Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ስደት ኤርትራውያንን፡ ምስ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ከተሓሕዞን ንኢሳያስ ካብ ገበናቱ ክከላኸለሉን ይህቅን ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምሕባእ፡ ካብ ተሓታትነትን ንምህዳምን ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን፡ ንሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራትን ከም ሃንደስቲ ጸገማት

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምሕባእ፡ ካብ ተሓታትነትን ንምህዳምን ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን፡ ንሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራትን ከም ሃንደስቲ ጸገማት ኤርትራ ኣምሲሉ ከሲሱን ካሕሳ ክውሃቦ ሓቲቱን።

 

ሚኒስተር ዑስማን ብ29 መስከረም ኣብ መበል 73 ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ዝተበየነ እገዳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙን ሰላም ሰፊኑን ብምህላዉ፡ ክለዓልን ብጠንቁ ዝወረደ ዕንወትን ዝተኸስረ ዕድላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካሕሳ ከምዝግብኦን ሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ንኣልሸባብ ብምሕጋዙን ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ሰራዊቱ ከውጽእ ብምሕንጋዱን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ኣሉታዊ ጽልዋ’ኳ እንተለዎ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ድኽነት፡ ስደትን፡ ብቀንዱ ኣዕናዊ ፖሊሲታትን ገበናትን ስርዓት ህግደፍ እምበር እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይኮነን።

 

ሚኒስተር ዑስማን፡ ካብ ክውንነትን መሰረታዊ ጉዳያትን ብምህውታት፡ እቲ ደቁን ንብረቱን ዝኸፈለ በዓል ጉዳይ ህዝብና፡  ብዛዕባ መሰሉ ክውስን ዕድል ከይተዋህበ፡ መላኺ ኢሳያስ ብቃሕታኡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም፡ ንዲፕሎማስያዊ መናውራ’ምበር ኣብ ምፍታሕ ህሉዊ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ኣይተራእየን። ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም፡ መዓልታዊ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ምህላዎም ድማ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ስለዘይነበረ ከምዘይኮነ ጭቡጥ መርትዖ’ዩ።

 

ብ2016፡ ስርዓት ህግደፍ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክኽሰስን ውሳኔ ሓሊፉ’ኳ እንተነበረ ግብራውነት ግን ኣይረኸበን። ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ፡ ብስም ምኽታም ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቅ ዘመተ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይጸባጸቦን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን’ዩ።

 

ስርዓት ህግደፍ ልዕሊ’ቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ተሃላሊኹ ኣብ ሶማል ዘካየዶ ወጠምጠምን ብዶብ ኣሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሳወሮ ኩናትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ገበን ከምዝዓቢ፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ብሓያላት ሃገራትን መሻርኽተን ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ድማ ብፍላይ፡ ይፍለጥ’ኳ እንተኾነ ኣብ ጥቅምታተን’የን ዝግደሳ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቀዩ ምህላዎም፡ ዓሰርተታ ኣሽሓት መንእሰያት ብዘይ ምኽንያት ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምቁራኖም፡ ብሰንኪ ጨካን ምሕደራ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ይስደድ ምህላዉ፡ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ድኽነትን ሰማይ ምዕራጉ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕግን ግሉጽነትን ከምዘየለ፡ ስርዓት ህግደፍ ክዛረበሉ ዘይደልዮ ምስጢራት’ዩ። ብኣጠቃላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነጺሉን ሓቢኡን የጽንቶን ይጭፍጭፎን ከምዘሎ ተገንዚብና፡ ኩልና ዜጋታት ብትብዓት ክንቃለስን ንዓለም ከነፍልጥን ንሕተት ኣለና።

 

እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ዝተበየነ እገዳ፡ ምኽልካል ሸመተ ኣጽዋር፡ ምድራት ጉዕዞ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ምድስካል ሃብቲ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዘተኮረ’ዩ። እቶም ንብረት ህዝቢ ኤርትራ መጅሪጦም ዝጋየጹ፡ ደቆም ኣብ ወጻኢ ዘምህሩን ንብረት ዘጥርዩን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንብረቶምን ገንዘቦምን ከይንቀሳቀስ እንተተኸልከሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይዓብሰሉን’ዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጥምዩ ካብ ግዳም ቢልዮናት ዶላር ዝዋጉኡ ኣጽዋር ከይገዝእ ምእጋዱ’ውን መንእሰያት ኤርትራ ንምህላቆም ካልኦት ሃገራት ህውከት ክጽሕትር ከተባብዖ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ረብሓ የብሉን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! October 3, 2018

    Osman Saleh , kurkur Issayas
    Anta dukhum kemzi kemakha wedi
    SAHO ab siltan kirikeb zehzn iyu .
    Etom ahwatka koraxat hagherawian
    kemzineberu kitfelt aloka . Nisu sile
    zikhone iyu dima hizbi SAHO nikhemzi kemakha zeyhibenulom .
    Kabti menAska hawkha zeytimehar .

    • Simon G. October 3, 2018

      Agree brother Ahmed.
      I am not sure what’s wrong with this guy. He has a BRAVE brother in around the Bay Area and he is the opposite of this guy. So sad to see this guy still advocating for the evil person in Adi Halo or it is in HAWASSA these days.

  • Sol October 3, 2018

    The situation of no war no peace and sanctions that were created due to the intentional blunders of DIA were used by him to destroy the pride and dignity of Eritrean people in order to pave the path to fulfill his dream on uniting Eritrea with his motherland Ethiopia.

  • Hidat October 4, 2018

    ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሓጉሶ ክልዓል ተተባህለ ዝፈርሕን ዝጉህን ሰብ ንሃገር ይሓልየላ እዩ ክትብሎ ይክኣል ዶ?

POST A COMMENT