Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ክፋላት ናይ  ጽሑፈይ፡ መድረኽ ናብ ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዘነጻጸረ ፈላላይን ኣነዋርን ዘመተ ከካይዱ ምጽንሖም፡ ብውሑዱ ሸሞንተ (8) ጭብጥታት ብምቕራብ፡

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”

ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ክፋላት ናይ  ጽሑፈይ፡ መድረኽ ናብ ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዘነጻጸረ ፈላላይን ኣነዋርን ዘመተ ከካይዱ ምጽንሖም፡ ብውሑዱ ሸሞንተ (8) ጭብጥታት ብምቕራብ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ርእይቶ ኣሰንየ ከቕርበልኩም ጸኒሐ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ሓድሽ ምዕባለ ግን ኣሎ። መድረኽ ንኹሉ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ጽሑፋቶምን ኣብ ኣየር ዝነበረ ፋይላቶምን ካብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሓኺኾሞ ኣለዉ። እቲ ኣብ “youtube” ዝተዘርግሐ ናይ  ራድዮ ፈነወታቶም ግን ህያው ስለ ዘሎ፡ ንዕኡ ምስማዕ ዝቐለለ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ኣብዛ ዝሓለፈት 3ይ ክፋል፡ መድረኽ – ንጉጅለ ህግደፍ ከም ሓደ ስርዓት (system) ክርእይዎ ከም ዝግባእ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ፈላልዮም ክርእይዎ እንተደልዮም ግን ብበዓል መን ክጅምሩ ከም ዘለዎም፡ ገለ ኣብነታት ብምቕራብን፡ ምንሕሓፍ ፖለቲካዊ ሃስያ ከም ዘለዎን ብምግላጽ ኢየ ተፋንየሉም። 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል።

መድረኽ ብመንጽር ጀነራል ስብሓት ኢፍረም

ጭብጢ ቊጽሪ 9፡ -ሰነዳት መድረኽ ኣድቂቑ ዝፈተሸ ሰብ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ንጸይቀ ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣልዩ፡ ስልጣን ከረክቦም ዝደልዩ ዘለዉ ይመስል። ነቲ ኣብ ዕለት 23/12/2017 ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍን ብዕለት 26/12/2017 ትካላት ሃገራዊ ድሕነት ብዝተወሃሃደ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ምንእኣስ ዘመተ የካይዱ ምህላዎም ምንጭታት ሓቢሮም ዝብል ኣርእስቲ ዝዘርግሕዎ፡ ዕለት 26  28/12/2017 ብራድዮ ዝደገምዎ ካልእ ጽሑፍ’ውን፡ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ንረክብ።

“. . . ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ምንእኣስ ዘመተ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ዘመተ ንስብሓት ኤፍረም ኣይጠቅምን ኢዩ ዝብል ኢዩ። ትካላት ሃገራዊ ድሕነት ዘዋፍርዎም ሰብት ኢዮም ነቲ ዘመተ ዘካይድዎ ዘለዉ። . . . . መኪንኡ ከይተረፈ ኣሕዲጎም ብብስጭትን ጽምዋን ዳርጋ ኣሳቕዮም ክቐትልዎ ደልዩ ዘለዉ ይምስሉ. . .” ቀጺሎም ኣብ ካልእ ሕጡበ ጽሑፍ ድማ “. . . ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ገለ ስጉምቲ ክወስዱ ደልዮም ክኾኑ ከም ዝሕእሉ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ . . . ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት’ውን ኣብ ካልእ ሕጡበ ጽሑፍ

“ንመጀር ጀነራል ቻይና ቅድሚ ምድርባዮም ብመንገዲ እቲ ብቐጥታ ካብ ኮለነል ተስፋልደት ሓበሬታ ዝወሃቦ ዝነበረ  ሸገግ ብዝምራሕ ጉጅለ ኣዚዩ ከቢድ ዘመተ ከምዝገበሩሉ ዝዘከሩ እቶም ምንጭታት ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዚካየድ ዘሎ ዘመተ ተመሳሳሊ ዕላማ ክህልዎ ከምዝኽእል ሓቢሮም።”

ሊንክ – ብጽሑፍ  26/12/2017    23/12/2017  ብራድዮ   26/12/2017     28/12/2017

ነዚ ብውሕዱ ክልተ ግዜ ዝወጸ ጽሑፍ፡ ድሕሪኡ’ውን ብራድዮ ደጋጊሞም ከም ዝንበብ ብምግባር ናብ እዝኒ ሰማዕቶም ከም ዝበጽሕ ገይሮም ኢዮም። እዚ ከኣ ነቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዘይብሱል ዕላማ መድረኽ ኢዩ ዘረድእ። ኣብ ኩሉ ድሑፋቶምን ፈነወታቶምን፡ ጀነራል ስብሓት በቶም ብትሕተ ሃገራውነትን ኣውራጃን ዝኸሰስዎም ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ንሓደጋ ይቃላዕ ከም ዘሎ፡ “እቶም ንጀነራል ቻይና ዝደርበዩ ኣውራጃውያን፡ ሕጂ ከኣ “ሸገግ” ዝበሃል ወዲ ከባቢኦም ኣዋፊሮም ንጀነራል ስብሓት’ውን ክድርብይዎ ዋላ’ውን ክቐትልዎን ስጉምቲ ክወስድሉን ይሓስቡ ኣለዉ” ይብሉና ኣለዉ መድረኽ። ሸገግ’ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ተመዲቡ ዝሰርሕ መኮነን ኢዩ። ጀነራል ስብሓትን እዞም ብመድረኽ ዝኽሰሱ ዘለዉ መኮነናትን ከኣ ኣብ ነንበይኑ ሚኒስትሪታት ኢዮም ዝሰርሑ። እዚ ከኣ ‘ኣብ ስርዓት ህግደፍ ማዕረግ ዝዕድሉን ዝድርብዩን፡ ዋላ ኣብ በበይኑ ሚኒስትሪታት ይሃልዉ – ንሳቶም፡ እቶም ናይቲ ኣውራጃ ተወለድቲ ኢዮም። ኣብ ኩሉ ከኣ ንደቂ ኣውራጅኦም የርብሑ፡ ንዘይ ደቂ ኣውራጅኦም ይጉሕፉ’ ኢዩ እቲ መልእኽቲ። እሞ ስልጣን ዝዕድሉን  መኪና ዘሕድጉን ድኣ፡ ትካላት ሃገራዊ ድሕነት’ዶ ኢሰያስ? ጀነራል ቻይና’ኸ በዞም ኣብ ስለያ ዝነጥፉ መኮነናት ዲዩ ካብ ስራሕ ደው ዝበለ?  ህግደፍ ብዓቢኡ’ኸ ናብ ጀነራል ስብሓት ‘ዶ ናብቶም ኣብ ስለያ ዝሰርሑ መኮነናት ይቀርብ? መድረኽ መልሲ ካባኹም!!

ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ኮነ ካልእ ክብ ዝበለ ማዕረግ ዘለዎ በዓል ስልጣን ህግደፍ፡ በዞም ‘ትሕተ-ሃገራውያንን ኣውራጃውያንን’ ወይ’ውን ብኣመንቲ ካልእ ሃይማኖት፡ ብሀር ወይ ከባቢ እንተ ተቐቲሎም፡ መድረኽ ናብ ሰማዕቶም እንታይ ዝብል ጻውዒት ከቕርቡ ኮን ይኾኑ? ህግደፍ ነንሕድሕዳ እንተ ተባልዐት’ከ መድረኽ እንታይ ኢዩ ጸገሞም? ንምንታይ ኢዮም ናብ ወገንነትን ኣውራጃን ዘጸግዕዎ ዘለዉ? ብደረጃ ትምህርቶምን ብስለቶምን፡ ነዚ’ኸ ሓሲቦሙሉ ደኾን ይኾኑ? መድረኽ መልሲ ሃቡና!!!

ጀነራል ስብሓት’ከ ሃንዳሲ ናይቲ ወገናዊ ፍልልይ’ዶ ግዳይ? እስከ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ታሪኹ ጥራይ ንተዓዘብ። ጀነራል ስብሓት ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ኣማኻርን ተሓባባርን ኢሰያስ እምበር፡ ግዳይ ዝኾነሉ ግዜ የለን። እቲ ናይ ቀርባ ዓርኪ ደሱን (ሓላፊ 09 ነበር)፡ ኣብ ብልሽውና 09 ዓሚቚ ምትእስሳር ዝነበሮን ጀነራል ስብሓት፡ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ተለኣኣኽን ተግባርን ናይቲ በታንን ፈላላይን ፖሊሲ ኢዩ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ምስ ኮነ፡ ኣብ ተቐማጦ ናይታ ከተማ ዝፈጠሮ ምዕዝምዛምን ዘተኣታተዎ ስምዒታትን ቀሊል ኣይነበረን።

ልቢ ህዝቢ ኣስመራ ምስ ኣሕመመ፡ ብቐጥታ ናብቲ ካብ ሜዳ ጽቡቕ ስም ሒዙ ዝኣተወ፡ ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢዩ ተቐይሩ። ንሚኒስትሪ ጥዕና ከኣ ፍጹም ከም ዘይዕረ በቲኑዎ። ነዚ ክልቲኡ ዝተዋህቦ ዕዩ ገዛ ምስ ወድአ፡ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተቐይሩ። ኣብኡ’ውን ነቲ ኢሰያስ ባዕሉ ክብትኖ ጀሚሩ ዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ነቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ወታደራዊ ተመክሮ ብዘዕኑ መንገዲ በቲኑዎ። ናይ ዕደና ስራሕ ካብ ቢሻን ዛራን ሓሊፉ፡ ናብ ደንካልያን ካልእ ቦታታትን ክሰፍሕ ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናብቲ ዝያዳ እሙን ሰብ ዘድልዩ ናይ ዕደና ስራሕ ከም ዝተቐየረ ሰሚዕና። ጀነራል ስብሓት ማለት እምበኣር፡ “ኩላ’ታ ኢሰያስ ዝደልያ ከየጉደለ ዝትግብር፡ ወይ ብፍርሒ እናረኣየ ዘጽቅጥ ሰብ” ምዃኑ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብ ምፍሻል ምንቅስቓስ ጉጀለ 15 ኮነ፡ ኣብ ምብርዓን ውታደራዊ ስርሒት ፎርቶ’ውን፡ ናይ ጀነራል ስብሓት ተራ ብውልቂ ቀሊል ኣይነበረን። ሎሚ ግን ጉጅለ መድረኽ ንጀነራል ስብሓት ተበዳሊ ኣምሲሎም ብምቕራብ ንክልተ ነገር ክጥቀሙሉ ይፍትኑ ኣለዉ። ግዳይ ናይቶም “ብትሕቲ ሃገራውነትን ወገናውነትን ዝፍለጡ” ተወለድቲ ካልእ ኣውራጃ ምዃኑ እናገለጹ፡ ነቶም ብወገንነት ዝኸስዎም ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ወይ ኣውራጃ ምስ ኢሰያስ ደሪቡ ብምህራም ዕልዋ ከካይደሎም ዝስሕልዎ ዘለዉ ይመስሉ። ወይ’ውን ንኻልእ ዝያዳ ባእስን ቅርሕንትን ክጥቀምሉ’ውን ይደልዩ ይኾኑ።

ዕልዋ ክገብረሎም ዝጽበዩዎ እንተ ኾይኖም’ከ፡ ብኸምዚ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ብቓልዕ ክጉስጉሱሉ ቅኑዕ ድዩ? ወይስ ካብቶም “ኣብ ውሽጢ ኣለዉና” ዝብሉዎም ዝነበሩ’ሞ ሕጂ ተስፋ ምስ ቆረጹ፡ ንሱ’ውን ክህረም ሰለ ዝደለዩዎ ኢዩ? ዝህቡና መልሲ ብዘየገድስ፡ “መድረኽ ገምጋምኩም ቅኑዕ ኣይነበረን” ክንብሎም ግን ቅኑዕ ኢዩ።

ስድራ-ቤት ጀነራል ስብሓት ኢፍረም ኣብ ስዊድን፡ ዑቕባ ሓቲቶም ከም ዝነብሩ፡ ማርቲን ፕላውት – ኣብታ “UNDERSTANDING ERITREA” ትብል መጽሓፉ፡ (ገጽ 191) ገሊጹ ኣሎ።

ናይ ሕጂ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ኤርትራ፡ ብመንጽር ክስታት መድረኽ

ካብ ኩሉ’ዚ ክብ ኢለ፡ ብጭብጥታት ኣሰንየ ዘቕረብኩልኩም ክስታት መድረኽ፡ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ እቶም ብትሕቲ ሃገራውነትን ኣውራጃን ዝኸሰስዎም መኮነናት ድላዮም ዝገብርዋ፡ “መን ኢኻ!” ዝብል ዘይብሎም፡ እናተሓጋገዙ ሰባት ዝኣስሩን ዝፈትሑን፡ ማዕረግ ዝዕድሉን ዘሕድጉን፡ ትካላት ዝዓጽዉን ዘመቓርሑን ምዃኖም ኢዮም ገሊጾሞም። መግለጺኦም ግን ሓቅነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ንምድንጋር ዝቐረበ ኢዩ። ብወገነይ ሓቀኛ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ይመስል ከቕርብ ኢየ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝባኑ ዝቐልዐ ወታደራዊ ምምሕዳር ኢዩ ዘሎ። ንኹሉ ሲቪላዊ ትካላት ብላዕሊ ዘመሓድሩ መኮነናትን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኢዮም። ኣዛዚ ናይ ሰለስቲኡ ትካላት ምክልኻል (ሓይሊ ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን) ከኣ ብውልቂ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢዩ። እተን ንስሙ ቆይመን ዘለዋ ሽዱሽተ ዞባታት ኮነ ኤርትራ ብምልእታ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ እዚታት ተመቒላ ትመሓደር ኣላ። ንሳተን ከኣ

  1. ማእከላይ እዚ፡ – ላዕለዋይ ኣዛዚ መጀር ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም። እዚ ንመብዛሕትኡ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ዘጠቓልል ኢዩ። ብጀነራል ሓድሽ ዝእዘዙ ሓይልታት፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ከባብን ፋሕ ኢሎም ዝተዋህቦም መንግስታዊ ትእዛዝ ይፍጽሙ።
  2. ምዕራባዊ እዚ፡ – ኣዛዚ መጀር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)። ንመብዛሕትኡ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ንብምሉኡ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ንገለ ክፋል ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይቆጻጸር። ብተኽለ ማንጁስ ዝእዘዝ ሰራዊት ኣብ ኩሉ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ዓድታትን ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ፋሕ ኢሉ፡ ሲቪላውን ወታደራውን ትእዛዛት መንግስቲ ይፍጽም።
  3. ምብራቓዊ እዚ፡ – ላዕለዋይ ኣዛዚ መጀር ጀነራል ኣሕመድ መሓመድ ካሪካረ። ዳርጋ ንኽልቲኡ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን፡ እንተላይ ንብምሉኡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ይቆጻጸር። ኣብ ትሕቲኡ ክልተ ክፋላት ኣለወኦ። መልኣከ ወዲ ፊተውራሪ ብማዕረግ ሓለቓ ስታፍ ናይቲ እዚ፡ ንሓይሊ ባሕርን ኩሉ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዝካየድ ንግድን ካልእ ንጥፈታትን ውዕላትን ይቆጻጸር። ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ድማ ብማዕረግ ሓለቓ ስታፍ ናይቲ እዚ፡ ኣብ ኩለን ንኡስ ዞባታትን ምምሕዳር ዓድታትን ንዝተዘርገሐ ሰራዊት ብምምእካል ጸጥታዊ ኮነ ምምሕዳራዊ ስራሕ ይቆጻጸር።

መዘኻኸሪ፡ – እዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓፈሻዊ ወታደራዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ኮይኑ፡ ገለ ካብዞም ክብ ኢለ ጠቂሰዮም ዘለኹ መኮነናት ስማዊ ሓላፍነት ዘለዎም ጥራይ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ምምሕዳራዊ ቅርጺ እዚ ኮይኑ፡ ኢሰያስ ግን ካልእ ዝተጠናነገ ናይ ስለያ ሰኪዐት ዘርጊሑ ብደቂቕ ይቆጻጸረን።

ኣቃውማ ትካል ሃገራዊ ድሕነት

እዚ ትካል’ዚ ብቐንዱ ስልጣንን ውልቃዊ ድሕነትን ኢሰያስ ኣፎርቂ ይሕሉ። ብእኡ ኣቢሉ ከኣ፡ ቀጻልነት ስርዓት ህግደፍ ውሑስ ይገብር። ሃገራዊ ድሕነት ሰለስተ ብዝኣባላታ ኮሚተ ይመሓደር። ንሳቶም ከኣ፡ – ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውያንስ – ኣቦ መንበር፡ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) – ወኪል ስለያን ፖለቲካን ወጻኢ። ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ – ጸሓፊ ኢዮም። ጀነራል ፊሊጶስ ካብ ኣቦ መንበር ትካል ሃገራዊ ድሕነት ዝሓልፍ፡ ድላዩ ክገብር ፍቓድ ዝተዋህቦ እሙን ጀነራል ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣስመራ ፍሉጥን ሕቡእን ኣብያተ ጽሕፈታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓት ሰዓት ዝግበር ምቅይያራት እናተቖጻጸረ ቅልጡፍ ስጉምቲ ዝወስድ ጀነራል ኢዩ። እቲ መድረኽ ኣስማት ናይ ዝተወሰኑ መኮነናት እናልዓሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዘቕርብዎ ክስታት እምበኣር፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ኣቃውማዚ ኣእቲኻ ክረአ ይግባእ።

ኣቃውማ ትካል ሃገራዊ ድሕነት እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ መድረኽ ግን ነቲ ትካል ብዋንነት ዝሓዝዎ፡ እቶም ብትሕተ ሃገራውነትን ኣውራጃን ዝከሰስዎም ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ምዃኖም ከእምኑና ይፍትኑ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብቲ ብዕለት 30/11/2017 ብጽሑፍ ዝዘርግሕዎ ፈነወኦም “ምኽታብ ቃርማታት” ኢሎም ዘቅረብዎ፡ ኣነ’ውን ከም ጭብጢ ቁጽሪ 5፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣቅሪበዮ ዘለኹ፡ “ሰለይቲ’ውን (ቃርማታት) ካብቲ ናቶም ወገን ጥራይ ኢዮም ዝምልምሉ” ኢሎሙና ኢዮም። ኣብዚ’ውን ዓይንና ዝርእዮን ኣዝንና ዝሰምዖን ክንክሕድ ኢዮም ዝሓቱና ዘለዉ። ብርግጽ ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዝኾነ ከባቢ፡ ብሀር ወይ ሃይማኖት ሰለይትን ቃርማታትን ከም ዘለዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተ ንብዝሖም ዝምልከት ግን፡ ርእሰይ ኣልዒለ “ሓሶት” ክብሎም ዝጽግመኒ ኣይኮነን። እተን ኣብ ዝኾነ ህዝባውን መንግስታውን በዓላት ተቖኒነንን ኣጊጸንን ክወዛወዛ እንርእየን በዓል መን ድየን? ገሊአን ብስምዒት ዝገብርኦ እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ካብኣተን ግን ብህግደፍ ተሰሪዐን፡ ተኸፊለን ዝገብርኦ ምኳነን ክንነግሮም ጽቡቕ ኢዩ። እቶም “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ኢሎም ክጭርሑ እንርእዮም ሸያባት’ከ ዝበዝሑ ካበየናይ ከብቢ ምኻኖም’ዶ ምነገርኩምና? እቶም ኣብ ፈቐዶ ህዝባዊ ቦታታት ተረኾቦም ወረታት ዘቀባብሉን፡ ዘረባ ዝለቕሙን’ከ በዓል መን ኢዮም? ኩሎም እዚኣቶም ኩነታት ኤርትራ ሕማቕ ከም ዘሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ዝተዋህቦም ዕዮ-ገዛ ስለ ዘሎ ጥራይ ኢዮም ሕልንኦም ሸይጦም ናብ ከምዚ ዝተዋፈሩ። እሞ መድረኽ ብኣውራጃን ከባብን ክሲ ተቕርቡ ስለ ዘለኹም፡ ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ካበየናይ ከባብን ኣውራጃን ምዃኖም ክትነግሩና ከኣ ክንጽበ ኢና። እስከ ሓንቲ ሕቶ’ውን ወስ ከብለልኩም። ነቶም “ስምኦን ገብረድንግል – ወልደዝጊ ዘይፈልጦ፡ ወዲ ካሳ ከኣ- ጋይም ዘይፈልጦ ስራሕ ኣይሰርሑን ኢዮም” ኢሎም ዝከራኸሩን ነቲ ትካል ዝፈልጡን ሰባት’ከ እንታይ ኢዩ መልስኹም?

ክልሰ ሓሳባዊ ትርጉም ኣውራጃውነት፡ ወገናውነትን ትሕተ ሃገራውነትን

ኣውራጃውነት ናብቲ – regionalism ዝብል ናይ እንግሊዘኛ ቃል ዝቐረበ እመስለኒ። ብኣጠማምታ ይኹን ብደረጃ ምሕደራ፡ ረብሓ ሃገር ብመንጽር ረብሓ ናይ ሓደ ውሱን ከባቢ ወይ ኣውራጃ ጥራይ ክርኢ ይፍትን። ንልምዲ፡ ኣዘራርባ፡ ላህጃ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ጽባቐ (art)፡ ባህሊ ናይ ሓደ ውሱን ከባቢ ወይ ዞባ ፈልዩ፡ ከም ናይታ ሃገር ብምልእታ መለክዒ ገይሩ ይርኢ። ንናይ ካልኦት ከባቢታትን ኣውራጃታትን ከኣ የቆናጽብን የነኣእስን። ብቐንዱ ከኣ ንረብሓታት ናይ ሓደ ውሱን ዞባ ወይ ኣውራጃ ምእዙዝ ምዃንን ንዕኡ ምቅላስን ማለት ኢዩ። ትሕተ ሃገራውነት ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ረብሓታት፡ ብመንጽር ረብሓ ፍሉይ ብሀር፡ ቀቢላ፡ ሃይማኖት ወይ እምነት ከተረጋግጾ ምፍታን ኢዩ። ወገናውነት ድማ፡ ዳርጋ ድምር ናይ ክልቲኡ ክኸውን ይኽእል። እዚ ትርጉም’ዚ ናተይን ዝተፈላለየ ጽሑፋት ተወኪሰ ዝህቦ ዘለኹን ኢዩ። መድረኽ ከኣ፡ ነቲ ትሕተ ሃገራውነት፡ ኣውራጃዊ፡ ወገናዊ ዝብል ወግዓዊ ክስታቶም፡ ብመንጽር’ቲ ኣብ ውሱናት ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዝኾኑ መኮነናት ዘቅረብዎ ክሲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉምን መዐቀኒታትን ከቕርቡለይ ክጽበ ኢየ።

ብዘይካ’ዚ “ተመጣጣኒ ገበን ንዘለዎም ካልኦት ሰባት ንሒፉ፡ ንተወለድቲ ውሱን ከባቢ ጥራይ ዝኸስስ ኣተሓሳስባ፡ ጉጅለ ኮነ ውልቀ ሰብ፡ ንሱ ጥራይ ኢዩ ኣውራጃውን ወገናውን ዝበሃል ዝብል እምነት’ውን ኣሎንኒ። ብፍላይ ከኣ ብከባብን ኣውራጃን ንዝቐርብዎ ሰባት ዝንሕፍ። መድረኽ ከኣ ነሓፍቲ ኢኹም! ! ብወገነይ ኣምበብቲ ክርድኡለይ ዝደልዮ ነገር ግን ኣሎ። ኩሎም እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ መኮነናት ኮኑ፡ እቶም መድረኽ ዘልዓልዎም መኮነናት ብዝተፈላለየ ኩርናዕ፡ ንስልጣን ኢሰያስ ዝሕልዉ መጸይትን ቀተልትን እምበር፡ ብእኦም ዝረብሐ ህዝቢ ኮነ ወገን የለን። ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓድነት እምበር፡ ካብ ፈላለይትን ምፍልላይን ኣይኮነን። ኣነ’ውን ንኣተሓሳስባ መድረኽ እነቅፍን እብድህን ኣለኹ እምበር፡ ከምቲ ገለ ምስሉያኣትን መደናገርትን ክብልዎ ዝፍትኑ፡ ኣነ ብጽበትን ኣውራጃነትን ዝኸሰስኩዎ ሰብ ይኹን ከባቢ የለን። ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘልዓልኩዎ ከኣ፡ ነቲ መድረኽ ከተኣታትዉዎ ዝደልዩ ፈላላይን በታንን ኣተሓሳስባን ዘመተን ህዝቢ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ስለ ዝደለኹ ጥራይ ኢየ። ሕጂ’ውን ሓይልና ኣብ ሓድነትናን ብዙሕነትናን ኢዩ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ብወገነይ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣሎ። እዚ ኣፈላላይ’ዚ ኣይኮነን ንዓና (ነቲ ሓፋሽ ህዝብን ተጋዳላይን) ነቶም እንተ ክጻወሩዎ መሪጾም ወይ ከም ናይ ስልጣን መሳልል ተጠቂሞሙሉ፡ ነቶም ነቲ ቅንጸላን ምፍልላይን ጸይሮም ዝኣተዉ ጉጅለ 15 እውን ኣይጠቐሞምን። ነቶም ንምእሳር ጉጅለ 15 መበገሲ ገይሮም ብስዉር ኣውራጃዊ ፍልልይ – ህዝቢ ዘበኣሱን ዝፈላልዩን ዝነበሩ ዓደላ ጃብርን ሙስጠፋን እውን ለኪሙዎም ኢዩ ጠፊኡ። እቶም ዝተረፉ’ውን በብተራ ብዝኣጎዱዎ ሓዊ ይልብለቡ ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ግዳይ ናይቲ ፍልልይ እምበር ረባሒ ኣይኮነን። ኣብ ህዝባዊ ግምባር’ውን እንተኾነ፡ ተጋደልቲ ነቲ ጉዕዙይ ኣሰራርሓ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተጻዊርና ከም ማይን ጸባን ተወሃሂድና ጸላኢና ስዒርና እምበር፡ ተፈላሊና ኣይንፈልጥን። እቲ ምፍልላይ ድሕሪ ናጽነት ብጋህዲ ክስርሓሉ ምስ ጀመረ’ውን ተበቲንናን  ደኺምናን እምበር ዝረብሐን ንግሰነት ዝዓተረን ወገን የብልናን። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኢዩ ምፍልላይ ዝድለ ዘሎ? ዝብል ሕቶ፡ ናብኦም ናብቶም ሃንደስቱ – (ናብ መድረኽ) ኢዩ ዝመልሰና።

መድረኽ መን’ዮም? ንመን’ከ ይሓቑፉ?

ከምቲ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ መድረኽ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስን ዘወሃህድዎ ምትእኽኻብ ኢዩ። ክልቲኦም ከኣ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባርን ላዕለዎት ካድረታት ናይታ ሕብእቲ ዝነበረት ሰልፍን ኢዮም። ህዝባዊ ግምባር ከም ውድብ፡ ምሁራት ዝሳቐዩሉን ዝቕተልሉን ኢዩ። ክልቲኦም ግን ኣብቲ ውድብ ከይተተንከፉ ዝኣተዉ ምሁራት ኢዮም። ድሕሪ ናጽነት’ውን ዘይከም ካልኦት መዛኑኦም ኣብ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ተቐሚጦም ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ከኣ ብመንጽር ባህሊ ህዝባዊ ግምባር “ግርምቢጥ” ተባሂሉ ጥራይ ኢዩ ዝሕለፍ።

ዝያዳ ስኽፍታ ዝፈጥር ግን፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ እቶም ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እና ኣረዩ ከም ኣባላትን መሳርሕትን ክሓርዩዎም ዝጸንሑ ሰባት፡ ነቶም ኣብ ዘመነ ህግደፍ ቀንዲ ተለኣኣኽትን ኣተግበርቲ ናይቲ ጉዕዙይ ፖሊሲ ህግደፍን ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። ንኣብነት እቲ ቀደም ኦፐረተር ራድዮ ርክብ ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ግን ብሰንኪ’ቲ ዘርኣዩ ምእዙዝነት ክሳብ ሚኒስተር ዝበጽሐ ዓሊ ዓብዱ፡ ምስቲ ስርዓት ተባኢሱ ምስ ሃደመ፡ ቀልጢፉ ኣብ ዓይኒ መድረኽ ኣትዩን፡ ኣባሎም ክከውን ተሓቲቱን ኢዩ። ልዕሊ ዓሊ ዓብዱ ተመክሮ ዘለዎም፡ ግን ከኣ “ነዚ ኢልና ኣይተጋደልናን!” ስለ ዝበሉ ጥራይ ግዳይ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ዘለዉ ተጋደልቲ ግን ሓለፍቲ መድረኽ ኣይተገደሱሎምን፡ ወይ ብዕቱብ ክቐርብዎም ኣይደለዩን። እዚ ከኣ ኢዩ፡ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ መድረኽ።

ምናልባት’ውን ቀድም “መሲሉዎም ገይሮሞ” ወይ’ውን “ፈሪሖም ኣጽቂጦም” ኢልካ ክትሓልፎ ይከኣል ይኽውን። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝበርሰሉ ዘሎን ኣብ ዝተበተነሉን እዋን፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ግዜ ክሰምርን ክሓብርን ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ምፍልላይ ምቱኽታኾም’ድኣ ንምንታይ ዕላማ? ኣብ ማሕበራዊ ሕቶ – ህዝቢ ብዓዱን ከባቢኡን ከእከብን ክተሓጋገዝን ንቡር ኢዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ንኾርዓሉ ኤርትራዊ ባህሊ ሓደ ኢዩ። ተራ ህዝቢ ዓዱን ኣውራጅኡን  ኣልዒሉ እንተ ተዛረበ ዝተሓዞ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝኣተወ ህዝቢ ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣነ፡ ከምዚ ዝበለ ምትእስሳራት ከርኢ ባህርያዊ ኢዩ። እዚኣቶም ግን ተራ ሰባት ኣይኮኑን። ብገንዘብ ህዝቢ ዝተማህሩ፡ ዝበዝሐ ካብ ዕድሜኦም ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ዝሰርሑ፡ ከም ተራ ዘይኮኑ ከም ሓለፍቲ፡ ሕጂ ከኣ ሃገር ክመርሑ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ኢዮም። ተማሂረ ኢየ ዝብል ሓንጎል ክመርሕ ኢየ ዝብል ምሁር፡ ጭብጢ ንዘይብሉ ተራ ዘረባ ኣቀናቢሩ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምጥርጣራት ክፈጥር ግን – ዓገብ።

ብወገነይ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ፡ እንተላይ ኣብ መታሕት- ሰሪሐን ተንቀሳቂሰን ኢየ።ኣብ ባህልን ልምድን ህዝብና፡ ኣብ ባህግታቱ ኮነ ትጽቢታቱ፡ ኣብ ዘለዎ ሓልዮትን ምትሕግጋዝን፡ ኣብ ፍቕርን ምትሕልላይን ክንዲ ፍረ-ኣድሪ ትኸውን ፍልልይ ኣይረኣኹን። ኣብ ምሁራትን “ይፍልጡ ኢዮም” ዝበሎም ደቁን ግን ሕሉፍ እምነት ኣለዎ። ኣዳለውቲ ዜናታት መድረኽ ከኣ ነቲ ቀልጢፉ ዝኣምን ግሩህ ህዝቢ – ስለ ዝኣምን ከኣ ዝበልካዮ ዝቕበል ሓፋሽ (mass) ፈላልዮምን ኣታሊሎምን ናብ ስልጣን ገጾም የቋምቱ ኣለዉ።

ሕጂ’ውን ቅድም ዝበልክዎ ኢየ ክደግም፡ መድረኽ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ተገዳስነት እንተዝነብሮም፡ ነቲ ምንጩ ዘይፍለጥ፡ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ገንዘብ፡ ኩሎም ኣብናቶም ደረጃ ዘለዉ ምሁራትን ተመኩሮ ዘለዎም ገዳይም ተጋደልትን ተጋቢኦም፡ ፍታሕ ኣብ ምድላይ ከም ዝዝትዩ ኣብ ምግባር ክጥቀምሉ ምተገብአ። ግሉጽነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ስራሕ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሓደገኛ ውጽኢት ከም ዘምጽእ ንኽርድኡ፡ ኣካዳምያዊ ድሕረ ባይታኦምን ተመክሮኦምን እኹል ኢዩ። ሕጂ’ውን ካብ ከምዚ ዝበለ ሕሱር ወረታት ወጺኦም፡ ምስ ትምህርቶም ደረጅኦምን ዝኸይድ፡ ህዝቢ ዝጽበዮ ስራሕ ክሰርሑ ንምዕዶም።

ንዘለዎም ኣካዳምያዊ ድሕረ ባይታን ኣብ ፖለቲካ ዝጸንሕዎ ዓመታትን፡ ምስዚ ሕጂ ዘርእዩና ዘለዉ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣነጻጺርካ ክረአ ከሎ፡ ፕለቲካዊ  ዕላማ መድረኽ ንምርግጋእ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ውልቆም ፖለቲካዊ ስልጣን ዘነጻጸረ ኢዩ ዝመስል። ነታ ንህዝባዊ ግምባር ዝቐተለት ሕብእቲ ስልፊ ዳግማይ ኣበራቢሮም፡ ንገለ ካብ ኣባላት ናይዛ ሕጂ ኢሰይስ ዝጥቀመላ ዘሎ ሰልፊ ከሲቦም፡ ብናታቶም መንገዲ ብምትዕርራይ፡ ብኻልእ ውልቀምልኪ ንምትካል ይጽዕሩ ኣለዉ። ኩሉ’ቲ ከርእዩና ዝጸንሑ ኣመራርጻ ሰባት ነዚ ኢዩ ዘረጋገጽ። ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት፡ነጻ ምርጫ፡ ናይ ዘረባን ጽሑፍን ናጽነት ኣብ ኣጀንድኦም ዘሎ ኣይመስለንን። ኩሉ ኣስራርሓኦም ንህዝቢ ኣየርብሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሳቶም’ውን ዝዕወትሉ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ዓድን ከባብን እናነጻጸልካ፡ ንተወለድቲ ገለ ኣውራጃታት ነጺልካን ኣሰይጢንካን፡ ኣብ ህዝቢ ምጥርጣር ከም ዝሰፍን ምግባር ግን፡ ግዜኡ ዘብቀዐ ረሳሕ ፖለቲካ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተማህረሉ ድማ ዝጻወሮ ኣይኮነን።

መደምደምታ፡ –

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ቅድሚ ምዝርገሐይ፡ ምስ ሓለፍቲ መድረኽ ተረዳዲአ ክፈትሖ ፈቲነ ኢየ። ኣብቲ ዝሰደድኩዎ ኢመይል፡ ናይ ኢደይ ተለፎን ከይተረፈ ዝሃብኩዎም’ውን ኣለዉ። ኣይሰለጠን። ነዚ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ጽሑፋት ምስ ዘርጋሕኩዎ ከኣ፡ ብዙሓት ተሓጒስኩምን ኣተባቢዕኩምንን። የቐንየለይ። ብማዕሪኡ ከኣ ብዙሓት ሓሪቕኩምን ጸሪፍኩምንን። ኩሉ’ቲ ትሕዝቶ ኮነ ሓሳባት ብውልቂ ናተይ ክንሱ፡ ኣብ መርበብ ሓበረታኡ ስለ ዘውጽኦን ኣማራጺ ሓሳባት ስለ ዝዘርግሐን ጥራይ፡ ናብ ኣሰና ዝተመጣጠርኩም’ውን ነይርኩም። ብሓጺሩ “ኤርትራውያን ኣብ ሓሳብ ተፈላሊና” ማለት ኢዩ። ብሓቂ’ውን ብኣውራጃን ከባብን፡ ብብሀርን ሃይማኖትን ምዝራብ ይፈላልየካ እምበር ኣይጠምረካን ኢዩ። ብማዕሪኡ ከይንፈላለን ስምዒት ሰብ ንዘይምትንካፍን ኢልካ፡ እናረኣኻን እናሰማዕካን ስቕ ምባል ከኣ፡ ነቶም ክፈላልዩናን ክብትኑናን ዝደልዩ ውልቀ ሰባት፡ ጉጅለታን ምትእኽኻባትን ዕድል ምሃብ ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ገለ ሰኣን ምርዳእ ገለ ከኣ ነቲ ሓሳባት ንጥምዛዝ ኮነ ኢልኩም ክትገልጽዎ ከም ዝፈተንኩም፡ ኣነ ጸግዒ ወሲደ፡ ነቶም ተጠቀስቲ መኮነናት ሃገራዊ ድሕነት ዝከላኸል ዘለኹ ገይርኩም ዝጸሓፍኩም ወይ ዝተዛረብኩም ነይርኩም። ብሓቂ ተጋጊኹም። ንሳቶም ኣብ ብዙሕ ገበናት ኢዶም ዝሓወሱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ሓለዋ ኢሰያስን ስርዓቱን ተዋፊሮም ስቓይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕ ዝዋስኡ ዘለዉ ኢዮም። ንኣሕዋቶምን ንናይ ቀረባ ቤተ ሰቦምን ኣይሕግዙን ኢዮም ዝብል እምነት የብለይን። ነዚ ምስ ኣውራጃን ወገንን ኣተኣሳሲርካ ምቕራብ ግን ፍጹም ዘይከውን ኢዩ። መድረኽ’ውን ጸግዒ ከይወሰዱ ከም ኣገልገልትን ሓለውትን ህግደፍ ኣብ ክንዲ ዘቕርብዎም፡ ብመንገዶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ጽልእን ቅርሕንትን ንምስዋር ክጥቀሙሎም ኢዮም ጸኒሖም። ኣነ ከኣ ነዚ ኢየ ዝነቅፍ ዘለኹ’ምበር፡ ንዕኦም ንምጥባቕ ኣይጸሓፍኩን።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ (ካብ 1961 – 1991) ናይ ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ ኣውራጃን ካልእን ኣፈላላይ፡ ኤርትራውያን ተጻዊርናዮ ኢና፡ ካብኡ ዝዓቢ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ስለ ዝነበረና። ኣብ ዘመነ ህግደፍ (ድሕሪ ናጽነት) እውን ኣጽቂጥናን ርእስና ኣድኒንናን ሓሊፍናዮ፡ ንህይወትና ስለ ዝፈራሕና ጥራይ። ቅድም ስለ ዝተጻወርናዮ፡ ድሓር ከኣ ፈሪሕና ስለ ዘጽቀጥና ግን እቲ ጉዳይ ከም ሰላሕታ ሕማም መመሊሱ ረሚሱናን ፈላልዩናን እምበር ኣይተፈትሐን። ብኣንጻሩ ነቶም ንዓና ኣባኢሶምን ፈላሊዮምን ክገዝኡናን ንብረትናን ሃብቲ ሃገርናን ክውንኑ ዝደልዩ መጸይቲ ዕድል ክረኽቡ ጸኒሖም። ሕጂ ግን ‘ይኣክል’ እንብለሉ እዋን ኢዩ። ኤርትራውያን ኣእዳውና ብሓባር ናብቶም ነቲ ሓሳባት ዘንቀሉን ዝጥቀምሉን ጉጅለታትን ውድባትን እምበር፡ ናብቶም “ዓገብ” ዝበልና ክኸውን የብሉን። ነቲ ሕማቕ ካብቲ ጽቡቕ ንፍለዮ። ሰብና እናበረሰ፡ ሃብቲ ሃገርና ብጓኖት እናተዘምተ ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ እሰምረሉ እዋን ኢዩ’ሞ፡ ሃየ ገገዛና ነጽሪ።

መድረኽ ከኣ ብማዕረ’ቲ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ኣነዋሪ ወረታት፡ ብወግዒ ንሰማዕቶም ይቕረታ ክሓቱ ይግባእ። ብወገነይ ንሕጂ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ኣብዚ ክውድእ ኢየ። መድረኽ ካብ ምእራምን መብርሂታት ካብ ምሃብን ዝሓልፍ ካልእ ዘለፋን መጥቃዕትን እንተወሲኾም ግን ‘ዓገብ’ ክንብሎም መሰልና ምዃኑ ሕጂ’ውን ክፈልጡ ይግባእ።

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Sol March 6, 2018

    Tekhlay, is this insanity defense or your employers started to pay you overtime?

    • shilan March 7, 2018

      Muslim jerk compulsive liar/cheat, since you are so much in love with our beautiful Christian Habesha names like Teklay, Sol, amanuel, alem, Almaz, Nahon, Samson Beraki and so on
      Why don’t you simply call your next muslim dog son Teclay so that you spare us from boredness! Otherwise, the great intelligent/brilliant man was so sick with your muslim gimmicks that he left us (unfortunately) a long time ago but I hope to see our brilliant gentleman brother Teclay back at assenna in a very near future. In short, muslim jerk, rot in your Islam HELL where you belong.

  • Zgeremo March 6, 2018

    ዝኸበርኩም ኣቶ/ተጋዳላይ ታደሰ፥
    ቅድሚ ኩሉ ምስጋና፡ ደሓር ከኣ ኣድናቖተይ ኤቕርበልኩም። ነዚ ኩሉ ሓበሬታ ክትመምዩ ክንደይ ጻዕሪ ከም ዝወሰደልኩም እግምቶ እየ።
    ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ናጽነትና ብዙሕ ክፋእ ዝፈጸሙ፡ ብዙሓት ተጋደለቲ ብሰላሕታ ከምዝቐተሉን ከም ዘቕተሉን፡ ገለ ካብቶም ኣባላታ ዝነበሩ ይገልጹ ኢዮም። ንኣብነት፡ ገለ ሰባት ክተጥፍእ እንተደልያ፥ ኣብዘይድለ ኩናት ተእትዎም፣ ኣብ ፈንጂ ዘለዎ ቦታ ብቕድሚት ትሰዶም። እቶም ክጠፍኡ ዝተደልዩ ሰባት ምስተቐትሉ፡ `ኣንሳሕቡ` ዝብል ትእዛዝ ይመጽእ፡ እቲ ተዋስኦን ቅንጸላን ድማ ይቕጽል፡ ይብሉ እቶም ዝወዓሉሉ (ኣብቲ ግዜቲ ደቂ ሃገር ከጥፍኡ መሳርሒ ዝነበሩ ገለገለ መራሕቲ ወተሃደራት)። እዚ ጸይቂዚ ጌና ይቕጽል ኣሎ። ሰለይትን ኣሰርትን/ቀተልትን ከምቲ ናይ ሕብእቲ ሰልፊ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ነዞም ኣብዚ ገበንዚ ዝተሳተፉ ኣባላት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከይጥቀሙ፡ ሕግን ግሉጽነትን ክንጠልብ የድልየና።
    ነቲ ክፋእ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ከይድገም፡ መራሕቲ መድረኽ፡ ከም ነባራት ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ መጠን፥ ንሕዝቢ ኤርትራ ኬንቅሕዎን ክምህሩዎን ኬጠንቅቑዎን ደኣ ይግባእ ነበረ እምበር፡ ተመሊሶም ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ ኣናድዮም ክኸትቡን፡ ሕዝቢ ክፈላልዩን ኣይግባእን። ነውሪ!
    `ኣደኺዶ ሓውትኖኺ ይሕሻ?
    ኩለን ሓደ ኢየን ይለሓሳ` ይብላ ኣዋልድ መርዓ።
    ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ይኹኑ፡ ሥብሓት ኤፍረም፡ ስሞኦን ገብረድንግል ይኹኑ የማነ ገብረኣብ፥ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ይኹኑ ሮሞዳን መሓመድኑር ኩላቶም ጸየቕትን መብረስትን ኢዮም። መድረኽ ግን፡ ካብቶም ሰይጣውንቲ ከይተረፈ መኖም ይሕሹና ኢሎም፡ ንገሊኦም ክውንጅሉ ንገሊኦም ከም ውጹዓት ክርእዩዎምን ክከላኸሉሎምን ይረኣዩ ኣለዉ። ዝገርም ድማ፡ ነቶም ላዕለዎ ሰበ ስልጣናት ገዲፍካስ ነቶም ዝተሓቱን ተለኣኽትን ኣተግበርትን ክጻብኡዎም ምፍታኖም ኢዩ።
    ታሕተዎ ሰበስልጣን ከም በዓል ስምዖን ገብረድንግል እንተ ተገለፉ ወይውን እንተ ተኣስሩ፡ ስርዓት ህግደፍ ምቕጻሉ ኣይተርፎን ኢዩ። ብሓቂ መድረኽ ንህግደፍ ክሃርሙ እንተ ደልዮም፡ ነቲ ምንጪ ኩሉ እከያት ዝኾነ ጉጅለ ክሃርሙ ምተገብኤ። ንሱ ከኣ ስንሓት ኤፍረምን ኢሳያስ ኣፍወርቅን የማነታታን፡ ኣልኣሚናትን የጠቓልል እመስለኒ። ምስ እዚኣቶም ድማ በዓል ጋይምን ስምዖንን ምለከሙ።
    ግዱስ ኤርትራዊ ኩሉ ተገዲሱ ክሓስበሉ ዝግባእ ነገር፥ ቅድሚ ኩሉ መን ኢዩ ፈላላዪን ኣውራጃውን ነለልዮ፡፡ ድሕሪኡ ንኹሉ ጸቢብ ኣተሓሳስባታት ፎእ ንበል። ብሕቡእ ዝንቀሳቐስን ምስ ውሻጠ ህግደፍ ብማዕዶ ዝቓንን ጉጅለ ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ክንጥንቀቕ ኣለና። ዝንዕቀናን ዝፈላልየናን ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛ ኣየድልየናን ኢዩ።
    ፈጣሪ ልቦናን ጥበብን ይሃበና።

    በሉ ኣን ሳልሳይ ክፋል ዝጸሓፍኩዎ ግና ኸኣ ከይተነበበት ዝሓለፈት እውን ኣንብቡ

    ዜና ምንጭታት ፡)
    ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ገሊኣቶም ሰበስልጣናት ደቂ ኣከለጉዛይ፡ ካብቶም ልዕሊኦም ኮይኖም ዝእዝዙዎም ኣሕሉቕ ህግደፍ ብዝያዳ ወገናውያን ከምዝኾኑ ምንጭታት መድረኽ ተደራብሾም ብኣሽሙር ጠቂኖም። ጀነ። ስንሓት ኤፍረም ትሕቲ ብ/ጀ ስምዖን ኮይኖምስ ብጓህን ብፍርህን ይሳቐዩ።
    ከምኡ ስለዝኾነ፡ ጸይቀዕሉል ብ/ጀነራል ስምኦን ግብረድንግል ንሓንቲ ሰበይቲ ምስ 5 ደቃ ንስደት ከምእትኽይድ ጊሮም። እዚ ድማ ናይ ኣውራጅውነቶም መርእያ ምዃኑ፡ ምንጭታት መድረኽ ብሓጎስ ሓቢሮም።
    በዚ ስነሞጎት እዚ ከይዶም እቶም ምንጭታት፡ ኣብተን 350 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርትታት እንዳ ኣይተ ኢሳያስ፡ መርሚሮም፡ ደቂ ኣከለጉዛይ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ቤት ማእሰቲ ኤርትራ ደቂ ካልኦት ኣውራጃታ መሊኦምዎ ክብሉ እቶም ምንጭትታ ኣጉረምሪሞም።
    ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ደቂ ኣከለጉዛይ ሃብቲ ሃገር ብሒቶም፡ ከምኡውን ሰበ ስልጣናት ሰራዊት ኤርትራ ዳርጋ ኩላቶም ደቂ ኣከለጉዛይ ከምዝኾኑ ምንጭታት መድረኽ፡ ብዘይ ገለ ጭብጥታት፡ ሕሜታኦምን ግላዊ ቅርሕንቶምን በጨቕ ኣቢሎም።
    እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ድማ፥ ጀነራል ፍሊጶስ ናይ ምርሻን ስራሕ ደው ስለዘበሉዎን፡ ኣይተ ገባቲ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማኒ፡ ተናዒቖም ስለዝኾኑ፡ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ሳባ፡ ጓል ኣከለጉዛይ ስለዝኾና፡ ነቲ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊኤን ዝፍጽሙዎ ዘይውርዙይ ጠባያት፡ ሕነ ክፈድያ ኢለን ኢየን ክብሉ እቶም ምንጭታት መድረኽ ዘይተራእየን ዘይተሰምዔን ሓበሬታ ካብ ሓንጎሎም ኣመንጭዮም።
    እቶም `ምንጭታት` ዝተባህሉ ሓበርቲ፡ መርትዖ ከቕርቡ ምስ ተሓተቱ፥ ምንጭታቶም ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብደዎም ስለ ዝመንጨቱዎም፡ ኣብ ማይ ከምዝእተወት ኣንጭዋ ኣጽቂጦም ኣለዉ ይበሃል ኣሎ። ምንጭታት መድረኽ ብዘይ ምንጪ ከይተርፉን ከይነጽፉን፡ ዝሰግኡ ካልኦት ምንጭታት ድማ ኣለዉ ይውረ`ሎ።

    እቶም ምንጭታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠምሩ ድዮም ወይስ ፋሕ ከብሉ ዝደልዩ፡ ንዝብል ከቢድ ሕቶ፡ ምንጭታት መድረኽ ይኹኑ መድረኽ ዝህቡና መልሲ፡ ብኣፍ ዘይኮነስ ብተግባር ዝከታተሉ ካልኦት ምንጭታት ክከታተሉዎ ኢዮም።

    ካልኦት ምንጭታት ድማ፡ ብሓቂ ኣባል መድረኽ ክትከውን፡ ኣባል እታ ብጸልማት ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝቐጸየት ሕብእቲ ሰልፊ ክትከውን ከምዝግባእ ብጭብጢ ዝተሰነየ፡ ርጡብ ሓበሬታ ለጊሶም።
    ኣብ መወዳእታ ምንጭታት ከይጠቐስኩም እግዚኦ! ክትብሉን፡ ንሕብረትን ንኽብረትን ንማዕርነትን ደቂ ሃገር ብዘይኣድልዎ፡ ክትጽዕሩን ክትንእዱን ክትሓምዩን ሕልናኹም ክትውከሱ እሓትት።
    ካብ ተወሳኺ መገረም ዝኾነ ምንጭትታ ክሕልወና ንልዑል ፈጣሪ ንልምን። ነቶም ሰናዕቲ ምንጭታት ድማ ሓቂ ተዛረቡ ሰማዒ ክትረኽቡ ንብሎም።

    • shilan March 7, 2018

      Zgeremo aka poisonous mighty Embassoyra, poisonous snaky HatellaGuzay Suleiman bin Gereaneniya. Ayte Suleiman bin Gereaneniya al HatellaGuzay Zeragiti, why all this bullshits??

      • shilan March 7, 2018

        correction: please read as “Zeragito” and not zeragiti!

  • Ahmed March 7, 2018

    Just let them go down to the hell because we know Medrek not today but while they were gathering the criminals to be members and leaders. Their party is spy of hgdf. I can say hgdf is purely awrajawi which kills to non awrajawyan and truth speakers from 72 until now. So no one can tolerate them as such we did in the past. So Eritreans, please listen, Eritrea belongs to all of us so if we want to live in peace lets govern it together, this is the point.
    But thank you Tadese kidane you are smart political analyse who knows an underground dirty politics very well and you are courageous who speak the truth loudly. No more “mienti megogo tihlef anchwa” kisab mesel hizbi zregagets hamed knsate ena, eta megogo wela entetesebret win bhabar ena kintemi. slezi nedri hizbi hayal slezkone tearemu.

    • k.tewolde March 7, 2018

      I feel you Ahmed, it is Eritrea the ambiguous,pretentious,full of false pride,the land of double standard……we could have avoided this current mayhem we are suffering together today if we have nipped the cause at the bud a long time ago,we gave him an inch he took a yard,we gave him a yard he took the whole country.Blame no one. I also agree with you that Tadesse did an extensive and solid groundwork to expose the double agents in diaspora.

  • shilan March 7, 2018

    Mr Tadesse Kidane, thank you for your inputs but you are NOT any better than the corrupt/opportunists Medrekhs.

  • Berhanemeskel Tewelde March 7, 2018

    Thanks Tadese Kidane, l read carefully your clearly points with facts from #1-4.
    It is amazing and l hope your pen and paper will be always infront you to write the facts or truth from your gifted intelligence.
    God bless you brother.

  • Hara March 7, 2018

    Thank You! Tadese Kidane…ente Medrek,Melsi kab mhab kab website
    Tesheribom alewu!! WHY?

  • Haile Berhane March 7, 2018

    እቲ ሰነፍ ንሓቂ ጭብጢ ብምቕራብ ክምጉታ ክንዲ ዝፍትን ኣብ ጸርፍን ዘለፋንዩ ዝኣቱ። ሓው ታደሰ መጀመርያ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ማለት መድረኽ ተወኪስካዮም። መልሲ ስለ ዘይሃቡ ድማ ጭብጥታት ኣቕሪብካ ነቲ ኣዕናውን ፈላላዪን ምህዞታቶም ቀላሊዕካዮ። ኣብዚ፡ በቲ ምቅላዕ ዘይተሓጐሱ ሓለፍቲ መድረኽ ይኹን ዕሱባቶም ብስናይ ብርዒ ስም ክጻረፉን ክዝልፉን እንተ ፈተኑ ዘገርም ኣይኮነን። ድኹም ሰብ ኣብ ክንዲ ከምዚ ናትካ ጭብጢ ኣቕሪቡ ዝምጉት ኣብ ምቍንጻብ፡ ምጽራፍን ሃተውተውንዩ ዝኣቱ። ስለዚ፡ ዕዮ ገዛኻ ወዲእካ ኢኻ ሓው ታደሰ። ደጊም ቅሰን። ሓቂ ተዘሪቡ ኢሎም ዝግዕሩ መድረኽ ይኹኑ ደገፍቶም ግደፎም ዓዕ! የብሉ። ሎሚ ኣብ 73 ኣይኮናን ዘለና። ሰብ ለቢሙ እዩ፡ ሳላ ተክኖሎጂ ድማ ክታለል ኣይክእልን’ዩ። ንመድረኽ ግን ናብ ልቦም ክምለሱ እላበዎም። ክንድዚ ክፍሊ በጺሕና እናበልሉ ሓደ ተራ ሓረስታይ ክገብሮ ዝኽእል ቁምነገር ክፍጽሙ ዘይክእሉ እንተኾይኖም ሸኽሚ ሃገር ምኻኖምዪ ዝርድኣና። ምዃን ኣብ ጕዳይ ሃገር ዘይኮነ ዶላራት ኣብ ምግሓትዮም ዘለዉ። ወርሒ ወርሒ ንሓደ ሰብ ዓመት ዘናብሮ ዝረኽቡ እንተኾይኖም ቃልሲ ኣይንታዮምን’ዩ። ናይዚኣቶም ምፈጸምታ የብሉን። ታደሰ ግን ምስጋና ይግብኣካ። ብዙሕ ሰብ ዘየስተውዕለሉ ውዲት ኢኻ ኣቃሊዕካ።

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply