Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ሓዘን መስዋእቲ ኣባላት ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ

ክቡር ኣቶ መልስ ዜናዊ ቀዳማይ መኒስተር ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝዓዘዘ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መንግዲ ቆቦ - ሆርሞት ብዝጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓፈሻ ንመላእ

ክቡር ኣቶ መልስ ዜናዊ
ቀዳማይ መኒስተር ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ

ዝዓዘዘ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡

ብምኽንያት መስዋእቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መንግዲ ቆቦ – ሆርሞት ብዝጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ፡ ንህዝቢ ትግራይን ዝተሰመዓና መሪር ሓዝና ንገልጽ።

እዞም ሓደጋ ዝጋጠሞም ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ጅግና ተቃላሳይ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኢህወደግን ነዚ ሕጂ ብደረጃ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ናይ ስላምን ምርግጋጽን ቁጠባዊ ምዕባለን ኣብ ምርግጋጽን ኣብ ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናቶም ሉልይ ሰነ ጥበባዊ ናይ ቃልሲ እጃም ዝተጻውቱ ሓረበኛታት እዮም ኔሮም።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በዚ ዝጋጥመ ናይ መስዋእትን መቁስልትን ሓደጋ”ዚ መሪር ሓዝኑ እንዳገለጸ ንስድራቤት ስውኣትን ኣዕርኽቱም ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራን ምምሕዳር ክልል ትግራይን መላእ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
27 መስከረም 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT