Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቀቕታ ንኹሎም ሓተቲ ዑቕባ

ከም ዝፍለጥ ኣብ 2014 ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።እዚ ተዳጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ንክኸውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኢምግረሽንን ሆምላንድ ሰኩሪቲን (department immigration and homeland

ከም ዝፍለጥ ኣብ 2014 ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቀቕታ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።እዚ ተዳጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ንክኸውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ: ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰብ መዚ ኢምግረሽንን ሆምላንድ ሰኩሪቲን (department immigration and homeland security) ብምትሕብባር: ነቶም መሰል ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም 2% ዚኸፍሉን ናብ ዓዲ ዝመላለሱን ንምልላይን ስጉምቲ ንምውሳድን ዕዉት ስራሕ የሳላሰል ኣሎ።

ነቲ ናይ 2014 መጥንቀቕታ ሸለል ብምባል ንዝሃብኩሞ ማሕላ ኪሕድኩም፡ ተመሊስኩም ምስቲ ኣደዳ መከራን ስደትን ዝገበረኩም ስርዓት ክትዳናገጹን ክትተሓጋገዙን ሕጊ እዚ ትነብርሉ ሃገርን ሕጊ ስደተኛታት ዓለም ዝጥሕስ ገበን ትፍጽሙ ምህላውኩም ክትግዘቡ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ድማ ብሕጊ’ቲ ትነብርሉ ሃገር ናይ መንበሪ ፍቃድ ወረቀትኩም ናይ ምሕዳግን ክሳብ ናይ ምጥራዝ ናብ ኤርትራ ከም ዘሎ ትዝንግዕዎ የብልኩምን። ድሮ ውን ሃገራት ኤሮጳ (European countries) ከም በዓል ስዊዘርላንድን ሆላንድን ነዚ መስርሕ ጀሚረንኦ ከም ዘለዋን ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን: ደገፍትን ተደናገጽትን ስርዓት ህግደፍ ድማ ግዳይ ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ከይትበጽሑን፣ ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ደው ክትብሉን  ኣብ ዝሓለፈ መጠንቀቕታ ተገሊጹ ኔሩ’ዩ። እቶም ንዝተዋህበኩም ምኽርን ማዕዳን ነጺግኩም ደድሕርቲ ዓማጺ ስርዓት ተዳኽሩ ዘለኹም ዕድመ፡ ጾታ ብዘየገድስ ከነጋልጸኩም ምኻና ደጊምና ነተሓሳስብ። ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህበኩም ምኽንያት ብስርዓት ህግደፍ ግፍዒ፣ ስቓይ፣ መከራን ሽግርc ስለ ዝበጻሓኩምን ከምሰብ ድማ ምንባር ስለ ዝተኸልከልኩምን ኢኹም:: ነዚ ሓቀኛ እኩይ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ገሊጽኩም ናይ ዕቁባ መሰልኩም ረኺብኩም ከትብቅዑ ግን: ነቲ ንማሕላኹም ኣሚኑ ከም ሰብ ዘዕቆበኩም ህዝብን ሃገርን ሕጉ ኣክቢርኩም ክትነብሩ ትጽውዑ ኣለኹም::

ብፍላይ መንእሰያት: እዚ ኩሉ ሓሶትን ጥልመትን ብዋጋ እቶም ከማኻትኩም ምንባር ምስ-ሰኣኑ  ሃጽ ኢሎም ነዚ ንስኻትኩም ረኺብኩሞ ዘለኩም ዕድል ንምርካብ ግን ድማ ከይበጽሕዎ ዕደመ ንእስነቶምን ክብርቲ ሂወቶምን ንቡር ቀብሪ’ኻ ከይረኸቡ ብዓሳታት ባሕርን ኣሞራታት ሳህራን ዝተበልዑ መዛንኩም ፣ብዋጋቶም እንተስ  ትሕዝቶ ሓጺርዎም ወይ ዕድል ተዓጺዎም መዋእሎም ሓለውቲ ድፍዕን፣ ግዳያት ማእሰርትን ሞትን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ  ዘለዉ መንእሰያት የሕዋትኩም፡ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ምኻኑ’ዩ። እቶም ኣቦታትን ኣዴታትን ትብሃሉ’ውን ከማኻትኩም ወሊዶም እንከለዉ ብሰንኪ’ቲ ተሳስይዎ ዘለኹም ዓማጺ ሰርዓት ውሉዳቶም ስኢኖም ከይኣክል ነቲ ብማዕዶ ዝሰምዕዎ መርድእ ደቆም እኻ ንቡር ሓዘን ከይ ገብሩሎም ተኸልኪሎም ኣለዉ። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ወለዲ፡ ስቓይን ሞትን ውሉድ እንዳ ረኣኹም ሕልናኹም ሸጥኩም ምስዚ ውልከ-ምልኪ ስርዓት ተሳስዩ ብምህላውኩም ብታሪኽ ትሓተቲ ምኻንኩም ኣይትዘንግዑ። ብቐንዱ እቶም ካብ መንግስቲ ሓገዝ እንዳ ወሰድኩም፡ ነዚ ግብረ-ሽበራ ዚሙውል ስርዓት ህግደፍ 2% ትኸፍሉ፡ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ ምስ ኢምግለሽን ብምትሕብባር፡ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከምዝርከብን በዚ ድማ ብዙሓት ግዳይ ናይ ወረቐት ምሕዳግን ምጥራዝን ክትኮኑ ምኻንኩም ክትርድእዎ ይግባእ።

ብፍላይ እቶም ንፌስቲባላትን፡ ባዓላትን፡ከምኡ’ውን ፕሮፕሮጋንዳዊ ስለያዊ  ሰርሓትን ተዋፊርኩም ነቲ ኣብ ዕርበተ ሞቱ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ባላ ኮንኩም ትድግፍዎ ዘለኹም ዋጋ ጥልመት ውጹዕ ህዝቢ ትፍደይሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣቅድም ኣቢሉ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሆላንድ እቶም ዑቕባ ተዋሂብዎም ክነሶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘውደኽድኹን ዓዲ ዝመላለሱን ኤረትራውያን ተለልዮም ናይ ዑቕባ ወረቐቶም ተሓዲጎም ናብ ኤርትራ ዝጥረዝሉ መዓልቲ ይቖጽሩ ኣለዉ። ኣብ ካሊፎርንያ ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ:  ዝርዝር ኣስማት ናይ 28 ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባ (ካብ ሳንሆዘን ከባቢኣን 8: ኦክላንድን ከባቢኣን 11: ሳንታሮዛ 6: ሳንፍራንሲስኮ ድማ 3) ናብ ሆም-ላንድ ሰኩሪቲ አረኪቡ ከምዘሎ ነፍልጥ። ድሮ ውን ኣስማቶም ኣብ ዳታበይዝ ተታሒዙ ናይ ምጽራይ ስራሕ ጀሚሮም ኣብ ምክትታሎም ይርከቡ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ንፈልጥ እንተ ኮይና ድማ ምእንቲ ከነቃልዖም ምሉእ ሓብሬታ ብምስዳድ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ስለዚ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ዝኾንኩም ኤርትራውያን ካብ ፈስቲባላት ህግደፍ ምስታፍን 2% ካብ ምኽፋልን ክትቁጠቡን: ምስቲ ስርዓት ዘለኩም ርክብ ብምብታኽ ምስ ህዝብኹም ክትውግኑ ትጽውዑ ኣለኹም። እንተ ዘይኮይኑ ግን ከም ቀደም ይመስለኪን ውሕጅ ይወስደክን ስለዝኮነ፡ ካብ ደሓር ዋይዋይ ሕጂ ኢደካን እግርኻን ምእካብ ትሕሸኩም።

 

ሞት ንዓመጽቲ: ሰላምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ!!

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Tewelde July 29, 2016

    What a terrible article is this. A website working to terorize people, Stop this kind of articles, we need good news which encourages people to live in harmony and peaceful.

    • Fresewra July 29, 2016

      Why would You feel terrorised unless you fall in this category.

  • Jgna July 29, 2016

    Hji hray wonderful nezom kemziom ab hgi mkrabom kehadti bhzbi eritrea mtwat terifu eye ketlwo bay area.
    Awet nwtua hzbi Eretriawi

  • k.tewolde July 30, 2016

    Enjoying the freedom of the west while supporting tyranny back home,double standard,that’s what is all about,they go there and flaunt it to the poor people and that validates their worthiness and the poor people want to be like them and do whatever it takes to achieve that goal.In the scheme of things,it always works in favor of the tyrant.

  • Michael July 30, 2016

    Wonderful article just convert in action.

  • Yoel Mahdere July 30, 2016

    This should also include those who are now US citizens because they lied to the immigration authorities at the time of their initial asylum hearing, which can lead to their citizenship being revoked and be deported directly to the hands of their beloved “government”. This can send strong message to the dictatorship and those who serve it.

  • rezen July 30, 2016

    The Article is commendable, in my opinion.

    The Group (“Bay Area Eritreans for Democratic Change”) are trying, in principle, to make sure that humanitarian help being provided by International governments and communities are not abused by charlatans of Eritrean origin for their own benefit, at the expense of their brethren who are forced to abandon their dear home land because of dictatorial indigenous cruel regime. In a sense, the charlatans [“መሰል ዑቕባ ሓቲቶም ክነሶም 2% ዚኸፍሉን ናብ ዓዲ ዝመላለሱን”] are prolonging the suffering of their own people by bolstering the Life of a dreadful dictatorial regime. By any standard, this is historical CRIME. And TIME, sooner or later, will catch-up with them to pass righteous judgment.

    The Group should be praised for the correct and wise steps they have taken to openly apprise the Agency of the “department immigration and homeland security”, USA of the unethical and unlawful practices being undertaken by a few at the expense of legitimate asylum seekers. Such an open action makes the members of the Group exemplary citizens who upheld and respect the rules and laws of their adopted (or host) country.

    ONE CARDINAL CAUTION: it goes without saying that it is ABSOLUTELY essential for the Group to take every step necessary to make sure that the information being provided to the appropriate Agency be hundred and one percent (101%) ACCURATE. Finally, I pray, they won’t fall into the legendary Tigrigna saying (or curse) of ‘starting but not finishing’!!!

    Sorry for my response in English for an Article written in the language of my parents and lineage of ancestors. It is a long sad story.

  • hagos hadgu July 31, 2016

    It is a wonderful article,go ahead on action such short way to those who prolonge torture of our people!

  • Negash Berhe July 31, 2016

    It is about time the stooges and opportunists know the consequences of their betrayal of the Eritrean people

Post a Reply to Tewelde Cancel Reply