Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ – “ኣብ መንፈሳዊ ዕርቂ ኣይንሓውስ ጸይቂ”

3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዝጀመረ ቅድሚ ሰሙናት እኳ እንተ ሰማዕናመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ግና ብህድኣት ክከታተሎ ጸኒሑን ኣሎን። በዚ መሰረት፥ ዓርቢ 5 ነሓሰ 2016 (፳፱ ሓምለ ፳፻፰) ዓ.ም ካብኣቦታት

3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዝጀመረ ቅድሚ ሰሙናት እኳ እንተ ሰማዕናመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ግና ብህድኣት ክከታተሎ ጸኒሑን ኣሎን። በዚ መሰረት፥ ዓርቢ 5 ነሓሰ 2016 (፳፱ ሓምለ ፳፻፰) ዓ.ም ካብኣቦታት መነኮሳት፡ ሊቃውንቲ ካህናትን ልኡኻት መንግሥትን ብድምር ከባቢ 18 ዝኾኑ ሰባት ንቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረኤርትራ ኣብቲ ተሓይሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ከይዶም ብጉዳይ ዕርቂ ከም ዘዘራረብዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። መቐጸልታ ናይዚሓፈሻዊ ዘተ-ዕርቂ ድማ ሰኑይ 8 ነሓሰ 2016 (፪ ነሓሰ ፳፻፰) ዓ.ም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣስመራቀጺሉ ውዒሉ።

ሓቀኛ ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ሰብን ምግባር ዘሐጉስ ብሥራት እምበር ዘሕፍር ስዕረት ኣይኮነን። ኣህጉረ ስብከታት ንልዕሊ 10 ዓመታትዝደኸመሉን ዝጸለየሉን ነገር ስለዝኾነ ሕጂውን ብሓጉስ ዝቕበሎ ብስራት እዩ። ኣብ ርትዕን ሕግን ዘይተሰረተ መንፈሳዊ ዕርቂ ግና ናብፍቕርን ጽድቅን ዘየብጽሕ ኣምላኽ ኮነ ሰባት ዘይሕጎሰሉ ዘይቅዱስ ተግባር እዩ።

ብቀኖናዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን መሰረት: ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ዝወርድ በዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነገራት ጥራይ እዩ።

1) ብዝሙት
2) እምነት ብምጉዳል
3) ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ምስ ዘጋጥሞ

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ግና ዋላ ሓንቲ ካብዘን ዝተጠቕሳ ጉድለታት ኣይፈጸሙን። ካብ መዓርጎም ዘውርድ ዝኾነ ጌጋውን ኣይገበሩን።እኳ ድኣ ስለ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 10 ዓመታት ግፍዕን ማእሰርትን እዩ ኣጋጢምዎም። ሕጂ ኸኣ እቶም ዝጠለምዎምን ብኢዶምዝተሾሙ ጳጳሳትን ልባዊ ይቕሬታ ክሓትዎም ዝግባእ ክነሱ ኮር ተገልበጥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ “…ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገበርክዎጌጋ ምዃኑ እናገለጽኩ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ እሓተሉ ኢሎም “ዝብል መግለጺ ተዘርጊሑኣሎ። ይቕሬታ ሓቲቶም ተመሊሶም ዝብል ግና ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ንህዝቢ ንሕብር። ኣብ ነጻ ቦታን 3ይ ኣካል ተዓዛቢ ኣብ ዘይብሉንዝወሃብ ዕርቂ ኮነ ፍርዲ’ውን ተቐባልነት የብሉን። ኮይኑ ግን፥ ሲኖዶስ ብመንግስቲ ተደጊፉ: ባዕሉ ከሳሲ፥ ባዕሉ ፈራዲ፥ ባዕሉ ኣተዓራቒባዕሉ ድማ ኣዋጅ ክህብ ኣይግብኦን እዩ።

ሕጂ ኸኣ ሓቀኛ ዕርቂ ክበሃል እንተኾይኑ፥ ብ3ይ ናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ኣብ ናጻ ቦታ ዕርቂ ክግበር፥ ኣቡነ እንጦንዮስድማ ቃሎም ክህቡ፥ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ብኣዋጅ ከልዕልዎ ንጽውዕ።  ብተወሳኺ፥ መንግሥቲ ካብ ምምሕዳር ቤተክርስቲያን ኢዱ ከወጽእ፥ ሕጊ እግዚኣብሔርን ሕጊ ሃገርን ክፈላለ፥ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ብነጻ እምነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ክሕሎ፥ ኣብወሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክርድኦን ንጽውዕ።

ስምረት ገዳማት፥ ጉባኤ ሊቃውንትን ካልኦት ዕርቂ ክግበር ዝጽዕሩ ዘለዉን ነቲ ዝጀመርዎ ሰናይ ሓሳብ ናብ ምሉእ ዕርቂ ከብጽሕዎእግዚኣብሔር ክድግፎም ኣብዚ ናይ ሱባኤ እዋን ብጸሎት ንዝክሮም።

ገበርቲ ሠላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም። ማቴ 5፡9።

ኣህጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
9 ነሓሰ 2016 (፪ ነሓሰ ፳፻፰ ግእዝ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Wedi Hagher August 10, 2016

    “ብተወሳኺ፥ መንግሥቲ ካብ ምምሕዳር ቤተክርስቲያን ኢዱ ከወጽእ፥ ሕጊ እግዚኣብሔርን ሕጊ ሃገርን ክፈላለ፥ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ብነጻ እምነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ክሕሎ፥ ኣብወሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክርድኦን ንጽውዕ።”

    Thank you

POST A COMMENT