Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድረኽ፣ እንቛዕ ናብ መቃለሲ ቦታኹም ብደሓን መለሰኩም!

መድረኽ፣ እንቛዕ ናብ መቃለሲ ቦታኹም ብደሓን መለሰኩም! (መድረኽ ፖለቲካዊ ውድብ’ዶ ወይስ ሲቪካዊ ማሕበር?) ብመጀመርያ፣ ነቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ ምምላስን ትፋእኻ ምልማጽን ማዕረ ጌርካ ክኸይድ ዝቐነየ ናይ ድሕረ ናይሮቢ ደዓያት፣ ናብ ሓደ ወገን ሓዲግና፡ መድረኽ ንኢትዮጵያን፣ ኣዲስ ኣበባን ተመሊሶም

መድረኽ፣ እንቛዕ ናብ መቃለሲ ቦታኹም ብደሓን መለሰኩም!

(መድረኽ ፖለቲካዊ ውድብ ወይስ ሲቪካዊ ማሕበር?)

ብመጀመርያ፣ ነቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ ምምላስን ትፋእኻ ምልማጽን ማዕረ ጌርካ ክኸይድ ዝቐነየ ናይ ድሕረ ናይሮቢ ደዓያት፣ ናብ ሓደ ወገን ሓዲግና፡ መድረኽ ንኢትዮጵያን፣ ኣዲስ ኣበባን ተመሊሶም ክሰርሑ ዘርኣይዎ ተባዕነትን ተዓጻጻፍነትን ብጣዕሚ ክምጎስ ዝግቦኦ ዑደት’ዩ። ኣነ እውን መድረኽ ዝሃብዎ መግለጽን፣ ኪዳን ዝሃብዎ መግለጽን እናኣወዳደርኩ ክርኢ ከለኹ፣ ኪዳን ካብ ናይሮቢ ፖለቲካዊ መርሆ (Orientation) ወሲዶም ካድራት መድረኽ ኮይኖም ከም ዝተመረቑ ጌርካ ክትቆጽሮም ዘኽእል መሽረፈታት እዮም ከናፍሱ ቀንዮም። ናይ ክልቲኡ ውድባት ናይ ዓብላልነት ባህሊ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ግን፣ ንኣዲስ ኣበባ ክልቲኣቶም ተመሊሶም ናይ ናይሮቢ ናይ ቻምፕዮን ዋንጫ ዓቲሮም ዝመጹ ግን መድረኽ ስለዝነበሩ፡ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀሪቦም ናይ ማራቶን ሽልማት ከም ዝወሰዱ ጌርካ ክነፍስ ምስ ተራእየ፡ ኪዳን፡ ኣንታ ተጋጊና ኣለና መስለኒ፡ ንሕና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረና ውሱል (Access) ድኣ ተመንጢሉ ይመስል ኢሎም እንተጎሃዩ ሓቆም እዮም ዘብል ተረኽቦ እዩ ቀንዩ። ኪዳን ሓድሽ መድረኻዊ ገዛ ክሃንጽ፣ ዓቢ ሃገራዊ ኣደራሹ ዓጽዩ ሓዲሽ ጠላዕ ምጽዋቱ፣ ፖለቲካዊ ንዴት እምበር፣ ፖለቲካዊ የዋህነት ጥራይ እውን ኣይኮነን።

መንግስታትን ናይ ኣቀባብላአን ፕሮቶኮልን፡

መንግስታት ኣብ ኣቀባብላ ኣጋይሾም፣ ወይ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዝለዓለ ሚዛን ገይሮም፡ ብቐይሕ ምንጻፍ ይቕበሉኻ፣ ወይ ድማ ሕውነታውን ባህላውን ዝምድና ኣብ ግምት ኣእትዮም ድማ ብክብ ዝበለ መዓርግ ኣብ ቤተመንግስቶም ክቕበሉኻ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ተዓዛቢ ፖለቲካ ኪዳን ከም ዘዕለለኒ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኪዳን ምሕዝነት ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ኣቀባብላ ክብሪ ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ኣቶ ዓብደላ እድሪስን፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩን እዮም ነይሮም ይብል። ብድሕሪኡ እውን፡ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ህዝብን ወሲኽካ ባይቶ ምስ ተመስረተ፡ ክሳብ 4 ግዜ ዝኸውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ገጽ ንገጽ ኣኼባታት ከም ዝተገብረ እዩ ወሲኹ ዝነገረኒ። ግንከ ከምዚ ንመጀመርያ ግዜ ብርኹባት ኤርትራውያን ዝተመወለ ተባሂሉ ጣቕዒትን ዳንኬራን ዝተገብረሉ ኣኼባ ናይሮቢ፡ ሕጂ ድማ መድረኽ ካልኦት ውድባት ጌረንኦ ዘይፈልጣ ተኣምር ጌሮም፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ተራኺቦም ኢልካ ክግበር ዝጸንሐ ዳንኬራ፡ ንኪዳን ናብ ጽፍሮም ዘእቱ ተርእዮ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንጋዜጠኛታት ኤርትራውያን፣ ወይ ወነንቲ ዌብ ሳይታት ተቓወምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦሞም እዮም፡ ብኡ ኣቢሎም እውን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ንኤርትራውያን ዜጋታት ዝገበሮ ናይ ምፍንቓል ወፈራ ታሪኻዊ ጌጋ ምንባሩ ጠቒሶም እቕሬታ ሓቲቶም እዮም። ካብ ተራኸብዎም ብውሑዱ ንምጥቃስ ከኣ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና (ኣስማሪኖ. ኮም)፡ ኣቶ ሳልሕ ጆሃር (ቃዲ)(ዓዋተ.ኮም)፣ ኣቶ ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና.ኮም) ክጥቀሱ ይከኣል እዩ። እዞም ተቓለስቲ እዚኣቶም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክራኸቡ እንከለው ዝተዋህቦም ኣስማት፡ ግን ዓጋመን፡ ጅሃድን፡ ከሓድን ዝብል እዩ ዝነበረ። ትማሊ ኣባላት መድረኽ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተራኺቦም ክበሃል ምስ ተቓልሐ ግን ንሰምዖ ዘለና ጥሩምባታት ካልእ እዩ። እዚ ድማ ኪዳን ባዕላ ውሻል ናይ መድረኽ ክትከውን ስለ ዝፈቐደትን፣ ንኣባላታ ከኣ ከምኡ መምርሒ ክፍንዉ ስለ ዘተሓላለፈትን እዩ።

መድረኽ ሲቪካዊ ማሕበር ወይስ ፖለቲካዊ ውድብ?

መድረኽ ብግልጺ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮናን እዮም ዝብሉ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን መንነቶም ቀይሮም ፖለቲካዊ ውድብ ኢና እንተዝብልዎም፡ እምበኣር በቲ ፖለቲካዊ ውድብ ኢና ዝብሉ ዝሓልፍሉ መንገዲ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎረም ዝበሃል ኣዳራሽ ሕለፉ ምበልዎም እንተዘይተጋግየ። ስለዚ ቀስ ኢልና ድኣ ሓበሬታ ከነጣይቕ እምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ቆጺሮም ተቐቢሎሞም እንተኾይኖም ግን ካብተን ካልኦት ውድባት ንላዕሊ ኣብ ኤርትራ በይኖም ከምጽእዎ ዝኽእሉ ለውጢ ብመረጋገጺ ዘለዎ ጭብጢ ኣቕሪቦም ክኾኑ ኣሎዎም ኢለ እግምት። እሞ ከም ሲቪክ ማሕበር እዮም ተቐቢሎምም ዝኾኑ ዝብል ኣንክሮ እንተ ኣቐሚጥካ ግን፣ እወ ከም ተቓወምቲ ሲቪክ ማሕበር ሓድሽ መራኸቢ መስመር ክሳብ ዝኽፈተሎም፣ ብሕውነታውን፣ ቃልሳውን ምኽንያታት ዝግቦኦም ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ክግበረሎም ከምቶም ቀዳሞት ናይ ጋዜጠኛታት ኤርትራውያን ርኽክባት ጌርካ ክግመት ይከኣል እዩ። እቲ ዝወጸ ናይ መድረኽ ናይ ፕረስ መግለጺ ከም ተመራመሪ ፖለቲካ ሓደ ብሓደ እንተ ተንቲንካዮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ቀደም ምስ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ጋዜጠኛታት ዘይተዛረቡላ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኢኻ እትረኽበላ። ንሳ ድማ ብድሕሪ ሕጂ ምስኣቶም እትራኸብ ሽማግለ ከቑሙ ምኻኖም ዝሃብዎም መብጽዓ ጥራይ እያ። እዛ ቤት ጽሕፈት እዚኣ ከም ግምተይ ድማ እንተላይ ምስ ካልኦት ሲቪካውን፣ ህዝባውን ማሕበራት እውን ክትራኸብ ከም እትኽእል ግምተይ እዩ። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ ልዕሊ ሰንዓ ፎረም ንሲቪካዊ ማሕበራት መእተዊ ሓድሽ (ኣዲስ ፎረም) ተኸፊቱ’ዩ ክኸውን ይኽእል?  እንተደኣ ግምተይ ነገራዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ፣ መድረኽ ኣብዚ ዝግባእ ታሪኻዊ ብልጫ ከም ዝግብኦም ሓቂ ክደፍን ኣይደልን’የ።

ክትኣቱ ገብገብ፣ ክትወጽእ ተብተብ፡

እቲ ሓቀኛ ተረኽቦ መድረኽ፡ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ስትራተጅያዊ መቃለሲ ቦታ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ምዃኑ ብዘይ ማይ ጎርዳዕ ኣቢሎም ምውሓጦም እዩ።  ክትኣቱ ቃልካ ስለ ዝቐየርካ ልብኻ ገብገብ እናበለ ኣቲኻ ፣ ብድሕሪኡ ግን ናይ ፕሮፖጋንዳ ጭላንጭል ወቒዕኻ፡ ህግደፍ መጽዮም ክኣስርኹም እዮም ኢልካ ከምዝሃደድካዮም ፈራሓት ዜጋታት፣ ወይ ድማ ናይ ተቓውምቲ ቦያ ክትልከዩ ኢኹም ኢልካ ከም ዘፈራራህካዮም ተልሜደን ተቓልስቲ፣ ተብተብ እናበልካ ምምላስ ዘስደምም እዩ። ኣብኣ ን24-48  ሰዓታት ጥራይ ኢና ጸኒሕና ኢልካ፣ ንናትካ ምእመናን ንምእማን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ተረቢጽካ ምውጻእ ካልእ ረብሓ ዘለዎ ኣይመስለንን። ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ብፍላይ ዕስራ ዓመታት ይገብር መድረኽ ዝሓንቀቕሉን ዝኸበሩሉን ቦታ’ዶኸ ኣይኮነን። አረ! ንኣቶ ሞሓየዲን ሸንገብስ ካልኣይ ዓዶም እዩ እንተተባህለ እውን ጻልጣ ሓቂ’ዩ! ብኻልእ ስነኣእሙራዊ ሸነኽ፣ ኣዲስ ኣበባ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝብና፡ ብልበ-ሰንፈላል ዝነብርሉ ከተማ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ መድረኽ ነቲ ህዝቢ ኣለናልካ ክብልዎን፣ ከጸናንዕዎን፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ዝምድና ከጠናኽርዎን ዓቢ ተራን ተሰማዕነትን ምረኸቡ እመስለኒ። መድረኽ ግን፡ ነቶም ሓደስቲ መሻርኽቶም ኪዳን እኳ  ኣጸቢቖም ክላለይዎምን፣ ከዕልልዎምን ግዜ ክወስዱ ኣይደለዩን፡ ብተበተብ ኣትዮም፡ ብሃታሃታ ከኣ ወጺኦም! ኣብ ቃልሲ፡ ጸላኢኻን ፈታዊኻን ኣለሊኻ፡ ልብኻ ርግእ ኢሉልካ ምቅላስ እምበር፡ ከይብሉኒ እናበልካ ብሸለብ ገለብ ዝስራሕ ቃልሲ ኣድማዒ ኣይኮነን እሞ፡ ዝኸበርኩም ኣሕዋት መድረኽ ኣብታ ካልኣይ እግሩኹም፣ ምስ ኣሕዋትኩም ኪዳን ገለ ናይ ተመክሮ ምልውዋጥ ክትገብሩ ንውሕ ዝበለት ግዜ ምውሳድ ከተድልየኩም ምዃና እናተላበኹ መልእኽተይ እዓጹ።

ሓድጉ ተኪኤ

ጽሕፍተይ ንዝኽሪ 3ይ ዓመት መስዋእቲ ጅግና ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ትኹን!!

ጥሪ 21, 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • gebar January 26, 2016

    ኣቱም ሰባት እዚኦም’ሲ ለዉጢ ከምጽኡ….. እዚኦም’ኻ ኣብ ህ.ግን ተሓኤን መራሕቲ ዝነበሩ’ዮም፡፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ምእዙዛት ተግበርትን ናይቲ ጸይቂ ዝኾነ ፖሊሲ እንተዘይነብሩ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብደቁ ኣይምተዋረደን…. ሎሚ ደኣ ሓደ እግሮም ኣብ ጉድኀድ ኣትዩ መድረኽ’ዶ ልፍንቲ ንመን’ዩ ከታልል??? መንእሰይ!!! ለውጢ ኣብ ኢድካ’ዩ ዘሎ፡፡ ሓደ ኾንካ ጥራሕ ተበገስ!!!

  • sara January 26, 2016

    Let’s see these people have linked in Eritrea. Maybe be they are facilities support to overthrow the mad man.

  • Tzighe January 26, 2016

    መድረኽ ቅድሚ ን ኢትዮጲያ ሚካዶም ኒ ሀዝቢ ኤርትራ ብቲ ናይ ቃልሲ መሳናኪላት ኩኖም ዚጸኑሁ ይቅረታ ኪሓቱ ነሪዋም ማልት ኣብዚ ናይ ሓፍሽ መዛተይ መቃለሲ ፓልቶክ ሚሳሕሓብ ፍጢሮም ማልት ኢዚ ፓልቶክ ናይ ወያነ ናያ ዓጋመ አና ተባህለ ኢቲ ግዜ ኣብ ቃልሲ ኒ ዶሞክራሲ ዚጠፍ ቢ ኩንቱ ሰለ ዚሃለፈ።

  • Simon G. January 26, 2016

    Medrek = HGDF = Issayass ~= Weyane

  • fessehsye January 27, 2016

    zkeberkum tekalesti medrekawyan etom nay eseyas handesti dineberu deykonun entay nixbe alena kabziom bejeka beleka sahabeka kab mas eyom ke poloticawi widb konom timali timali deykonun xigenadibluna nerom wey gud gilbt gilbt hizbi eritrea temahru eyu lomi kab tarikum …………….. mensey weledo e znika emo xilo simae hiseb keytgage simerrrrrr get bel eti awet ab edka eyu delo

  • Geza Asmaa January 30, 2016

    Dear friends this is politics as you all know when we are assuming politics there is nor formula and there is no relationship or other that indicates typicaly logic if we interested in reality we have to assume our identity we Eritreans are from Agames but we hate extremely Agames this is also typical politics. Polo tics means falsifying things.
    Wedi geza Asmae

    • Genet-orginal January 31, 2016

      Dear Geza..
      Why do you take it personal, if We Eritrean say we are a nation apart from Ethiopia? It is not about you or the Tigray province of Ethiopia. I don’t get it. If you think we hate you, then why don’t you, just forget about us and live your happy life? It is just odd you guys are making this argument, Eritrea and Tigray are the same people. OK, what exactly do you guys want from us. When we fought for our Independence, it was only for Eritrea and Eritrean people. It would be wrong, if we also ask for the Tigray, Gondar or part of Sudan to be part of Eritrea. How do you think the rest of Ethiopian or Sudan people feel about your argument? What kind of politics are you playing?

  • Asmerom Tekie January 31, 2016

    Alem goitom meskerem net editor is barking like rabid dog after he has recognized medrek refused to listen him not to go to Ethiopia. hang your self wedi keleb

  • aus 17 February 1, 2016

    I don’t Think politics is about falsifying things; it rather about genuine peoples interests, wishes ambitions at present and in the future. Polics is science, tha’s why we have political science, human relations acts and interacts….
    But if politics is in the hands of BAD PEOPLE, then is termed as “Dirty” in ERitrean context. however, in general it’s a knowledge of peoples wish, desire and Dream of future.
    Medrekh belongs the past and never today nor worse is for tomorrow. because they were working practically for years against the named goals, desires and Dream of free Eritrea but served knowingly the president against our Eritrean wishes. Today they shed Crocodile tears, had we knew it, but we people EXPECT you to know, the position you seat on, the decision you made, the office you have had obliges you either to know and act or to resign. you are not sheep but severe wolves.

  • keshi mars February 2, 2016

    መድረኽ
    ጉንዲ ፖለቲካ ቀደም ዝተቆርጸ
    ማህንነቱ ኣጥፊኡ ድነ ዝመረጸ፡
    ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ከይናሳሕ ዘስቀጠ
    ምሕረት ዝረኸበ ይመስሎ እንተ ጠረጠ።

    ወዲ ኤፍረም ያኢ ጎኒ ህዝቢ ኮይኑ
    ንሸንገብ ዓ/ብርሃን ደፊኡ ኣሕኒኑ
    መድረኽ ክኸፍት ንወዲ ዓሊ ኣብ ፎርቶ ኣምኪኑ
    ይገርም ዩ ፖለቲካ ኤርትራ ከምዚ ኮይኑ።

Post a Reply to Tzighe Cancel Reply