Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጸዋዕታ – ክፉት ኣኼባ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስዊዝ

መጸዋዕታ ክፉት ኣኼባ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስዊዝ ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ስዊዝ : ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሓቢርካ ንምምካትን : ከም ኤርትራውያን መንነትናን ክብረትናን ዝኽበረሉ ብሓድነትና ስለ ዝኾነን ስለዝረጋገጽን ንዕለት 04/05/2014 ንመላእ ኤርትራዊ

መጸዋዕታ
ክፉት ኣኼባ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስዊዝ
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ስዊዝ : ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሓቢርካ ንምምካትን : ከም ኤርትራውያን መንነትናን ክብረትናን ዝኽበረሉ ብሓድነትና ስለ ዝኾነን ስለዝረጋገጽን ንዕለት 04/05/2014 ንመላእ ኤርትራዊ ደለይ ፍትሒ ዘሳትፍ ክፉት ኣኼባ ስለዘለና ኩሉኹም : ዝተወደብኩምን …ዘይተወደብኩምን ብዉልቂ ይኹን ብዉክልና ክትሳተፉ ንዕድም :: እዚ ኣኼባ እዚ ግዝያዊት ኮሚቴ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስዊዝ ዝነበራ ናይ ስራሕ ዕማም ወዲኣ ተረክበሉን : ሓዳስ ኮሚቴ ትምስረተሉን ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተሳታፍነት ክህሉ ብኽብረት ንዕድም ::

ዕለት 04/05/2014
ሰዓት 10:00 ቅ.ቀ
ቦታ 1700 Fribourg, Route Mon-Repos 9

ሓድነት ዋሕስ መንነት ሓርነትና እዩ
ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና
ግዝያዊት ኮሚቴ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስዊዝ
03/04/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • monicasalguero April 4, 2014

    ኣሰና እቲትሰርሖን እቲ ናብ ሀዝቢ ተቕርቦን ተፈልጥ ኢያ…ናምና ኢና.
    የቐንየልና ኣሰና ነዚ ተስፋ ዘህብ ናይ ደቒባት ደለይቲ ፈትሒ ናብ መኣድና ብምቕራብኪ.
    ኣምላክ ነምሉእ ሀዝቢ እሪትራ የብርሃልናን ይሓግዘናን.
    ብዝቐልጠፈ ኢቲ ንዓና ዘድሕነን ዝሓይሽን መሪጽና መታን ክንክኤል.

  • aselet1 kab swizz April 4, 2014

    hji knekeb ina knzate ena nsu eyu tenefigwo zelo hzbi Eritrea . hji dma ab nay mewedaeta medrek bexihna ina semirna ina tewehahidna weylka thefaeka guana . nay wedi tkul inda derefna nadna . Hgdef hamed dbe nadew kngebro nay awrh hto eyu . 2010, 2011, 2012 2013 eske zekrwo eti lewthi denbe teqawumo 2014 kemey alo nhna nsssn hgdef yfersu aleu . bdegen bwushthin hzbi nequhu hhaaaaa kblo nhgdef tebegisu alo zagto dma yelen

    aselet1 kab swiss

  • ERITRAWIT April 4, 2014

    Nebertey Swiss jeganue yehwat ajokum!!!!!!!

  • MightyEmbasoyra April 4, 2014

    ህግደፍን ሰዓብቶምን
    ተበዲለ ኳ’የ ኢለኩም፡ ከመይ ዘይብደል
    ተጸፊዐ ከምዘይሓልፍ፡ ብሓደገኛ ማዕበል
    ተዳሂኸ፡ ተደቚሰ፡ ተሃስየ በዚ ዓቢ ገበል
    ናይ ኤርትራ ሲኦል

    ኣይተበደልካን ትብሉኒ፡ ከመይ ጌርኩም
    ጠምየ፡ደኺመ፡ረብሪበ ‘ዳበልኩኹም
    ከመይ ኢልኩም
    ብርሑቕኩም
    ወይ ሰብ፡ ርጉም!

    ናይ ዝሓለፈ ከይአክል
    ክልቲኦም ስድራይ ንሃገር ክኸፍል
    አይነበርን ውዕል

    የግዳስ ከም ህዝበይ ከፊለዮም
    ንሃገር ክብሉ ተወፊዮም
    ግን፤ ነጻነት አምጺኦም
    ተባሂለ፡ ጉቦኦም ከፊሎም

    ከምኡ ‘ይኮነን ኣብ ባይታ ዝርእዮ
    ግን ደሓን፡ ንሱስ ተቐቢለዮ
    ‘ምበር፡ ደቂ ሱውኣት እንታይ ረኺብና
    ተደሪዕና፡ ተደሲቕና፡ ከም ህዝብና

    ናይ ሕጂ ገደደ፡ ብዘይከውን በልዩ ዕድመይ
    ኣይ ትምህርቲ፡ ኣይ ሓዳር ፡ ዞርመንዞር ምትራፈይ
    ወይ ከይጠፍእ፡ ከምቶም መሳቶይ
    ወይ ንባሕሪ ፡ወይ ክስእን ኩሊተይ
    ከም ብጾተይ

    ኮይነ ተሪፈ አገልጋሊ ኮለኔላት
    ደም ሰብ ዘይብሎም ዞም ስሱዓት
    ውሒጦም በሊዖማ፡ ታ ናይ ቀደም ትብ ዓት
    ወይ መዓት

    ደገፍቲ ህግደፍ ፡ንዑ ደኣ ተጋጊኹም
    እዛ ናብራይ ከምዛ ዝገለጽኩልኩም
    እሞ፡ ስኻትኩም ደአ ከመይ ጌርኩም
    አይከፈኣካን ትብሉኒ
    ትሕቲ ሃገራዊ ትቆጽሩኒ
    ከመ‘ዮ ግዲ፡ ተገላብጦሽ
    ዘገልገለ ክጽረፍ፡ ደጋፊ ህግደፍ ዝሙገስ
    ተራእዩ ዘይፈልጥ ብጥራሽ
    ብላሽ ብላሽ

    ናብ ልብኹም ተመለሱ
    ሕሰቡ፡ አስተንትኑ፡ ህዝብኹም ከሓሱ
    ከም ዓያሹ፡ ከም በሃማት
    አይተርእዩና ሕማቅ ጥፍኣት

    ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይኮነን
    ብጾተይን አነን
    ጻዕዳ ባርነትዩ፡ ብዘይ መቑነን

    ስለዚ፡ ሓዉኹም ‘የ ሕሰቡለይ
    ብዘይ ፍረ፡ ዘሕለፍኩዎ ዕድመይ
    ሕጂውን ዝሓትት ዘለኹ መሰለይ
    ከም ኣመለይ
    ኣየደንግጸኩምን ድየ
    ካን አብዚኣ በልየ

    አነኳ’የ ን ወራር ወያነ ዝዓገትኩ
    መዓንጣይ ሸጥ አቢለ ዝመከትኩ
    ዓሪቐ፡ ጠምየ ከይበልኩ
    እሞ ሕጂ ደአ ‘ታይ በደልኩ
    ንሱ’ ዩ ጻማይ
    ኣየ ህግደፍ ጣልማይ
    ሰይርዎ ዕላማይ

    ናታትኩም ገደደ ደገፍቲ ህግደፍ
    ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ኢልኩም ኮፍ
    ‘ዛነብስኹም ብጸገም ዘይትትንከፍ
    መልሓስኩም ጠሪሳ ዘይትልከፍ
    ንዓይ ወዲ ኸማይ፡ ወግሐጸብሐ ክትዝልፍ
    አቤት ሃለውለው፡ መዓት ወረ
    ጸርፊ ተወርወረ

    ደም ዶለኩም ንምዃኑ
    ናብራ ናተይን ብጾተይን ንኽትኣምኑ
    እንታይ ክንገብር
    ሓንጎልኩም ከነበራብር
    ዶ ዋላስ ክንቀብጸኩም
    ከምዘይ ህልዋት ክንቆጽረኩም
    ክምዝሞትኩም ብደውኩም
    ከምትትፈርዱና ክንፈርደኩም
    ሕልና ዘብልኩም
    ደመይ አፍሊሕኩምለይ፡ ወዳሕንኩም

  • meleake April 5, 2014

    ajokum deki eritrea aynefelale !

  • meleake April 5, 2014

    ab zehalena halina aynefelale !

  • McKefa April 7, 2014

    Emanuel..Til met miglibat niezeb alena Kabaka…Smret kab ziregtsu shade enda
    Konka timetsie aleka..biAbia bgenzeb mis Medrek teseMameikA dhar mis telemuka atsaliUni elka…hiji kea GubaA simret AF Atsieka elfi tirkimirki TiHaquf aleKa..Tetenqeq mis Men Tratsem aleka…

POST A COMMENT