Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጻእቲ ወለዶ ኤርትራ ከዘንትውዎ ዝደልዮም ዛንታ

ቀደም ዘመን ሓደ ኣብ መጀምርታ ብህዝቡ ኣዝዩ ፍትው ዝነብረ ፡ እንተኾነ ግን ዲሒሩ  በቲ ግዝኣቱ ንምስፋሕፍሕ ዝተኸተሎ ዘይቕቡልን ዘይህዝባውን ኣገባብ ምሕደራ ብህዝቢ እታ ሃገርን ዓለምን እተኻዕበ ንጉስ ነብረ። እዚ ንጉስ  በቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓይልን ጭካነን

ቀደም ዘመን ሓደ ኣብ መጀምርታ ብህዝቡ ኣዝዩ ፍትው ዝነብረ ፡ እንተኾነ ግን ዲሒሩ  በቲ ግዝኣቱ ንምስፋሕፍሕ ዝተኸተሎ ዘይቕቡልን ዘይህዝባውን ኣገባብ ምሕደራ ብህዝቢ እታ ሃገርን ዓለምን እተኻዕበ ንጉስ ነብረ። እዚ ንጉስ  በቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓይልን ጭካነን  ንግስነቱ  ኣብ ዓለም ግኑን ነብረ።  እቲ ሕሱም ባርነት ዝመለለዪኡ ንግስነቱ ፡እቲ ዝሓየለ ስራዊትን ኩቡር ሃብቲ ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ዝውንን  ንግስነት  እዩ ዝነበረ። ከም መርኣራያ ናይዚ ከኣ ንግስነቱ ንፍርቂ ክፋል ዓለምና ተቓጻጺርዋ ነብረ።

እንተኾነ ግን ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ  እቲ ዝልዓለ ጀነራል  ካብቲ ንሱ ዝእዝዞ ሰራዊት ሓደ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ መልእኽቲ ሒዙሉ ናብ መንበረ ንግስነት ደበኽ ድሕሪ ምባል  ከምዚ ዝስዕብ ተባሃሃሉ

ጀነራል፦ ኩቡር ንጉስ ፡ ሰራዊት  ብሰንኪ ነዊሕ ዓመታት ኩናት ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሕማቕ ኩነታት መንባብሮ፡ ጥዕና ፡ ዘይውዳእ ምፍሳስ ደምን  ሂወት ኣጽሊኢኡና፡ ሕጂ ኩናትን ወረራን ይእከለና፡ ናብ ስድራና ክንምለስ ንኹቡር ጎይታ ንገሩልና ብምባል ኢምቢታ ኣስሚዖም ከምዘልው ደርጉሓሉም። እቶም ንጉስ ከኣ ትቕብል ኣቢሎም ከምዚ ዝስዕብ በልዎ

ንጉስ፦ ወተሃደራት ኣብያ ኣስሚዖም ዲኻ ዝበልካኒ፧ እዞም ትብሎም ዘሎኻ ዕማኾ ወትሃደራት ዝብልዎን ዝሓስብዋን መዓስ ይግድሰኒ ኮይኑ። እዚ ንግስነት ኣነ ጎይታኻ ድኣ እንበር እዞም ንስኻ እትእዝዞም ወተሃደራት ኣይኮኑን ዘማሓድርዎ።  ሕጂ ከኣ እዚ ዝብለካ ትገብር፡ ነቶም ኣብያ ዘላዓዓሉ ወትሃደራት ኩላቶም ብማሕነቅቲ ቅተሎም፡ ብምባል ጨደረ፡

ጀነራል፡  ብማሕነቅቲ ደኣ ድሮ ኣማኢት ቀቲልና እንዲና። እንተኾነ ግን ነዚ ርእዮም ‘ውን ኣይፈርሑን፡ ኩላቶም ሎሚ ኣይንዋጋእ ጽባሕ ኣይንዋጋእ ኢሎም ኣቅቢጹም ‘ዩም።  ከምኡ ‘ውን እቶም ብማሕነቕቲ ንወትሃደራት ዝቐትሉ ዘለዉ ወትሃደራተይ ፡ ሕጂስ ኣይፋልናን፡ ሂወት ሓደ ወትሃደር እኳ ኣይነሕልፍን ብምባል እምቢቶኦም ግልጺ ጌሮም ኣለዉ።

ንጉስ፡- ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ንኹላቶም ነቶም ሓነቕቲ ዝነበሩ  ብማሕነቕቲ ክትቐትሎም  ኣዚዘካ ኣለኹ።

ጀነራል፡  ኩቡር ጉይታ ኣነ  ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ኣይውዕሎን ፡ እቲ ምንታይ እቶም ብማሕነቕቲ ቕተሎም እትብሉኒ  ዘለኹም  ኩላቶም ናይ ቀረባ መሳርሕተይን ምሓዙተይን ስለዝኾኑ።

ንጉስ፡   መልስኻ  እዚ  እንተደኣ  ኮይኑ  እዞም  ናተይ  ሓለዎ  ሕጂ ኣብዚ  ብማሕነቕቲ  ሂወትካ  ከሕልፍዋ  ወሲነ  ኣለኹ። ዘብዐኛ! ቶሎ  ኢልኩም  ትንፋሱ ኣሕልፍዋ! ኢሉ ካኣ  ቡኡ ንቡኡ ተእዛዙ  ኣመሓላለፈ ።

ዘብዐኛ፡  ነዞም ንግስነትኩም ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ኩሉ ዓቕሞሙን ግዜኦም ዝወፈዩ ክቡርን ጅግናን ጀናራል ንሕና ኣይንሓንቆምን ብምባል ናይ ሓባር እምቢታ ዶርጉሑ።

ንጉስ፡ ኣነ ንፍርቂ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዛተይ ዘምሓደር ንጉስ ንዓኻ ንሓደ ባዕለይ ዝሰየምኩኻ ጀንራል ሂወትካ ከሕልፈካ ዝጽግመኒ አይኮነን ብምባል ብድድ ክብል ከሎ ። ሓደ ካብቶም ዘብዐኛታት ከምዚ ዝስዕብ በሎ።

ዘብዐኛ፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ኣፍደገ መንበረ ስልጣንኩም ተኣኪቦም፡ እቶም እንፈትዎምን እንናፍቖምን ሰብ ኪዳና፡ ኣቦታትና፡ ኣሕዋትናን መለሱልና። ምፍልላይ ነዊሑና ሕሰም መነባብሮ ከፊኡና ስለዚ ኩናት ‘ውን ይእኸለና እናበሉ ይጭድሩ ኣለዉ።

ንጉስ፡ ንጉስ ንኩላትኩም ናብ ገገዛኹም ክትምለሱ ኣዚዞም ኣለው በሎም።

ዘብዕኛ፡ ድሮ ነጊርናዮምስ ኣይፋል ኢሎም ኣቕቢጹም እዮም።

ንጉስ፡ ትእዛዝ ንጉስ ዘይሰምዐ ክሕነቕ ስለዘለዎ፡ ንኹላቶም ክትሓንቆም ኣዚዘ ኣለኹ።

ዘብዐኛ፡ ንማሕነቕቲ ዝኸውን  እኹል ገመድ የብልናን ፡፡ እቲ ብዝሒ እኮ መዳርግቲ ኣልቦ እዩ ንጉስ።

ንጉስ፡ ንኩሎም መሕነቒ ዝኾውን ገመድ ካብ ተሳእነ ፡ ክእሰሩ ኣዚዘ ኣለኹ ።

ዘብዐኛ፡ ክንድዚ ብዝሒ ክሕዝ ዝኽእል ቤትማእሰርቲ የብልናን ብምባል መለሰ።

ንጉስ፡ ድሓን በል ግደፎም በዚ ቀዝሕን ኣስሓይታን ነቒጾም ይወድኡ።

ዘብዕኛ፡ ምግዳፍሲ ምገደፍናዮም፡ ግን ኣብ ማዕጾ ስለዘለው ዘድልየኩም ነገራት ከንመላልሰልኩም ኣይክጥዕመናን እዩ።

ንጉስ፦ ብዙሕ ኣይትሸገር ንሕጂ ዝኸውን  እኹል ቀረብ ኣሎና፡ ብሰንኪ እዚ ዕግርግር ግዳ ብዙሕ ጥምየት ይስማዓኒ ስለዘሎ መግቢ ቀርቡለይ።

ዘብዐኛ፡  መግቢ ደኣ ከምይ ጌርና ክንቀርበልኩም፡  እቲ መግቢ ዘዳሉ እውን ምስቶም ኣብያ ዝገብሩ ዘለው እንድዩ ተጸንቢሩ።

ንጉስ፡  በል ከምዚ ካብኮነስ፡ ንኹላቶም እቶም  ንገዛ ክምለሱ ዝኽእሉ ካብቲ ሓላፊ ናይ ወርቅን ሃብትን፡ ካብቲ  ብወርቂ ዝተሰርሐ ሰናቲም በብሓደ ዓድሎዎም።

ዘብዐኛ፡ ዝበልኩሞስ ጽቡቕ ነይሩ፡ እትነኾነ ግን እቲ ሓላፊ ወርቅን ሃብትን ምስ ተሓጋገዝቱ ናብቶም ኣብያ ዝገብሩ ዘለው ተጸንቢሮም እዩም።

ድሕሪ ‘ዚ ኩሉ ተጻብኦ፡ እቲ ሃብትን ትእዛዝን ዝለመደ ንጉስ፡ በቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ተገዲዱ፡  ባዕሉ  መግቡ ከደሉን ክዳውንቱ ክሓጽብን ክኽደንን ዓራቱ ከንጽፍን ተገደደ። እቶም ነዚ ክውን ክኸውን ዝገበሩ ነበርቲ እቲ ንግስነት በቲ ዝርኣይዎ ተሓጉሶም ነናብ ዋኒኖም ተመለሱ።  እቶም ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኩናትን ወራርን ተጸሚዶም ዝነበሩ ወተሃደራት ከኣ ነናብ ስድራቤቶም ተመለሱ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ እቲ  ንጉስ ካብ መንበሪ ንግስነቱ ተሰጊጉ ኣብ ንእሽቶይ ገዛ ዝነብር፡ መዓርግን ስልጣንን ዘይብሉ፡ ተዛሪቡ ዘየስምዕ፡ መዲሩ ዘየረድእ ሕሱር ዜጋ  ብሙዃን ክሳብ ዝመውት ኣብታ ዓዲ ተቐመጠ።  እቶም ንሕሱምን ግፍዓውን ንግስነት ኣብ መወዳኢታ እንቢ ዝበሉ ዜጋታት እታ ሃገር ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገረመን እናጥዓመን ዝኸይድ ሕጉስ ሂወት ምንባር ጀመሩ።

በዚ ጽሑፍ ኣቢለ ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ እንተ ሃልዩ ። ኤርትራውያን ‘ውን ከምቲ ታሪኽና ዝምስክሮ፡ ኣብ ምክብባራን ሓባራዊ ስራሕን ዝተሰረተ ስሙር ምንቕስቓስ እንተድኣ መስሪትና፡ እቲ ንባህጊን ተስፋን ወሎዶታት ኤርትራ ዘቕሃመ መዳርግቲ ኣልቦ ውልቀምልኪ ዓረምረም ከነብሎ ኣይክንስነፍን ኢና። ስለዚ ስምረትና ከም እምኒ ዓረ ይትረር።  እቲ ምንታይ ዝሓብረ ሓፋሽ ዓጋቲ ስለ ዘይብሉ ።

እዚ ጽሑፍ ካብቲ “The King Who Ruled Nothing “ዝብል ኣብ ጥቅምቲ 2005 ኣብ ንዊዝላንድ  እትሕተም ጋዜጣ ግሎባል ቢትስ እተጻሕፈ ዛንታ ትርጉም ምርኩስ ብምግባር ዝተጻሕፈ እዩ።

ገዛኢ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ida June 26, 2013

    I am liking this story. Power to the people!

  • Isayas June 26, 2013

    Well done Ghezae…excellent message.

POST A COMMENT