Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ ቤትጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምርረቕ ትጽቢት ንዝግበረሉ ዘሎ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ከምዝበጽሐ EBC ወግዓዊ መደበር ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ ቤትጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምርረቕ ትጽቢት ንዝግበረሉ ዘሎ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ በጺሑ ናቃውማኡ ከምእተዓዘበ EBC፡ ወግዓዊ መደበር ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።   ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ጽባሕ ሰንበት

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ ቤትጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምርረቕ ትጽቢት ንዝግበረሉ ዘሎ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ በጺሑ ናቃውማኡ ከምእተዓዘበ EBC፡ ወግዓዊ መደበር ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

 

ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ጽባሕ ሰንበት 10 ለካቲት 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምኡ ድማ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡሉ ኣጋጣሚ ብወግዒ ክምረቕ ምዃኑ ድማ እቲ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብቲ ሎሚ ቕነ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ርክብ፡ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዓውታ፡ ንንጉስ ሃይለ ስላሰ ብኣውንታ ክዝክሩዎ ከምዘለዎም ገሊጹ እዩ።

 

ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ፈደረሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ብሓይሊ ብምጒባጥ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንበራ፡ ጠንቂ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝነበረ፡ ክሳብ ኣብ 1974 ብደርግ ተዓልዩ ካብ ስልጣን ዝወርድ ኣብ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ጅምላዊ ግፍዕታት ዝፈጸመ መስፍናዊ መራሒ እዩ።

 

ኣብዚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሕግብግብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ቀንዲ ገፋዕን በዳልን ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ሃይለስላሰ ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ምትካል ብዘይ ፍቶት ኢሳይያስ ዝፍጸም ዘሎ ስራሕ ከምዘይኮነ ርዱእ ስለዝኾነ ድማ፡ ኢሳይያስ ናይ ሓድነት ኢትዮጵያ ናፍቖቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋህደ ይኸይድ ምህላዉ ዘርኢ፡ ንቑስሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጎድእ ተግባር እዩ።

 

ቅድሚ 29 ዓመታት ወደብ ባጽዕ ብ ስርሒት ፈንቅል ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአት፡ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዝጥምት ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ብቲንቲ ከምዝዓነወ ይዝከር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Sol February 10, 2019

    This statue of the notorious king is a reminder to the overwhelming Ethiopians the Era of humiliation, marginalization, slavery and starvation while it will remind us the 30 of the abominable occupation and our heroic struggle for independence and freedom.

  • aditekelezan February 10, 2019

    Dani Amiche.
    ክብረት ጸለምቲ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጪሰኛ ስርዓት ክቕይሮ ፈቲኑ እቶም ባላባታት ሰብ መሬት ዳርጋ ፍንጭራዕ ክብሉ ምስ ጀመሩ ስልጣኑ ሓልዩ ሱቕ እኳ እንተበለ,ኣብ ኤርትራስ እዋን ራህዋ ድኣ ነበረ !!! እኽልን ትምህርትን ስራሕን ,ኣብ ኤርትራ ክፍለሃገር ዘይሰለጦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ኸይዱ ይህብትም ነበረ . ንኤርትራዊ ድማ ዝፈትዎ እምበር ዓይንኻ ይደፈን ዝብሎ ኣይነበረን. ከምቲ ሻለቃ ዳዊት ወልደግዮርጊስ ነቶም ትሕቲ መሬት ከይንእሰር ,ኣዋልድና ናይ ኮኔረላት ናይ ጾታ ባርያታት (sex slaves) ከይኮናን ኣብ ስሃራ ወድና ጓልና ብበደዊን ከይንዕመጽ ዝተኻላኸሉልና ወትሃደራት ደርጊ ሓወልቲ ክስርሓሎም ዝደለየ ካብኡ ብዘይውሕድ ዘፍቀረና ጃንሆይ ድማ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ኣይትንእሶን እብል ኣነ !!!

    • Wedi Hagher February 10, 2019

      ኣይተ ሲየ (aditekelezan)

      ሃይለስላሴ ኣነ መቦቆለይ ካብ ነገደ ይሁዳ እየ እሉ።
      እግዚኣቢሄር እዪ መሪጹኒ (ስዩመ እግዚኣቢሄር) በለ።
      እዞም “ቆማላት” ትግሬ ፥ እንተ ሞቲ እንታይ ከይጎድል እሉ፥ ኣብ ክንዲ ብጥሜት ዝሃልቅ ዘሎ ህዝቢ ፥ ንኣንበሳ ግቢ ምግቢ ዓዲሉ።
      ኤሪትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልየንን በለ። ቡዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ከም ዝቅተል ገበረ።
      እዚ ግናይ ፍጥረት ድዩ ጅግናኹም ?

      • aditekelezan February 11, 2019

        Wedi Hagher
        ንማንም ዘይትዝልፍ ምሃሪት መልሲ ጽሒፈልካ ኔረ , ግን politically correct ስለዘይኮነት ተደምሲሳ.ምናልባሽ ከምቶም ካርነሽም ለኪሞምና ዝጽሕፉ እንተትኸውን ኣይምተደምሰሰትን ኔራ !!! ግን ብተዛማዲ ሰሙን መመላእታ ይገብር ኣሰና ፍሉይ ሓሳብ ትቕበል ኣላ , ስለዚ ካብቲ ነቐፌታይ ምስጋናይ ይብዛሕ. ንስኻ እኳ ዓጋመ ዝጸርፍ ወይ ኣምሓሩ ዘቃልል ጽሑፍ እንተጽሓፍካ እውን ኣይድምሰስን እዩ. lucky you

  • Sol February 10, 2019

    The statue is provocative to the millions of Ethiopians who were marginalized, humiliated, starved and enslaved by the Amhra feudal rulers and AA where the statue is installed is under historical claim by Oromos to restore it to its original name Fenfeni and to Oromia region thus the fate of statue is to be demolished at the nearest chaos. Anti Eritrean entities like Mr many names are happy with event because still they are dreaming to be dogs of feudal Amhra rulers which is gone forever.

    • Danilo February 10, 2019

      Indeed brother SOL, it is upto the African union and people of Ethiopia which doesn’t concerns us but worry some because divided Ethiopia could have bad impact for the hole region. The undeniable fact will sure lead 3000 years to construct Ethiopia as integrated nation. ኢትዪጲያ፡ የብቡቱዋን መጣል ቢቻ ነው የቀራት።

Post a Reply to Sol Cancel Reply