Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ፡ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ

ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡- ባሕቲ መስከረም 1961  ህዝብታት ኤርትራ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዶም ዝነበረ ኩለ-መዳያዊ ግፍዕታት፡ግህሰታት ሃገራዊ ነጻነት፡ ሓርነታዊ ልዕላውነት፣ ባህላዊ ጽቕጠት፣ ምዝመዛ፣ ስእነት ፍትሕን 

ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡-

ባሕቲ መስከረም 1961  ህዝብታት ኤርትራ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዶም ዝነበረ ኩለ-መዳያዊ ግፍዕታት፡ግህሰታት ሃገራዊ ነጻነት፡ ሓርነታዊ ልዕላውነት፣ ባህላዊ ጽቕጠት፣ ምዝመዛ፣ ስእነት ፍትሕን  ርትዕን  ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ክብሉ፡  ብሰላማዊ ኣገባብ ሓቲቶምን ተቓሊሶምን ኣወንታዊ መልሲ ምስ ሰኣኑ፡ መሰሎም ብዕጥቃዊ ቃልሲ ከረጋግጹ ዝተበገሱላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ኣብ ምዕራፍ ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራ ዓቢ ቦታ ዝሓዘትን እትኽበርን ታሪኻዊት ዕለት’ያ።

እዚ ናይ ሰላማዊ መስርሕ ቃልሲ ጸንቂቑ ብምጥቃም ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ህዝብታትና ግን፡ ከም’ቲ ፍትሓውነቱን ዝተኸፍሎ መስዋእትን ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት ኣይበቕዐን።  ዝተማለአን ውሕስነት ዘለዎ ህዝባዊ ዓወትን  ከረጋገጽ’ውን ኣይከኣለን። ናይ’ዚ መሰረታዊ ጠንቂ ድማ፡ ኣብ ምምራሕ ሰውራና ኣብ ምጅማር ይኹን ኣብ’ቲ መስርሕ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ክኒዮ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንዝተማለኣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት፡ ክርእን ክቕበልን ዝኽእል ፖለቲካዊ ባህርን ብቕዓትን ብሓፈሻ ብዘይምውናኖም ዝተፈጥረ ኩለ-መዳያዊ ጸገማት’ዩ።  ስለዚ ከኣ ህዝባዊ ቃልስና ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ዋጋ ቃልሲ ከፊሉ ኣብ ግንቦት 1991 ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣባሪሩ ሃገራዊ ልዑላውነት ካብ ምርግጋጽ ንላዕሊ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናይ ህዝብታትና፡  ቁጠባዊ ረብሓን ምዕባለን  ዘረጋግጽ መንግስቲ ክንተክል ኣይከኣልናን። ብሓጺሩ ኣብ ትሕቲ ስማዊ ሃገራዊ ነጻነት ኮይና፡ ናብ ሓድሽ መግዛእትን ጭቆናን ተሳጢሕና ንዕስራን ክልተን /22/ ዓመታት ምሉእ እናተሳቐና መጺእናን ንሳቐ ኣለናን።

ሎሚ ዓመት ጽምብል ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንመበል 52 ዓመት ከነኽብር እንከለና፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብታትናን ሰፊኑ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ኣጸጋምን ኣስጋእን  ኩነታት ክንመዝን እንከለና ድማ፡  ህዝብታትና ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል፡ ቁጠባዊ ረብሓን  ሰላምን ምርግጋእን ፍትሓዊ ምሕደራን ካብ ምስኣን ንላዕሊ፡ ብፍልጠቶም፣ ብጉልበቶም፣ ብውላዶም መሊኦም ኣብ ትሕቲ ዋንነት ናይ’ቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ወዲቖም እናገልገሉ፡ ዝተሓተን ዝለዓለን ደረጃ ዕድመ ዘይፈሊ፡ ብጃምላ ብረት ዓጢቖም፡ ንህግደፍ ከገልግሉ፡ ካብ ስልጣን ምስ ኣልገሰ ድማ፡  ሰላምን ምርግጋእን ከይረኽቡ ብዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት፡ ዝከላበትሉ ዘለው መድረኽ’ዩ። ከምኡ’ውን ህዝብታትና ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም መሰጋገሪ ሓገዝ ከይረኽቡ ተኸልኪሎም ብጥሜትን ሳዕቤናቱን  ዝሳቐይሉ፡  ናብ ስደት ብቐጻሊ ኣብ ዝውሕዝሉን፡ ንኣደራዕ ስደት እናተሳጥሑን ከም ህዝብን ሃገርን ላዕላውነቶም ሓሊዮም ንምቕጻል ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ኮይኖም ብሓደ ገጽ፣  በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ካብ ዝወርዶም ዘሎ ጭቆናን ምዝመዛን ንምንጋፍ ክብሉ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናተቓለሱን’ዮም ዘጸንብልዋ ዘለው።

ኩነታት ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝምልከት ድማ፡ ከም መንግስቲ ክህሉን ከቐጽልዎን ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ረቛሒታትን ዕድላትን እናተጸንቀቐ ውሽጣዊ ስኒትን ምትእምማንን ኣጥፊኡ፡ ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታት ስልጣን ዝነበሩ እሙናት ኣካላቱ ራሕሪሐሞ ዝሃድምሉ፡ ኣብ’ቲ ዝተኣማመነሉ ዝነበረ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ስለያውን  ትካላቱ፡ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምውጋዱ ቅሉዕ ፈተነታት ዝተገብረሉን ኣብ ከቢድ ስግኣት ዝኣተወሉን ኩነታት ይርከብ። ኣብ መሓውራቱ /ትካላቱ/ እምነት ስኢኑ፡  ንገዛእ ርእሱን፡ ኣገደስትን ተሃወስትን ዝበሃሉ ሃገራውን መንግስታውን ትካላት ብናይ ግዳም ሓይሊ ክሕሎን ክከላኸልን ዝግደደሉ ኩነታት’ዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡- በቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ገባትን ራሳይን ኣሰራርሕኡን ክዓግብ  ብዘይምኽኣሉ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ዝኣወጆ ፖሊሲ” ቁጠባዊ ወፍሪ”  ፈሽሉን ተስፋ ቆሪጹን  ከም’ቲ ልሙድ ዞባዊ ሰላም ብምህዋኽ ንምጥቃም ሓደስቲ ዓሰብቲ ኣብ ምንዳይን ህዝብናን ሃገርናን ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክሳጥሑ ዝገብር ኩነታት ተኸቲሉ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቁልቋል ይርከብ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና  ተፈጢሩ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ጸገማትን ኣሰካፊ ኣንፈቱን፡ ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ምንቁልቋልን ተደማሚሩ ክምዘን እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፡ ቀጻልነት ህዝብታትና ከም ጥሙር ህዝብን ልዕላዊት ሃገርን   ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣት ናብ ዝለዓለ ደረጃ  ዘበርኽን ንምዕጻፉ ሓያል ቃልሲ ከነካይድዝጠልበና ዘሎ ተርእዮ’ዩ።

– ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ናይ ምብትታን ሓደጋን ንምውጋድ፡ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኩለ-መዳያዊ ቃልሲ፡  ብኣወንታዊ ጎኑ ዝወሰድ ክተባባዕ ዘለዎን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።  ይኹን ደኣምበር ምስቲ ኣብ ህዝብታትናን ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ጸገማትን  ሓደገኛ ኣንፈትን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ግን፡ ነዚ ናይ ውድቀትን ምብትታንን ሓደጋ’ዚ ንምዕጋት ክጻወቶ ዝግባእ ተራ ኣዝዩ ንኡስ ምህላዉ፡ ካብ ውሽጣዊ  ድኽመታት ዘይተናገፈ፡ ኣብ ጉጅላውን ጃንዳውን ፖለቲካዊ ውድድርን ምጥምማትን ተቖሪኑ፡  ኣብዚ ግዜ’ዚ ክረጋገጽን ክጭበጥን ኣብ ዘይኽእል ናይ ፖለቲካዊ ስልጣንን ጠቕምን ንምርካብ ኣብ ምንዳይ ኣድሂቡ ይርከብ። ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ ነቶም ባዕሉ ዘቖሞም  ናይ ቃልሲ መሳርሒታት ዝኾኑ ግንባራት ዘደልድሎምን ብዘተኣማምን ኣገባብ ዘማዕብሎምን ብኣንጻሩ ክዳኸሙ ዝገብር ሓደስቲ ናይ ምትእኽኻብ ኣንፈታት ንምኽታል ዝደፍኡ መንፈሳት ኣናንጸላለውዎ ድኽመታቱ ኣብ ምእላይ ይኹን ኣብ ምምሕደር ይጽገም ኣሎ። እዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና  ዝረአ ዘሎ ድኽመታት፡ ደመኛ ጸላኢና መንግስቲ ህግደፍ  ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዝፍጽሞ ዘሎን ናይ ህልቂትን ዕንወትን እከይ ተግባራት ብዝኸፍአ መልክዑ ክቕጽሎ ዕድል ዝህብ ክንሃድመሉ ዘይንኽእል ወድዓዊ ሓቂ’ዩ።

ስለዚ ዝኾነ ተቓላሳይ /ተቓዋማይ/ ሓይሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቀትን ምብትታንን  ንምድሓን፡ኣብ መጻኢ፡ ሰላማዊት፡ ደሞክራስያዊት፡ ፍትሓዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ንምህናጽ ዕላማን ባህግን ዘለዎ ኩሉ፡ ህዝብን ሃገርን ከይሓዝካ ክረጋገጽ ዝኽእል ፖለቲካዊ ስልጣን ኮነ ካልእ ረብሓታት ከምዘየለ ፈሊጡ፡ ኣብ ድሕነት ህዝብን  ሃገርን ተርኡ ክጻወት ውጹዓት ህዝብታትና ታሪኻዊ መጻዋዕታ ይገብሩልና ከም ዘለዉ ክንግንዘብ ይግባእ።

ስለዝዀነ  ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ በዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ህዝብታትናን ሃገርናን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ብምድሓን  ውሑስ ቀጻልነቶም ንምርግጋጽ፡ ካባና ካብ ተቓወምቲ ውድባት ብሓፈሻ፡  ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለያ ግንባራት ዘጽለልና ከኣ ብፍላይ፡ በቶም ኣቐዲምና ዝተሰማማዕናሎም ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማታትን  ዘውጻእናዮም መደባትን በብግዝይኡ እናገበርናዮም ዝመጻእና ጭቡጣት ገምጋማት፡  እንኮላይ ነቲ ኣብ መጨረሻ ነሓሰ 2013 ዝገበርናዮ ገምጋምን ስምምዕን ዝሓወሰ መሰረት ብምግባር፡ ካብ ጉጅላውን ጃንዳውን ጸቢብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን  ሕሳባትን ብምድሓን ብቕንዕናን ሓላፍነታዊ መንፈስን ክንቃለስ ኣለና። ሕድሕድ ምትእምማን ዝፈጥር ግሉጽ መድረኻት እናፈጠርና ኣብ ሓባራዊ ጉዳይና ክንመያየጥን፡ ኣቐዲምና ብቓልሲ ዝመስረትናዮም ሃገራዊ ግንባራትና ብሓፈሻ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካኣ ብፍላይ፡ ዘጋጥምዎ ዘለው በዳህቲ ዕንቅፋታት እንዳኣለና፡ ዕውት ጉባኤ ኣካይዱ ሰፊሕ ሃገራዊ ዓቕምታት ጠርኒፉ፡ ዘተኣማምን ግንባር ብምግባር ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን  ግቡእና ንምፍጻም  ብብቕዓትን ስኒትን ክንቃለስ ይጽውዕ።

. መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ካብኦም ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ቃልሲ ብጽሒትን ተሳትፎን የበርክቱ ብምህላዎም፡ ህዝባዊ ቃልስና ተወሳኺ ሓይልን ውሕስነት ናይ ዓወትን ክውንን ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ይምዕብል ኣሎ’ዩ።  እዚ ኣወንታዊ ተራን ተሳትፎን’ዚ፡  ከም ዘለዎ ኮይኑ ግን፡ ብዝተፈላለየ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት፡ መንእሰይ ተቓላሳይ ዓቕሙ ጠሚሩ ከም’ቲ ካብኡ ዝድለ ኣበርክቶ ክገብር ዘኽእሎ ዓቕምን  ኣካቢ ውደባን  ክጭብጥ ብዘይምኽኣሉ ዝረአ ዘሎ ብኩራት ቀሊል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ ናይ መንእሰይ ተሳትፎን ተራን ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ብከምቲ ዝድለ ዝተወነነ ኣይኮነን ዘሎ።  ስለዚ ድማ ህዝባዊ ቃልስና ሞተር ሕብረተሰብናን ቃልስናን ዝኾነ ደፋኢማሕበራዊ ሓይሊ መንእሰይ ብከም’ቲ ዝድለ ዘይኣሳተፈን ዘይተጠቕመን ብምዃኑ ሓደ ካብ’ቲ ድኹም ጎኑ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ  መንእሰያት ነዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ወድዓውን ባዕላውን ብደሆታት እናተቓለሱ፡ ናይ መንእሰይ ዝበሃል ፍሉይ ፖለቲካዊ ዕላማን  መስመር ከምዘየለ ክርድኡ፣ መንእሰይ ጥራሕ ዝሓዘ ፖለቲካው ውድብ ክፍጠር ግድን ከምዘይኮነ ከስተውዕሉ፣ካብ ኢድ ምትእትታው ናይ ትምክሕተኛታት፡ ጸበብትን ተበለጽትን  ብንቕሓት እንዳተኸላኸሉ፡ ናይ መንእሰይ ዓቕሚ ኣብ ምጥርናፍ ዘገልግል፡ ፖለቲካ እምነት ናይ ነፍስ-ወከፍ መንእሰይ ዘይክልክል ስቪካዊ ማሕበር ድልዱል ውደባ ብምውናን ክቃለሱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/  ይጽውዕን የተባብዕን። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝገብርዎ ኩለ-መዳያዊ ናይ ቃልሲ ዕማማት ድማ፡ ዓቕሚ ብዝፈቕዶ መሰረት ክተሓባበርን  ሓቢሩ ክቃለስን ምዃኑ ይገልጽ።

. ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብውድብን ሓውሲ ውድብን ዝተፈላለዩ ፎሮማትን ኣገባብ ናይ ቃልስን ብምጥቃም ዓቢ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ይገብራ ከም ዘለዋ መጠን፡  ውደባ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ክድልድልን ክሰፍሕን ተደላይነቱ ዘይተሓትት ስለዝኾነ፡ ውዳበኤን ብዝያዳ ከደልድላን ከስፈሓን ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ተሳትፎአን ከዕዝዛን ንኽበቕዓ ኩሉ ተቓላሳይ ኣወንታዊ ናይ ቃልሲ  ደገፉ ከበርክተለን ከም ዝግባእ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ይኣምን፡ምሰኣተን ሓቢሩን ተደጋጊፉን ኣንጻር ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ድልዊ ምዃኑ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ታሪኻዊ ዕለት ከረጋገጽ ይፈቱ።

ኣብ መደምደምታ፡-

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ኣብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል፣ቁጠባዊ ምዝመዛን ራስያን ድኽነትን፣ ባህላውን መንነታውን ብረዛን ዝርገት ኣድልዎ ብልሽውናን፣ ግዱድ ስደትን ፍርሰትን፣ ምሕራም መንፈሳውን ነገራውን እምነትን ነጻነትን፣….ወዘተ በቲ ካብ ኣብራኽኩም ዝወጸ፡ ሰብኣዊ ባህርን ስነ-ምግባርን ህዝባውን ሃገራውን ዕላማን ዘይብሉ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ መረጋገጺ ዘየድሊዮ ሓቂ’ዩ።  መፍትሒኡ ድማ፡  ከም’ቲ “ንእሾኽ ተውጻኣ እሾኽ” ዝበሃል ምስላ  ነዚ ዓመጽን ጎነጽን ጥራሕ  ዝቛንቋኡ ጉጅለ  በቲ ንሱ ዝርድኦ ቋንቋ  ጀሚርክሞ ዘለኹም ዓመጻዊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ምውጋድ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ በዛ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/ ናይ ቃልሲ ዕጥቅኹምን ኒያትኩምን ኣደልዲልኩም ክትቃለሱ  ይጽውዕ።

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም መሊኦም ንክዕወቱ ንቃለስ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

01 መስከረም 2013

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • ahmed saleh September 2, 2013

    WARNING !
    BEWARE FROM CHILDEN OF AWATE , they don’t play .

  • Said September 2, 2013

    You put Eritrea in the map , your my hero, but we are struggling we don’t now what .

  • Semhar September 2, 2013

    Please listen to the interview of Yemane T/Gergish, a party member of EPLF.
You can get it in the YouTube.

    Here is the URL address of Yamane T/Gergish
All Eritreans should listen to this interesting interview!

    http://www.youtube.com/watch?v=UNxe9SoSvz4

  • ማሊሻ September 2, 2013

    ቀደም ብደውኩም ዝሞትኩምሲ፣ ያኢ ሕጂ ኣብ ሽወደንን ኣማሪካን ተሓቢእኩም ሰብ ክትኮኑ። ንስኹምን ደቕኹምን ኣብ ውሑስ ዓዲ ፈረንጂ ተሓቢእኩም ንድኻን ወዲ ገባርን እሞ ካብ ምልካም ኣይትሓምቁን። ገና ነቲ ናታትኩም ረሳሕ ታሪኽ እንዳ ኣቆንጃኹም ከም ኣብነት ምሕቕቕ ሓራካ፣ ህልቀት ብሄረ ኩናማ፣ ህልቀት ራሳይን ኣዶብሓን ጽንታ ፋሉል፣ ራስያን ህልቂትን ቋሓይን ደምበላስ ፤ ንሻዕብያ ግና ዝገበርዎን ዘይገበርዎን ክትፍሕሱ ዕለታዊ ስራሕ ዝፈጠርኩም፤ ብእኩባትኩም ዙሩጋት ደኣ ብጀካ ዘረባ እንታይ ዋራት ከተጽፍፉ፤ ብጀካ ተዛሪብኩም ከተዛርቡ እምበር።

    • tekeste September 3, 2013

      What is your view on the Eritreans suffering at the hands of the atrocious regime. Are you saying eritreans are free people? The reality is; Eritrea is the worst place to live at the moment and no human rights of any kind. I think we should stand for the people rather than defending this irresponsible government before it is to late. Under this gov, the country is heading to caos.

      • ahmed saleh September 3, 2013

        tekeste
        HUWNET MALET NAY FIKRIN HALYOTN LIBONA HITO IYU .
        Fetawi hizbcka inte ckoinka fetawiyey ni kiteckewn ashegari ckoinu aysmeanin . Therefore gladly I may say
        keep it up dear Eritrean brother . From our comfortable zones we will not allow entertainment on those helpless people expense because they are part of our Eritrean blue blood . In our rich cultural tradition sayings respond of arrogance goes like this ” NEWRI AGHEB DEA NIBEL DEKI HAGER ” .

        • tekeste September 3, 2013

          Dear Ahmed, I think in the end the majority of people will come together to make the long awaited and deserved change. Every ones voice will count and will dismantle the barbaric regime in the near future. Carry on brother the resistance to undemocratic and diabolic system.

    • Semhar September 3, 2013

      ማሊሻ ማሊሻ ማሊሻ
      ቢረት ኣብ ኢድካ
      ወዲ መድሂን በራድ ዲኣቢሎስ ኢሳያስ ኣብ መረትካ
      ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧

      ማሊሻ ማሊሻ ማሊሻ
      በትሪ ኣብ ኢድካ
      ኢስያስ ተመን ኣብ መረትካ
      ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧

    • Semhar September 3, 2013

      ማሊሻ
      ማሊሻ
      ማሊሻ
      ቢረት ኣብ ኢድካ
      ወዲ መድሂን በራድ ዲኣቢሎስ ኢሳያስ ኣብ መረትካ
      ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧

      ማሊሻ
      ማሊሻ
      ማሊሻ
      በትሪ ኣብ ኢድካ
      ኢስያስ ተመን ኣብ መረትካ
      ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧

    • Kalighe September 5, 2013

      anta ማሊሻ sirnay, gudaika ghiber …

  • Keren September 3, 2013

    Exculpating Jebha

    Source Romanticizing Ghedli (I): the Excuses

    For many in the opposition of the Jebha mold, the crisis in Shaebia is all they needed to make a full time job out of rehabilitating Jebha and some of its dubious heroes. But this sounds more hypocritical than the Highdefites’ task of defending Shaebia because, while the Jebha defenders do want us to remember all the atrocities committed by Shaebia, they do not want us to remember even a single event that seems to mar the image of Jebha. All this despite the fact that this organization, throughout its history, has inhabited the worst of two worlds: although it emulated Shaebia in almost all its failings, it lacked the focus the latter displayed in fighting the enemy.

    But if there is anything that defines Jebha aptly, it is its sectarianism. This is an organization that was born out of sectarian motives, with ethnic and religious overtones; lived throughout its existence in sectarian squabbles (religious, regional, ethnic, linguistic and ideological); and understandably died as a result of its sectarian malaise. Its only half-hearted effort to reform itself in the 70’s soon floundered because it was never able to distance itself from its sectarian past, all along having been unwilling to let go the sectarian leaders of its past. No wonder that in its ashes, the Jebha factions that have survived it have now neatly aligned themselves along the very fault lines that doomed it to self-destruction. Only now, having come out of their respective closet, they openly wear their religious and ethnic hats all the way to their EDA meetings.

    The contradictions that Jebha supporters display could be seen everywhere: They have been diligently digging up all the skeletons they can find in Shaebia’s past (as it should be). But if you point to similar cases in Jebha – Falul, Suriyet Addis, Menfere, Rasai, and all other pre- and post-Adboha massacres. – they throw tantrums. They love to criticize Isaias for every blunder that he makes and for every crime that he commits (again, as it should be). But not only do they not want to hear any negative attribution about their leaders, however inept, undemocratic, sectarian or murderous they were, they also are in the active business of giving them a post-mortem “make over.” They never tire of reminding us of the marginalization of Kunamas under Shaebia (again, as it should be). But if you tell them that in this marginalization, which has a long history behind it, Jebha played a major role, with many of their villages burned down to the ground, many Kunamas killed and their cattle pillaged, they go nuts in anger. Day and night, they never tire of pointing out the inhumane treatment of prisoners under the hands of Shaebia/PFDJ (again, as it should be). But it is in one of the most shameful history of ghedli in Eritrea that Jebha summarily executed its Ethiopian prisoners at a time of its retreat in the late seventies. In this regard, even Shaebia didn’t match this atrocity. I could go on and on: the horrors of giffa (which actually started with Jebha), sexual abuse of women (especially by corrupt cadres and military leaders), endemic corruption of the leadership, etc – all areas that Jebha had excelled well before Shaebia came to be fully identified with them.

    • ahmed saleh September 4, 2013

      Ya taeban , Ya kelb , lekhbat wahed
      I was proud ELF fighter a muslim Eritrean but lost beautiful friends from my childhood age in Asmera
      and those new comrade friends in revolution at Asmera outskirt . For me they are brothers in spirit
      always on my memory . But I refuse to question their religion and ethnicity . ALHAMDILLAH ( PRAISE TO
      GOD ) to make me that way . Until I am alive proudly vow to their promise to look after our people interest .
      Only cowards betray the man word of promise , HIDRI SEWUATNA .

      • ahmed saleh September 5, 2013

        Guys who give grades on comments are you for real opposition activists for democratic change ? I notice
        your inclination does not look right at all .

  • Kabbire September 4, 2013

    Eritreans are still suffering in the hand of the savage Arabs.

    Egypt’s chaos fuels Africa’s human trafficking

    Egypt’s political unrest has brought suffering not only to its own people but also to hundreds of African refugees. Their goal is Israel but many end up as hostages on the Sinai Peninsula.

    Kahassay Woldesselasie simply wanted to get away from Eritrea. He planned to begin a new life in a country where citizens are not as brutally suppressed as in his East African homeland. Eritrea, located in the Horn of Africa, is one of the world’s most secretive and repressive regimes.

    Woldesselasie initially fled to neighboring Sudan. While there he heard rumors of good jobs being offered in Israel. A human trafficking syndicate offered to take him there. Woldesselasie agreed and fell into their trap. The traffickers abducted him and took him as a hostage to the Egyptian Sinai Peninsula.

    On the journey they blindfolded him, there was little food and water. The gangsters threatened to kill him if he did not pay ransom. “You have no choice but to call your relatives,” Woldesselasie told DW in an interview. “If they agree to pay, you might be lucky. But if they don’t, you’re dead.”

    http://www.dw.de/egypts-chaos-fuels-africas-human-trafficking/a-17050151

    • ahmed saleh September 5, 2013

      For your information the same tactic of extortion started in Libya too . Recently a family member fell prey on
      that criminal activity to force family members to pay $ 30,000 ransom to let her free then to cross the sea in
      safe place . Since our cowardice approach change to confront facts as men , things will get worse and worse .
      Years ago when RASHAIDANS in Eritrea border get the go ahead green light to control Eritreans movements and
      when the shoot to kill of our youngsters who attempt to flee , we observe how the people’s reception was to
      support the master of the evil (DIA ) . As one commentator put it ; ” BLAME OURSELVES NOTHING ELSE ” .
      JEBHA – SHAEBIA – WEYANE – HAMASSIEN – AKELEGUZAY – ASLAMAY – CHRISTIANAY only shows arrogance and STIPIDITY .

      • ahmed saleh September 5, 2013

        Again , time doesn’t allow us to hunt the past while the present leave us in jeopardy to survive by pushing the people on the edge for destruction and death .
        Not to recognize the imminent enemy of the question of survival shows foolishness waiting for our doom day.
        That is the dream of bad apples among us to see Eritrea back to it’s past position without identity .

POST A COMMENT