Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታን ምሕጽንታን ንደገፍቲ ስርዓት-ህግደፍ

መጸዋዕታን ምሕጽንታን ንደገፍቲ ስርዓት-ህግደፍ ብቀዳምነት፡ ከም ደቂ-ሃገረይ መጠን ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ ኣብ ጥዕናኹም ይኹን ዕለታዊ መነባብሮኹም ሰናይ ትምኒተይ ይገልጸልኩም። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት፡ ምድጋፍን ምቅዋምን ከም ባህርያዊ መባእታዊ መሰል ዜጋታት ንቡር ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ

መጸዋዕታን ምሕጽንታን ንደገፍቲ ስርዓት-ህግደፍ

ብቀዳምነት፡ ከም ደቂ-ሃገረይ መጠን ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ ኣብ ጥዕናኹም ይኹን ዕለታዊ መነባብሮኹም ሰናይ ትምኒተይ ይገልጸልኩም።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት፡ ምድጋፍን ምቅዋምን ከም ባህርያዊ መባእታዊ መሰል ዜጋታት ንቡር ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ንስርዓት ህግደፍ ምድጋፍኩም ዋላ ዕረ እንዳጠዓመንን እንዳኣገረመንን ከሎ፡ መሰልኩም ምዃኑ፡ ክውሕጦን ክርዕሞን ዘሎኒ ጉዳይ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ዕረ ዝጥዕመኒ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ናትኩም ህግደፋዊ ደገፍ፡ ንምልክን ሕሰምን ጭቆናን ኤርትራዊ ስድራ-ቤት ትድግፉ ምህላውኩም ስለዝርዳእ ኢዩ። ብዘይ-ሕብእብእ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ሓያለ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ የዕሩኽትን ፈተወትን መተዓልልትን ኣሎውኒ። እቲ ዕርክነትናን ርክብናን ክቕጽል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ርእይቶታና ተኸባቢርና፡ ፍልልይ ውሁብ ምዃኑ ስለዝተረዳእናን ኢዩ። ኣብ እንነሃሃረሉ ግዜ ከኣ፡ ኣብ ዕርክነትና ጥዕና ክህብ ከምዘይክእል ኣስተብሂልና ንግዚኡ ኣወንዚፍናን ኣቋሪጽናን ብካልእ ዕላላት ከምዝትክኡ ብምግባር ተኻኣኢልና ስለእንጉዓዝ ጥራሕ ኢዩ። ብወገነይ፡ ግዜ ክምልሶ ሓደ ግዜ ዝጠዓስሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ ብምባል ነቲ ዕርክነትን ማሕበራዊ ርኽክብን ክኽሰር የብሉን ካብ ዝብል ብትዕግስትን ብምጽውዋርን ዝተሓልፈ ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሓት ዝጸርፉና ዝነበሩ ምስ ተረደኦም፡ ቅድም ዝገብርዎ ዝነበሩ ጌጋ ኣሚኖምን ተጣዒሶምን ኣብ ጎንና ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠሙኒ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ዝምህረና ከኣ፡ ሰብ ክጋገ ከምዝኽእልን፡ ተመራሚሩ ሓቂ ምስ ፈለጠን ምስ ተረደኦን፡ ኣብ ጎኒ ሓቅን ፍትሕን ክመጽእ ከምዝኽእል ኢዩ።

ዝኸበርኩም ደቂ-ሃገር

ኩላትና ፍቕሪ እንፈትዋ ኤርትራን ህዝባን ከምዘሎና እንፈላለየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝቢ ብዘይ ሃገር ክብረት ከምዘይብሉ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ተሞክሮ መግዛእትን ስደትን ኣጸቢቑ ይምህረና። ሃገር ልዕላውነታ ክዕቀብን ክኽበርን ጥራሕ ዘይኮነ፥ ንከይግሃስ ከኣ ዚጋታት ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍሉ ሃገራዊ ግቡእን ግዴታን ኣሎዎም። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ሰብ ዘይብሉ ምድረ-በዳ እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ክኣትውን ክሳጥሑን ከሎው፡ ካብ ደንበ ተቓወምትን ደገፍትን ናይ ፍልልይ ዛሬባ ወጺና፡ ሃገርን ህዝብን ከነድሕን ሓቢርና ክንሰርሕ ታሪኻውን፡ ሕልናውን ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ። ኣብ ዝሓለፈ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቛወምትን ዝነበረን ዘሎን ፍልልይ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝነበረናን ዘሎናን ናይ ኣረኣእያን እምነትን ፍልልይ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ደገፍቲ፡ ንህግደፋዊ ስርዓት ከም ዋሕስ ናይ ኤርትራ ጌርኩም ክትርእይዎ ከሎኹም፡ ብወገን እቶም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ እንብህግ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኤርትራን ህዝባን ቀንዲ ጠንቅን ሓደጋን ኢዩ ዝብል ኢዩ። እቲ እንኣምነሉን እንድግፎን ኣብ ሓቅን መርትዖን ዝተመርኮሰን፡ ሃገርን ህዝብን ማእከል ዝገበረን እንተኾይኑ፡ ኩላትና ኣብ ሓደ መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ እንኽእል። እቲ ሓቂ ዝነግረና ከኣ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኢድ’ዚ ዘሎ ናይ ኢሳያስ ስርዓት፡ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ከምዝወረዳ ኢዩ። ህዝብና፡ ናይ ኣማኢት ኣሸሓት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጻ ሃገር፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘይክበረላ፡ ብሕግን ቅዋምን ዘይትመሓደር፡ ኢደ-በይዛ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኮይና ከምዘላ እትስሕትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ኢሳያስ ምስ ዉሑዳት እሙናት ኣገልገልቱ፡ ንዕድመ ስልጣኑ ከም ንህዝብን ሃገርን ተሓላቒ ክመስል ሃገራዊ ጭርሖታት ብምልዓል ከታልልን ከደናግርን ከምዝጸንሐ ዝያዳ ዝግሃደሉ እዋን በጺሕና ኣሎና። ስርዓት ኢሳያስ ንድኽመታት ምሕደርኡ ክሽፍን ኣብ ተጻብኦ ኣመሪካን ወያኔን ዝብል ዕባራ ምኽንያትን ሓሶትን ክሕባእ ኢዩ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ዝነግረና ግና፡ ብትእዛዝ ናይ ኢሳያስ ደሴት ሓኒሽ ይኹን፡ ነቲ ኣብ 1986 ብትእዛዙ መሬት ኤርትራ እንክነሱ፡ ንባድመ ንወያኔ ሓርነት ትግራይ ከተመሓድሮ ዝገደፈን ዘፍቀደን፡ ኣብ 1998 መሬትና ተጎቢጥና ኢሉ ባዕሉ ናይ ባድመ ወራር ዘበገሰን፡ ብዓለም-ለኸ ደረጃ እውን ከም ወራሪ ዝተፈረደሉን ዝኣመነሉን ጉዳይ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ’ዩ። ኢሳያስ ግን ብዘይ-ጸላኢ ኣብ ሰላም ክነብር ከምዘይክእል ስለዝፈልጥ፡ ደገፍቱ ከይክዕብዎን ከይገድፍዎን፡ ኩሉ ጸገማት ኤርትራ ናብ ኣመሪካን ወያኔ ሓርነት ትግራይን ከላግቦ ኢዩ ዝፍትን። ንኣስታት 18 ዓመታት ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጉድጓድን በረኻን ኣስፊሩን ጅሆ ሒዙን፡ ንነጻነት ኣብ ምምጻእ ብጅግነነት ዝመርሑ መቓልስቱ ብክሕደትን ብጥልመትን ኣጸሊሙ፡ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ናይ ማእሰርቲ ዳጒኑ፥ ህዝብና ሓቂ ንከይፈልጥ ንጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ከምዝመቱን ከምዝኣርጉን ዝገበረ ናይ ኢሳያስ ስርዓት’ዶ ኣይኮነን?

ብድሕሪ ምቕዛፍ ናይ ሓርበኛታት ሓርነት ውግኣት ኣብ ማይ-ሓባር ብህዝብና ክቕበጽ ዝነበሮ ስርዓት ኢዩ ነይሩ። ኢሳያስ፡ 30 ዓመት ኣገልጊካዮ ሓንቲ መዓልቲ እንተድኣ እምነት ኣጉዲልካ ይቕረ ዘይፈልጥ ጨካን ኣረሜናዊ መራሒ’ዩ። ንወዲ 90 ዓመት ፓትርያርክ ናይ ተዋህዶ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝሕለዉ፥ ንተባዕ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ዝገብር፥ ርህራሄ ዘይፈልጥ ፍጡር ኢዩ። ንልዕሊ 40 ዓመት የማናይ ኢዱ ዝነበረ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ከይተረፈ፡ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ንከይለብስ፡ ምስ ኣስከሬን ናይ ናይዝጊ ዝበኣስን ሕነ ዝፈድን ሰብ’ዩ። ኣነ ብወገነይ፡ እዚ ኩሉ ዝወርደና ዘሎ መስጣ ናይቶም ኣብ 1973 ብስም መንካዕ ዝብል መጸለሚ ስም ኣጠሚቑ፡ ኢሳያስ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣቐዲሙ ዘሕቀቖም ዲሞክራስያውያን ተበዓት ተጋደልቲ፥ ንድሕነቶም ጠጠው ስለዘይበልናን የሕሊፍና ስለዝሃብናን ኮይኑ ይስመዓኒ። ንጀጋኑኣን ንዝሰንከሉ ሓርበኛታት ሓርነት ውግኣታን ንመንእሰያታን ዘይትኸውን ሃገር ከመይ ኢላ ጥዕና ክህሉዋ ይኽእልን ንጽበን።

መንእሰያት ኤርትራ፡ ሃገሮም ሲኦል ኮይናቶም፡ ሞትን ሓደጋን ኣብ ቅድሜኦም ከምዘሎ እንዳፈለጡ፡ ኩሉ ሞት ኢዩ ኢሎም ክስደዱን ብሂወቶም ክጣልዑን ዝገብረ ስርዓት ኢሳያስ’ዶ ኣይኮነን። ካብ ስርዓት ደርጊ ዝበዝሐ ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ብዕጽፍታት ህዝብና ናብ ስደት ከምዘምርሐን፡ ስድራ-ቤት ኤርትራ ብዝያዳ ከምዝተበታተነትን፡ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ዘይንቡር ብዙሕ ገዛውቲ ተዓጽዩ ማይ-ቤታት መጸውዒ ዘይብለን ይተርፋ ከምዘሎዋ ከመይ ኢሉ ይኽወለኩም። ህዝቢ ኣሰመራ፡ ምስ’ዚ ዘሎ ሃለዋት ብምንጽጻር፡ ንናይ ደርጊ ግዜ ጽቡቕ መነባብሮ የሕልፍ ከምዝነበረ፡ ኣብ እዋን ነጻነት ከም’ዚ ኢሉ ከማርር እንዳሰማዕክምዎ፡ ንህዝቢ ራህዋ ዘምጽእ ስራሕ ክንዲ ትሰርሑ፡ ነቲ ናይ ሕሰሙ ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ክትድግፉን ንክጸንሕ ዘድሊ ሓገዛት ክትገብሩሉ ከሎኹም እቲ ሕልናኹም ብኸመይ ይቕበሎ? ኣቶ ኢስያስ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ብሕግን ፍትሕን ትዳነ ኤርትራ ብሰላም ክነብር ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዚ ከኣ፡ ቀንዲ ተሓታቲ ደም ናይ ኣማእታት መቓልስቱን፡ ብምስምስ ናይ ዶብ ኢሉ ናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ደም ዘፍለሰን፡ እታ ብሰላም ክነብረላ ዝኽእል ቦታ፡ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ጥራሕ ምዃና ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥን ዝርዳእን ሰብ ኢዩ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕን ውሕስና ዝህብን ኮይኑ እንተረኺብዎ ከኣ ክሳብ ልዑላውነት ኤርትራ የሕሊፉ ክህብ ድሕር ከምዘይብል ክንርደኦ ዘጸግም ኣይኮነን። ብቑጠባዊ መዳይን ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ድኽነት ዓመት-ዓመት እንዳኸፍኣ ከምዝመጸ እትኽሕድዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ንፖለቲካዊ ሃልኪ፡ “እገዳ” እትብል መሸቀጢትን መታለሊትን እንተተሓበአ፡ እቲ ሓቂ ግን፥ እቲ ጠንቂ እቲ ግጉይ ምሕደራን ፖሊስን ናይ’ቲ ስርዓት ምዃኑ እቲ ዘስተውዕል ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። እንታይ ስለዝተኣገደ ኢዩ ቁጠባ ሃገር ተዳኺሙ ዝብል ሓታታይ ግን ኣይተረኽበን። እዞም ኩሎም ሃብታማት ኤርትራውያን ዝፈትውዋ ሃገሮም ራሕሪሖም፡ ኣብ ጁባ፡ ኡጋንዳ፡ ዛምብያ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ ወዘተ… ገንዘቦም ከዋፍሩ ዝገበረ ህግደፍ ድኣምበር፥ እገዳ ከምዘይኮነ ንዓኻትኩም ዝጠፍኣኩም ኣይመስለንን። ካብ ወጻኢ ትካል ክገብሩ ናብ ዓዲ ዝኣተው ብዙሓት ትካሎም ዓጽዮም ንዳግማይ ስደት ዝተሳጠሑን ዝተመዛበሉን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዝተፈረደና መሬት ናይ ኤርትራ ከይወጸት ኣብ ዝርርብ ኣይንኣቱን ኢና ኢሉ ን18 ዓመታት ንመንእሰያት ኤርትራ ጅሆ ሒዙ፡ ቅዋም ከይትግበር ከም መመኽነይታ ክጥቀም ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ናይ ዶብ ሕቶ ሓንቲ ንእሽቶ ጉዳይ ካብ’ቲ ዓበይቲ ጉዳያት ከምዝበለ፡ ኢሳያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሓትት ዝሰማዕክምዎ ጉዳይ ኢዩ። ብይን ዶብ ምሕንጻጽስ ይትረፍ፡ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዕለት ሎሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቦ። ከነስተብህለሉ ዘሎና፡ እቲ ብናይ ነፍስሄር መለስ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ ዝርርብ ዕድመን፡ ዶብ ከይተሐንጸጸን ሰራዊት ኢትዮጵያን ከይወጸን ኢሳያስን ዶ/ር ኣብይን ዝገብርዎ ዘሎው ዝርርብ ብተግባራዊ ትሕዝቶኡ ፍጹም ፍልልይ የብሉን። ዶ/ር ኣብይ ብኣፉ ብዘይቅድመ-ኩነት ናይ ዶብ ብይን ተቐቢላናዮ ኣሎና ስለዝብለ ድዩ እቲ ፍልልይ? ኢሰያስን ኣብይን ክሕተትዎ ዝግበኦም፡ ብዘይቅድመ ኩነት እንተተቐቢልዎ ብተግባር ቅድሚ ዝርርብ ስለምንታይ ኢዩ ዘይተተርጎመ ዝብል ኢዩ? ሕጂ ኣቶ ኢሳይስ ዝብለና ዘሎ፡ ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጹ መራሕቲ እንዳተረኻኸቡ ምትእምማን ክፈጥሩ ኣሎዎም ይብለና ኣሎ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብብርሃነ ገብርሂወት ንደገፍቲ ስርዓት ዝቐረበ ናይ መታለሊ መግለጺ ምስ እንምልከት፡ እቲ ናይ ሕጂ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ እቲ ናይ ቅድም ምስ መራሕቲ ወያኔ ስለዝኾነ ፍልልይ ኣሎዎ ዝብል ዘስደምም መልሲ ተዋሂቡ። እዚ ዓይነት መግለጺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየስተውዕል ኣነኣኢሱ ዝርኢ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ፍልልዩ ኣይከስተብህሉሉን ኢዮም ካብ ዝብል ግምት ዝብገስ ይመስል። ጠ/ሚኒስተር መለስ፡ ወግዓዊ ሓላፍነቱ መርሒ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያን ድኣምበር፡ መራሒ ናይ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኮይኑ ኣይኮነን ምስ ኢሳያስ ዝራኸብ ነይሩን፡ መልሲ ነቲ ብይን ሂቡሉን። ኢሳያስ ንዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ኮይኑ እንተረኺብዎ፡ ንዶ/ር ኣብይ ገዲፉ ምስ መራሕቲ ወያኔ ክሻረኽ ድሕር ከምዘይብል ታሪኽ ምግልባጥ ናይ ኢሰያስ ይምህረና። ኣብ 1980 ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድ፡ ምስ መራሕቲ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኢዩ ንሓደ ሃገራዊ ሓይሊ በታቲኑ። ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘሎዎ ሓቂ ግን፡ ውድብ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነጻነትን መሰል ርእሰ-ውሳኔን ኤርትራ ብመትከል ዝተቐበለን ዝደገፈን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንረብሓ ክልቴኦም ህዝብታት፥ ኣብ ኤርትራ ደሙ ዝኸፈለ ውድብን ህዝብን ምዃኑ ክከሓድ ዘይብሉ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ምስ ህዝቢ ከበሳ ካብ ዝኾነ ካልእ ጎረቤት ዝተዋሰብን፡ ተመሳሳሊ እምነትን ባህልን ልምድን ዘሎዎ ሓው ህዝቢ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኢሳያስ ብዘይ ጻላእቲ ክነብር ስለዘይክእል ግን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም እንዳበለ ነታ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነት መዳውብቲ ዝኾነት ትግራይ ከዋስን ጥራሕ ዘይኮነ ንመሪሕነት ወያኔ፡ ጸወታ ኣብቂዑ (Game Over) እንዳበለ ቆልዓዊ ፖለቲካ ምቁሻሽ የካይድ ኣሎ።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ናይ ሓባር መንግስቲ ምስ መራሕቲ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ከቕውም ድሌት ከምዝነበሮ መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ነዊሑ-ሓጺሩ ተግባራዊ ክኸወን ከምዝኽእል ከምዝብህግን እውን እቲ ዝበሎ ኣብ ቪድዮ ዝተቐርጸ ኢዩ። ናይ ባድመ ውግእ መመሳመሲ ድኣምበር እቲ መበኣሲ ካልእ ጉዳይ ከምዝነበረ ባዕሉ ዝተዛረቦ ሓቂ ኢዩ። ኢሳያስ ክንየው ዶብ ዕላማታት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ ንወያኔ ሓርነት ትግራይ ባድመ ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎው። ሰራዊት ናይ ግንባር ዓሰብ ከይተረፈ ንክስሕብ ትእዛዝ ከምዝሃበን መራሕቲ ናይ’ቲ ግንባር ዝነጸግዎን ዝዛረብሉን ሓቂ’ዩ። ዶ/ር ኣብይ ከይተሰከፈን ከይሓፈረን ዓሰብ ክንካፈላ ኢና ምባሉን፡ ጀነራል ሰዓረ እውን ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ክህሉዋ ኢዩ ከምዝበለ በእዝንትኹም ዝሰማዕክምዎ ጉዳይ ኢዩ። እንተድኣ፡ እዚ ዝተባህለ ሓሶት እንተኾይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ መልሲ ዘይሃበሉ? እቲ ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ብቀዳምነት ምትእምማን ክንፈጥር ኣሎና ዝበሎ፡ ነቲ መሬትናን ባሕርናን ዓዲልና ዲና፡ ስለ ምትእምማን ክፍጠር ዋጋ ክንከፍለሉ ዝድለ ዘሎ? ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝመጻኣሉ እዋን፡ ኢሳያስ ብዘይቀልዓለም እስኻ ክትመርሓና ወኪለካ ኣሎኹ ክብል ከሎ፡ ከም ሓደ መራሒ ናይ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ፖለቲካዊ ተግባራዊ ትርጉሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ይርደኣና’ዶ ኣሎ? ጋሻ ኣብ ገዛኻ ይኹን ሃገርካ ስለዝመጸ እምነት መታን ከሕድር ኣባኻ፡ ገዛይ ወይ ሃገረይ ከተካይዳ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ’ዶ ይበሃል ኢዮ? ርስትን ጉልትን ሂብካ ዝርከብ እንታይ ዓይነት ምትእምማን ኢዩ ከረጋገጽ ዝደለ ዘሎ? ከም ደገፍቲ እቲ ስርዓት መጠን፡ ነዚ እትድግፍዎ ዘሎኹም መራሒ ኣሚንኩሞ እንተሃልዩኹም፡ ከደግፈኩም ዝኽኣለ ምኽንያት ክርዳእ መደለኹ።

ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ፍልልይ ዘይብሉ መሲሉኩም ደገፍኩም ነዚ ስርዓት እትህቡ ዘሎኹም፡ ጌጋኹም ክትእርሙ ይግበኣኩም። እዚ ዘሎ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፥ ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ተፈጢሩ፥ ንዕላማን ራእን ህዝባዊ ግንባር ዝጠለመን፥ ንህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ስርርዓቱን ኣብ 1994 ኣፍሪሱ ብህግደፍ ከምዝተከኦን ከመይ ጌርኩም ትስሕትዎ። እወ ንከምስል ንመታለሊ፥ ነቲ ንህዝባዊ ግንባር ዝድግፍ ዝነበረ ህዝቢ ንክኸስብ ህዝባዊ ግንባር እትብል ስም ኣብ’ቲ ዘካይድዎ ኣኼባታት ትስማዕ ከምዘላ ዝሰሓት ኣይኮነን። ደገፍኩም፥ ብግዚያዊ ረብሓ-ስጋ (ጠቕሚ) ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ እቲ ደገፍኩም፡ እዚ ስርዓት’ዚ ከያዳይ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ክተርድኡ የድልየኩም። ሓለፋ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ረብሓ ምድላይ ከኣ፡ ብላዕሊ ብሰማይ ይኹን ብታሕቲ ብምድሪ ዘሕብን ኣይኮነን። ታሪኽካ ምብልሻው ጥራሕ ኢዩ ፋይድኡ። ነዚ ስርዓት’ዚ ከም ናይ ሓደ ኣውራጃ ብዝያዳ ዝበጽሓኩም መሲልኩም፡ የሕሊፍና ክንህቦ የብልናን ኢልኩም እትድግፍዎ ሰባት እንተሃልይኹም፡ ኢሳያስ ብጀካ ስልጣኑ፥ ዘገድሶ ኣውራጃ ወይ ወገን የብሉን። ብወገነይ፥ እቲ ዝያዳ ዝተወጸዐ ህዝቢ እንተሃልዩ፡ ከባቢ ኣስመራን ማእከልን ኢዩ። እቲ ዝያዳ ክብሪ ከውጽእ ዝኽእል መሬቱ በዚ ስርዓት ተገቢቱ፡ ኣደዳ ስእነትን ሕሰምን ገይርዎ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ኢየ ዝርዳእ። እቲ ዝያዳ ዝተወጸዐ ህዝቢ፥ ብዝይዳ ክቃወም እንዳተጸበኻዮ ዝይዳ ደጋፊ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ግን ብጣዕሚ ዘስደምም ተርእዮ ኢዩ። ደገፋና ካብ መበቆልን ትውልድን ዝተበገሰ እንተኾይኑ ከኣ ኢሰያስ ካብ ደቂ-ጸሎት ንላዕሊ፡ ነቶም ወያኔ ኢሉ ዝጸርፎም ዘሎው ይቐርብዎ። ኣነስ፥ ናይ ደቀባት ጸሎት ኣብ ልዕሊ እንዳ ኣቦይ ኣፈወርቂ ማይቤት ናይ ማእከላይ ዓሌት ምንእኣስ ከይነብር፥ ሕነ-ዕዳ ንኸፍል ከይንህሉ እውን ሓደ-ሓደ ግዜ ይጠራጠር ኢየ። ስለምንታይ ተጋሩ ኣብ ሃገርና ክስደዱ እንከሎው፡ ገሌና ኣፍና እርኑብ ኣይኮነን። እታ ዓጋመ እትብል ቃል ንባዕላ ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ወረዳን ህዝብን መጸውዒ ስም ጌርና ብኣኽብሮት እንርደኣ፡ ከም መነኣኣሲት ጸርፊ ጌርና እንጥቀመላ ውሑዳት ኣይኮናን። ንኢሳያስ ኣብ ናይ ርእስን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና (psychoanalysis) ወሲዱ ዝመርመሮ ሰብ ስለዘየለ ግን እቲ ንኢሳያስ ዝድርኾ መንገዲ ጥፍኣት ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ክንፈልጦ ኣጸጋሚ ይኸውን። ብስነ-ኣእምሮ ጸገም ጥዕና ዝጎደሎ ሰብ ንምራሕ እንተሃሊና ኸኣ፥ እቲ ጥፍኣትን ውርደትን ኣባና ኣብ ህዝቢ ድኣ’ምበር ኣብ ኢሳያስ ኣይኮነን።

ተጋድሎን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ናይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ምንባሩ ምንጋር ኣይደልየኩምን ኢዩ። ብዝለዓለ ከኣ፡ መሰላት ዜጋታታ እተኽብር ዲሞክራስያዊትን ስልጥትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ። ብዘይቀልዓለም ክዛረብ እንተኾይነ፡ እዚ ብውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅላዊ ስርዓት፡ ጽቡቕ ምሕደራ ጠፊእዎ ወይ ዓቕሚ ስለዝሰኣነ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ-ብትን ክኣትዎን፡ ነብሱ ከይክእልን ከይሓለፈሉን ዝግበር ዘሎ መደብ ናይ ጥፍኣት ኢዩ። ኣሽንኳይዶ፡ ሃገር ሒዝካን ተቖጻጺርካን፡ ኣብ ቃልሲ ሜዳ እቲ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ዓቕምታት ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ምንባሩ ዝጠፍኣኩም ኣይመስለንን። ትዝክሩ እንተኾንኩም፡ በዓል ኣመሪካ ኣብ ሓምሳታት፡ “ኤርትራ ነብሳ እትኽእል ሃገር ስለዘይኮነት፡ ምስ ዓባይ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ኣሎዋ” ኢሎም ክፈርድዋ። እንሆ ከኣ ኣቶ ኢሳያስ፡ ንክወዳደርዎ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር ከምዝሰደዱን፡ ከምዝእሰሩን፡ ከምዝቕተሉን ብምግባር፡ ነፍሰ-ምትእምማን ዝጎደሎም፡ ንትእዛዛቱ ዘኽብሩ ተላኣኽቲ ኣብ ጎኑ ብምግባር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ብትን የእትዩ፡ ኣብ ሃገር ዝተረፈ ከኣ ኣንጸርጺሩ፡ ኒሑን ንያቱን ጸንቂቑ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሕሸና ናብ ምባል ገጹ ክሳብ ዝበጽሕ፥ ብተግባር የዳኽሞን ይሰርሓሉን ከምዘሎ ምስትብሃል የድሊ። ሕጂ፡ ንመሰል ዜጋታታ ከተኽብርስ ትትረፍ፡ ከም ሃገር ክንቅጽልን ኣይንቕጽልን ኣብ ሕቶ ኣትዩ ኣሎ። ከም’ቲ ኣቶ ኢሰያስ ምስ ሰኸረ “ብድሕረይ ዓጋመ ከምእትብሉኒ ይፈልጥ’የ፡ ከም’ቲ ነዛ ሃገር እዚኣ ዘምጻእክዋ፡ ከጥፍኣ ኢየ” ኣብ ልቡ ዝነበረ ዝበሎ፡ ንዝመደቦ ከተርጉም ይሰርሓሉ ከምዘሎ ተግባራቱ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ብስም ዞባዊ ምትሕብባር ዝተኸለሰ፡ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ብዝብል መታለሊ ሽፋን ተጠቒሙ፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ ዝሓሰቦ ሸተኡ ክወቅዕ ባይታ የጣጥሕ ኣሎ። ንነገራት ካብ ጽልእን ስምዒትን ወጺና፡ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ተራ ኣብ ግዜ ተጋድሎ ይኹን፡ ድሕሪ ነጻነት ምርግጋጽን ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ብወድዕነትን ብደቂቕን ክንምርምርን ሓቂ ክንፈልጥን የድልየና። ንክበጽሖ ዝደሊ ብከመይ ከምዘረጋግጾ፡ በየናይ መስርሕ ሓሊፉ፡ ንመን ኣታሊሉን ንመን ሒዙን፡ ንመን ኣጥፊኡን ኣሲሩን መንገዱ ዝፈልጥ ሓያል በዓል ዕላማን መደብ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እሱ ዕላምኡ ከሰላስል ከሎ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ግን፡ ጌለና ቆዘምቲ፡ ገሌና ተዓዘብቲ፡ ገሌና ከኣ ናይ እከዩ ተሓባበርቲ ኮይና ሓድነትና ላሕሊሑ፡ ከም ደቂ ዛግራ መኣዝና ስሒትና ኣብ ድሮ ጥፍኣት ንርከብ ኣሎና። ዕላማ ኢሰያስ ምስ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራን ባህግኹምን ዘይቃዶ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ከም’ቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ “ኤርትራ መሬታ ድኣ’ምበር ህዝባ ኣየድልየንን” ዝበልዎ ህዝቢ ክበታተንን ክበርስን ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ፡ ካብ’ቲ ናይ ሃይለስላሴ ብተግባር ፍልልይ የብሉን። ፈደረሽን፡ ኮንፈደረሽን ይኹን ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ብምእዋጅ ጥራሕ ኣይኮነን ክረጋገጽ ዝኽእል። ንህዝቢ ብምድንጋር፡ ባይታ ብምጥጣሕን ብሜላ(Systematic)፡ ነቲ ህዝቢ ተስፋ ብምቑራጽን፡ ኣማራጺ ስኢኑ ከምዝንብርከኽን ከምዝርዕሞ ብምግባር ከተረጋግጾ ከምእትኽእል ኩነታት ሃገርና ይምህረና ኣሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደገፍቲ ስርዓት፥

እምነት ኣብ ሓደ ውልቀ-ሰብ፡ ወሰን ወይ ገደብ ክህሉዎ ምስተገብአ። እዞም ኩሎም ዘየተኣማምኑ ምልክታት ብኢሳያስ እንዳረኣኻ፡ ፍጹም እምነት ኣብ ኢሳያስ ምሕዳር ግን እንዳሰማዕካ ምጽማም፡ እንዳረኣኻ ኸኣ ዑረት ኢዩ። ብፖለቲካዊ ትርጉሙ ከኣ፡ እቲ እንድግፎ ዘሎና ንሓልዮት ሃገርን ህዝብን ዘይኮነ፡ ንሓልዮት ናይ ሓደ ውልቀ-መላኺ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ብተግባር ከኣ፡ ንሃገር ምክልኻል ዘይኮነ፥ ንሃገር የሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ። ነፍሲ-ወከፍና ከም ሰባት እቲ ኣምላኽና ዝፈትዎን፡ ነታ ዘላትና ሓጻር ዕድመ ንጽቡቕ ታሪኽ ንሃገርን ህዝብን ዝኸውን ቁም-ነገር ክንገድፍ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ መሰል ከይሓለኻን ከየኽበርካን፡ ናይ ህዝቢ መሰል የኽብርን ይሕሉን ኢዬ ክንብል ኣይንኽእልን። ናይ ህዝቢ መሰል ከየኽበርካ ከኣ፡ ንሃገረይ ይፈቱ ወይ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ይድግፍ ኣሎኹ ምባል ከንቱ ኢዩ። ነቲ ንመሬትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ ጸልማትን፡ ደልሃመትን ብርሰትን ዘእተወን ዘእቱ ዘሎ ስርዓት እንዳደገፍና፡ ከመይ ኢልና ተጣበቕቲ ናይ ህዝብን ሃገርን ክንከውን ንኽእል? ኢሰያሳዊ ስርዓት እኮ፡ ኢደ-ወነናዊ ባዕሉ ስልጣን ሕዛእቲ ዝገበረን፡ ብሓይሊ ዝጨበጠን ስርዓት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን እስኻትኩም ከም ደገፍቲ እቲ ስርዓት እውን እንተኾነ፡ ንኢሳያስ ምርሓና ኢልኩም ስልጣን ኣይሃብኩሞን። ከም’ቲ ኣብ ሓደ ቃለ-መሓትት ዝበሎ፡ ፕረሲደንት ክኸውን እኮ፡ ኩንትራት ዝሃበኒ ኣካል የለን ኢሉ ሓቂ ዝተዛረቦ ትርስዕዎ ኣይብልን። ባዕሉ ኩንትራት ወሃቢ ድኣ’ምበር፡ ኣብ ኤርትራ ኩንትራት ዝህቦ ህዝቢ ከምዘየለ ኣብ ህዝብና ዘሎዎ ንዕቀት ብግልጺ ኢዩ ተዛሪቡ። እዚ ከኣ፡ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ፡ ኣብ ውግእ እተዉ እንተበሎም ኣብ ውግእ ዝኣትዉ፡ ሰላም ተገይሩ ኢዩ ጓይላ ግበሩ እንተበሎም ዳንኬራ ዝገብሩን፡ ዝበሎም ዝደግሙ፡ ንሕና ንሱ ዝብሉ፡ ኣባኻትኩም ደገፍቲ ተኣማሚኑ ዝበሎ ጉዳይ ኢዩ። ሕጂ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ኢሳያስ ብስም ሃገር፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ህዝብና ዘይፈልጦ፡ ንመሬት ኤርትራ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክሻየጣን ክዛተየላን፡ ውዑላት ክፈራረም እንከሎ ኣብ ጎኒ ኢሳያስ’ዶ ወይስ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ትኾኑ? እዚ ብጽሞና፡ ምስ ነብስኹም ተላዚብኩም ክትምልስዎ ዘሎኩም ናይ ሕልና ሕቶ ኢዩ። ኣብ መደምደምታ ከኣ፡ ንዝሓለፈ ንሃገርን ህዝብን ዝበደልክምዎን ዝተጋገኹምዎን ዝድምስስ፡ ብሰንኪ ደገፍኩም ንኢሳያስ ዝሓዘነ ህዝቢ ዝድብስ፡ ታሪኽኩም ከኣ ዘሐድስ፡ ተቓዋማይን ደጋፋይን ከይበልና፡ ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢርና ክንቃለስን ብህጹጽ ሃገርና ከነድሕን ከም ኤርትራዊ ዜጋ ይጽወዓኩምን ይምሕጸነኩምን።

ክብርን ሞጎስን መንግስተ-ሰማያትን፡ ንሰማእታት ኤርትራ

ጎይትኦም ኢማም

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Goitom Gebre-Ab November 12, 2018

    I really appreciate your honest assessment of the country’s dire situation. I truly hope the PFDJ supporters will take your call to heart and disassociate themselves from this brutal dictator who is bent on destroying the country and its people before its too late.

  • Kaled November 12, 2018

    Many of the so-called supporters are opportunists. They do not care about their country or people. They are happy to make a living serving Higdef, The moment the devil is gone you will find them shifting their position and pose as justice seekers..
    Some are naive or simple stupid to the core. A few extremists who worship the monster are worst than animals. There are some who think Iseyas is from their region, and that is a good reason for them to support him, even when their region is being emptied from its people. A few of them think he is a Christian leader, they like him for that, while the truth is that Iseyas is a godless monster who jails church leaders.

  • aditekelezan November 12, 2018

    እቲ ተቓዋማይ እየ ዝብል ንባዕሉ ሕብረት ዘይብሉ (ምኽንያቱ እቲ ተገዲድና ገድሊ ዝተዓስከርናዮ ጊዚኡ ነፊሱ ስለዝኾነ),,,, ከምዚ ደገፍቲ ህግደፍ ምድጋፍ እንተዝገድፍዎስ ህዝብና ብሓደ ከም ዝሓብር ዝዓይነቱ simplistic & idiotic analysis ን 27 ዓመት ላሕ ኣቢሉና !!! ሽግርና ብዙሕ እዩ !!! ኣግሂደ ኣብዚ እንተዘርዘርክዎ ርእይቶይ ክድምሰስ ስለዝኾነ ኣይዝርዝሮን ,ግን እንደገና ክሓተኩም , ትብልዎ ዘለኹም {,,,ስለ ዘይሓበርና ,ስለ ዘይትኣማመንና ,ገሌና ቖዘምቲ ,ገሌና ጥራይ ተዓዘብቲ…ወዘተ ምኽዋንና} ህግደፍ ድላዩ ይገብራሎ ነታ ዓዲ,,,እሞ ንምንታይ ? ንምንታይ ሃገራዊ ስምዒት ናትና ኤርትራውያን በኒኑ ? ስምዒት ጥራይ ስለ ዝነበረ ድዩ !!! ??? ክንጽሕፍ ከለናስ ነዚ ሕቶታት እዚ ክንምልስ ይኹን እምበር ንቐባራይ ምርዳእ እቲ ዝጎደለ ምንጋር ንፈልጦ ኢና. እቲ ጸገም ተጨቅዊንኩም ኢሎም ብሓይሊ የቃልሱና , ተደሚርኩም ተባሂልና ድማ ንድመር…ብድሌትና ዝገበርናዮ ነገር ስለዘይነበረ ሕጂ ድሌትና ምናልባሽ ዝመጸ ይምጻእ ንርኣዮ ይመስል. እቶም ዝጀመርኩሞ እንዶ ወድእዎ !!!ነቶም ህዝቢ ዝኾንና ግን ክሳዕ ኣገዲድኩም ዘየጋደልኩምናን ዓጋመ ጸላእትኹም ኢልኩም ካብ ትሕቲ ዓራት ጓሲስኩም ባድመ ክሳዕ ዘየጥፋእኩምናን ኣብ ዘለናዮ ወጻኢ ክንተርፈልኩም ኢና እቶም ኤርትራ ዘለና ድማ ባኒን ባስታን ካብ ዓጋመ ዓዲ ግራት ዝመጸ እንዳገዛእና ስድርና ኽንቅልብ ኢና !!!
    = ምስ ኤረይ ኩሕሎ ንዘልኣለም

  • Hidat November 12, 2018

    ህ.ግ.ደ.ፍ ይድግፍ እምበር ኣይድገፍን እዩ።ኣብዚ ዝሓለፈ ከቢድ እዋን ጸገሙ ተጻዊሩኣብ ጉኒ መንግስተለን ሕዝቡን ጠጠዉ ዝበለ ኩሉ ደገመፋይ ዘይኮነ ሃገራዊ ጥራሕ እየ ዝብሎ።

    • PH November 12, 2018

      ህግደፍ የጽድፍ እምበር ኣይጸድፍን ድኺ ዝበልኪ?

  • Hidat November 12, 2018

    ደገመፋይ ዝብል ብደጋፋይ ይተካእ ምስ ይቅሬታ

    • Simon G. November 13, 2018

      ህድ ኣት ሓፍተይ
      ከመይ ኣለኺ ከይብለኪ ኣብ ስእልኺ ሪአ ጽቡቕ ዘለኺ ትመስሊ።
      ብባንዴራ ተሰረሐ ክዳን ለቢስኪ: ጽቡቕ ዘለኺ ትመስሊ። ግን! ግን’የ ዘልኩ: ሃቂ ተኾኑ ማለት ‘ዩ።
      እህህህህህህህህህም!
      ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ: ዘመድ ዓሻ ግን ከፊኡዎ ሎ: በሎ ኣቦታትና። ከምዚ ናትኪ ምስ ረኣዩ!

  • dawed November 16, 2018

    without PFDJ the country can not function

POST A COMMENT