Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግዛእቲ ድያብሎስ! – ቀዳማይ ክፋል፥

መግዛእቲ ድያብሎስ! ቀዳማይ ክፋል፥ ድያብሎስ መን’ዩ? እንታይ ማለት’ዩኸ? ድያብሎስ ማለት፡ ብቋንቋ ግሪኽ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ክፍኣትን ረሲእነትን መንፈስ ዘሎዎ ፍጡር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ኣብሊስ፣ ሰይጣን፣ ኣኼስ፣ እኩይ፣ ወዘተ. እውን ይጽዋዕ’ዩ። በዚ ኸኣ ኢና ንዝኾነ ክፉእ ግብሪ ዚገብርን ዚሰርሕን

መግዛእቲ ድያብሎስ!
ቀዳማይ ክፋል፥
ድያብሎስ መን’ዩ? እንታይ ማለት’ዩኸ? ድያብሎስ ማለት፡ ብቋንቋ ግሪኽ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ክፍኣትን ረሲእነትን መንፈስ ዘሎዎ ፍጡር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ኣብሊስ፣ ሰይጣን፣ ኣኼስ፣ እኩይ፣ ወዘተ. እውን ይጽዋዕ’ዩ። በዚ ኸኣ ኢና ንዝኾነ ክፉእ ግብሪ ዚገብርን ዚሰርሕን ሰብ፡ ብሰይጣን ወይ ብድያብሎስ እንምስሎ። ክሳዕ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን፡ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘርኣየ ሰብ ከኣ ብታሪኽ ይኹን ብጋህዲ፡ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ፡ እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ኤርትራ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘሎ፡ ንልዕሊ 42 ዓመታት ምሁራትን ጀጋኑን ዘጽነተ ሰብ ጥራይ እዩ። ከምኡ ጌሩ ዚትንኩልን ዚስይጥንን ሰብ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ ክሳዕ ሕጂ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ሰብ’ዚ፡ ሊቀ ሰይጣውንቲ ምዃኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይፈልጡን ዝጠራጠሩን ገርህታት ምህላዎም’ዩ። በዚ ድማ’ዩ ንሱውን ክሳዕ ሕጂ፡ ማለት፡ ንኣርባዓን ሰለስተን ዓመታት ዝኣክል፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ሓደ ሽግር ናብቲ ሓደ ጸገም እናኣሰጋገረን ውሉዱ እናቀምዐን (ብሓይሊ እናወሰደ) ቀጻሊ ኪሕምሶን ከከላብቶን ዝረአ ዘሎ።
እወ፡ በዚ ምኽንያት እዚ’ዩ ኩሉ ነገርና ንሱ ኮይኑ ዘሎ። ሕግና ንሱ፣ ሓጋጊ ኣካልና ባዕሉ፣ ከሳሲና ንሱ፣ ፈራዲና ባዕሉ፣ ኣሳሪና ንሱ፣ ቀታሊና ባዕሉ፣ ዘሰድደና ንሱ፣ ዘጭውየና ባዕሉ፣ዝሸመና ንሱ፣ ዘደስክለና ባዕሉ፣ ፕረዚደንትና ንሱ፣ ሚኒስተርና ባዕሉ፣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትና ንሱ፣ ጀነራልና ባዕሉ፣ ኣቦ መንበር ባይቶና ንሱ፣ ውድብና ወይ ሰልፍና ባዕሉ፣ እምነት ዘይብሉ ክነሱ፣ ፓትርያርክ (ናይ ሃይማኖት ተዋህዶ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን) ዝሸመልና ንሱ፣ ኣፍልጦ ዘይብሉ ክነሱ፣ ሙላህ (ናይ ምስልምና ካህን ወይ መንፈሳዊ መራሒ) ዝረቑሓልና ንሱ፣ ወዘተ. ኩሉ ንሱን ባዕሉን’ዩ! ንሕና ኤርትራውያን መቸም፡ ካብቲ ኣብ ሃገርና ዘሎና ፍቕሪ ብምብጋስ፡ እዚ መጽነቲ ወለዶና ዝኾነ ውልቀ መላኺ’ዚ፡ ዝሓተተና ዘበለ ኩሉ ነገር ፈጺምናሉ ኢና። ኣዚና ስለ ዝተገራህና፡ ዝለዋህናን ልቢ ስለ ዘዕበናንውን ጌና ብዘይዕረፍቲ፡ ብቐጻሊ ብዘይሕግን ፍርድን ንርገጽን ንእሰርን ኣለና። ግርህናን ለውሃትን ናብ ሕመቕ ከየድህበልና ግን ክንጥንቀቐሉ ይግባእ! ምኽንያቱ፡ ዘይምኽኑይን ዘይጽወርን በደል ንጸውር ስለ ዘለና።
ካልእ፡ እዚ ዉልቀ መላኺ’ዚ ኪፈልጦ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። እዛ ብህይወት ጀጋኑ ስውኣትና ዝመጸት ሓዳስ ሃገር፡ ‘መውጽኢ ሓዳርካ’ ተባሂላ ዝተዋህበቶ ጤሳኡ ወይ ውጁ (እጀታኡ) ከምዘይኮነት ኪግንዘብ ኣለዎ። ንሱ ኣብዛ ሃገር፡ ብውልቁ ዝውንና፡ እታ መንበሪተይ ኢሉ ዝወሰዳ ቤቱ ጥራይ ምዃና ኪፈልጥ ኣለዎ። እቲ ካልእ፡ ዋላውን እቲ እከይ ተንኮላትን ናይ ጥፍኣት ድራማታትን ዝደርሰሉ ቤተ መንግስቲ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ብዝርደኦ ቋንቋ ክንገሮ ይግባእ! ንእግረ መገደይ ብዛዕባ’ቲ ቤተ መንግስቲ ህግደፍ ገለ ክብል፥ ከምዚ ከማይ እንተ ኣተብሂልኩሙሉ፡ እታ ቀጽሪ ወይ መረባ ናይታ ቤተ መንግስቲ ጥራይ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝተደኮነት ሓምላይ ደሴት’ያ ትመስል። ናብ ግዳም እንተ ወጺእካ ግን ብፍላይ ከኣ ነቲ ካብ መናፈሻ ከተማ (city park) ጀሚርካ ክሳብ መዐደሊ ነዳዲ ‘ቶታል’ ዘሎ ቅርዓት ቤተ መንግስቲ እንተ ርኢኻ፡ ዝቓደረ ገደና’ዩ ዚመስል። ብዓንዳ ርእሱ እቲ ቤተ መንግስቲ ተደኲኑሉ ዘሎ ከተማ ኣስመራውን እንተኾነ፡ ሰቡ ገዲፈሞ ዝጸኣቱ (ብብዝሒ ዝተሰደዱ) ዑና’ዩ መሲሉ ዘሎ። መልክዕን ህንጸትን ሃገር፡ ኣብ ቐጽሪ ቤተ መንግስቲ ጥራይድዩ ኪንጸባረቕ ዘለዎ? ወይስ ‘ቤት ጽሕፈትን ገዛን ዉልቀ መላኺ፡ እንተ ጸቢቑን እንተ ለሚዑን እቲ ካልእ ክፍለ ከተማ ዋላ ይዕኖ ‘ዘገድስ ኣይኮነን’ ተባሂሉ’ዩ? ብኣተሓሳስባ ኣገልገልቲ ምልኪ፡ ከምኡ ኪብሃል ይኽእል’ዩ።
22 ዓመታት ምሉእ፡ በቲ ኣብ ንሓድሕንድና፡ እምነት፡ ክብርን ፍቕርን ንኸይህሉ ዝተጻወቶ ስዉር ሽርሒ፡ ብዛዕባ ከብድናን ድሕነትናን ጥራይ ክንሓስብን ክንሻቐልን ኣሕሊፍናዮ ኣለና። በዚ ኸኣ እዚ ምኩር፡ እከይ ዉልቀ መላኺ’ዚ ብዝፈሓሶ ተንኮላት፡ ኣብ ዕግርግርን ኲናትን ስለ ዝኸተተና፡ ሽግርና ከይተፈትሐ፡ ህይወትና ብስቓይን መከራን ከም ዝሓልፍን ንእኡ ንምእላይ ከምዘይንሰርሕን ጌሩና ኣሎ። ከምኡውን ንሓድሕድና ብምክሳስ፡ ብንብረትን ንዋይን፡ ብኻልእ ንኣሽቱ ማሕበራዊ ሽግራትን፡ ነገር እናልዓልና ክንማጐትን ክንዋጠጥን ጥራይ፡ ኣብተን ባዕሉ ዘዳለወልና ኣብያተ ፍርዲ ዝስመን ትካላቱ፡ ብዘይዝኾነ ይኹን ሕጋዊን ንቡርን መስርሕን ኣጋባብን፡ ሓው ንሓው፡ ውሉድ ምስ ወላዲ ከይተረፈ፡ ክንካሰስን ክንጓራፈጥን ኮለል ክንብል ንውዕል ኣለና። ንዘመናት ኣዝዩ ጽኑዕ ዝነበረ ቃል ኪዳን፡ ኣብ ዘበነ ኢሳያስ ግን እቲ ካብ ኩሉ ዝላሕልሐን ዝሓሰረን ክብሪ ሕብረተሰብ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ኣብ ቃል ኪዳኖም ጸኒዖም ብሓዳር ተፋቒሮም ዝነብሩ፡ ተፋቲሖም፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብነገር ኮለል ክብሉ ዝውዕሉ በዚሖም! ፍቕርን እምነትን ኣሰረን ጠፊአን። ሔማ ኣስኬማ (ብዝኣሰርዎ ቃል ኪዳን ጸኒዖም ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን) ከም ብርቂ ዝቑጸሩሉ ግዜ ተበጺሑ!
እዚ ነቶም ካብ ፈለማኡ ዝፈልጡዎ፡ 37 ዝኣኽሉ ምሁራትን ምኩራትን ገዳይም መጋድልቱ፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ኣኪቡ፡ ከናቑት ዝኸኣለ መቓፍር’ዚ፡ (ተንኮለኛ፡ ተካል ዚመጋብሩ ሰብ) ነቲ ብዝግባእ ዘይፈልጦ፡ ብዘይካ ፍቕርን ሓልዮትን ካልእ ተንኮል ይኹን እከይ ግብሪ ዘይፈልጥ ለዋህን ገርሂን ህዝቢ ኤርትራ ኣደናጊሩ፡ ንሓድሕዱ ንኸናቑቶ ደኣ እንታይ ይጽግሞ? እዚ ናይ ሰላሳን ሸውዓተን ተጋደልቲ ታሪኽ፡ ኣብ ሜዳ ዝተፈጸመ’ዩ። ንሱ ተጣቢቡ ዝሸነቖ (ከምዘይፍታሕ ጌሩ ዝኣሰሮ) ገመድ፡ ነዞም ንጹሃን ተጋደልቲ፡ ‘ፍትሕዎ!’ ኢሉ ምስ ገደፎም፡ እዞም ሰላስን ሸውዓተን ገዳይም ተጋደልቲ ኸኣ ንሓድሕዶም ምርድዳእ ስኢኖም፡ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም፡ ክሳብ ብሰለፍ ጠበንጃ ኣብ ምትህርራም ከም ዝበጽሑ፡ ሓቀኛ ተራኺ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ፡ ጽቡቕ ጌሩ ገሊጹዎ ኣሎ። ንምሉእ ዝርዝሩ ኣብ ራድዮ ወጋሕታ ተኸታተሉ። ሎሚ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ዓለም እታ ብጽውሪት ደርሆ (ጉቦ፡ ብላዕ)፡ ኣያ በያ፡ ዘመደይ ዘመድካ፡ ግበረለይ ክገብረልካ፡ ወዘተ. እትፍለጥ ብልሽውቲ ሃገር ኮይና ከም ዘላ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓንቲ ዘይትጠቅም ሕጋዊት ጉዳይ ንምስላጥ፡ ንሰሙናት ወይውን ኣዋርሕ ፈቐዶ ዝተፈላለየ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ፡ ኮለል ዝበለ ዜጋ፡ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ገዛኢ ሓይሊ ደርግ፡ ኣፍና ዓቢሱ፡ ብዘይንሕስያ ከም ዝጨፍጨፈና፡ ናይ ትማሊ በሰላ ኣብ ዝባንና ስለ ዘሎ፡ ብቐሊሉ እንርስዖ በደል ኣይመስለንን። እንተኾነ’ዚ ናትኩም’የ ዝበለና ኤርትራዊ ደርግ፡ ማለት፡ ጅር (ጉጅለ) ህግደፍ፡ ከምቲ ‘ንብዓል ሓዉስ ብነጎዳ ደብሶ’ ዝብሃል፡ ካብቲ ዝሓለፈ ብዝኸፍአ መልክዑ፡ ከብድና ኣጥምዩ፡ ኣፍና ዓቢሱ፡ ሰብኣዊ መሰልና ግሂሱ፡ ካብ ድነ ናብ ሃጋይን (ድቕድቕ ጸልማት) ብምእታው፡ ካብ ጭቆና ባዕዳውያን ብዝሓየለ ሸነኹ ይጭፍጭፈናን ይሽውዘናን (ሰላም ይኸልኣና) ኣሎ። እዚ ንዘበናት ብሰሪ መግዛእቲ ምስ ሞትን ሕየትን ተሓናኒቑን ኣእላፍ ጀጋኑ ከፊሉን መስተርሆ ዝረኸበ ህዝቢ’ዚ፡ ብኸምዚ ኪትሓዝድዩ ዝግብኦ ነይሩ? እዚድዩኸ ፈንኩ? (ፍረ ጻማኡ)
ብወዲ ሃገር ዝኾነ መንግስቲ፡ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከጋጥመኒ’ዩ ኢሉ ዝሓሰበን ዝገመተን ኤርትራዊኸ ኣሎ ድዩ? ህዝቢ ኤርትራስ እዚ ለዋህ፡ ደቁ ንመስዋእቲ ወፍዩ ዝሃበ፡ ቀሊቡ፡ ከዲኑን ኣዕቊቡን ዘዕበዮ ውላዱ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ግሂሱ፡ ኣብ ካፍሮት (ንእሽቶ ጉድጓድ) ብምድርባይ፡ ኣደዳ ባልዕን ጭንቀትን ብምግባር፡ ኣብ ክንዲ ተማሂሩን ተኣሪሙን ዝወጽእ፡ ሰንኪሉን ኣእምሮኡ ስሒቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝልቀቕ ኪገብሮ’ዩ ኢሉ ዝገመተ ሰብከ ኔሩድዩ? እስከ ናብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ሰንበል ገጽኩም ዘወር በሉ’ሞ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣእምሮኦም ዝተጎድኡ መንእሰያት ተዓዘብዎም!
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ቦታ ኩዕን (ሃሩርን ሸልቂን) ቁርን፡ ኣብ ኮንተይነር፡ ኣብ ትሕቲ መሬት፡ ኣብ ባስካታትን ካልእ መንቆራቑሮን ክእሰር ይኽእል’የ ኢሉ ዝገመተን ዝተጸበየን ኤርትራዊኸ ኣሎድዩ? ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ናይ ምቅስቓስ ገደብ ክግበረለይ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ዝኸድኩዎ ቦታ ‘መንቀሳቐሲ?’ እናተባሃልኩ ክሕተት፡ ካብ ጐደናታት ተገፊፈ፡ ኣብ ማሕዩር ተዳጒነ፡ ብዓይሎ (ካብ ጽሕጎ ዒቃ ወይ ልሕጺ እተሰርሐ ገመድ) ተቐፊደ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ደም ኪሰርብ ይኽእል’ዩ፡ ኢሉ ዝሓለመ ዜጋኸ ኔሩናድዩ?
ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ብሓደራ ተኣሲረ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክርሳዕ ይኽእል’የ ኢሉ ዝሓሰበን ዝገመተን ዜጋኸ ኣሎናድዩ? እ? እዚ ኹሉ ሽግራትን ሰብኣዊ ግህሰትን ከምቲ ገንዚ (ጉጅለ) ህግደፍን ዕሱባቱን ዝብሉዎ ‘ንድሕነት ሃገርውን’ እንተኾነ፡ ወዲ ሰብ ቅድሚ ሃገር’ምበር ድሕሪ ሃገርድዩ ኪስራዕ ዝግብኦ? ኣየነኦምዶ ይኸብሩ? መሬትዶ ይኸብር ህይወት? ሰብ እንተልዩ እያ ሃገር እትህሉ’ምበር ሃገር ስለ ዘላ’ኮ ኣይኮነን ሰብ ዝህሉ። ኤርትራ እውን እኮ ሰባ ስለ ዘለና’ያ ሃሊያ’ምበር ንሳ ስለ ዝሃለወት ኣይኮነን ንሕና ክንህሉ ክኢልና። እዚ እከይ ሓሳባት’ዚ፡ እከይ ተግባር ንምፍጻም፡ መመኽነይታ ኪኸውን ተባሂሉ፡ ብፈንጊ ህግደፍ ዝተማህዘን ኣብቲ ክቱር ፍቕሪ ሃገር ዘሎዎ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረጸን ምስሉይ ሓሳባት’ዩ። ኤርትራ፡ ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት’ኮ ኤርትራውያን ብምህላዎም’ዩ። ኤርትራ እትኸብርውን ብኽብረት ኤርትራውያን’ዩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ሃገር እናተባህለ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ግህሰት፡ ይኣክል ኪብሃል ኣለዎ! ከም እንስሳ ዘይኮነ ከም ሰብ ክንረአን ነናይ ውልቅና ይሕመቕ ይጸብቕ ሓሳብናን ዓለቕናን (ርእይቶናን) እንህበሉን በብዓቕምና ኣጃምና እነብርክተሉን ሃዋህው ኪፍጠረልና ኪኽእል ኣለዎ። ነዚ ኹሉ ነገርና ኣብ ኢዱ ጨቢጡ፡ ‘መንነትኩምን ህይወትኩምን ኣነ’የ’ ዚብለና ዘሎ ውልቀ መላኺ ይኣክል ንበሎ።
ይቕጽል…
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 29-04-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Misgnia April 29, 2013

    IRA-IRO bmst-b-hal trah …….AMAN B AMAN GANIEN …..LI-K-E-AGANNTI EKUA-DEA …..

  • Genet April 29, 2013

    In all seriousness, this poor soul is in an internal turmoil within himself.
    It is true that it is hard to do evil than to do good.

    Where is his wife?? is not she the first lady? I am sure no PFDJ operative ever mentioned this woman. Is she still alive? She could help him.

    Genet

  • spadeIsspade April 30, 2013

    Present state of eritrea is the consequence of someone’s actions/decisions- the devil isaias and the revolution he led.everything was consumed to ensure this man come and stay in power. Sadly we ve still those who believe the revolution was of sacred and its leader a saint. A devile can not create/runa sacred revolution..as that an evil revolution can not be the brain child of a saint. Evil man evil project evil results.

  • spadeIsspade April 30, 2013

    …..we fotgot God,thanks to the ghedli and we believed in isaias. We forgot the saints of our religion and swapped that with those innocents simply sent to death as a sacrifies in the name of isaias

  • ahmed saleh April 30, 2013

    God do not like evil people and he has his own way to deal with them . You will see the curse will hunt
    down DIA until he get what he deserve .

  • Google_ERI April 30, 2013

    tigrigna lecturer kkkkkkkk

  • Truly Truly i say to you May 1, 2013

    Like it is written, “The weapons we use in our fight are not the world´s weapons but God´s powerful weapons, which we use to destroy strongholds. We destroy false arguments ; we pull down every proud obstacle that is raised against the knowledge of God; we take every thought captive and make it obey Christ….” (2nd Corinthians 10; 4- 5). The weapon Amanuel Iyasu, Mesinas and Estifanos Temelso using ( their pen) against the devil Isayas regime is also the same. This is why most PFDJ supporters are blowing dust when hearing their writings, because fearing their weapon.

Post a Reply to ahmed saleh Cancel Reply