Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ!

ብመጀመርያ ኣብ ኖርወይ: ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኩሉ ኩንርንዓት ዓለም ንእትርከቡ ኹልኹም ደለይቲ ፍትሒ ናይ ቃልሲ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ኣብ ዕለት 18.10.2017 ኣብ መርበብ ዜና ኣሰና «ኣገዳሲ ምልክታ ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ» ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባና: ብዛዕባ

ብመጀመርያ ኣብ ኖርወይ: ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኩሉ ኩንርንዓት ዓለም ንእትርከቡ ኹልኹም ደለይቲ ፍትሒ ናይ ቃልሲ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ኣብ ዕለት 18.10.2017 ኣብ መርበብ ዜና ኣሰና «ኣገዳሲ ምልክታ ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኖርወይ» ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባና: ብዛዕባ ጽላል ተጻሒፉ ርኢና። መግለጺ ክንህበሉ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ድማ መሪሕነት ጽላል ማለት «ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ጽላል» ሎሚ ምሸት ህጹጽ ኣኼባ ገይሩ ነዚ ዝስዕብ መግለጺ የውጽእ ኣሎ።

ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ብዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ኣረሜናዊ ግፍዒ: ህዝብና ኣብ ጸልማት ናብራ ተሸሚሙ ብናይ ባርነት ሃለዋት እናተሳቐየ እንከሎ: ንሕና እዞም ኣብ ዲሞክራሲያዊ ሃገራት ተቐሚጥና ብሓቂ ንፍትሒ ንቃለስ ዘሎናን: ንፍትሒ ንቃሎስ ኣሎና እንብልን ኣካላት: ዓቕምናን ግዜናን ኣብ ነንሕድሕድና ከነጥፍኦ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዳይ ከም ዝኾነ ኣቐዲምና ከነስምረሉ ንደሊ።

ብዝኾነ እቲ ኣብ «ኣሰና» ዝወጸ ጽሑፍ ነቲ ማሕበርና ጽላል ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ዘቃልሖ ናይ «ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!» ዝብል ነቕ ዘይብል እምነትና ዘይመልክዑ ዝህብን: ነቲ ተግባራዊ ስራሓትና ዝዕንቅፍን ስለዝኾነ ዋላ: ዘይንደልዮ ነገር እንተነበረ ነዚ መግለጺዚ ከነውጽእ ተገዲድና። እንኮ ምኽንያትና ድማ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብዛዕባቲ ኩነታት ክፈልጡን ዓንቃፊ ኣከያይዳታት ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተገንዚቦም ክብድሁን ንምግባርዩ።

ካብኡ ሓሊፍና ከነጥቅዖ ወይ ከነዳኽሞ እንደሊ ኣካል የብልናን። ንሕና ስርዓት ህግደፍ ክደክምን ተማሕዩ ክድርበይን ጥራሕዩ ዕላማና። ህዝብና መሰሉ ምስ ኣረጋገጸ ድማ ምስ ህዝብና ኴና ኮይንና ብዛዕባ ከመይነት ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክንዝትን ግቡእና ክንገብርን ኢና።

ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይና ቅድሚ ምእታውና ብዛዕባ ማሕበርና ጽላል ገለ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ከነብርህ ኣገዳሲ ኢዩ።

«ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ» ኣብ ዕለት 13.10. 2012 ኣብ ስታቫንገር  ኖርወይ ተመስሪቱ። ክሳብ ሕጂ ድማ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ጉባኤኡ እናገበረ ጸኒሑ ኣብ ታሕሳስ 2016 ራብዓይ ጉባኤ ገይሩ ነዚ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ መሪሕነት ናይ ክልተ ዓመት ሓላፍነት ሂቡ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ኣብ ታሕሳስ 2018 ድማ ሓምሻይ ጉባኤኡ ክገብርዩ።

ጽላል ክምስረት እንከሎ 4-5 ዝኾኑ ማሕበራትን ውሑዳት ውልቀሰባትን ነይሮሞ።

ኣብዚ ግዜዚ ጽላል ትሽዓተ ኣካላት ጠርኒፉ ኣሎ። ካብዚአን ገሊአን ኣብ ውሽጢዚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተመስረታ ኢየን።

ገለ ካብተን ንጽላል ኣቚመን ዘለዋ ጨንፈራት ናይ ብዓለም ደረጃ ዝንቀሳቐሳ ውድባትን ፓርትታትን ግንባራትን ኢየን።

  1. ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ጨንፈር ኦስሎን ተለማርክን (ክልተ ጨንፈራት)
  2. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንሃገራዊ ድሕነት (ESMNS) ጨንፈር ኦስሎን ትሮንድሃይምን

(ክልተ ጨንፈራት)

  1. ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ኦስሎ (ኢ ፒዲፒ ድሕሪ ራብዓይ ጉባኤ ጽላል ንጡፍ ምንቅስቓስ ይገብር የለን።)
  2. ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት በርገን
  3. ማሕበር ኖርወጃውያን ኤርትራውያን ኖርወይ ስታቫንገር
  4. ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ጨንፈር ኦስሎ
  5. ማሕበር ዘተን ልዝብን ቡዶን ከብቢኣን
  6. ማሕበር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን
  7. ሓድነት መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ኦስሎ

ካብተን ብደረጃ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ውደብታት ገሊአን ብወተሃደራዊ መንገዲው ገሊአን ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ኣንጻር ጸላኢና ኣብ ምቅላስ ከም ዝርከባ ካባና ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣባላተንውን ኣብ ውሽጢ ጽንኩር ሃለዋት ሙሉእ ግዚኦም ወፍዮም ይቃለሱ ኣለዉ።

ዝተረፋ ድማ ኣብ ኦስሎን በርገንን ቡዶን ሱንዳልሶራን ስታቫንገርን ዝበሃል ከተማታት ተወዲበን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሳ ከባቢያዊ (local) ናይ ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን ማሕበራት ኢየን።

እዘን ኣካላት እዚኣተን ኣብ ከከባቢኤን ብሓባር ኮይነን ብዘካየድኦ ቃልሲ ሎሚ ዲሞከኣሲያዊ ምንቅሳትና ኣብ ኖርወይ ተፈሊጡ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ክሳብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ድላዩ ፍንጢራዕ ዝብል ዝነበረ ህግደፍ ሎሚ ብዘይካ ኣብ ኦስሎ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝድህሰስ ህላወ የብሉን። ኣብ ኦስሎውን ድሕሪቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብቐንዱ ዲሞክራሲያውያን ኤርትራውያን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ  ምንቅስቓስ ህግደፍ ሓውሲ ትሕተ ባይታዊዩ ኮይኑ ዝርከብ።

እዚ ዓወታት ዚ ንህግደፍ ከሸምርሮ እንከሎ ንዓና ድማ ክንዓብን ክንሕይልን ክንፋቐርን ሓጊዙና ኢዩ። ሎሚ ጽላል በዞም ት ሽዓተ ኣካላቱ ኣቢሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ጠርኒፉ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ዓወታትዚ ብቐሊሉ ኣይኮነን ተረጋጊጹ። ኣንጻር ህግደፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጡ ዝፍጠሩ ዝነበሩ ዕንቅፋታትውን እንዳ ፈትሐዩ ኣብዚ ደረጃዚ በጺሑ። ሎሚ ጽላል ድሕሪ ናይ2016 ራብዓይ ጉባኤኡ ብመንገዲ ስሩዕ ኣኼባታት መሪሕነቱ ኣቢሉ ዝተፈላለየ መደባት እንዳሰርዐ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ብዙሓት ከነመሓይሾም ዘለዉና ጉዳያት ከም ዘለዉና ድማ የዐሪና ኢና ንፈልጥ። ኩላትና ብሓባር ኴና ንቕድሚት ገጽና ክንውንጨፍ ምዃና ድማ ኣይንጠራጠርን ኢና።

ኣብቲ ኣብ «ኣሰና» ዝወጸ መግለጺ ብቐንዲ ዝተዋስአ ሲቪካዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ዝበሃል ማሕበርዩ።

እዚ ማሕበርዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ምምስራት ጽላል ዝነበሩ ኮይኑ ኣብቲ ግዜቲ (2012) ኣብ ሙሉእ ኖርወይ 4-5 ኣባላት ነይረሞ። ሎሚ  ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ሰለስተ ኣባላት ኣለዉዎ።

ኣብቲ መግለጺ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጉዳያት ኣብ ኣኼባታት ጽላል ተላዒሎም ዘካትዑ ኮይኖም ኣይፈልጡን ዮም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንጽላል ኣቝሞም ዘለዉ ኣካላት ፍሉጥ ዲሞክራሲያዊ ፕሮግራማት ሒዞም ህዝብና ካብ ኣደራዕ ፋሽሽታዊ ስርዓት  ናጻ ንምግባር: ደሞምውን ከይተረፈ ዝኸፍሉ ዘለዉ ተቓለስቲ ኢዮም። ጽላል ድማ በቶም ኣቝሞሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓለስቲዩ ዝግለጽ።

ሲቪክ ከባቢያዊ ማሕበር ኮይኑ ክቃለስ ክመርጽ መሰልዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ክሳብ ንኸምዚኦም ዝበሉ ተቓለስቲ ብኽሕደት ሃገር ቅድሚ ምኽሳሱ: ተርኡን ዓቕሙን ከመዛዝንን: ነቲ ዝሓስቦን፣ እገብሮየ ዝብሎን፣ ዝጽሕፎን ነገራት ደጋጊሙ ክመራመረሉ ነተሓሳስቦ።

እቲ ኣብ ስታቫንገር ዕለት 14.10.2017 ኣኼባ ጌርና  ኢሎም ኣውጺኦሞ ዘለዉ  መግለጺ ብዝምልከት ድማ፣ ብመሰረቱ እቲ ኣኼባ ብሕቡእዩ ተገይሩ። ኣብ ስታቫንገር ካብ ዝርከቡ ተቓለስቲ ተሓቢኦምዮም ኣኼባ ገይሮም። ኣብ ርእሲዞም ዝጠቐስናዮም ካብ ኦስሎ ዝመጹ ሰለስተ ኣባላት ሲቪክ ካልኦት በዓል መንን ክንደይን ከም ዝነበሩ ብርግጽ ንፈልጦ ነገር የለን። ምፍላጡውን ዘገድሰና ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ፈሊጥናዮ ዘሎና ግን ክልተ ካብ ስታቫንገር ሰለስተ ካብ በርገን ሓደ ድማ ካብ ተለማርክ ዝበሃል ቦታ ዝመጸ ከም ዝነበሩ ኣረጋጊጽና ኣሎና።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ጉዕዞ ጽላል ከመይ ዝበለ ተራ ከም ዝነበሮም ሕጂ ምግላጹ ኣየድለይናንዩ። ኩሉቲ ቕድሚኡ ዝነበረ መስርሕ ኣብ ራብዓይ ጉባኤ ጽላል መደምደምታ ተገይሩሉ ስለዝኾነ። ሲቪክን እቶም ናይቲ ሕቡእ ኣኼባ ተሳተፍቲውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎምሲ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ከም ሰቦም ፕሮግራም ጽላል ኣጽዲቖምዮም ወጺኦም። ሲቪክ ድሕሪቲ ጉባኤ ካብ ጽላል ስሒቡ። እቶም ካልኦት ግን በብማሕበራቶም ኣቢሎም ኣብ ጽላል ኣባላት ኮይኖምዮም ጸኒሖም። ቅድሚዚ ኣብ ኣሰና ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ጉዳይ ጽላል ኣልዒሎም ዘስዕምዎ ትዕዝብቲ ኣይነበረን።

ጽላል ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ በብዝኣምነሉ መንገዲ ክውደብን ክቃለስን መሰል ከም ዘለዎ ይኣምንዩ። እዞም ሰለስተ ኣባላት ሲቪክን ተኸቲለሞም ዘለዉ ሰባትንውን በቲ የዐውተናዩ ዝብልዎ መንገዲ ተጠርኒፎም ክቃለሱ ንድግፎ ጉዳዩ። በቲ ንሶም ዝደለይዎ መንገዲ ብሓባር ኴና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ክንቃለስውን ድሌትናዩ። ካብዚ ሓሊፎም ግን ተራ ተቓለስቲ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ከጸልሙን፤ ናይ ቃልሲ መንገድና ክዘርጉን ኣይነፍቅደሎምን ኢና። ብሽም «ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ» ኢልካ መግለጺ ምውጻእን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምድንጋርንውን ሱቕ ኢልና ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቐንዐ ቃልሲ ዝ ሃሲ ስለዝኾነ።

ጽላል ክሳብ ሕጂ  ኣብ ብዙሕ ዝገበርዎ ሕማቕ ጉዳያት ሸለል ክብሎምዩ ጸኒሑ። ነዚ ተረዲኦም ናይ ቃልሲ ኣከያይድኦም ከመዓራርዩን ብሓብር ኴና ክንቃለስ ንገብረሎም ዘሎና ዕድመ ክቕበሉን ድማ ነተሓሳስቦም።

ኣውሃሃዲት ኮሚቴ

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኖርወይ

18.10.2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Alula October 19, 2017

    You are all a bunch of hopeless losers, I don’t know why you calling yourselves Eritrean oppositions?? You are all just waste of time and don’t represent the oppressed people of Eritrea in Norway or anywhere else. You only represent your own self interests and your regional interests as ever and as so clearly. Stay away from representing Norwegian Eritreans and leave your abused positions to our intelligent young generation.

  • ደላዪ ፍትሒ October 21, 2017

    ጽላል ኖርወይ እዚ ክልተ ዓመት ኣበይ ነይሩ? ሸፋቱ ዝብሉ ሰባት ንጽላል ኖርወይ ከፍርሱ ህርድግ ክብሉ ከለዉ እንታይ ትዋጥዩ ኔርኩም? ሕጂ ብሩህ መጻኢ ዝብሉ ስለምንታይ ሃንደበት ካልእ ኣባል ጽላል ይኹን ማሕበራት ዘይፈልጦኦ ኣኼባ ኣተኣናጊድኩም? ብሩህ መጻኢ ዝብሉ መዕገርገርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘባእስ የብልናን እናበሉ መሰሎምዩ ትብሉዶ ኣይነበርኩምን? ሕጂ እቲ ሓቂ ምስ ተጋህደ መልሲ ንምሃብ ጉያ ጉያ ውጽኢቱ ግዜ ከግህዶ እዩ። ንጸበ ጥራይ

  • fthi ynges October 24, 2017

    ቅድሚ ሕጂ ካልእ እንተ ተረፈ ዓመት መጽአ መግለጺ ጉባኤ ጽላል ኖርወይ ኣብ ኣሰና ክወጽእ ንርኢ ኔርና። ብዘይካኡውን ዝተፈላለየ ኣኼባታት ንሰምዕን ንርኢን ኔርና። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ግን ብዘይካ ናይዞም ሸፋቱ፡ ንስዉኣት ቆብዕ ኣይነውጽእን ዝብሉ ጕጅለ ዝኾነ ኣኼባ ይኹን ካልእ ዘረባ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ጽላል ኖርወይ ብህይወት ኣሎ እንተኾይኑ እስኪ እዞም ኣሎ ትብሉ ኣበይን መዓስን በዓል መንን ኣኼባ ወይ መግለጺ ሂቦምስኪ ንገሩና። ሕጂ ዝኾነ ምስ ኮነ ጸግን ጸግን እንታይ ትርጕም ኣለዎ? ሕጂውን እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንብሃል ከም ቀደምና ሓቢርና ቃልስና ክነካይድ ኣለና። ንሕና ንጸልእ ዘለና ንሃገር ንጸላእቲ ኣሕሊፎም ዝህቡን ንኤርትራ ከም ዘይነበረት ክገብሩ ዝጽዕሩ ዘለዉ መሳርሒ ባዕድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ምወላ ይወሃቦም ከም ዘሎ ፈሊጥና ኣለና። ኣብ ግዜኡ ክንገልጾ ምዃንናውን ነፍልጥ።

POST A COMMENT