Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታካብ ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ

መጸዋዕታካብ ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ   እንቛዕ ናብ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብጻሓና፡ ብምኽንያት መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ  ንእነማሓላልፎ መልእኽቲ  ህዝብና ኣብ ሓዘን ንስቅይ ከለና፣ ደቅና ኣብ ባሕርን ምድረበዳ ብጃምላ እናጠፍኡ፣ ኣብ

መጸዋዕታካብ ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ  

እንቛዕ ናብ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብጻሓና

ብምኽንያት መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ  ንእነማሓላልፎ መልእኽቲ  ህዝብና ኣብ ሓዘን ንስቅይ ከለና፣ ደቅና ኣብ ባሕርን ምድረበዳ ብጃምላ እናጠፍኡ፣ ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ኣመንቲ ክርስትያን ምኳኖም ብአኽረርቲ  እስላም ISIS  ብኻራ ከም ጠለበጊዕ ኣናተሓረዱ ዓገብ ዝብል መንግስቲ ዘይብሎም ፣ ኣዚ ድማ ብሰንኪ  ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ፣ ኣብ ክንዲ ሰላም  ኩናት፤ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ  ደረት ኣልቦ ዕስክርናን፤  ኣብ ክንዲ  ሓጎስን መርዓ  ንሞትን ስደትን ተቓሊዕና ከይአክል፤ ኣብ ክንዲ ሓሳብካን ድልየትካን ምግላጽን፣  ምእሳርን  ምቕንጻልን ኮይኑ ትዕድልትና፣ እንታዩ ኣበሳና፣ዘይንፈልጦ መርገም ነይሩና ዲዩ፣ ዘዝተወለደ ርኢና ዘይጸገብናዮም ደቅና፡  ዝፈትዉዋ  ሃገሮም  ብዘይ ድሌቶም   ንስግረ  ዶብ ኽሓልፉ  ዝርሸኑን  ዝእሰሩን ፡  ብበደዊን  ተጨውዮም  ናዉቲ  ኣካላቶም  ኽሽየጥን ኽልወጥን ፡ስቅያቶ ኣዉያቶም እናሰማዕና ስቅ ዲናክንብል ኽሳብ ምዓስ፤ ኣብ ምድረ በዳ ብሰሃራ ሁሮሩማ ጸሓይን ብጽምኢ ማይን ዝሞቱ፡ ነጋሪ ዘይብሎም። ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ኮይኖም መላስ ወረ ዘይረኸቡ፡ ንቡር  ሓመድ ኣዳም ከይለበሱ ወልዲ ከይቀብጹ  ብሰንኪ  ምሕሳም ስርዓት ህግደፍዩ ኣብ ስንፈላል ይነብር ኣሎዉ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ  ኣብ ህዝብና ዘጋጠሞ ዘስኻሕኽሕን ዘሕዝንን ቕዝፈት፡ ኣብ  ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር  ኽወርድ ዘይትጽበዮ ዘይትምነዮ፡  ዝነውርን  ቕዝፈት ንኽትሰምዖ ዘስደምምዩ ሕማቕ ታሪኽ።  እዚ ኣብ  ኤርትራዉያን ኢትዮጵያዉያን  ብምውራዱ  ዝተሰማዕና  መሪር  ሓዘን ኣንዳገለጽና  ንስድራ ቤት መወቲ ጽንዓት ይሃቦም። ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጎኒ ስቅያት  ህዝብና ደው ክንብል ክሳብ ፍትሒ ዝርከብ።  ምስዞም ደቆም ኣብ ባሕሪ ሳሃርን ዝጠፉኡን፡  ብአክረርቲ ኣስላም ISIS  ዝተሰዩፉ ንጽሃት ደቅና፣ ኣብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ፍትሒ ሲኢኖም ዝሳቐየ ወገናን፣  ምስዞም  ኣባይቶም  ብግፍዒ ፈሪሱ  መጽለሊ ሲኢኖም ንሓደጋ ተቓሊኦም  ዘለዉ ስድራ ቤትን ብምዝካር ፣  ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት  ኣብ ክንዲ  ጋይላ  ሳዕሲዒትን ዳንኬራን ነሕልፎ፡  ይአኽል ብምባል  ንግፍዒ ቶባ ኢልና፣  ምስተን ደቀን ሲኢነን ዝነብዓ ኣደታት  ከምኡ ዉን ኣብ ሰንፋላል ኮይነን ዝሳቀያ ስድራ ቤታት፡ ተኻፈልቲ ሓዘኖም ከምዝኾና ብምርግጋጽ ፣ መዓልቲ ናጽነት ብጸሎትን ምህለላን ንስዉአትና ክንዝኽሮም ፣ ኩሉ ነዚ መሪር ሓዘን ሽምዓ ብምዉላዕን  ነቶም ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኩዉን ዝገበሩ ጀጋኑና ብጸሎት ምህለላን  ክንዝክሮም ንላቦ።

 

ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ

ስምረት ምንቅስቃስ ኤሪትራዉያን ንፍትሒ

 

 

 

                                     

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • mohammed nurhussien May 19, 2015

    tsbuk zereba eiu, gen hanti neqefieta alatnI: EZOM ISIS ni islam zwukulu aykonun. Islam mallet selam mallet eiu. nay ISIS srah kaa seytanawi srah eiu. slezi bejakhum ahwat: kulu gzie kinxihif kelena astewilna nixhaf. eritrawyan aslamna kone christianna ahwat ina. nezi xiuf tegbar nay ISIS kaa nkawemo ina. netom gdayat nayzi seytanawi srah kaa ab xelotna nzekrom.

    • Hag pag May 19, 2015

      ኩቡር ሓው መሓመድ ኑር፡ኣይቲ-ሰከፍ።ንሕና ግዳያት isis ኢና ዚበልና።

  • Eden May 19, 2015

    Zikeberkum,
    Bimejemerya,thank you. Ane zeyteredani zelo ghin, ab Milano zighiber zelo hagez ni ertrawyan refugee asylum seekers ab train station tesatefo deleyti fithi abey alo?
    Activist haftina Magda mis “cambio Passo” commitee,beti hade weghen bi Tsegheans mis mahber”Arca”. Migbi mihab,kyar kidan mihab, keninatat, wezete. Menghisti Italy ashera keywesedu hagez ayhibn iyu, silezi kabana iyu iti hagez zittsebeyu. Likih iyu ab hazen ina zelena, izi malet ghin netom hagez zedlyom ab Italy zelewu ayniresayom bejakum. Izom hatetti ukba eritrawyan mengedom nab semen europe iyu. Kisab zemed ghenzeb zisedelom ghin ab tsirgya iyom. Kolhut, anisti, tihti idme!
    Nihna cab Bologna win hagez hizna nikeyd. Sembet 24 Ghinbot keman mishom ina kineahlifo. Mis itom eritreawyan ab Milano Centrale train station, ab Porta Venezia koyna netom kem beal Magdan,italians tehagagezti moral kikonom, netom hateti ukba dima hagez iyu.
    Izi himak kunetat sidetegnatat ab Italy zegatm zelo mekalh zedlyo koynu yisemeani. Iti tsahrina ab wishti europa win kikown alewo.
    Inda amesghenku,
    selam
    Eden

  • Tekle Haile May 20, 2015

    ዝኸበርኪ ኤደን ትዕዝብትኺ ጽቡቕ እዩ ። ቅድሚ ሕጂ ንዓመታት ደለይቲ ፍትሒ ዘክአሎም ናብ ስደተኛታት ጎዮም ኢዮም ስደት ብባሕሪ ካብ ዝጂምር ዓመታት አቑጺሩ ህዝቢ ሚላኖ ድማ ሕልና ዝነበሮን ሕጂውን ዘለዎ ይገብር አሎ ። ARCA አርካ እንተ ገበረ ጁቡኡ ንምህጣር እምበር ንካልእ አይኮነን ። ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ ክሕግዝ ቅዱስ ስራሕን አምላኽ ዝፈትዎን እዩ ኩሉ ሰብ በበዓቕሙ ክሕግዝ አለዎ ንተቓወምቲ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ዝምልከት ስራሕ አይኮነን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ ። ግዜ ዘለዎ ይወፈ ናይ ሓባር ስራሕ ኢዩ ። ዘአረገ ሰብ ብውላዱ እዩ ዝትካእ መንእሰይ ድማ ግዲኡ ይግበር ነቶም ዘአረጉ ንተከአዮም ።
    መንእሰይ እዩ ሕጂ ክጎይ ክሕግዝ ዝግብኦ ውዑይ ሓይሊ ጎበዝ ስለዝኾነ አብ ብርኩ ዘስተንፍስ ። ንምንቃፍ ኢለ አይኮንኩን ውልካዊ ርእይቶይ እዩ።

POST A COMMENT