Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድሃኒት ዝሰኣነ ሕማም ።

ክሉኹም ብሃገርኩምን ብህዝቡኹምን እትግደሱ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኢሰያስ ንምጥፋእ ሃገርናን ንምብራስ ህዝብናን ካብ ዝብገስ መዋእል ኮይኑ እንርእዮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ንሕና ግን እናፈለጥናዮ ወይ እናረኣናዮ ኣብ ተኣኪብና፡ ተበቲና ፡ ኣኸባ ጌርና ፡ ብጽቡቕ ደምዲምና ክበሃል፡ ቀለሙ ከይነቐጸ

ክሉኹም ብሃገርኩምን ብህዝቡኹምን እትግደሱ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኢሰያስ ንምጥፋእ ሃገርናን ንምብራስ ህዝብናን ካብ ዝብገስ መዋእል ኮይኑ እንርእዮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ንሕና ግን እናፈለጥናዮ ወይ እናረኣናዮ ኣብ ተኣኪብና፡ ተበቲና ፡ ኣኸባ ጌርና ፡ ብጽቡቕ ደምዲምና ክበሃል፡ ቀለሙ ከይነቐጸ ናብ ሓዲሽ ሓሸውየ ክንምለስ መዋእል ኮይኑ።

ማዕረማዕርኡ ድማ ሃገርና ክጠፍእን ህዝብና ክበርስን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ከኣ ብዓዲ ኣይጠዓሞ ፡ ብስደት ኣይጠዓሞ፡ ኣብ ንብዓት ባሕሪ ይሕንብስ ኣሎ። ንኣብነት ካብ ብዙሓት ሓንቲ እታ ብ 25 ለካቲት፡ ኣብ ሸጋራይብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን፡ ግፍዒ ካብተን ዝሓለፋን ዘለዋን ኮይና ፡ ነዚ ኵሉ ብኽያትን ኣውያትን ብ ኣሰና ዳት ኮም ክመሓላለፍ ክትሰምዖ ከለኻ ንሕልና ዘለዎ ኤሪትራዊት ወይ ኤሪትራዊ ዘደቅስ ኣይኮነን። ንምፍትሑ እውን እኹል ዓቕሚ ኣሎና፡ እንተኾነ ግን፡ ደምበ ተቛውሞ ሕድገት ገይሩ ፡ንህልኽን ቅርሕንትን ወጊዱ ፡ ተጠርኒፉ ፡ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዘይምብጋሱ ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ መንእሰያትና ከም ኣጣል ተወጢጦም፡ ዕዳጋ ወሪዶም ፡ ብሂወቶም ናውቲ ኣካላቶም እናተጠብሐ ብምሻጥ ፡ ምንጭ እቶት ህግደፋውያንን ፡ራሻይዳን ፡ ናይደገ ተሓባበርቶምን ክኾኑ እናረኣና ፡ ነንሕድሕድና ክንመናጨት እነሆ መዋእል ኮይኑ። ብታሪኽ ድማ ዘሕትተና ኢዩ።ሕጂ ግን ነቲ ብዕስራን ሓደን ጥሪ ዝጀመረ ስርሒት ፎርቶ መገዲ ፍታሕ ህዝብና ስለ ዝኾነ፡ ብሓባር ንመርሽ። ዓመት 2013 ድማ ዓመት ቅሳነትን ራህዋን ንግበራ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ንሳ ኢያ መቦቆልናን ክብርናን። ነቶም ንክብረትናን ክብረት ሃገርናን ዝሓለፉ ስውኣትና ሕድርኹም ኣይጠለምናን ቅሰኑ ንበሎም።

ተለዓል ብሓባር ኣሐድሶ ወንኻ፡

ኣኽብር ስውኣትና ሕድሪ ዝበሉኻ፡

ንኾንቱ ኣይሓለፉን እንበር  ንዓኻ ንህዝብኻ፡

ንምንታይ ደኣ ብድሕሪኦም ተፈቲሑ ስረኻ፡

ብዓሌት ድዩ ብሃይማኖት ጸልየሙኻ፡

እዚኣ ግን ድኽመት ኢያ መደንዘዝ ሕልናኻ፡

መሳርሒ ህግደፍ ኣይትኹን በጃኻ፡

ንሶም ሰብመደብ ኢዮም ከጥፍኡኻ፡

ተለዓል ደኣ ቀስቅስ ወንኻ ፡

ኣሎኹ በሎም ኣድሕኖም ህዝብኻ፡

ወጊድ በሎም ንኸዳዓት፡

ምጥፋእቲ ህዝቢ ናይ ሃገር መንደዓት፡

ፍርዶም ክትህቦም ኣብ ቅርዓት፡

መዓልቶም ክተሕጽሮ ንስሱዓት፡

ወዲ ዓሊ ዝጀመራ ሰዓት፡

ንኽትሕንስሶ ናይ ህዝብኻ ንብዓት፡

ሕጂስ ተበራበር ደኣ ኣኺሉ ኢዩ ሰዓት።

 

ካብ መኰነን ፍስሃየ

ከነክቲከት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ኣምበሳ እቶን March 21, 2013

    ¨ንምንታይ ደኣ ብድሕሪኦም ተፈቲሑ ስረኻ፡
    ብዓሌት ድዩ ብሃይማኖት ጸልየሙኻ፡
    እዚኣ ግን ድኽመት ኢያ መደንዘዝ ሕልናኻ፡ ¨???

    ሕማቕ ኣይኮነን ቅቡል´ዩ ሕቶኻ
    ስረ ምፍታሕ ኣይኮነን ዓደይ ዓድኻ
    ውግእ´ዩ ሰልችዩና ደኺምና ሓሻኻ።

    እቲ ገድሊ ኢሎም ዝሓሰዉሉ ቃልሲ
    ንዓቢ ተረዲእዎ ከም ዝነበረ ናይ ሓሶት ፈሲ
    ንእሽተይ ኣብ ድፋዕ ተቐይሩ ኣብ ፈላሲ
    ኩቦ ደርቢልናላ ክንመጽእ ን ዲሲ (DC)
    ቪዛ ስደዱልና ዌልፌር (welfare)መቋደሲ
    ኣይንዋጋእ ኣይንቃለስ መሊሱ ደቛሲ
    ኬናቲኬት ይሓይሽ በሊዕካ መሄረሲ !!!

  • Dubarwa March 22, 2013

    Dear Respected Reader
    መድሓኒት ኣይተስኣነን ዝተሰኣነ ነቲ መድሓኒት ብዝግባእ ተረዲእካ ተርጊምካ ዘይምጥቃምን ዘይምክትታልን ኢዩ ስለዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰላምን ምዕባለን ንክፍጠር ናይ ፈለማ ዕዮ ገዛና ክከውን ዝግብኦ ንሕና እንታይነት ማለት እንታይ ኔርና ንምንታይ ተቃሊስና መን ኣቃሊሱና እንታይ ብዶሆታት ኣጋጠሞምና እንታይ ውፅኢት ረኪብና ንምንታይ ከምዚ ኮይና ንቀፃሊ እንታይ ክንክውን ኣለና እንታይ ከጋጥመና ይክእል ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ዘሎና ኩነታት ዳህሳስ የድሊ ብዛዓበየ ክንኣልዮ ዘለና ዓቢ ሕፅረት ትምክሕቲን ፀቢብነትን እዩ ካሊእ ምስ ኣሕዋትና ኢትዮፐያውያን ሱዳናዊያን ዱቡቲ ወዘተ ስጡም ርክብ ምትሕልላይን ክንፈጥር ከምሽጣራካ ምንባር ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣታሓሳስባ ስለዝኮነ ከነወግድ ኣሎና ኣብ ኤርትራ ቅድም ክብል እቲ ዝበሰለ ፈላጥ ዝባሃል ወዲ ሽቅ ፅዋለ ኣዝዩ ብሱል ኣታሓሳስባን ሓልዮትን ስለዝነበሮ ኢዩ ዝዝረበሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብ ኣዛራርባ ጥራሕ ዕዋል ዝምስል ኣብ ተግባር ግን ፋራ ዝኮነ መሪሕ ወኒንና አሎና ስለዚ ምትዕራቅ ምርድዳእ ምትሕልላይ ዝዓሰሎ ሰላም ልምዓት ንክፍጠር ክንሰርሕ ኣሎና ኣጀንዳና ውራይና ናይ ባዕልና ጥራሕ ኢዩ እዚ ዳስ ዘማዕርጎ ድማ ንቁሕ ኣሳታፈይነት ሕዝብታት ኤርተራ ብዛይ ኣፈላለይን ክንፅዕረሉ ንክእልን ዓቅሚን ኣሎና
    Modernization is the best policy in any environmental peace is the pillar for all. when we are thinking on governance, it is very difficult to remind the old or the new leadership in both nations and we have also an experience with so many good and bad events. Although they have a great influence on their own people to be destructive or genuineness. The problem was the hidden agenda of few leaders and intervention of foreign nations, which was not clear for the honest member of the society. Society at large to be honest is influenced by the committed or visionary leadership. so it is very difficult to judge the people of Ethiopia and Eritrea as an enemy in general. taking this into consideration I believe that it was worst events on both side to rise some sensitive cases when the ‘degue’ military regime fails in Eritrea so many honest Ethiopian who were just residing for more-than 50 years with out any tangible evidence and with out any of their own wealth, they were deliveretly forced to fire from the nation. this is the most stupid event of the era for both society which is not seen in the world specially although they were not migrant being migrant is typical culture and model duty of an Eritrean in the world even at Mars . In the Ethiopian side just thinking that Eritrean who are reside on Ethiopia are assumed and expected in side with government that they were organized to create fragmented Ethiopia internally. with such assumption it was forced to fire from the country but the governor of Ethiopia was make an excuse for such event it was not delivertly. This needs to appreciate if leadership learns from their own mistake it is good. That is why nowadays Eritreans they have an opportunity to have scholars and foreign chances and they are also engaged in their own business without any problem in Ethiopia, just taking this into consideration it is advisable to forget and to take lesson learned with the bad old history of both leadership. We are expected to come up with the good future for both of us. Just we have to ignore the bad events of the leadership on both nations
    God bless Eritrea.

  • Abu Ameen Mahmoud March 22, 2013

    Dear Mekonnen
    Martyr Wadi Ali is a member of the vanguard Nationalysts that represents the Goals & Objectives
    of the Eritrean Peaple in constructing governance of Law,Democracy,Equality & Justice
    in Eritrea.

    Abu Ameen

POST A COMMENT