Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ ኣኼባ ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን፡

መጸዋዕታ ኣኼባ ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን፡   ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኒውዮርክን ከባቢኡን ኣብ 2013 ተመስሪቱ ብዙሕ ዝናኣድ ስራሓት እኳ ኣቃኒዑ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንጥፈታቱ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ’ዩ ዘሎ። ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ

መጸዋዕታ ኣኼባ ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን፡

 

ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኒውዮርክን ከባቢኡን ኣብ 2013 ተመስሪቱ ብዙሕ ዝናኣድ ስራሓት እኳ ኣቃኒዑ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንጥፈታቱ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ’ዩ ዘሎ። ልኡላውነት

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዳግማይ ተንሲእና፡ ደገፍትን

ዘይደፍትን ከይተብሃሃልና ሃገርና ንምድሓን ብሓድነት ክንሰርሕ ይግባኣና እዩ። ካልኦት ከተማታት

ተኣኪቦም ኣንታይ ንግበር ኣብዝብል ዘተ ጀሚሮም ኣለዉ ፡ ስለዚ ንሕና ከኣ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩና ተኣኪብናን ተጠሚርናን ወከልትና ብምምራጽ ተሳትፎና ክነዕዝዝ ንበገስ። እዚ ብስርዓት ህግደፍ

ዝግበር ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ኣብ ግዜና ይኸውን

ስለዘሎ፡ ታሪኽ ከምዝሓተና ፈሊጥና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና እጃምና ከነበርክት ሃገርናን ህዝብናንይጽውዑና ኣለዉ።

 

እዛ ብመዳርግቲ ኣልቦ ቃልሲ ወሎዶታት ደምን ዓጽምን ብሉጻት ደቃን መስዋአቲ ሓፋሽ ህዝቢን

ዝመጸት ሃገር፡ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ ነጻን ሓራን ዝገብር እምበር፡ እቲ ሓደ ዝርገጸላ እቲ ሓደዝረግጸላ ንምዃን ኣይነበረን፡ ሰማእታትና ከኣ እታ እንኮን ዘይትድገምን ሂወቶም በጃ ዝኸፈሉዋ

ንሕና ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብር እምበር ክንሓስርን ክንዋረድን ኣይነበረን መስዋእቶም

ስለዚ፡ ኩልና ህዝቢ ኤርትራ ንተስእ! ንበራበር!

ዝፍጸም ዘሎ ኣስሓኮ ዘይብሉ ክድዓት ዕምሩ ንኸብቅዕ፡ ሎሚ’ውን ከም ትማል ኣንጻር መለኽቲ

ደው ንበል።

 

ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን ተቐማጦ ኒው-ዮርክ፡ ኒው-ጀርሲን ከነቲከትን፣

እብዚ ንዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ኒውዮርክ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ተረኺብና ኢሂን ምሂን ንበሃሃል።

 

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ፡ 2096 Starling Ave. Bronx, NY 10462

ኣኼባ ዝጅምረሉ ዕለትን ሰዓትን፡ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ፡ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ.

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ (646)919-6847 ወይ (718)696-7219 ደዊልኩም ተወከሱ።

 

 

ኣሽካዕላል ብህዝብን ሃገርን ኤርትራ የብቅዕ!

ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ንሰላምን ንምስፋን ንለዓል!

ብደሓን ምጹ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • g michael Tzerai March 31, 2019

    ኣብ ከባቢ ነው ዮርክ ዘሎኹም ዜጋታትና ነዚ ጻውዒት’ዚ ብዓቢ ሃገራዊ ወኒ ከተማዕርጉዎን ሃሳባት ፍታሕ ሽግር ሃገርና ከተሀብቱሙዎ ጸለውታኹም ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘባራብር ክኸውን ከም ሓደ ወዲ ሃገር እላበወኩም። ኣኣብ ገዛኻ ኮንካ ሙግሃይን ብሃገር ድቃስ ምስኣንን ትርጉም የብሉን ኣንትርፎ ብድድ ኢልካ ሃደራ ስዉኣት ክትምልስ ምፍታን ናብዚ ጻዉዒት ዝግበረሉ ዘሎ ከድካ ሓሳብካ ኣፍስስ/ኣፍስሲ።

    ገ ሚካኤል ዘርኣይ
    ካብ ጎዶቦኹም ዝኾነት ከተማ ቦስቶን

POST A COMMENT