ገፊሕ ጋግ ስለዝኸፍተልክን ንሕና ብወገና ምሉእ ዘይጉዱል ምድላዋትና ኣጻፊፍና ስላዘለና ቅሰኒ።

    ካሊእ ክትጥንቀቅሉ ዘለኪ ነገር እንተሃለወ ኣብ ጉዕዘኺ ብየማነ ጸጋም ማለት ብጸጋማይክን የማናይክን ሸነኽ ንዝነፍስ ንፋስ ብዙሕ ኣይተድህብሉ ምኽያቱ እቲ ዝነፍስ ንፋስ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ካብ ሩሑቕ ገጠራት
    ንዘሎ ሓቂ ተሰኪምዎ ናይ ምጉዓዝ ብቑዕ ሓይሊ ስለዘለዎ ኣእዛንኪ ብምዕጻው ኣይሰምዓካን በልዮ ኢኺ።

    ሽግ ሓቂ ኤርትራ

  • yo March 29, 2016

    Issayas’s current generals are general who does not have conscience and they sold their soul to prolong the Issayas regime for their thrifty benefits and he is using them for his own megalomaniac desires. This is just symbiotic relationship. Scratch my back and I will scratch yours.

    These generals were nationalists at one point. Now they are just suckers. Hero’s like General Okbe Abraha stand for they convictions against the tyranny of Issayas. Issayas and cronies might stay alive and well for some time or even their life time. But they belong to the dust pin of Eritrean history. Their history will be turned to dust while the history of Okbe Abraha and other will shine.

  • Desalegn March 30, 2016

    ኣብ ዓወት ንምብጽሕ ሓቢርካ ምስራሕ

    ዕላማና ንጹር ብምግባር ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ንርከብ እርትራውያን ገጢሙና ንዘሎ ኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ ዘርእና ሙሉእ ብሉእ ክየብረሰ ከሎ በቲ ዝድለ ኣገባብ ገጢምና ክንስዕሮን ሃገርና ኣብ ምርግጋእን ምህናጽን ተሳትፎና ክብ ክብል ካብ ሕጂ ጀሚርና ሓቢርና ክንሰርሕ ክንክእል ኣለና።

    ዝተፈላለያ ውድባት ብምፍጣር ዓወት ክጭበጥ ኣብርእሲ ዘይምኽኣሉ ኣብ ሃገርና ዘኽትሎ ዕንወት ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን ስለዚ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ሰሪዕካ ክስራሓሉ ዘለዎ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ንዝርነብር ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለያ ዉድባትን ንዘሎ ፍልልያት ብምጽባብ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኮረ ስራሕ ክዓማ ይግባእ ። ዝተፈላለያ ውድባት ብምፍጣር ዓወት ክንጭብጥ ኢና ኢሎም ፈንጠርጠር ዝብሉ ዘለዉ ወከልቲ ዉድባት ዝኮኑ ውልቀሰባት ካብ ጊዜ ምብኻን ሓሊፉ ውጽኢት ክህልዎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ናይ የዋህነት እዩ።

    ዝተፈላለያ ውድባት ተፈጢረን በብወገነን ክሰርሓ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከባ ኣለዋ። እዘን ብደርዘን ዝቑጸራ ዉድባት ተፈጢረን ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ዘለዋ ንሃገርና ልምዓት ድየን ክሰርሓስ ወይስ ንሃገርና ጥፍኣት፣

    ኣነ ንዞም ናይ ምዉህሃድን ምጥርናፍን ስራሕ ጀሚርኩም ዘለኹም ሰባት ክብሎ ዝደሊ ነጥብታት አንተሃለወ ከምዚዝስዕብ ይኸውን፤

    1. እትክተልዎ ዕላማ ንጹር ክኸውን ይግባእ
    2. ዝምስረት ዉድብ ካብ ሃይማኖትን ቀቢላታትን ኣውራጃውን ኣረኣእያ ዝረሓቐ ክኸውን ኣለዎ
    3. ጸቢብ ኣረኣእያ ዝበሃል ኣተሓሳስባ ክህሉ ኣይግባእን
    4. ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝሳተፍ ምግባር
    5. ተጋደልቲ ንዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘድሊ ክብሪ ብምሃብን ብምትብባዕን ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ ንኽሳተፍ ምግባር

    • ፈቲና ጸሊእና ሓደ ክንኣምነሉ ዘለና ሓቂ ክነስተውዕል ከምዘለና እየ ቀጺለ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ወዲ ሰብ ስራሕ ክሰርሕ እንተኾይኑ ናይ ምግጋይ ዘሎ ኣጋጣሚታት ብዙሕ እዩ። ክጋገ ዘይኽእል ሰብ ወይ ፍጥረት ዘይሰርሕ ወይ ዘይንቀሳቐስ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ።

    1. ኣማሕዳሪ ኣውራጃ ሰራየን ክምኡውን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኣቶ መስፍን ሓጎስ – ሓያል መስተውዓሊ ዝብሎን ዝገብሮን ዝፈልጥ ረዚን ሰብ። ኣብ 1994 ዓም ኣብ ምምራቕ ዲጋ ሓርነት ኣውራጃ ሰራየ ናይ ገባር መሬት ኣብ ትሕቲ ዲጋ ንዝነበረ ንህዝቢ ይተዓደል ዝብል ትእዛዝ ብፕ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ምስተዋህቦ መሬት ክዕደል እንተኾይኑ ፈለማ ናይ ኣዋጅ መሬት ክተውጽእ እዩ ዘለካ ብምባል ንትእዛዙ ሙሉእ ብሙልእ ክነጽጎ ኪኢሉ። ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ናይ መሬት ሕጊ ዝምልከት ጽቡቕ ኣስተምህሮ ሂቡ ኣብ ዘፋነወሉ እዋን ሃደ ናይ ምስክር ብቕዓት መስፍን ሓጎስ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ክዝንተውሉ ይግባእ።

    2. ኣማሓዳሪ ኣውርጃ ሰራየ ከምኡውን ኣብ ወጻእ ሃገር ከም ዲፕሎማት ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣድሓኖም ገረማርያም ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ምስትውዓልን ቅጽበታውን ትኽክል ዝኾነ ውሳኔ ናይ ምሃብን ብቕዓት ዝተዓደሎ ፍጥረት እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ንተግባራት ኣቶ ኣድሓኖም ገረማርያም ኣብ መላእ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ 1993/94 ኣብ ናይ ልምዓት ስራሓት ተገይሩ ንዝነበረ ሃያለ ናይ ምጥፍፋእ ስራሓት ብኣግኡ ከፍሽሎ ክእሉ እዩ። ሓቅን ኣድሓኖም ገረማርያምን መኻይዲ ዘይኾናሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን እለ እኣምን።

    ብዛዕባ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ንምንታይ ክዝረብ ተደልዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ናይ ግድን ይመስለኒ። ኣነ ብወገነይ ንዞም ጠቒሰዮም ዘለኹ ሰባት ኩሉ ንዝተባህለን ዝተወርየን ክይጸብጸብኩም ኣብዚ ተውጢኑ ዘሎ ሓበራዊ ቓልሲ ኣንጻር ህግደፍ ሙሉእ ተሳትፎኾም ንኽትገብሩን ሃገርን ህዝብን ካብ ዕንወት ክተድሕኑን ናይ ህዝቢ ሃላፍነት ተሰኪምኩም ክትሰርሑ ከምዘለኩም ኣብ ግምት ብምእታው እንተሰራሕኩም ዝሓሸ እዩ ዝብል ሪኢቶ ስለዘለኒ ነዚ ሰናይ ተግባርዚ ክትቅበልዎ ተስፋ ይገብር።

    ሰላምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ

POST A COMMENT