Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጲያን

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ መግለጺ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጲያን መሪሕነት ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ፣ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝገበሮ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝግበር ዘሎ

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

መግለጺ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጲያን

መሪሕነት ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ፣ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝገበሮ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ዝርርብ ብዝምልከት ተመያይጡ ኣብ ዝስዕቡ ሰለስተ ነገራት ክጠቓለል ዝኽእል ናይ ሓባር መደምደምታ በጺሑ።

  • ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝጸንሐ ሽግር ብሰላም ክፍታሕ ንቃለሰሉን ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶታት ከም ንድግፎን ገሊጽና።
  • ስርዓት ኢሰያስ ኣፎርቂ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ስላጣኑ ንምድልዳልን ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ንምጭፍላቕ ክጥቀመሉን ክፍትን ከም ዝኾነን መዚንና።
  • በዚ መሰረት ንጽላል ሓዊስካ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ንናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝባታት ጠቕምን ዘላቒ ፍታሕን ዘምጽእ ንኽኸውን በወገኖም ክቃለሱ ከም ዘለዎም ርኢና።

ብወገንና ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን አትዮጲያን ዝጸንሐ ግርጭት ብሰላማዊ መንገዲን ብዝርርብን ክፍታሕ ዝግብኦ ምዃኑ ክንዛረበሉ ዝጸናሕና ጉዳይ ኢዩ። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ፣ ከም ጸረ ሰላም ስርዓት መጠን፣ ብሽም ዶብ እናማኸንየ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ኣብ ናይ ማእሰርት ማሕረድትን ስደትን ሃለዋት ሸሚምዎዩ ጸኒሑ።  ናይ ኤርትራ አኮኖሚ ባይታ ዘቢጡ ህዝብና ኣብ ናይ ጨሪሱ ምብትታን ሓደጋ ተገማጊሙ ኣሎ።

ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንኣስታታ ዕስራ ዓመታት ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ፍታሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተገዲዱ ኣትይዎ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይዚ ስርዓት ህግደፍ ሙሉእ ብሙሉእ ኢዱ ሂቡዩ።

መራሒ ስርዓት ኣስመራ ኢሰያስ ኣፎርቂ ከም ናይ ጸረ ሰላምን ጸረ ህዝብን ስርዓት መጠን ሕጂውን ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ንጠቕሙ ከውዕሎ ክጽዕር ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዝረኣናዮ ናይ ኢሰያስ ኣፎርቂ ዘረባታትን ምንቅስቓሳትን ነዚ ንብሎ ዘሎና ጉዳይ ዘረጋግጽዩ። ክሳብ «ብሓቂዶ ንነብሱ ከም መራሒ ሓንቲ ሃገርዩ ዝፈልጣ?» ዝብል ምጥርጣርን ሕቶ ምልክትን  ኣብ ብዙሓት ሰባት ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ዋላ ኣብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ኣምነት ዝነበሮም ሰባት።

ኣብዚ ጉዳይዚ ንጽላል ሓዊስካ ናይ ተቓለስቲ ኣካላት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ግደ ኣንታይ ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ኣገዳሲ ነጥቢ ብዕቱብ ክለዓልን ክዝረበሉን ክንቃለሰሉን ዘሎና ጉዳይ ኢዩ።

መበገሲና ናይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ጠቕምታት ክረጋገጹ ምቅላስዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ቃልሲ ንሃገሩ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ገይሩዋዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን መበገሲ ዕላማታትና ናይቲ ኣብዛ ሃገርዚኣ ዝርከብ ህዝቢ ጠቕምታት ምርግጋጽዩ።  ንጠቕምታት ህዝቢ ኤርትራ መበገሲ ምግባር ማለት ግን ናይ ጎረባብትና ህዝብታት ጠቕምታትውን ኣብ ግምት ኣይንእቱን ማለት ክኽውን ኣይክእልን። ሕቶ ሰላማዊ ጉርብትና ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጲያን ጉዳይ ክልቲኡ ህዝብታትዩ። ዘተኣማምንን ዘላቕን ፍታሕ ክርከብ ምእንቲ ድማ ክልቲኡ ህዝብታት ዝጥቀመሉ ፍታሕ ክርከበሉ ኣለዎ።

ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮኢትዮጲያን መተካእታ ዘይብሉ ሕጋዊ መበገሲ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራትዩ። ሎሚመንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ናይ ኣልጄርስ ውዕል ክንትብሮ ኢና እናበለ እንከሎ፣ ስርዓት ኢሰያስ ግን ናይ ዶብ ጉዳይ ኣገዳሲ ኣይኮነን ይብል ኣሎ። እሞ ድማ ዶብ ብምስማስ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣደዳ ሞትን ስደትን ገይርዎም እናሃለወ። ስርዓት ኢሰያስ ሃንደበት ከምኡ ምባሉ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ጉዳይ ዶብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ዝኽእል ተሃዋሲ ጉዳይ ስለዝኾነዩ።

እቶም ካልኦት ዝግበሩ ስምምዓትውን ብዋጋ ጠቕምታት ህዝብና ከይከውን በብወገናን ብሓባርን እቲ ክግበር ዘለዎ ነገራት ክንገብር የድሊ።

ስርዓት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክልን ጸረ ሃገርን ስለዝኾነ ናብኡ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ የብልናን። ነዚ ስርዓትዚ ክንቃለሶ ጥራሕዩ ዘሎና።

ኣብ ርእሲዚ ብወገንና ምስዚ ጉዳይዚ ዝተኣሳስረ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ከነመሓላልፎ እንድሊ ጉዳያት ኣሎ።

ብቐዳምነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወሰዶ ተበግሶ ነመጉስ። እዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተበግሶ ንስርዓት ኢሰያስ ኣፎርቂ ነቲ ንዕስራ ዓመታት ክሽቅጠሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ራሕሪሑ ስልጣኑ ንምድሓን ኣብ ናይ ዓበድበድ ሃዋህው ከም ዝኣቱ ሚዛኑ ከምዘጥፍእን ገይርዎዩ። ሓቀኛ ባህርይ ኢሰያስ ኣፎርቂ ድማ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እነሆለ ተቓሊዑ።

ዘተኣማምን ጥዑይ ዝምድና ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ብዘይካ ተሳትፎ ክልቲኡ ህዝብታት ክረጋገጽ ኣይክእልንዩ። ኣብ ኢትዮጲያ ዝነበረን ሕጂውን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ዲሞክራሲ ሃዋህው ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ተሓሪሙና ኣሎ። ፖሊቲካዊ ሃለዋት ከምዚ ዘለዎ ክሳብ ዝቐጸለ ድማ፣ እቲ ዝግበር ስምምዓት ኣብ ምሕረት ኢሰያስን ኣጫፈርቱን ዝተመርኮሰዩ ክኸውን። እዚ ንህዝቢ ኢትዮጲያውን ዘላቒ ረብሓ ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላማዊ ርክብ መስርሕ ሙሉእነት ክህልዎ ምእንቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጥታት ብምግባር፣ ኣብ ኤርትራውን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገጽ ምእንቲ ናቱ ጽልዋ ክገብር ንጽውዖ።

ብሕጋዊ ኣዘራርባ ምስ ኤርትራ ዝግበር ስምምዓት ምስቲ ዘሎ መንግስቲ ዝግበር ምዃኑ ፍሉጥዩ። ዋላ ከምኡ ይኹን ግን፣ መንግስት ኢትዮጲያን ናይቲ ካብ ስርዓት ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ሓሳትውን ክሰምዓሉ ዝኽእል ኣገባብ ክፈጥር ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ኩሉ ኤርትራዊ ዘይሳተፈሉ ናይ ሰላም ውዕላት ውሕስነት ከም ዘይብሉ ክፈልጥ ኣገዳስነት ኣለዎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ቀጻልነት ዘለዎ ስምምዓት ናይ ምግባር ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ ናይ «ንደመር» ተባሂኡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጉዲልካ ብምንም መንገዲ ሓቀኛ ምድማር ክግበር ኣይክእልንዩ።

በዚ ዝግበር ዘሎ ስምምዓትመሰረት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጲያ አምባሲታት ክኽፍትዩ። ቀዳማይ ስራሕ ናይቶም አምባሲታት ዝበሃሉ ኣካላት ህግደፍ ጸጥታዊ ስራሓትዩ። ህግደፍ ጸጥታዊ መሓውራቱ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምታት ክወስድ ክጅምርዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ነዚ ጉዳይዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ድሕነት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጲያ ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ ኣብ ግምት ከእትዎ ከነዘኻኽሮ ንደሊ።

ኣብ ኢትዮጲያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራትን ወጻኢ ካብ መዓስከራትን ይርከቡ ኣለዉ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካብ ሃገሮ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዝገበረ ኣረሜናዊ ስርዓት ሎሚውን ኣብ ኤርትራ ይቕጽልዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ዝመጸ ፖሊቲካዊ ለውጢ የለን። እዚ ሓቅዚ ንመንግስት ኢትዮጲያ ከም ዘይጠፍኦ ብርግጽ ንፈልጥ ኢና። ዋላ ካምዚ ይኹን ግን ንሕና ከም ኤርትራውያን መጠን ጉዳይ እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ብዕቱብ ክርአ ንላቦ። በዚ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ስግኣት ክሓድሮምን ኣብ ህዉኽ ዘይተጸንዐ ስጉምታት ከእትዎም ይኽእልዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ ምርግግኦም መደባት ኣውጺኡ ብዕቱብ ክንቀሳቐሰሉ ኣገዳሲዩ ንብል።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታትውን ነዚ ጉዳይዚ ዕቱብን ቅልጡፍን ቆላሕታ ሂቡ ድሕነት ዜጋታትና ከረጋግጽ ነተሓሳስቦ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ደንበ ፍትሒ  ውልቃውን : ውድባውን ኣረኣኣያታቱከም ካልኣይ ኣጀንዱ ሰሪዑ ኣብ ናይ ሓባር ሰርሓት ተጥርኒፉ ዕዮ ገዝኡ ከሰላስል ንጽዉዕ።

መሪሕነት ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

  1. 07. 2018

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT