Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ መሪር ሓዘን ብምኽንያት ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ቀሺ ካሕሳይ

ጥሪ 18, 2016, መግለጺ መሪር ሓዘን ብምኽንያት ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ቀሺ ካሕሳይ ፣ ክቡር ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ብዕለት 14 ጥሪ, 2016 ብዘጋጠሞም ናይ መኪና ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮሙና።  ብሃንደበታዊ ሞት ናይ ቀሺ ሓይልኣብ ኣዝዩ ከቢድ ስንባደን

ጥሪ 18, 2016,

መግለጺ መሪር ሓዘን ብምኽንያት ሞት

ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ቀሺ ካሕሳይ

ክቡር ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ብዕለት 14 ጥሪ, 2016 ብዘጋጠሞም ናይ መኪና ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮሙና።  ብሃንደበታዊ ሞት ናይ ቀሺ ሓይልኣብ ኣዝዩ ከቢድ ስንባደን መሪር ሓዘንን ተሰሚዑና፤ ሞት ናይ ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ብዝያዳ ነቶም ክቡራት ስድራ ቤቶም ብፍላይ ብጣዕሚ መሪር እኳ እንተዀነ ፣ ብሓፈሻ ድማ ንኹሎም ሓቀኛ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ደለይቲ ፍትሕን ብጣዕሚ ዓቢ ጥፍኣት እዩ።

ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ካብቶም ብጽንዓትን ጸሎትን ነቲ ዘይሕጋውን ዘይንቡርን ምልጋስን ምእሳርን መራሒ ጳጳስ ናይ ኦርቶዶክስ ኣትሪሮም ክቃወሙ ዝጸንሑ ተባዕ መንፈሳዊ መራሒ’ዮም። ብሰንኩውን ኣብ ሂወቶም ብዙሕ ፈተነታት ሽግርን ከጋጥሞም ጸኒሑ’ዩ። ንጉጅለ ህግደፍ ስለ ዘይተማእዘዙ  ካብ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከተማ ኦታዋ ኣባሪረሞም። ካብ ህልኽን ህውከትን ንምድሓን ድማ ሰላም ክረኽቡ ስድራ ቤቶም ሒዞም ናብ ኣልበርታ -ፎርት-ማክመሪ ዝብሃል ከተማ ጉዒዞም። ጽቡቕ መነባብሮ ሰሪቶም ሂወቶም ብሰላም ክመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ እዚ ሃንደበታዊ ሞት ኣጋጢምዎም።

ቀሺ ሓይልኣብ ኩሉ ጊዜ ፍቕርን ስኒትን ዝሰብኩ ብናይ ህዝቦም ስቓይ ዝሓሙ ደላይ ፍትሕን ሰላምን እዮም ኔሮም። ኣብ መንፈሳዊ እምነቶም ጽኑዕ ከምቶም ስቓይ ህዝቦምን ግህሰት ሃይማኖቶምን ረሲዖም ብዓለማዊ ረብሓ ዝሰዓዱ መንፈሳዊ ጥልመት ዝፍጽሙ ኣገልገልቲ ጨካን ጉጅለ ህግደፍ ኣይነበሩን።

ንኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ፣ ንስድራቤቶም ድማ ጽንዓት ይሃቦም ጠሊ ይሕደጉሎም ብምባል ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

ካብ ደለይቲ ፍትሒ( ከተማ ኦታዋ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Yemane January 21, 2016

    ጽንዓት ይሃብኩም ስድራበት መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ኣባ ቀሺ ሓይላኣብ ጾለትኩም ኣይጋደፈና

  • Concerned Eritrawi January 21, 2016

    Rest In Peace and may the Lord take care of you as you served and too care of his people. Xinaant nbiete sebn fetetun.
    Amen

  • Michale Ytebarek January 21, 2016

    Keshi Haieab was very honest and respect full person and I was proud of him as an Eritrean to have such a religious leader who follows the Bible and what the Bible says unlike other religious leaders who trust i Esaias Afewerki.
    It is difficult for me to express my condolence.
    May his soul rest in peace!
    Debesa Eyob ydebskum

  • Merhawi January 21, 2016

    May god rest his soul in peace
    .

  • semere 2 January 22, 2016

    May his Soul Rest in Peace!

  • TEMESGEN HAILE January 22, 2016

    MAY GOD GIVE YOU ETERNAL REST FOR WE HAVE LOST A VERY IMPORTANT SPIRITUAL LEADER

  • Tsehaye January 22, 2016

    ሞት ኣቦና ዘሰንብድን ሃንደበትን ኢዩ፡ ኮይኑ ግን…”ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር ኢዩ።” መዝ 116፡15
    ሞት ኣብ ተመክሮ ደቂ ኣዳም(ሰብ) እቲ ከቢድ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ንኡስ ዕድመ ይኹን፡ሽምግልና፡ ብሃንደበት ይኹን፡ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ሕማም ብዘየገድስ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ብስጋ ዝገድፈልና። ንነብዕ ንሓዝን፡ንምንታይ ከምዚዶ ኮምቲ ኮይኑ ንብል…ክንምልሶ ዘይንኽእል ሕቶ ንሓትት። ግንከ ከም ክርስቲያን ሰብ ተስፋ ኢና! “ንኣምን ትንሳኤ ሙታን” ጎይታ ሞት ብሞቱ ሲዒርዎ ኢዩ! ብድሕሪ መስቀል ትንሳኤ ኣብ ሳልስቲ ኣበሰረና!
    ቅዱስ ጹሑፍ ከምዚ ይብል፡
    “ ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።….ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዓር ጸላኢውን ሞት እዩ።”1ይ ቆሮ 15:22,24-25
    ስለዚ ብኽርስቶስን ንኽርስቶስን እንተነበርና፡ ካብ’ዛ ግዝያዊ ቤትና ተፋኒና ኣብ መንግስቱ ምስኡ ወረስቱን መዋርስቱን ኢና።
    “ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።” ዳዊት 73:24
    “ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና።”2ይ ቆሮ 5፡8
    ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ! ነቦና ኣብ ቤቱ ይቀበሎም!

  • goitom January 22, 2016

    nmewati mengiste semayat yewars entekone gin merahi haymanot zeakilu ab adom tetikiberu tsbuk neru

    • Marina Kiflom January 24, 2016

      mis zi zelo corruptive Government of Essayas and his Regime kemey gerom emo ab Adom kikiberu! hakin fthin sle zibelu endiom kab zifetwuwa Adomin bitsotomin tebarirom ab sidet zitesededu. wala mis wotsulom keman dedhriom ab zikeduwo endakedu betom ab wetsaei zelowu korakur wahyotatom yeshegruwom neyrom. Zikonekoynu Mr. Goitom kemti zibelkayo neabona Haileab Mengiste Semayat Yewarsom ni Sidraom dima tsnat yihabom. Father Haileab kab aynina dea tefliom ember eti tsbukun hakegna tegbaratomn zikesemnayo timrtin nizelalem ab libna misana kinebr eyu. Rest in peace Abona Haileab Rest in peace and your soul rejoice in heaven Amen .

  • Mille Haile January 23, 2016

    I am deeply sorry on the passing away of father Haileab. Father was one of the most honorable leaders on Orthodox religion. He was very knowledgeable, honest and respectful leader. He knows how to deliver his knowledge to his congregation, when he is preaching you always wants to hear more I never had enough always wants to learn more . Father was a strong & truthful leader he welcomes every one wants to follow the bible and never manipulated by pretenders. I miss you so much father Haileab. You rest in peace & your soul rejoice in heaven. My condolence to his family and his congregation.

Post a Reply to Merhawi Cancel Reply