Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መደረ ኢሳያስ፡ ዓይኒ ዘይብልካ መረጼን ዓይኒ ምእዛዝ’ዩ

ስርዓት ህግደፍን ንሱ ዝቆጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን ዝእለም ተንኮላትን ሽሕጣንን ኣቃልቦን መልስን ምሃብ፡ ክብሪ ይስምዖ ይኸውን። መንቀሊ ጽሑፈይ ግን ነቲ ልሙድ ሓሶታትን ኣሽካዕላልን ህግደፍ ንምቅላዕ ዘይኮነ ነተን ብሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብግርህና ወይ ቅድመ መጻወድያ ንምድላው

ስርዓት ህግደፍን ንሱ ዝቆጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን ዝእለም ተንኮላትን ሽሕጣንን ኣቃልቦን መልስን ምሃብ፡ ክብሪ ይስምዖ ይኸውን።

መንቀሊ ጽሑፈይ ግን ነቲ ልሙድ ሓሶታትን ኣሽካዕላልን ህግደፍ ንምቅላዕ ዘይኮነ ነተን ብሃጸይ ኢሳያስ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብግርህና ወይ ቅድመ መጻወድያ ንምድላው በጨቅ ዝብላ ሓቅታት መብርሂ ንምሃብ’ዩ። ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24፡ ሃጸይ ኢሳያስ ካብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ንሕመረትን ሕላገትን ህግደፍ ተንጸባርቅ ግን ከኣ ኣብ መወዳእታ፡ ሃጸይ ኢሳያስ ብሸፈፍታን ብመዘኻኸርን ኣቋሲሉ ዝሓለፋ ነጥቢ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብልሽውናን ሕጊ ኣልቦ ስርዓትን ነጊሱ ከምዘሎ ምእማኑ’ዩ። ሃጸይ ኢሳያስ፡ “… ናይ ውሑዳት ኣዋቃቃዕትን ብኩላት ሓለፍትን ባህርያት ንዘይከኣል ክትርበጽ ከይደኸምካን ከይጽዓትካን ኣብ ዘይጭበጥ ራህዋን ሃብትን ክትዓርግ ምህቃን ናይ ስርቅን ምውቅቃዕን ብልሽውናን ሃውቲቱ ንገደል ስለዝወስድ ትኩርነትን መኸተን ዝሓትት’ዩ’’ ኢሉ። ንሰላሕታዊ ኣከያይዳን ረቂቕ ምድንጋርን ሃጸይ ኢሳያስ ዘይፈልጥ ሰብ፡ እቲ መግለጺ ሓቅን ካብ ሓልዮት ህዝብን ዝነቀለ ክመስሎ ይኽእል ይኸውን። ንዝበዛሕና ዜጋታት ግን፡ ዘቁጸልጽል መደረ ሃጸይ ኢሳያስ፡ “ዝብእስያ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ኢዩ። ምኽንያቱ ጉቦን ብልሽውናን ኣብ ህግደፍ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘይኮነ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ፡ ከም ሕዱር ሕማምን ኣብ መትንታት ደም’ቲ ስርዓት ዝሰረተን መርኣያ ምልካውነቱን’ዩ። ሃጸይ ኢሳያስ ብዛዕባ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ንገለ ሓለፍቲ ክውንጅል እንከሎ ድማ ንሱ ንባዕሉ ቀዳማይ ተሓታትን ርእሰ መምህር ናይቶም መጠፋፋእትን ምዃኑ ዘንጊዑ’ሎ። ቀንዲ ዕላማ ሃጸይ ኢሳያስ ግን፡ ብጉልባብ ጉቦን ምጥፍፋእን ተቃወምቱ ንምእሳርን ንምጭፍላቅን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህግደፍ ዝመሓደር መናሃርያ ቅጥፈትን ምጥፍፋእን ዝኾነ ቁጠባዊ ትካላትን ንግድን ኣበራቱ ካብ ህዝቢ ንምሕባእ’ዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዓምጺጹ ኣብ ጁባ ውሑዳት ዝኣቱ ገንዘብ ንምኽዕባት ብስም ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ወይ 09 ኣብ መፋርቅ 90’ታት ተራእዩ ዝተባህለ ምጥፍፋእን ስርቅን ንምቅላዕን ንምቁጽጻር፡ ሃጸይ ኢሳያስ ንይምሰል ሰሚናራት ኣካይዱን ፍሉይ ቤትፍርዲ ብምምስራት ብዙሓት ሰባት ኣሲሩን። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ስርቅን ጉቦን ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተኣስሩን ካብ መዝነቶም ዝተባረሩን ኣባላት 09፡ ቀንዲ የማናይ ኢድ ሃጸይ ኢሳያስ ዝነበሩን ባዕሉ መምርሒ ሂቡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ህዝቢ ዘይፈልጦ ዘይሕጋዊ ንግዲ ከከይዱ ዘዋፈሮም ኢዮም። ቀሊል ኣብነት ንምጥቃስ፡ ነስረዲን ዓሊ በኺት(ወዲ በኺት)፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 09 ደረት ዘይብሉ ስልጣን ዝነበሮን ተቆጻጻሪ ዘይብሉ ሚልዮናት ዶላር ተሰኪሙ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝንቀሳቀስ ዝነበረ እሙን ሃጸይ ኢሳያስን ሓጎስ ገብሪሂውትን’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ 09 ተኸሲቱ ዝተባህለ ብልሽውና፡ ወዲ በኺት ንውሱን እዋን ተኣሲሩ’ኳ እንተነበረ፡ ሃጸይ ኢሳያስ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብማእሰርትን ምድስካልን ምስሸረቦም፡ እቲ ብብልሽወና ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ በኺት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ጁባታት ሓለፍቲ ህግደፍ ዳግማይ ከህጥር፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ስለዚ ሃጸይ ኢሳያስ ንባዕሉ ብሕጊ ዘይግዛእ፡ ፋሉል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ መራሒ ስለዝኾነ፡ ንዘይውክሎ ህዝቢ ጎቦን ብልሽውናን ተቃለስ ኢልካ ኣብ መዓልቲ ናጽነት መዘኻኸሪ ምሃብ፡ ንኻልኦት ሓላፍነት ምስካምን ንባዕልኻ ካብ ተሓታትነት ንምህዳን’ዩ። ዋላ’ኳ እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ መዓልታዊ ጉዳያቱን ጸገማቱን ብሕጊ ክረኽቦን ክምለሰሉን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንኸብዱ ቁራስ እንጀራ ዘይረኸበ ንሓለፍቲ ህግደፍን ጀነራላትን ጉቦ ክህብ ዓቅሚ የብሉን። ምስቲ ስርዓት ጥቡቅ ምትእስሳር ዘለዎም ገለ ስሱዓት ኤርትራውያን ግን ንነጋዶ ህግደፍን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ኣሽሓት ጥረ ገንዘብን ብዓይነትን ብላዕ ብምሃብ፡ ንብረትን ሰብን ኣብ ውሽጥን ወጸእን ብዘይሕጊ ብምውንጫፍን ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዝማትን፡ ብኣቋርጭ ይህብትሙ ከምዘለዉ ካብ ሃጸይ ኢሳያስ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብፍላይ ነቶም ንለውጢ ፍኒሕኒሕ ክብሉ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ዝጥርጥሮምን ተማእዘዝቱን ወልቀሰባትን ጉጅለታትን፡ ሃጸይ ኢሳያስ፡ ዝተመርጻ መኻይን፡ ዝበለጸ መንበሪ ኣባይትን ነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከምዝወሃቦም፡ ኣብ ትካላት ህግደፍ ሽርክነት ከምዝኣትዉን ተራ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ።  ስለዚ፡ ሃጸይ ኢሳያስ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት፡ ጉቦን ምጥፍፋእን ገኒኑ ከምዘሎን ትኩርነት ክንገረሉ ክምሕጸነና እንከሎን፡ ንሱ ንጹህ ከም ጲላጦስ ክመስልን በቲ ካልእ ድማ ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ ጉቦን ምጥፍፋእን ዘዋፈሮም ሰባት ምእዛዝ ምስ ኣበይዎን ምስጸገቦምን ተሞኽልዩ ጸለሎ ንምቅባእ ዝጥቀመሉ ስዉርን ሕሱርን ብልሓት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ መን መርዓት ምስበለክን ትኩሓላ ከምዝብሃል፡ ዝወከሎን ዝመረጾን መንግስቲ ስለዘይብሉ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክቆጻጸር ዓቅምን ስልጣንን የብሉን። ንምንታይ’ሲ፡ ዓይኒ ዘይብልካ መረጼን ዓይኒ ኣይትእዝዝን ኢኻ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ግንቦት 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Stefanos Temolso May 28, 2015

    ኣየ ኢሰያስ! ሓድሽ ዓመት መጽአ፡ በዓል ባርነት መጽአ ከምኣ ኢሉ መስሓቕ ሰብ ዝኾነ ዘረባታት ከስምዕ ተኺኹ። በሉ’ስኪ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና መዓስ ከም ዝጀመረ ኣይፈልጥን ነይሩ ማለት ድዩ? ሕጂ ንገለ ብልሹው ፖሊሲኡ ዝቃወሙ መራሕቲ ረኺቡ ግዲ ኮይኑ ክኣስሮም ስለ ዝደለየ እዩ። ገለ ሰባትውን ድሮ ናይ ዝእሰሩ ዝርዝር ስም ወጺኡ ኣሎ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ 1995 ክምድር ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ኩባያ ሻሂ ወላ እንተ ኣስትዩካ ጉቦ እያ ትሕሰብ፡” ከም ዘይበለ ክልተ መካይን ካብ መራሒ ኩወይት ክቕበል ኣይሓፈረን። ትካል 09 (ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ) ጻዕዳ ጣፍ ካብ ኢትዮጵያ፡ 42 ኢንች ዪቪ ድማ ካብ በዓል ስዑዲ ንገዝኡ ከም ዝተጓረተ ንፈልጥ ኢና። ድሒሩ ኣባላት 09 ይተእሰሩ ምስ በለ፡ ንብዙሓት ሓለፍቲ ጉንዖ ከም ዝሃቡ ምስ ተነግሮ፡ “እቲ ዋጋ ተሸኒኑ ይቕረብሞ ነፍስወከፍ ሓላፊ ነቲ ገንዘብ ይኽፈሎ” ዝብል ውሳኔ ሂቡ። ነቲ ዝርዝር ኣስማት ምስ ኣቕረቡሉ ግን ስሙ ኣብኡ ጸኒሑ። ሽዑ እታ ዘረባ ተረሲዓ ንብለኩም። እዚ ኣብ 1997 ዘጋጠመ ጕዳይ እዩ። ኢሰያስ ብምስሉይነት ዝተባዕጠ፡ ዒራ ዝሓተኒ የብለይን ኢሉ ድላዩ ዝዛረብ ሓደ ዘሪጋ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ተጋደልቲ መሲሉዎም ንነዊሕ ዓመታት ተሰኪሞሞ ነይሮም። ሕጂ ግን ባዕሉ ከይተረፈ ነገር ፋሕ የብሎ ኣሎ። ቀሪቡ እዩ ኣጆካትኩም።

  • nebelbal7@gmail.com May 28, 2015

    ኣነ ኢሰያስ ኣፈወርቒ፡ ሓልይ ህዝቢ>>>ጡብ ዝበለት ማይ ከዕቝር ዳስ ተኪለ ኣብ ዓዲ..ይውዕል፣ መሳርሕተይን ከኣ ብኣቛራጭ ክህብትሙ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።
    ኦ ህዝቢ ኤረትራ! ኣብ ውሽጥን ወጽእን ዘሎኻ እዝስ ኣይጋዶንዶ! ኦ ህዝበይ ጋዶ’ምበር ትብል እንተኾንካ ከማይ በል ሽግረይ ተረዳኣለይ። እንኮ ኢድ ኾይነ ጸጊሙኒ። ሎሚ ግን ከም ቀደም ከይመስለኹም ከጽርዮም እየ። ንህዝበይ ዘይከውን ዓቅሚ የብለይን። እቲ ሕጸ ተወዲኡ እዩ፡ መርዓ ጥራሕ እዩ ተሪፉ ፤ ንሱ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ።
    ክንደይ ሰብ ኮን ይከውን ሎሚ’ውን እንታይ ዘይገበረ >>> መሳርሕቲ ሲኢኑ ኢሉ ዘጉረምረመ?
    ንሱ እንታይ ጌሩ?
    ዝገበረን፡ ዝገብር ዘሎን ህዝቢ ኤረትራ ።

  • A H May 28, 2015

    ኢሳያስ ከም ዕቡድ ከልቢ ፊን ፊን ክብል ኣብቲ ጽንብል ባርነት ዘዳለዎ ድራማ፡ ሰለስተ ሻብ ከም ጵጥሮስ ክብህርር ተዓዚበዮ፡-

    1፡- ብዛዕባ ኮራኩሩ ኣብ ብልሽውና ተሸሚሞም
    ምስ በለ፡ እህም ዘባህሎ ምስ ሰኣነ ክገንሕ
    ከሎ

    2፥- መንእሰይ ማንጁስ ዝረኸበቶ መሲሉዋ
    ብኽሳዱ ዓትዒታ ንታሕቲ ገጻ ነቒታ ክትስዕሞ
    ምስ ፈተነት ዘርኣዮ ብህራረ፡ ጠፋእኩ
    ዘምስል ዘርእዮ ናይ ሃለውሳን ራዕድን ምልክት

    3:- ድምጺ ግዲ ሰሚዑ፡ ንሰማይ ከቓሙት ማለቱ
    መን ኣዚዙወን ክበራ፡ ኣይኣገድኩወንንዶ መንዩ
    ኣብሪሩወን፡ በዓል ሃብተጽዮን ወይስ ፓይሎትዶ
    ተሰማሚዖም፡ ናበይ ገጸን’ከየን ዝበራ ዘለዋ
    ንኽፈልጥ ንየማነ ጸጋም ቁሊሕልሕ ክብል
    ናይብሓቂ ምስተዓዘብኩ፡ ንወያነ ዝበሎም ኣብ ካልኣይ ወራር ቅጅል በለኒ፡-

    ወያነ ኣብ ጥራሕ ገረወይና’ዮም ድምጺ ዘቃልሑ ወይ ዘስምዑ ዘለዉ ዘኪረ እዚ’ለ ክምልሰሉ እደፍር፡-
    ኤሱ፡ ቅሰን፡ ክሳብ ዝኣኽለካ (ዓንቀርካ)ብርሰትካ ሸሚትካ ስለ ዘለኻ(ግደይ ጝል ኣለማዮ ተወከሱ)፡ ኣክይዳኻ(ኣተሃዳድማኻ) የጸብቐልካ፡ እተ ዘኣዘዝካያ ተኩስ ክትቀትል ዝብል ታእዛዝ ንዋርሳይ እከኣሎ፡ ሕጂውን ጥይት ዋርሳይ እከኣሎ ከይትረኽበካ፡ ንሙኻኑ ኢድካያ፡ይፍጠረልካ።

  • rezen May 28, 2015

    To add more than to what others wrote above is superfluous. Still let me throw the following out of my chest.

    Here I go! I said it ‘hundred’ times’. One more time doesn’t hurt: Issayas Afewerki Abraha knows the SOUL of Eritrea more than anyone else. He is doing what HE WANTED to do and he knows nobody would be in front of him. He came out of a university as a first-year college drop-out; joined the Eritrean struggle; became self-appointed President of Eritrea and Master of three to five million people. We idolized him; we fall on his ‘door steps’ for a crumb of attention; we protected him as a precious son, as a brother, as a friend, as a protector. But alas we run away from HIM as far as possible. We never knew the inner devilish character in HIM >>>>even the most highly educated Eritrean, renowned for their analytical minds, didn’t have a clue of who Issayas was. Once again, that is the sordid and sad story of Eritrea. But, Eritreans never experienced, in their entire history, the level of cruelty that is unleashed over the blind followers, that we are, by Issayas Afewerki Abraha.

    Issayas has been on the helm for twenty-four years and Eritreans celebrated the 24th year of domination under HIM. His speech to the Eritrean people, inside and outside the country, was not only a sham as usual but outright insult to the intelligence of the Eritrean people. The depth of Issayas’ ንዕቀት over the Eritrean people has no limit. It is like revenge.

    Now, the crucial question is this: “what should Eritreans do?” Shouldn’t we get together and plan for a solution rather than bickering about parochial matters–fragmented into eighty pieces. Please let us not sing ad nausea the song of: “Brotherhood & Unity Among Eritreans”! Issayas would be laughing to death at us! On second thought… hmmm…that sounds like the Prince who died laughing because a palace jester told him a funny story! THE END

    • Amanuel May 28, 2015

      Great!!!

    • mm May 30, 2015

      Dear Rezen
      Let us take our struggle to the next level. let us form a government in exile. Let us challenge him in the courts, he has no mandate,he has no legal grounds to fight. pls. all of us in diaspora has to do this to help to the struggle that is going inside the country. We can do this and we don’t need to be united, it is the struggle for democratic rights,we all don’t have to agree as this stage. National unity will come once we do this.

  • yo man May 28, 2015

    mr. president , you seem that smurginbar U.E.D.F also gave a worning too, you are not far from reach and your time is numbered. just wait. action speaks better than words. you fight fire with fire.

  • ertra n ertrawyan May 28, 2015

    He, the dictator has spoke two messages to the eritrean people.
    1. He is telling the people that i am the one who loves you not the oppositions so please eritrean people acknowledge me as your leader until the end of my life.
    2. He is going to kill or put in prison many Eritrean heroes who are opposing his dictatorship under the cover of Corruption.

  • dan May 28, 2015

    ከም ኢሰያስ ኣብዛ ዓለም ዓሻ ሰብ ይህሉዶ ይኽውን
    ብዙሓት ውልቀመለኽቲ ርኢና እሞ ግን ኣይ ከም ኢሳያስን
    ንኣብነት ንምጥቃስ ከም ብዓል ሳዳም ጋዳፊ ፊደል ካስትሮ
    መንግስቱ ወዘተ እዚኣቶም ዋላ ውልቀመለኽቲ ይኹኑ እምበር ሃገራውያን ኢዮም ኔሮም ኢሰያስ ግን ንህዝቢ
    ንኤርትራ ብፍላይ መንእሰይ ዝእሰር ኣሲሩ ዝባረር ኣባሪሩ
    ሃገር ኣይትብላዕ ኣይትስተ ጌሩዋሎ ሕጂ ግን ወዲ መድሂነይ ተገጢምካ ኣለኻሞ ብክብረትካዶ ዓድና ምገደፍካልና እምበር ምሕደራኻስ ርኢናዮ ኣልና ኣይፋል እንተበልካ ድማ ከምታ ናይ ኣያኻ ጋዳፊ ኣማውታኻ ኣማውታ ከልቢ ከይትኸውን እዚ ወድሓንካ።

  • dan May 28, 2015

    isaias go back to home town tembien

    • debesay May 28, 2015

      Dan on how could u bring justis and peace to our people if u talking unwanted words ,by saying tembenay why u bring generation and ethinic issue here.we hate isayas becouse of his action not cos of his genetic.he is eritrean by birth.look how the country u live respect ur rights like their citizen.if u say words like this ,u have to think also the country u live will say u go back to ur country tight now.so we want creat free eritrea for all people can respect human rights and make eguality .

  • debesay May 28, 2015

    Dan on how could u bring justis and peace to our people if u talking unwanted words ,by saying tembenay why u bring generation and ethinic issue here.we hate isayas becouse of his action not cos of his genetic.he is eritrean by birth.look how the country u live respect ur rights like their citizen.if u say words like this ,u have to think also the country u live will say u go back to ur country tight now.so we want creat free eritrea for all people can respect human rights and make eguality .

  • debesay May 28, 2015

    I am so wonder when people say and concider isayas as floosh.u wrong we are floosh people who believe everthing with out investigation.isayas knows what to do ,he knows what u think ,thats why he can stay still now in power .this makes him hero becouse one man can play of all 5 million people .while u dance he think how can he steal ur money.he knows u are emostionalist people and he knows u ,you like dancing.but he thinks how he can extend his power time.u flee leaving ur son,wife and mother behind, but he doesnt leave his power .he is happy when u leave him inorder to mantian his power.he plan how to attack u before he speak ,but u speak before u make action .then he knows how to protect and defend u.u dance by the old patriotic music (nay gedli music) at peace full time ,but he lisen moderin music and living in modern life.isayas hates smart and educated people for not compute him in power ,but u hate educated and smart people becouse isayas told u.i dont beieve u those who are complianing now about isayas u hate him becouse he bite u after time.u were his most trustfull people and protected him when he was killing many smart and educated people.so tell me who is floosh eritrean people or isayas?

POST A COMMENT