Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድረኻውያን ህዝቢ ንምድሓንዶ ንስልጣን፧

ገለ ሰባት "ንሰብ ከይሞተ ኣይትእመኖ" ክብሉ  ሰሚዔ ኣሎኹ። ከምኡ መበሊኦም ምኽንያት ሰባት ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ መርገጺኦምን ኣተሓሳስበኦም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያየር ስለ ዝኽእል ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ኣተሓሳስብኡ ክቕይር ወይ ኣብታ ዝበላ ነቒጹ ክጸንዕ መሰሉ

ገለ ሰባት “ንሰብ ከይሞተ ኣይትእመኖ” ክብሉ  ሰሚዔ ኣሎኹ። ከምኡ መበሊኦም ምኽንያት ሰባት ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ መርገጺኦምን ኣተሓሳስበኦም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያየር ስለ ዝኽእል ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ኣተሓሳስብኡ ክቕይር ወይ ኣብታ ዝበላ ነቒጹ ክጸንዕ መሰሉ ኢዩ፥ ይኹን እምበር፥ ኣብ ሓጺር እዋን 360 ዲግሪ ተቐይሩ ናብቲ ዝቃወሞ ዝነበረ ነገር መጺኡ ክትርእዮ ከለኻ ዝገርም ጥራይ ዘይኮነስ ሕቶ ዝፈጥርን “ሕጂ ደኣ እንታይ ተረክበ”፧ ዘይብልን ኣይኮነን።  እዚ ሕጂ ኣብ መድረኻውያን ካበይ ናበይ፧ ንምንታይ ዓላማ፧ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህቡ ግድነት ኢዩ።  መድረኻውያን ኣብ ዕቤቶም ስለ ዝኾነ ደኣ ነዚ ናይ ቴክኖሎጂ ነገር ኣየስተብህልሉን ይህልዉ እምበር፡ ሎሚ ሳላ ቴክኖሎጂ ኣሽንኳይዶ ኣብ ፖለቲካ ነጢፍካ እሞ መርገጺኻ ሓቢእካ ክትከይድ፥ ዝተመሳሕካዮን ዝተደረርካዮን ከይተረፈ ክትሓብኣሉ ኣብዘይትኽእለሉ ቃልዕ ዘመን በጺሕና ኸምዘሎና እንተዝፈልጡ ጽቡቕ ነይሩ።

እዞም ንኢትዮጵያ ከም ጸላኢት ሃገር ወሲዶም ዝጽየፍዋ ዝነበሩ፥ ነቶም ቤትጽሕፈቶም ኣብ ኢትዮጵያ ገይሮም ንኢትዮጵያ  መንጠሪት ቦታና ኢሎም ንዘኣምኑ ተቓወምቲ ውድባት፥ ዘናሽዉን ዝወራዘዩን ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነ መሳርሒ ናይ ስርዓት ኢትዮጵያ ኢዮም ብምባል ዝውንጅሉ ዝነበሩ፥ ኣኼባኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንኸይገብሩ  ንኣባላት ኪዳንን ባይቶን ከይተረፈ ኣስዲዖም ኣብ ከንያ ኣኼባኦም ዘሰላሰሉ መድረኽ፥  ሎሚ እንታይ ተረኽበ ብሕጓ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዛተዩ ዝተገደዱ፧

ከም ንመሰል ዝቃለስ ሰብ መጠን፥ ኣብ መሰል ካልኦት ኣትየ ርእይቶ ክህብን ክውስንን ኣሎኒ ዝብል እምነት  ስለዘይብለይ፥ መድረኻውያን ከምቲ ኣብ ከንያ ከይዶም ኣኼባ ዝገበሩ፥  ኣብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እውን መሰሎም ብምዃኑ፥ ንምንታይ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ንምንታይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ዝብል ሕቶ ከልዕል መሰል የብለይን።  እቲ ሕቶ ግን ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ እናዳበልካ ክትከይድ ስለዘይከኣል እዞም ንዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ እናበደሉ ዝመጹ ክነሶም ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ግን ንህዝቢ ይቕረ ዘይሓተቱ እንታይነቶም’ውን ዘይገለጹ፥  ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበሩ ተቓወምቲ ውድባት ድማ፥ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸቕጢ ንምግባር  ፍሹል ፈተነ ከካይዱ ዝጸንሑ መድረካውያን ንጌጋኦም ከይኣረሙ፥ ሓንቲ ከምዘየጋጠመ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝታዮም መሰሎምን እኳ እንተኾነ ግን እንታይ ንምግባርን ኣበይ ንምብጻሕን ኢዩ፧  መድረኻውያን ንምድሓን ህዝቢ ኤርትራ ዝነጥፉ እንተደኣ ሃሊዮም፥ ክፉት ኣፍደገ ተረኺቡ ኢልካ  ንምእታው ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣቐዲሞም ክገብርዎ ዘለዎም ክገብሩ ይግባእ።

መድረኽን ህግደፍን  ካብ ባህርያቶም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ምዃኖም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክግለጽ ጺንሑ ኢዩ፥ ህግደፍ ንሕግን ህዝብን ኣፍልጦ ከይሃበ ከምድሌቱ ዝነብር ዘሎ ስርዓት ክኸውን ከሎ፥  መድረኽ እውን ብተመሳሳሊ ተቓወምቲ ብፍላይ ከኣ ነዘን ኣብ ኢትዮጵያ ቤትጽሕፈት ዘለወን ናብ ስምረት ገጸን ዘምርሓ ዘለዋ 6 መሓዙት ውድባትን ንመንእሰያት ኤርትራን ኣፍልጦ ከይሃበ ዝቕጽል ዘሎ ህግደፋዊ ቀጸላ ኢዩ። እዚ ከም ነፋሒቶ፥  ንገዛእ ርእሱ ሓንሳብ ከም ሸምጋሊ ድንድል፥ ሓንሳብ ከም ጸጋኒ ስርዓት ህግደፍ፥ ሓንሳብ ከም ውድብ መልክዑ እናቐያየረ ዝኸይድ ዘሎ  ጃንዳ፥ ድሕሪ እቲ ቅያ ዝበለሉ  ኣኼባ ኬንያ ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘብዘብ ዘበሎ ምኽንያት ኢዩ።  እዚ ዝካየድ ዘሎ  መስርሕ ምስማር ናይዘን 6 ውድባት እንተ ተዓዊቱ ንህላዌኦም ስግኣት ስለዝኾነ፥ ሓድነተን  ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ክፋል ማንትኡ ንዕርበቱ ስለዝኾነ፥ ሓድነተን ንምስንኻል  ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ  ሓለቓኦም “ህጹጽ” ዝብል መልእኽቲ ስለዝበጽሖም  ዶኾን ይኸውን ብሃታሃታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራእዩ፥  ወይስ ድሕሪ ስምረት 6 ውድባት  ውድቀት ኢሰያስ ዘይተርፍ ብምዃኑ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ምስዘን መሓዙት ውድባት ኣቲኻ ምምሕዛው ኣማራጺ ኮይኑ ስለዝተራእዮም፥ ኣካይዳ ህግደፍ ዝኸዱ መድረኽ፥ ዕላማኦም  ንህዝቢ ዘየፍለጡ ጉጅለ፥ መዕለቢኦም  ኣበይ ምዃኑ ዝግመት ኣይኮነን እሞ፡ ትማሊ ኣብ ኬንያ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል ንኹሉ ግዜን ዓቕልን ስለዝምልሶ ኣተአኲርካ ምዕዛብ ከድልየና ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ሓሳበይ መድረኻውያን ኣብዝደለዩዎ ኽኸዱን ምስ ድላዮም ክራኸቡን መሰሎም እኳ እንተኾነ ፥ ዘዛርበና ዘሎ ጉዳይ ሃገር፥ ጉዳይ ኤርትራ ክሳዕ ዝኾነ ግን ኣብዝደለዩዎ ከይዶም ከምድላዮም ክሓናኽሩ ግን ዘፍቀደሎም ህዝብን ተቓላሳይን የለን።  ምንጩ ዘይፍለጥ ገንዘብ ስለዝሓዙ ጥራይ ንሓቀኛ ቃልሲ ህዝቢ ክቖጽዩ ዓቕሚ ይኹን መሰል የብሎምን።  መድረኻውያን  ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድሓን  ዝዓለመ  መደባት ሓንጺጾም እንተደኣ ሃልዮም ኮይኖም፥  ዓላመኦምን ኣተገባብርኡን  ንህዝቢ ኤርትራ ብግልጺ ከብርሁሉ፥ ምስ ህግደፍ ከምዝተፋትሑ፥  ንህዝቢ ከእምኑ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ፍትሕ እምበር ዕርቂ ከምዘይደሊ ደጋጊሙ ዘረጋገጾ ብምዃኑ ምስ ህግደፍ ዕርቂ ንምምጻእ ዝግበር ሽምግልና  ከይተበገሰ ዝፈሸለ ብምዃኑ፥ መድረኻውያን ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ፥ ሓቀኛ ድሌት ለውጢ፥ እንተደኣ ሃልዩዎም ንትርግታ ልቢ  ህዝቢ ጽን ክብሉን እሞ ኣብ ጎድኒ ደለይቲ ለውጢ ደው ኢሎም ሕቶ ህዝቢ ክምልሱን ጥራይ ኢዩ፥ እቲ ሓቀኛ መልሲ ንህዝቢ ኤርትራ።

ከምቲ ማንቲለስ ዘሊላ ናብ መሬት ዝበሃል መድረኽ እውን ዘሊሎም ዘሊሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱስ ፍሉጥ ነገር ኢዩ ነይሩ ምኽንያት፥  ኢትዮጵያ እታ እንኮ መርገጺኣ ከይቀያየረት ጸኒዓ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢላ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ  እትድግፍ ዘላ ሃገር ብምዃና፥ ንኢትዮጵያ ሓዲግካ ናብ ኬንያ ምኻድ ምኽኑይ ስለ ዘይነበረ። እዚ ማለት ብዘይካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ካልእ ክግበር የብሉን ማለተይ ኣይኮነን እንተ ንኽእልን ዓቕምና እውን እንተ ዘፍቅዶስ ንኹሉ ኤርትራዊ ንምርካብ ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ኣኼባ እንተንገብር እውን ኣይምተጸልኤን፥ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡  መድረኻውያን ንኢትዮጵያ ከምጸላኢት ክርእይዋ ጸኒሖም ሕጂ ሃንደበት ናብ ኢትዮጵያ ምኻዶም ጥራይ ኢዩ፥  ሕጂ ግን እንተስ ተረዲእዎም እንተስ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ብቕንዕና እንተኾይኑ እንቋዕ ብሰላም ኣተኹም፥ ንገለ ውዲት እንተኾይኑ ድማ ኣዒንቲ ብዙሓት ይጥምታኹም ኣለዋ ክብሎም እፈቱ።

ጠዓመ በርሀ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • keshi mars February 3, 2016

    ብሩራዊ እዮቤል

    ግርህነት ዝዓብለሎ ጉዕዞ ሓደ ዘመን
    ናይ ደገ ጸላእቲ ክንጥምት ተጠቅሊሉና ተመን
    ሃገር ኳ እንተምጻእና፡ ዘለናዮ ሃለዋት ኮይኑና ሎ ዘይእመን።

    ባርነታዊ ኢዮቤልዩ መን ተጸቢዎ
    ባህግና ኔሩ ሰላም ክሰፍን ህዝብና ክርህዎ
    ኣስተብሂልካ ዘይምኻድ ዕሽነት በልዎ
    ኣክንዲ ክብርና ዝዕቀብ ናብ ዓዘቅቲ ደርቢዎ።

POST A COMMENT