Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? ታደሰ ኪዳነ ( በርሚንግሃም) – ቀዳማይ ክፋል

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? ታደሰ ኪዳነ  ( በርሚንግሃም)          03/02/2018 ቀዳማይ ክፋል ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሐይ፡ ምስ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ክራኸብ ፈቲነ ኢየ። ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታኦም ኣትየ “contact us” ዝብል ረኺበ፡ ዘለኒ ስኽፍታን

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”

ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

ታደሰ ኪዳነ  ( በርሚንግሃም)          03/02/2018

ቀዳማይ ክፋል

ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሐይ፡ ምስ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ክራኸብ ፈቲነ ኢየ። ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታኦም ኣትየ “contact us” ዝብል ረኺበ፡ ዘለኒ ስኽፍታን ርእይቶን ጽሒፈ ክሰድድ ተደጋጋሚ ፈቲነ። ፍጹም ኣይከኣልኩን፡ ከሕልፈኒ ኣይከኣለን። ንብዙሓት “ይፈልጡ ኢዮም” ዝበልኩዎም ሰባት ሓቲተ ናይ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን ኢመይል ክራኸብ ብዙሕ ጽዒረ።

ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጻዕሪ፡ ኣብ ገጻት መርበብ ኢንተርነት ኣትየ፡ ናይ ዝሰርሕሉ ወይ ናታቶም ፕሮፋይል ክገልጹ ክብሉ ዝጸሓፍዎ  ሰነዳት ሃሰስ ክብል ጀሚረ። በዚ መንገዲ’ዚ ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ክልቲኦም ኢመይል ረኺበ። ከም ላዕለዎት ሓለፍትን መስረትን ‘መድረኽ’ ድማ ናብ ክልቲኦም ብመንገዲ’ቲ ዝረኸብክዎ ኢመይል፡ ስኽፍታይን ዘለንኒ ርእይቶን ጽሒፈ – ምስኦም ተራኺበ ክፈትሖ ፈቲነ ኢየ። ድሕሪኡ’ውን ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መድረኽ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም ተጸሓሒፍና። ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ-ዕበጦ” ዝሓልፍ ኣይኮነን። ብፍላይ፡ ናይ ኢደይ ተለፎን ከይተረፈ ዝሃብኩዎም ገለ ካብኣቶም፡ ነቲ ንዓመት መመላእታ ብጥንቃቐን ብውሕሉል መንገድን ብቐጻሊ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ኣዕናውን ፈላላይን ፈነወታቶም “errors” ኢሎም ከነኣእስዎ ዝፈተኑ ኣለዉ።

ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለዘየርብሕን ክቕጽል ስለ ዘይደለኹዎን ከኣ እነሆ፡ ነቲ ኮነ ኢሎም ኣብ ህዝቢ ምጥርጣርን ምፍልላይን ንምፍጣር ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ዘይቅርዑይን ዘይውዱንን ዜናታቶም፡ ንሰነዳቶም ምርኩስ ገይረ፡ ብጭብጢታት ኣሰንየ፡ ናተይ ርእይቶ ወሲኸ ናብ ሰማዒ አቕርቦ ኣለኹ። ነቲ ስርዓት ኮነ፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝመርሑ መኮነናት፡ በብውልቅን በብዓዶምን ከፋፊልና’ዶ ንርኣዮም ወይስ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ . . . ኣብ ዝብል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ሕቶ ስለ ዘለዓዕል ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ኣይተራእየንን።    ሰናይ ንባብ፡ –

–        –        –         –        –        –        –         –        –         –         –

ዜናታት ሬድዮ መድረኽ ዝከተታተል ሰብ ኣይኮንኩን። ስሕት ኢለ ግን ንእግረ መንገደይ ዜናታቶም ሕልፍ-ሕልፍ ይብሎ ኢየ። ሓደ መዓልቲ ግን ንእዝነይ ዝኹርኩሕ ገለ ቃላት ሰሚዐ። ሽዑ ብዙሕ ኣይተገደስሉሉን፡ “ሙላቑ ኢዩ ዝኸውን” ኢለ ከም ዋዛ ሓሊፈዮ።

ንካልኣይ – ሳልሳይ ግዜ ተመሳሳሊ ቃላትን ሓረጋትን ከደጋገም ምስ ሰማዕኩ ግን፡ ብዛዕብኡ ክሓስብን ኣቓልቦ ክገብረሉን ጀሚረ። ብመደብ ብውሕሉል መንገዲ እናተሰኹዐ ሰማዕቲ ንምድንጋር ዝዓለመ ከይከውን ክጠራጠር ጀሚረ። ሽዑ ከኣ ኢየ ንሰነዳት ራድዮ መድረኽን ጽሑፋቶምን ተወኪሰ ከረጋግጽ ዝፈተንኩ። ብሓቂ’ውን ሙላቕ ኣይነበረን።

ኣዳለውቲ መርበብ ሓበረታ መድረኽ፡ እንተላይ ረድዮኦም ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ፍሉይ ጽልእን ቅርሕንትን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ሚድያ በዚ ኣቅሪቦሞ ዘለዉ መንገዲ ክገልጽዎ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሓለፍትን ኣካየድትን መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ እኳ’ድኣ ሃገር ንምምራሕ ዝመጣጠሩ ዘለው ስለ ዝኾኑ፡ ደጋጊሞም ዝፍንዎዎ ዜናታት – ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎ ናይ ግድን  ኢዩ። ንፖለቲካዊ ዕላማ ከም ዝሰርሑ’ውን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ መድረኽ ይገልጹ ኢዮም። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ዕላማ? ዝብል ኢዩ።

ንድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ንታሪኽ ውልቀ-መለኽቲ እንተ ተዓዚብና፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘሎ ህዝቢ፡ ሓለይቲ ናይ ገለ ወገን ተመሲሎም፡ ንኻልኦት ዝውግንን ዝንጽልን መርዛም ሓሳባት ይዝርግሑ ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ “ጋላና ሽንፍላ ታጥቦ ኣይጠራም” (ጋላን ርስሓት ከስዐን ተሓጺቡ ኣይጸርን ኢዩ) ዝብል ኣንጻር ህዝቢ ኦሮሞ ዘነጻጸረ – ናይ ነገስታት ኣምሓራ ነጻልን ጽልኢ ዘጓሃህር ቃላትን ብሓደ ወገን፡ መርገጺ ሳዳም ሑሴን ኣንጻር ኩርዳውያን ድማ በቲ ሓደ . .  ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ከኣ ንሓደ ወገን ነጺልካን ኣሰይጢንካን (demonize ገይርካ) ካብቲ ክትንጽሎን ከተርሕቖን  ዝደለኻ ወገን ዝመጹ ሰባት ሓደገኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ነቲ ካልእ ወገን ኣስጋእቲ ምዃኖም ትገልጽ። ንስኻ ከኣ ሓላውን ተኸላኻልን ናይቲ ‘ናተይ’ ዝበልካዮ ወገን ተመሲልካ፡ ብእኦም ክትሕሎን ክትክበርን ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ኢዩ።

መድረኽ’ውን ኣብቲ ብዕለት30/11/2017 “ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ብ3 ታሕሳስ’ውን ኣብ ራድዮ ዘንበብዎ ኣርእስቲ – 3ይ ሕጡበ ጽሑፍ፡ ከምዚ ክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለዉ ፡ –

“. . . ከም ዝፍለጥ ኣብ 1973 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኢሰያስ ኣፎርቂ መጀመርያ ነቶም ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ተጋደልቲ ‘እዚ ምንቅስቓስ ኣንጻር እስልምና ዝቐንዐ ናይ ክርስትያን ምትእኽኻብ ኢዩ’ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳቡ፡ ጸኒሑ ነቶም ሃይማኖት ክርስትና ዝኽተሉ ፡ ብፍላይ ድማ  ነቶም ደቂ ሓማሴንን ሰራየን ፈልዩ “እዚ ናይ ኣከለ ጉዛይ ምንቅስቃስ ኢዩ – ርሓቁሉ” ኢሉ ከም ዝገማምዖም፡ መወዳእታ ድማ ነቲ ምንቅስቃስ ብግፍዓዊ መንገዲ ከም ዝፈጸሞ ይዝከር” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ሕጂ’ውን ንሳቶም (መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ) ነዚ  ተመክሮ’ዚ ኢዮም ዝደግሙ ዘለዉ።  ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቕ 30/11/2017 ራድዮ 03/12/12

እቲ ብኢሰያስ ኣፎርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከም ፖለቲካዊ ስርዓት መጠን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዕቆበሉ ስነ-ሓሳብ ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብንጹር ከም ዝረኣናዮ፡ ስነ-ሓሳብ ህግደፍ፡ ኣብ ኣውራጃውን ወገናውን ምፍልላይ ዝዕቆብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምብትታን ህዝብን፡ ተሓታትነት ዘይብሉ ብርሰት ሃገርን ኢዩ ክደልዮ ጸኒሑ። ብሰንኪ’ዚ ጉዕዙይ ፖለሲ’ዚ ድማ ሎሚ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሕድሕዱ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ስለ ዝኣትዎ፡ ሓቢሩ ጸገሙ ክፈትሕ ኣይከኣለን። ካብ ፍርሕን ምጥርጣርን ሰጊሩ ናቱ ንእሽቶ “ተዕቁበኒ” ዝብላ ጎጆ ክሰርሕ ዝፍትን’ውን ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ “ካብ ክፉእ ዝገብሩኻስ፡ ሕማቕ  ዘልምዱኻ!!” ዝብል ምስላ ኣቦዋት የዘኻኽረካ።

እቲ ውሑድ ዝቑጽሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጸቢቖም ንዝዓብዩዎን ዝበዝሐ ጸጋታት ዝውንኑን ስርዓታት ስዒሩ፡ ሃገራዊ ክብሩ ከረጋገጽ ዘኽኣሎ – ሓድነቱ ኢዩ። እናተሓጋገዘን እናተደጋገፈን ዝኸይድ ህዝቢ እምበር፡ ብዋጋ ካልኦት ክነብር ዝደሊ ወገን የብልናን። እዚ ዝረአ ዘሎ ምጥርጣራት ንባዕሉ፡ ከምቲ ባዕላቶም መድረኽ’ውን ዝገለጽዎ፡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተኣታተወ፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከኣ ናብ ፖሊሲ ዝተቐየረ ፖለቲካ እምበር፡ ኣብ ባህሊ ህዝብና የለን።

ህዝብና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝተበተነሉን ኣብ ዝደኸመሉን እዋን፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ተወለድቲ ገለ ከባቢታት፡ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈልየ፡ ዝያዳ ወገናውያን፡ ዝያዳ ካልኦት ብዓድን ኣውራጃን ዝተኣሳሰሩን ዝሓስቡን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልዕሊ’ቲ ካልእ ህዝቢ ትሕተ ሃገራውያንኣውራጃውያንን ምኳኖም ከእሙኑና፡ ብእኡ ኣቢሎም ከኣ፡ ናብ ስልጣን ገጾም ከይቅልቀሉ እቲ ካልእ  ዝብልዎ ወገን ከስተውዕለሎምን ክጥንቀቐሎምን ክምዕድዎ ይረኣዩ ኣለዉ።

ገለ ገርሀኛታትን ደለይቲ ጽቡቕን፡ “ትጋገን ተኽፍኦምን ኣለኻ!” ከም ዝብሉኒ እፈልጥ ኢየ። ፍርዲ ቅድሚ ምሃብኩም፡ ንገለ ካብቲ ባዕሎም ፈጢሮም “ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ!” እናበሉ ናብ ሰማዕቶም ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ትሕዝቶ፡ ብዕለታት ኣሰንየ ከቅርበሉም ክትዕገሱኒ ግን ጽቡቕ ኢዩ። ዝረኸብኩዎ ጭብጥታት እንተላይ ናይ ገዛእ ርእሰይ ርእይቶ ወሲኸ ከቕርበልኩም ኢየ፡-

ጭብጢ ቁጽሪ 1. መድረኽ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብጽሑፍ፡ ብዕለት 09/04/2017ን  26/03/2017ን (ክልተ ግዜ) “ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ንግዳዊ ትካላት ሓለፍቲ . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣስፊሮም ኣለዉ፡ –

. . . ኣብ ኤርትራ ክፉእን ካብ ሕጋዊ ኣካይዳ ወጻኢ ብዙሕ እሱር ከም ዝሳቐ፡ መራሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ከኣ ንሃብታማትን ሰብ ንብረትን ኣጽኒዖም ከም ዝኣስሩ፡ በባትር ቀጥቂጦም ድሕሪ ምስቓይ ከኣ “ከምዝን ከምዝን ንብረት ኣለካ፡ ንዕኡ ሸጥካ ክንድዚ እንተ ከፊልካ ክትወጽእ ኢኻ!” ከም ዝብልዎም፡ ተጠውዮም ነቲ ንብረት ዝገዝኡ ድማ ንሶም እቶም ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ይገልጹ። መድረኽ ቀጺሎም ኣብቲ 8ይ. 9ይን 10ይን ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሮም ኣለዉ

“. . . ከምቲ ዝተገለጸ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመራሒኦም ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኢዮም። ካብ ኣካላት መንግስትን ግንባርን  ኣብዚ ሰባት ኣእሲርካ ዝግበር ዘሎ ንግዲ ዝስርዑ ኮለነል ተስፋልደት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ካብ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ካብ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኢዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ንግዲ ማእሰርቲ፤ ከነፍተሓልካ ንብረትካ ሽጥኣዚዩ ብዙሕ ኣታዊታት ጌሮም ዝሃብተሙ ሰባት ኮይኖም ምህላዎም ይግለጽ።

“ብዘይካ እዚ እቶም ሃብታማት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን እዞም ሓለፍቲ ናብ ስድራቤት እሱራት ሰባት እንዳለኣኹ ኣቦኹም ዓይኑ ክዓውር ደሊዩ 200 ሽሕ ኣምጽኡ ሓቢእና ከነሐክሞ፥ ጓልኩም ሕማም ጌራ ኣላ ጽባሕ ሞይታ ኢልኩም ከይትጠዓሱ ሕጂ 100 ሽሕ ኣምጽኡ ዝገበርና ጌርና ከነሐክማ እንዳበሉ ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዝጨነቖ ሰብ ይወስዱ ምህላዎም ተገሊጹ።

“ብፍላይ ኮለነል ተስፋልደትን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ መስመር ንዝቐርብዎም ሰባት ካብ ኩሉ መሰናኽላት ሓራ እንዳገበሩ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ማእሰርቲ ምውጻእን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ብብዝሒ የዘውትሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።” (ሕብሪ ናተይ)

ብፍሉይ እዞም ክልተ መኮነናት እዚኣቶም “ትሕተ ሃገራውያን ኢዮም” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ። እታ “ብፍላይ” ትብል ሓረግ ከኣ “ትሕቲ ሃገራዊ መስመር” ንክልቲኦም እምበር፡ ንካልኦት መኮነናት ከም ዘይትምልከት ንምግላጽ ኢዮም ተጠቒሞሙላ። እቲ ምንጭታ” ዝብልዎ ዘልዉ’ውን፡ ባዕሎም ዝሰንዕዎ እምበር፡ ሎሚ ኤርትራ ‘ከምዚ ዝብለ ዜና ዝሰድድ ሰብ ኣሎ’ ዝብል እምነት የብለይን።

ነዚ ክብ ኢሉ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ (4) ግዜ ማለት ብ02/04/2017፡ 28/03/2017 ከምኡ’ውን ብ30/03/2017 03/12/2017 ኣብ ረድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ብምግባር ናብ ሰማዕቶም ከም ዝበጽሕ ገይሮም። ቀጺሎም ኣብ 27ን ሓምለን 30 ሓምለን፡ ገለ ጸጋጊኖም ኣብ ሬድዮ ብንባብ ደጊሞሞ።

ንምሉእ ትሕዝቶ፡  09/04/201726/03/2017  ብራድዮ  30/03/2017፡   28/03/2017፡  02/04/2017 03/12/17 ጠውቕ

ጭብጢ ቁጽሪ 2.  ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዕለት 28 መስከረም 2017 ዓ.ም ብጽሑፍ፡ ድሕሪኡ’ውን ኣብ ራድዮታቶም ዘንበብዎ “. . . ኣብዚ እዋን እዚ መስርሕ ምእሳርን ምልቃቕን፡ ከምኡ እውን ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ናብ ንግዳዊ ትካላት ተቐይረን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡

. . .  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ፡ ሌላን ጉሌላን፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ከም ዝሕወሶ፡ ዋላ እቲ ምእሳርን ምልቃቕን  ኣሱራት’ውን ብእትፈልጦም ስበስልጣን ከም ዝውሰን (ከከም ስብካ ምዃኑ) ይሕብር። ቀጺሉ ምስ ጀነራል ፊሊጶስ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ኣዝማዶም ካብ ማእሰርቲ ከም ዘውጽኡ’ውን ጽሑፎም ይገልጽ። ኣስዕቡ

“. . . ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን፡ ኮለነል ተስፋልደት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ፡ብሪጋደር ጀነራል ጋይም ወዘተ ቅርሕንቲ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዮ ብኣንጻሩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት እንተኾይኖም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከምዝበሃሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

እቲ በዞም ሰበስልጣንፍታሕ ግበረሉ’  እንዳተባህለ ዝፍጸም ሕድገታት ካብ ማእሰርቲ ነጻ ምልቃቕ፡ስግረዶብ ተረኺቦም ከለዉ ነጻ ምስዳድ፡ ቪዛ ምሃብ ወዘተ ዘጠቓልል ኮይኑ ምስ ክፍሊት ገንዘብ ዝተኣሳሰር  ኢዩ ዝበሉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ እቲ ብብሪጋደር ጀነራል ስምኦንን፡ ኮለነል ተስፋልደትን፡ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉን ዝግበር ፍታሓት ብዝያዳ  ምስ ዓዳዊ ኣውራጃዊን ምትእስሳር ዝተተሓሕዘ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።” ይብል መግለጺ መድረኽ (ሕብሪ ናተይ)

 

ነዚ ጽሑፍ’ዚ እውን ብዕለት 26 መስከረም 2017ን፡ ሰንበት ዕለት ሓደ (1) ጥቅምት2017ን፡ ክልተ (2) ግዜ ኣብ ራድዮ መድረኽ ከም ዝንበብ ገይሮም። ንምሉእ ትሕዝቶ፡  ኣብዚ  28/09/2017  ጠውቕ

 

ሕጂ’ውን ኣስማት ናይ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ጠቒሶም ንደቂ ዓዶምን ደቂ ኣውራጅኦምን ጥራይ ፍታሕ ዝገብሩ፡ ነቲ ናቶም ወገን ፈልዮም ካብ ማእስርቲ ነጻ ዘውጽኡ – ሓደገኛታትን ፈላለይትን ምዃኖም ከእምኑና ይፍትኑ ኣለዉ። ጀነራል ፊሊጶስን መሰልቱን ግን ንኣዝማዶም ጥራይ እምበር ምስ ዓድን ኣውራጃን ምትእስሳር ዘለዎ ጸይቂ ስለ ዘይገብሩ፡ ወገናውያንን ኣውራጃውያንን ከም ዘይኮኑ ንሰማዕቶም ይነግሩ ኣለዉ። “ኣዴኺ’ዶ ሓትነኺ ይሕሻ፡ ሓደ ኢየን ኩለን ይለሓሳ” ድያ ዝበለት ዓባየይ ግምጃ!!! በወገነይ ኣብ ኩሎም መኮነናት ህግደፍ ፍልልይ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።

ጭብጢ ቁጽሪ 3፡  “. . . ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ንቡር ህይወት ዘይብሎም ዜጋታት ‘ዝነብሩላ’ ሃገር. . . “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሰቲ፡ ብ 11 ሚያዝያ ዝተጻሕፈ፡ ድሕሪኡ ኣብ ራድዮኦም ዝተነበ ትሕዝቶ’ውን፡ –

ኤርትራ ብሰንኪ ዘይንቡር ስርዓት፡ ዜጋታታ ንቡር ህይወት ዘይነብሩላ ሃገር ምዃና፡ ህግደፍ ብምርጫ ዘይኮነስ ብጠመንጃን ብጉራደን ዝመጸ ስርዓት ምኳኑ፡ ኮታ ዳርጋ ኩሉ’ቲ ሰብ ዝደጋግሞ ሓጥያት ህግደፍ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብ 8ይ ሕጡበ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ሰፊሩ ኣሎ።   ንምሉእ ንባብ ኣብዚ ጠውቕ  11/04/2017

“. . . ንቡር ነጋዳይ ሰሪሑ መኽሰቡ ይእክብ፤ ንመንግስቲ ቀረጹ እንዳኸፈለ ድማ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ኣበርክቶኡ ይገብር። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ፤ ንግዱ ግርም እንተኸይዱ ኣብ ዓይኒ ጀነራል ፍሊጶስ፥ ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፤ ወይ ውን ጀነራል ኣብረሃ ካሳ ስለዝኣቱ፤ ዕድል ገይሩ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር ተዘይተማሒሩ፤ ዝኾነ መመሳመሲ ተፈጢሩ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጎን ይግበር። ተቐጥቂጡ ንብረቱ ሸይጡ ብዋሕስ ክወጽእ ምስተነገረ ድማ ገንዘቡን ንብረቱን ነቶም ጀነራላት ኣረኪቡ ጥራይ ከምዝወጽእ ይንገሮ። ስለዚ ኢዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነጋዳይ ንቡር ህይወት ዘይብሉ ዜጋ ዝቑጸር።” (ሕብሪ ናተይ)

ኣብዚ’ውን ንጀነራል ፊሊጶስ ወሲኽካ – ብሰንኪ’ዞም ትሕቲ ሃገራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ነጋዶ፡ ንቡር ህይወት ስኢኖም ኣለዉ . . . ተማሒሩ ንግዱ ከካይድ ዝኽእል ከኣ ወገን ናይቶም ትሕተ-ሃገራውያን ጥራይ ኢዩ. . ይብሉና ኣለዉ መድረኽ።

ኣማውታ ናይቲ ብስሚ ዝተቐትለ ሃብታም ነጋዳይ ነብሲ-ሀር ፍቕረ ዕንድማርያምን፡ ብተመልከተለይ – ብጥይት ዝተቐትለ ነብሲ-ሀር ሳምሶም ገረዝግሀርን (ወዲ ቀሺ) ግን ኣብ መንጎ’ዞም ብትሕተ ሃገራውነትን ኣውራጃነትን ሃብቲሞም ዝብልዎም ዘለዉ መኮነናትን ዝነበረ ናይ “መን ዝይዳ ሃብቲ ወነነ” ውድድር ከም ዘይክነ፡  መድረኽ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም።

ኣብዚ ክብ ኢሉ፡ ብቐጥታ ካብ ጽሑፋቶም ዝወሰድኩዎ ሕጡበ ጽሑፋት፡ መድረኽ ደጋጊሞም “ብትሕቲ ሃገራዊ መስመር፡ ትሕቲ ሃገራዊ ምትእስሳር፡ ዓዳዊ፡ ኣውራጃዊ ምትእስሳር” ዝኸስዎም ዘለዉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን ኢዮም። ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ – በዓልቲ ቤቱ ንጸይቀ ዕሉል ኢሰያስ ኣፎርቂ ኢያ። ኣርባዕቲኦም ድማ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ ኮይኖም፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣፎርቂ መሪጹ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ንሳቶም ግን መሳርሒ ናይዚ ዘሎ ኣዕናዊ ስርዓት እምበር፡ መግለጺ ጠባያትን ባህርያትን ናይ ኣብ ሓደ ከባብን ኣወራጃን ዝነብር ህዝቢ ከም ዘይኮኑ ሓለፍቲ መድረኽ’ውን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ኢዩ።

መድረኽ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቶምን ናይ ራድዮ ዜናታቶምን፡ ካብ ካልእ ከባቢታትን ኣውራጃታትን ንዝመጹ መኮነናት ህግደፍ፡ “ንሰበይቱ፡ ንዘመዱ፡ ንዞሙኡ ወዘተ” ዝብል እምበር፡ ንዋላ ሓደ -ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሓጥያት ዘሰከምዎ ሓላፊ የለን። ኣብ ክሉ’ዚ ክብ ኢለ ዘቕረብኩዎ ሰለስተ ኣብነታት ኮነ፡ ኣብቲ ቀጺለ ዘቕርቦ ካልእ ብዙሕ ጭብጥታት፡ መድረኽ – ብመንገዲ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ መኮነናት፡ ንህዝቢ’ቲ ንሶም ዝመጽሉ ከባብን ኣውራጃን፡ ካብቲ ካልእ ከባቢታን ኣውራጃታትን ብዝተፈልየ መንገዲ ወገናውያንን ትሕተ- ሃገራውያንን ምዃኖም፡ ንሰማዕቶም የጠንቅቑ ኣለዉ። ነየናይ ዕላማ?

.      .      .      .      .     .    ይ     ቕ     ጽ    ል    .      .      .      .     .   .

 

ታደሰ ኪዳነ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Ibrahim abdela February 5, 2018

    ኣብ ደምበ ተቃውሞ፡ክሳብ ሕጂ ንውልቃዊነት እምበር ፡ካብ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ብምብጋስ ዝምርሕ ሓላፊ ብዘይ ምርካቡ ኢዩ ዓመታት ከም ጎኣኖት ኮይና ንነብርን ብዝመስለና መንገዲ ገይርና ንቃለስ ዘለና።
    ናፍቆት ውልቃውያን የብልናን።ንህዝቢ ዝሓምም ዳኣ እምበር።
    ተኸታታሊኹም= ኢብራሂም ውዲ ሳሆ።
    (ኣባል ድ.ም.ሳ.ኤ

  • ተስፋማርያም February 5, 2018

    የቀንየልና ፅቡቅ ትዕዝብቲ፡

  • ሓጎስ ሃይለ February 5, 2018

    ታደሰ ኪዳነ ብጣዕሚ ትኩር ዳርጋ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ ብዛሓት መንእሰያት ንምንታይ ናብ ከምዚ ድሑርን ሑስርን ነገር ከምዝውረዱ ንግምግም ኢና ፡ስለዝኮነ’ ከም ገምጋም መንእሰያት ካብ መደርክ ኣግኣዝያንዝብል ምንቕስቓስይሓይሽ ዝብል መደምደምታ በጺሖም።ከምዚ ዓይነት ድሑር ናብ እንዳ ወሪድካ ምቁምጣዕ ናይ ረዲዮ መድርክ ግን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ጥራሕ ዘይኮነ ብወንጀል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምፍጻም ውን’ ዩ ፥ብውገነይ ልዑል ምስጋና ንዓካ ታደሰ።

  • Debas February 5, 2018

    I think it is the right time to reveal medrek poletica.
    They are group of andebrhan who has narrow mind
    We remember what he did in university of asmara in 1994
    Awrajawi hmammm zsenkele

  • Yitbarekh February 5, 2018

    Ato Tadesse Kidane, simply as untrustworthy poisonous HatellaGuzetay like Suleiman Gebreaneniya of shitty Hateleguzay, no one trusts you or sees you as a genuine Eritrean, that’s why they all bloody ignored you, capito?

    • Yitbarekh February 5, 2018

      addition: Suleiman Gebreaneniya being simon.g the unstable poisonous Hatellaguzetay snake.

      • Ahmed A. February 5, 2018

        Mr. Yitbarekh, your ignorant comment is not only for Mr. Tadesse but also for the whole region Ageleguzay, and it’s way beyond your comprehension to understand that as you clearly have hatred regional fobia. As you stated ,” Hatelaguzetay” you have no capable nor do willingness to analyze and make corrections towards what Mr. Tadesse wrote. I have no surprise,though, why do you write that but able to think that you are clueless and retarded person who has a regional fobia. Please , if you have any clue how to give analyze and challenge on what Mr Tadesse wrote, give your idea why you said that. If not, you are simply an ignorant and illusional person as such.

      • Sol February 5, 2018

        Yetbarekh (Tekhlay) you have been trying for more than four years to turn assenna to a platform of insults on the bases of religion and region but no one is buying your dirty merchandise because it is obvious for everybody that you are a hired agent of the mafia regime to promote hi systematic divide and conquer policy.

    • Haile Berhane February 6, 2018

      The one who says shit to others is simply expressing himself. Yitbarek is not an original name and he is simply a stooge of PFDJ and Medrek. A genuine person argues in a constructive way. I stand with Tadesse because he has provided evidence.

    • Tesfit February 9, 2018

      Yitbarekh!እንታይ እዩ ኽንድዚ ዓዘራ ዘረባ ዘዛርበካ፧ እንድሕር ኣሰና ዘይሳማምዓካ እንተኾይ ተኣለ ካብዚ። ናይ ታደሰ ትዕዝብቲ ድማ ዝድነቅን ብልክዕ ተንቲኒዎ ኣሎ። እንተ ንስኻ ኽትጻረፍ ኢልካ ናብዚ መኣዲ ናይ ዘተ ኤርትራውያን ኣይትምጻእ።

  • kokhob February 5, 2018

    Eritrean oppositions can be described as dead people walking, non-existent ,
    dead a long time ago but can’t find anyone to bury them under the hottest volcanoes.

  • ታደሰ ኪዳነ February 5, 2018

    ይትባርኽ ኢልካ ጽሒፍካ ዘለኻ
    ብስምካ እንተ ትመጽእ ዝበለጸ ነይሩ። ኣነ ግን ሓሶት ኣይጸሓፍኩን። ሰነዳቶምን ራድዮኦምን ኣብኡ “attach” ገይረልካ ኣለኹ። ሰባት ድላዮም ክጽሕፉን ክዛረቡን መሰል ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ህዝቢ ክጸርፉን ብዘድልዮም መንገዲ ሰናኒዕም ክከፋፍሉናን ግን ኣይነፍቅንድ ኢና። ንዓይ ሓሳዊ ኢልካኒ። ከም ዘይሓሰኹ ግን ሰነዳቶም ለጢፈልካ ስለ ዘለኹ ንዓይ ኣይኮንካን ክትመዓተኒ ዝግበኣካ። ከምኡ ኣይጸሓፉን ወይ ኣይተዛረቡን ከይትብል ከኣ ኣብኡ ኣለካ።
    እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ መኮነናት ሃገራዊ ድሕነት ብኹሉ መዐቀኒ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት እምበር፡ መግለጺ ጠባይ ናይ ኣውራጅኦምን ከባቢኦምን ኣይኮኑን። ብመንገዶም ክጽረፍን ክናሾን ዝድለ ወገን መልሲ ክህብ ከኣ ቅኑዕ ኢዩ። “no one has a free ride over others”
    ስለዝ ጸርፍኻን ሃለውለውካን ንዓኻ ድኣ። ኣነ ግን ከምዚ ዓይነት ኣምሲልካ ምጽራፍ ኣየፍቅድን ኢየ።
    ጸሓፊ ከኣ ኣነ ኢየ፡ ኣሰና ኣይኮነ፡ ምንጪ ጽሑፈይ መድረኽ ኢዮም። ንሶም ዝጸሓፍዎ ጌጋ እብል ኣለኹ። ኣይጸሓፉን፡ ኣይበሉን ከይትብል ከኣ ኣብኡ ኣለካ። ኣይተሻሩ። ንጌጋ ፡ ጌጋ በል።

    • Sol February 5, 2018

      Dear Tadese,
      This guy Yitbarekh who tried to discredit your credibility is a non entity roaming in assenna 24/7 frequently changing his IP to turn assenna to a platform of insults on bases of religion and region thinking that by doing so people will abandon assenna. If you read the comments on the blog of Mahmud Salih’s article you will find him attacking Mahmud on shameful, sectarian and vulgar comment using the name seifu and replying to himself using another name

      • Lilo February 7, 2018

        You are truly a piece of shit muslim jerk. Are you telling us what you have been doing to poor Asmarino.net, Tigrai Online and Tesfa News with frequently changing your savage evil muslim IP and to turn Asmarino, Tigraionline and Tesfanews into a platform of insults on bases of religion and region thinking that by doing so people would abandon them??????? You are also the master of “replying to yourself” using another and various names. Last as advice, just stick with your shitty Islamic pen-names and NOT/don’t poison our beautiful Christian names, OK wedi Mohammed negis????

        • Lilo February 7, 2018

          addition: “replying to himself”, you could also be a master of replying to your negis evil Islamic shadows. rootless Saho whore snake just go to hell.

  • Yonas February 5, 2018

    Ytbark ጸርፊ ግደፍ ናይ ዶናቁር እዩ::

  • Yonas February 5, 2018

    You are right Tadesse. I am from Hamasien but i know all Generals are serving Issayas not to their regions..

  • Samuel mebrahtom February 6, 2018

    መድረኽ ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ዘናቁት ዝተሰንዐ ዜና ካብ ዝሰርሑ ነዊሕ ኣቅጺሮም እዮም tadese kidane ብጣዕሚ ጽቡቅ ዝኾነ ትዕዝብቲ

POST A COMMENT