Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጋረጃ ይቀንጠጥ 23

መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ። ወይ ሰብ ጨካን!!!! ዘይተወቕረ መጥሓን ኣየጥሕን ዘይተማህረ ሰብ ነየድሕን!!!!!!! ወይ ሰብ ጨካን ኣረመንየ! ዘይተምህረ!!!!!! እንታይከ ገበረ? ንሓዉ ደከረ ብኻራ መተረ ዓይኒ ሰብ ኣንቖረ ኣእምሮ ሰብ ኣደንቖረ ኣእዛን ሰብ ኣጥመረ ኩርኩሪት ኣሰረ ኣብ

መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ
ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ
ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ
ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።
ወይ ሰብ ጨካን!!!!
ዘይተወቕረ መጥሓን ኣየጥሕን
ዘይተማህረ ሰብ ነየድሕን!!!!!!!
ወይ ሰብ ጨካን
ኣረመንየ! ዘይተምህረ!!!!!!
እንታይከ ገበረ?
ንሓዉ ደከረ
ብኻራ መተረ
ዓይኒ ሰብ ኣንቖረ
ኣእምሮ ሰብ ኣደንቖረ
ኣእዛን ሰብ ኣጥመረ
ኩርኩሪት ኣሰረ
ኣብ ዊዓ ኣንበረ
ብፍርሒ ኣሸቑረረ
ንሰብ ብሂውቱ ቀበረ
ነውራም ዘነወረ
ኣብ ዓለም ዘይተገብረ።
ሰብ ጨካን!!!
ዘይተማህረ ዘይተማራመረ
ናብራኡ ዕረ ዝመረረ
ህዝቢ ኣማረረ
ማዓንጣሰብ ኣሕረረ
ጨካን ሰብ ዘይተማህረ
ሃገር ኣሸበረ
ይነብረ እናጉረረ
ኣብ ድኽነተ ኣንበረ
መልሓሱ ዕረ ዝመረረ
ብትዕቢት ዝሰኸረ።
ሰብ ጨካን!!!
ዘይተምህረ ዘይተማራመረ
መንእሰይ ዘደንቖረ
ዓዱ ከምዝጸልእ ገበረ
ዓበይቲ እናደፈረ
ኣዴታቱ ኣሕሰረ
ንጎርዞታት ዘነወረ
ድንግልን ኤን ዝሰበረ
ኣብ ጸላም ዘንበረ
ኣብ ገዳጉዲ ዘሕደረ
ኣብ ሽንጥሮ ዘንበረ
ንህዝቡ ዘሸቑረረ
ሓሳረ መከራ ዘኽበረ
ኣብ ዘበን ዘይተምህረ
መን ኣሎ ዝኸበረ
መንሞ ሰላም ነበረ
ፍትሒ ዘብረረ
ጨካን ሕጊ ዘይኽበረ
ንድሕሪት ኣንበረ
ቖፎታት ሰበረ
ስለ ዘይተማህረ
ምስጢራት ሰተረ
ናብራኡ ዕረምረ
ማእሰርቲ ኮመረ
ብሰብ ኣዕጽምቲ
እምባ ዝገበረ
ዕድመሰብ እንሕጸረ
ኣብ ግዳም እናሓደረ
ህዝቢ ኣማረረ ኣማረረ።
ናይ ኤርትራ!!!!!!
ንጉሱ ብትዕቢት ዝሰኸረ
ንፍልጠት ባሕሪ ዘስገረ
ሙህር ክርኢ ዝባህረረ
ዝተሰርሔ እናሰበረ
ዕንወት ዘኽበረ
ንሽሻይ እና ኣባረረ
ንሃብትን ከ! ቐበረ
ኣእምሮ ስለ ዘደንቖረ
ብጉራ ነበረ!!!!!!።
ንጉስ ኤርትራ
ኣብ ባጽዕ! ሓደረ
ስጋሰብ እናተድረ።
ዘተምህረ ታሪኹ ዕረ
ዕረ ዝመረረ ዕረምረ!!!።
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
3 ሓምለ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT