Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መደበር ዜና ቢቢሲ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓጺርን ማአከላይን ማዕበል ፈነወ ራድዮ ንምትእትታው ንድፊ ውጥን ከምዘቕረበ ገሊጹ።

መደበር ዜና ቢቢሲ ብቋንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓጺርን ማአከላይን ማዕበል ፈነወ ራድዮ ንምትእትታው ንድፊ ውጥን ከምዘቕረበ ገሊጹ። እቲ እንተላይ ናብ ራሻን ሰሜን ኮርያን ውን ተመሳሳሊ ውጥን ነዲፉ ዘሎ ብዓለም ደረጃ ህቡብ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣

መደበር ዜና ቢቢሲ ብቋንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓጺርን ማአከላይን ማዕበል ፈነወ ራድዮ ንምትእትታው ንድፊ ውጥን ከምዘቕረበ ገሊጹ።

እቲ እንተላይ ናብ ራሻን ሰሜን ኮርያን ውን ተመሳሳሊ ውጥን ነዲፉ ዘሎ ብዓለም ደረጃ ህቡብ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ “ ኣብ ገለ ኩርናዓት ዓለም ዘይሻራዊ ዜና ኣብ ምዝርጋሕ ንዘሎ ዲሞክራስያዊ ሕጽረት ንምምላእ” ዝሓንጸጾ መደብ ምዃኑ ‘ውን ኣገንዚቡ።

ነቲ መግለጺ ዝሃበ ሓላፊ ቢቢሲ Tony Hall ኣብ ርእሲ ‘ዚ ኣብታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ዕዳጋታት ቢቢሲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ናይጀርያ ዘለዎ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት ክብ ከምዘብሎ ‘ውን ኣሚቱ።

እዚ ከም ኣካል ናይቲ ቢቢሲ ምስ መንግስቲ ብዛዕባ መጻኢኡ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምይይጥ ዝቐረበ ንድፊ፣ ቅድሚ ምትግባሩ ብመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ክጸድቕ ዘለዎ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Daniel September 16, 2015

    I wish the British congress will not approve the so called Bogus media “BBC”. Because, this media like other medias (CNN, ABC, Fox, Aljezira,etc…) is the key instrument of those master mind who rules our planet (Zionists).

POST A COMMENT