Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘልዕሎም ሕቶታትን ኣመታቶምን

ኣሽንባይ ዶ ኣብ ከምዚ ናይ ሃገርና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ብመደብ ዝዕፈነሉ ኩነታት፡ ዋላ ኣብቶም ህዝባዊ መርመራ ዝካየደሎም ሃገራት `ውን ከምዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከከራኽሩ ይረኣዩ እዮም። ስለዚ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ኣብ ዘይብሉ

ኣሽንባይ ዶ ኣብ ከምዚ ናይ ሃገርና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ብመደብ ዝዕፈነሉ ኩነታት፡ ዋላ ኣብቶም ህዝባዊ መርመራ ዝካየደሎም ሃገራት `ውን ከምዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከከራኽሩ ይረኣዩ እዮም። ስለዚ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ኣብ ዘተኣማምን መደምደምታ ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ።

እንተኾነ፡ ነቲ ዝርካቡ ሓበሬታ ምስ ባህርያትን ኩነታትን ናይቲ ስርዓት ብምዝማድ ሚዛናዊ ኣመት ምርካብ ይከኣል።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርከብ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብቲ ክድዓት ኢሳይያስ ዝተነጸረሉ ህዝቢ ኤርትራ ዓብላሊ ናይ ለውጢ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ምዕሳሉ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ኣጸቢቑ ዝተገንዘበ ኢሳይያስ፡ መትሓዚ ስለዝሰኣነሉ ኣዝዩ ተጨኒቑ ኣሎ። ንተቐበልቱ ፍጊዕ ክሳብ ዝብሎም ፈቐዳ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብ ዝኹብልል ዘሎ ድማ ንጸጥታዊ መኽንያት ደኣምበር ቁምነገር ሃልዩዎ ኣይኮነን።

ስለዚ፡ እቲ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ዝርከብ ኢሳይያስ፡ ኣሰር ናይቲ ምንቅስቓስ ክረክብ ካብ ዘይከኣለ፡ ብግምት ክሳድ ሒዙ ስልጣኑ ንምክልኻል፡ እቲ ምንቅስቓስ ከም መራሕቲ ይጥምቶም እዩ ንዝብሎም ባእታታት ዒላማ ምግባር እዩ።

እቲ ብ ረቡዕ 19 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጸዓትንን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ጸሚዱሉ ዘሎ ኣውራ ምኽንያት `ውን፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ መዘና ናይቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም፡ ኢሳይያስ ድማ ብማእሰርቲ ዘሕቀቖም ብወተሃደራዊ ብቕዓቶምን ፖለቲካዊ ብስለቶምን ዝልለዩ መራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ`ዚ ኣብ መንጎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ዝካየድ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተነጸረሉ ምስጢራዊ ርክባት፡ ውዲትን ተንኮልን ኢሳይያስ ኣብ ምብኻን ናይቲ ብቓልሲ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ተጋሂዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣማራጺ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ተኣፋፊ ህሞት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘሎ ጠመተ ዝግበረሉ ሓደ ባእታ ብምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቃወም ሃገረይ ኤርትራ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝደረሰ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ኢሳይያስ ተመቚሑ ዝርከብ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብቶም ብዙሓት ንህዝቢ ኤርትራ ሓደጋ እዮም ዝበሎም ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ፈልዩ፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ምእማቱ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘለዎ ትጽቢትን መረዳእታን ዘራጉድ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሚ ዘለዎ ገባቲ ኢሳይያስ፡ ነቲ ንምልዋጡ እናሰመረን ናህሪ እናኣከበን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ድሌት ንምዂላፍ ነቲ ኣምሳያኡ ህዝባዊ ኣቓልቦ ክረክብ ዝጸንሐ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዓይኑ ከውድቐሉ ባህርያዊ እዩ። እዚ ድማ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተወስደ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዘየማትእ ምርጫ እዩ ማለት ኣይኮነን። ድሒርና ከም እንምለሶ፡ ሓቁን ሓሶቱን ዘይተጻረየ፡ ሕሜታት `ውን ብዛዕብኡ ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት፡ ዋላ ምሉእ ኣይኹን፡ ካብቲ ዝርካቡ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ ዘናዲ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምጽዳፍ ቆንጠጠፈ ምሕቋፍ ደኣ ኮይኑዎ እምበር ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ካብ ዘቐንዝዎ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ኢሳይያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ብዋጋ ልኡላውነት ምጥላዕ ምጅማሩ ኣጸቢቑ ኣብ ዝተጋህደሉ፡ ኣብ መንጎ `ቲ ቆንጠጠፈን ጸድፍን ፍልልይ ከምዘየልቦ ኣብ ዝተገንዘበሉ እዋን፡ ኣማራጺ ምድላዩ ንኢሳይያስ ስለዘሻቐሎ፡ ከምቲ ዝበልናዮ፡ ካብቲ ዝርካቡ ነቲ ከም መሰጋገሪ ዝጥምቶ ኣማራጺ፡ ኢሳይያስ እንተኣልዩዎ፡ ህዝቢ ኣማራጺ ስኢኑ ናብቲ ናይ ቀደም ኩነተ-ኣእምሮ ክምለስ ምእንቲ ነቲ ስጉምቲ ክወስዶ ከምዝኽእል ድማ ይእመት።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ናጽነት ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጠቕመሉ ሓደ ፍሉጥ መሳርሒ ንጉዳያት ብምስጢር ምግባርን ብምስጢር ምሓዝን፡ ነቲ ምስጢር ዝፈጠሮ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ፡ ብባዶ ሰለስተ ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ዝጥዕም ፕሮፖጋንዳ ምምላእን እዩ።

ስለዚ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብ ረቡዕ 19 ታሕሳስ ብዛዕባ ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምሃቡ፡ ነቲ ጉዳይ ዓፊኑ ክሕዞ ምፍታኑ፡ ናይ ባዶ ሰለስተ ወስታታት ምፍታኑ መቐጸልታ ደኣምበር መጀመርያ ኣይኮነን።

በዚ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንውጥንን ዕላማን መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምልከት ወግዓዊ ሓበሬታ ካብ ኢሳይያስ ካብ ምጽባይ፡ ነቶም ጭቡጣት ፍጻሜታት ምስ ባህርያትን ጠባያትን ኢሳይያስ ኣዛሚዱ ብምርኣይ እዩ ነቲ ኩነታት ብሚዛናዊ ዓይኒ ክርድኦ ዘለዎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብስልጣኑ ንዝመጽኦ ቀዲሙ ቅልጡፍ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሜላ ዘማዕበለ ሰብ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ፍሉይ ፍጥረት ስለዝኾነ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር፡ እንተላይ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ስልጣኑ ስለዘቐድም፡ ንሃገራዊ ጸጋታት `ውን ከም መሳርሒ ናይዚ ውልቃዊ ጥሙሑ ስለዝጥቀመሉ ዘማዕበሎ ክእለት እዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ፡ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ስለዘንበበ ንምዝራጉ ከምዚ ዝኣመሰለ ነቲ ኩነታት ናይ ምዝንባዕ ፍጻሜ ምምሃዙ ድማ ኣየገርምን።

ኣብ ርእሲ`ዚ ዝተጠቕሰ፡ ምስ ምስጢርን ባዶ ሰለስተን ዝተኣሳሰር ናይ ኢሳይያስ ኣመል፡ ሓደ ህዝቢ ከስተብህለሉ ዝግባእ ተግባር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዲታዊ ተግባራት መብዛሕትኡ ግዜ ኢሳይያስ ኣብ መገሻ እንከሎ ዝፍጸም ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝርዝራት ገዲፍና፡ ነዚ ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ጸኒሑ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኢሳይያስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት እናገበረ ከሎ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማእሰርቲ ኣዛሚድና እንተርኢናዮ ነዚ ኣመል`ዚ የነጽረልና። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ምድግጋሙ ስለዝበለየ ህዝቢ ነቒሑሉ `ኳ እንተሎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ከምዚኣቶም ገበናት ኢድ ከምዘይብሉ ክመስል ዝጥቀመሉ ስልቲ እዩ።

ጎኒ ጎኒ `ዚ ኢሳይያስ ዘዘውትሮ ተግባር፡ ብፍላይ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ወይ ሞት ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ነቶም ግዳያትን ቤተሰቦምን ደንጋጽን ሓላይን ተመሲሉ ብምብጻሕ፡  በቲ ሓደ ካብ ጥርጠራ ሓራ ክኸውን ክፍትን ከሎ፡ ብቐንዱ ግን ንፖለቲክኡ ዝተናኽፍ ምስጢራት ከይወጽእ ነቲ ኩነታት ምቁጽጻርን ውሕስነት ምቕማጥን እዩ።

በዚ ኸኣ`ዩ፡ ነቲ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ስብሓት ብኣካል በጺሑ በቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምስጢራዊ ጉዳያት ዝልእኮ ዶክተር፡ ወዲ ምሕጹን፡ ኣሰንዩ ንሕክምና ናብ ኣብዙዛቢ ዝለኣኾ።

እዚ ጥበብ`ዚ ካብቲ፡ ልኡል ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ቀተልቲ ጉጅለ ኣዋፊሩ፡ ንጋዜጠኛ ካሾጊ ኣብ ቱርኪ ድሕሪ ምጥፍኡ፡ ኣጸናናዒ ስድራቤት ኮይኑ ምስ ደቁን በቴሰቡን ኣብ ቴለቪዥን ሰላምታ ክለዋወጥ ዝተራእየሉ ተዋስኦ ፍልልይ የብሉን።

ኣብዚ ኢሳይያስ፡ ወዲ ኤፍሬም ክመተሉ ዝደሊ እንተኾይኑ ስለምንታይ ንሕክምና ንወጻኢ ልኢኹዎ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል። እንተኾነ፡ እቲ ዒላማ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ፈተነ ካብ ዘይሰለጠ፡ ኣብቲ ግዳይ ይኹን ኣብ ህዝቢ ሓላዪ ተመሲሉ እምነት ምርካብ እዩ ንኢሳይያስ ንቀጻሊ ዘገልግሎ ምርጫ። ብርሃነ ኣብርሀ `ውን `ኮ ድሮ ምስኡ ተባቲኹ ኸሎ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ወጻኢ ተሓኪሙ ተመሊሱ እዩ።

ኣብዚ ክጉሰ ዘይብሉ ጉዳይ፡ በንጻር ናይዚ ኣመት`ቲ፡ ኣበጋሲኡ ዘይፍለጥ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ክካየድ ንዝጸንሐ ምንቅስቓስ ብምፍሻሉ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ፡ ንስርሒት ፎርቶ ናይ ወዲ ዓሊ ኣብ ምፍሻል `ውን ተመሳሳሊ ተራ ከምዝነበሮ ኣተኣሳሲርካ ዝናፈስ ወረ ምቕናዩ እዩ።

ይኹን`ምበር፡

1ይ – ስርሒት ፎርቶ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ምስ ወዲ ኤፍሬም ዝነበሩ፡ እቲ ዝብሃል ወረ ሓሶት ምዃኑ፡ ወዲ ኤፍሬም ኣብ ምፍሻል ናይቲ ኩነታት ኢድ ከምዘይነበሮ፡ ከምቲ ዝተባህለ ኣብቲ እዋን`ቲ ናብ ፎርቶ ገጹ ከምዘይተንቀሳቐሰ ዝገልጹ ኣለዉ።

2ይ – ድሕሪ ርክብ ኢሳይያስ ኣቢይን ደንጉዩ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንኢሳያስ ተቓውሞኦም ካብ ዝገለጹ ሓደ ምንባሩ ይሕበር።

3ይ – ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽኡ ዝደልዩ ባእታታት ምስ ጀነራል ስብሓት ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣሚቱ ኣሎ።

4ይ – ብዓይኒ `ዚ እዋናዊ ናይ መጥቃዕቱ ፍጻሜታት እንተተራእየ `ውን፡ ሓደ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኮለኔላት (ወዲ ውነሽ) ኣብቲ ዝተፈተነሉ ቅትለት ከምእተዋስአ ዝነፈሰ ወረ፡ እቶም ኮለኔላት ቅድሚ መጥቃዕቲ ወዲ ኤፍሬም ከምእተኣስሩ ብዝተረኽበ ርጉጽ ሓበሬታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ።

ስለ`ዚ፡ እቲ ወዲ ኤፍሬም ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣብ ምፍሻል ስለዝተዋስአ ሕነ ከምእተፈድየሉ ኣምሲልካ ዝቐርብ ዘሎ ወረ ዘእምን መረዳእታታት የብሉን።

በንጻሩ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ጀነራል ስብሓት ሚኒስተር ምክልኻል ከሎ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ኮለኔላት ቅድሚ መጥቃዕቱ ምፍጻሙ ምእሳሮም፡ ወጠንቲ ናይቲ ቅትለት፡ ድሕሪ ሞት ወዲ ኤፍሬም እቶም ኮለኔላት ግብረመልሲ ከይወስዱ ምእንቲ ዝተኻየደ ስጉምቲ፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ነቶም ኣብ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ባእታታት ኣቐዲምካ ንምቕያድ ዝውሰድ ዘሎ ስልቲ `ውን ክኸውን ይኽእል።

ልዕሊ ኹሉ ክዝከር ዝግብኦ፡ እቲ ብዘይክኡ ተጠማቲ ክህሉ ዘይደሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣቓልቦ ንዝረኽቡ ናይ ፖለቲካ ሰባት፡ ብዘይካ ምቕንጻልን ምእሳርን ምድስካልን፡ ራብዓይ ጠበንጃ ከምዘለዎ እዩ። ብባዶ ሰለስተ ጌርካ፡ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ከምዝሃሱን ከምዝንጸሉን ምግባር። ስለዚ ሓያለ ካብቲ ብዛዕባ ወዲ ኤፍሬም ዝብሃል ወረ፡ ኢሳይያስን ልኡኻቱን ነዚ ዕላማ`ዚ እግሪ ዘትከሉዎ እዩ።

ብፍላይ እቲ ወያነ ኣብ መጥቃዕቲ ስብሓት ኤፍሬም ኢድ ከምዘለዎም ኣምሲልካ ንምርኣይ፡ ተዋጽኣና ደኾን ትኸውን ብዝበዝሖ ምምታእ ጎቦጎቦ  እናበልካ ዝግበር ዘሎ ወስወስታ ባዶ ሰለስተ እንዶ የብሉን። ወያነ፡ ክቐትሉ ዝደልዩ እንተኾይኖም ቀዳማይ ታርጌቶም ኢሳይያስ ደኣምበር ስብሓት ኤፍሬም ኣይኮነን።

ኣብ መደምደምታ ናይዚ ጽሑፍ ከነስምረሉ ዝግባእ ነጥቢ እምብኣር፡ ቅንዕናን በደልን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ንጎኒ ገዲፍና፡ ነዚ ኩነታት`ዚ፡ ኢሳይያስ ንመናውሒ ስልጣኑ ከይብለጸሉ ናይ ለውጢ ባእታታት ኣጽኒዖም ክሕዙዎ ዘለዎም መኣዝን እዩ።

ንሱ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሃምናን ቀልብናን ብቐጥታ ናብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ጥራይ ኣነጻጺሩ ክቐንዕ ከምዘለዎ እዩ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጠላሚ ለውጢ እንተኾይኑ፡ ንኢሳይያስ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘገልገሎ ንላዕሊ ዝገብረሉ ኣበርክቶ የልቦን። ደጋፊ ለውጢ ብምዃኑ ግዳይ ናይዚ መጥቃዕቲ እንተኾይኑ `ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ስጉምቲ ንናህሪ ናይቲ ለውጢ የቀላጥፎ ደኣምበር ኣይክዓግቶን እዩ። ምኽንያቱ፡ ደጊም እቲ ናይ ለውጢ ኣምር ህዝባዊ ርእይቶ ኮይኑ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪጹ፡ እቲ መስርሕ ለውጢ ድማ ተጀሚሩ እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ንምስምስ ዶብ፡ ምስምስ እገዳ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ምስናይ ኮሸምሸሙ ምስ ኣቢይ ሓሺሹ ምስ ወድአን፡ ደጊም ነቲ ኣብ ኤርትራ ከምጽእ ዘለዎ ለውጢ በፍንጫ ካብ ምቕባል ዘድሕኖ ዋላ ድፋዕ የልቦን። ደጊም መሕብኢ የብሉን።

እቲ ዘይተርፍ ለውጢ ግዜ ከይበልዐ ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት ክዉን ምእንቲ ክኸውን ግን፡ እቲ ጸላኢኡን ክድዓቱን ፈሊጡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተዓዛባይ ናብ ተዋሳኣይ ክሰጋገር ኣለዎ። ተጸባዪ ክኸውን የብሉን። ንመሰሉ፡ ንልኡላውነቱ፡ ንኽበረቱ ሻማ ሻማ ክብል ኣለዎ።

ርሑስ ልደትን ሓድሽ ዓመትን

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

24 ታሕሳስ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • k.tewolde December 25, 2018

    “ምኽንያቱ፡ ደጊም እቲ ናይ ለውጢ ኣምር ህዝባዊ ርእይቶ ኮይኑ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪጹ፡ እቲ መስርሕ ለውጢ ድማ ተጀሚሩ እዩ።”>>>> yes indeed,the masses own the process not the demise or resurrection of individuals,like I said before nobody can stop the laws which govern nature,the mother cannot be in labor for 27 years,she have to expel the products- HGDEF.

    • Gezae December 27, 2018

      YOU ARE NONSENSE

      • k.tewolde December 28, 2018

        You’re absolutely right Gezae,how can the post make sense to someone with has no common sense?

  • meretse December 26, 2018

    ሰላም የማነ ጸጋም
    እንቛዕ ከኣ ደሓን ጸናሕኩምእስኪ ብናይ ሓደ ግዜ ዕላል ኣቦታትና ክፍልም። ሓደ ግዜ ላም ሓሪዶም ጉዚ እንዳ ተጸበዩ እንክሎዉ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎኦም ዕላል ሒዙ ነበረ። እንተኮነ ዕላሉ ንየው ነጀው ዝመልኦ ነበረ። ነዚ ዕላል ዝተዓዘበ ሓደ ካብቶም ጠባሕቲ ፡——
    ኣንታ እንታይ እዩ ዝመስል እዛ ላም ዝስብሓ?
    ዘረብኡ ዝሰሞዐ ብጻዩ ፡—– ፍርቁን ናይ ዓጋዘን፡ ፍርቁን ናይ ሰሰሓ በለ
    ሳልሳይ ከኣ እሞ ! ከምኡ እንተኮይኑስ ጸውዕ ሓኪም ሳሓ ኢሎም ኣዋግዑ ክብሉ ሰሚዔ ኔረ። ናብ ዘመና ክምለስ፡
    ሕጂስ’ዃ ዳርጋ 40 ዓመት ጌሩ፤ ትማሊ ኢዩ እንተዘይ ሓሊፉ
    ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓብሬታ ምስ ሰማዕኹ፡
    ዋይ…….ይ! ኢለ
    ዘገርም! ዘደንቕ! እባ ኣሎ ዘስተንክር!
    ካብ’ቲ ሓደ ውርድ ፣ ናብ’ቲ ሕንግር
    ነቲ ሓደ ሕብእ ፣ ነቲ ሓደ ንግር
    ክብል ይዝከረኒ ፡ ቅድሚ ሕቁፎ ዓሚ
    ትማሊ ኢየ ዝብሎ፡ እንተ ኣርኪቡ ሎሚ
    ግና ክጸናናዕ ግዲ ኢሉኒ፡ ክሓይሽ ክብሎ
    ብርሃን ሓዊ ለይቶስ ፡ ዓይነይ ይርኢ’ሎ
    ዕማኾ ተሪፎም፡ ወዮም ዘርኢ ቖሎ
    ቅድሚ ሓሙሳ ዓመት፡ ዝተሰቅለት ቛንጣ
    መዓልታ ኣኪሉ ፡ ሎሚ ተቀጥቒጣ?
    እንታይ ይነብር ፡ መቀረት ናይ ውሽጣ?

    • Danilo December 26, 2018

      ዋይ ሰናይ ለይቲ ብርሃን ሓዊ ለይቶ! Meretse እንቋዕ ድሓን መጻኻ።ድሕሪ ደጊም ኩሉ ሳንጣ ሙኹዋና እያ።

      • k.tewolde December 26, 2018

        Danilo,I can’t greet him back better than you did,squeeze me in there if you don’t mind.

  • Meretse December 26, 2018

    Dear brothers,
    Dani, k. Tewolde, Simon G, and many others i can not thank you enough for your warm welcome. I simply do not have words to explain your courage and strong commitment.

    • Simon G. December 27, 2018

      Brother Meretse,
      Welcome aboard!
      መረጸ መረጸ
      ደሓን-ቀንዩ ከይበለ ኣበይ ተቦቆጸ

      ክብል’የ ሓግየ!

  • Tofik December 28, 2018

    ሓደ ናይ ቀረባ ሰበይ ውሽጥውሽጢ ተዃቲኹ ዝረኸቦ ሓበሬታ ድማ ኣዚዩ ፍልይ ዝበለን ግን ኪኸውን ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎ ሓበሬታ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ንብልሽውና ኣብ ሰራዊት ትከታተል ኮሚቲ/ anti corruption commission/ ብስብሓት እትምራሕ ኮሎኔል ደረስን ወድውነሽን ድማ ከም ምኽትላት፡ ማለት በብጽፍሖም ክሰርሑ ንዘቕረቦ ሓሳብ፡ እቶም ክልተ ብኡ ብኡ ክነጽግዎ ከለዉ፡ ስብሓት ግን ከም ኣመሉ ተቐቢሉዎ። ክልቲኦም ማእሰርቲ ከጋጥሞም ከሎ ስብሓት ግን ኮሚሽን ከቕውም ኣባላት የዋሃህድ ኣሎ ዚሰምዑ ኣዛብእ ኢዮም ናይ ሃወኽን ዘይተጸንዐን ፈተነ ጌሮሙሉ……

Post a Reply to Danilo Cancel Reply