Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስተር ፍትሒ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ: ኣብዛ ቅዋም ዘይብላን መሰል ሰብ ዝርገጸላን ኤርትራ: ስርዓተ ሕጊ ክነግስን ህዝቢ ጉዳያቱ ኣብ ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲ ከሳልጥን ከምዝግባእ ገሊጻ።

ስማዊ መዓርግ ሚኒስተር ፍትሒ ዘለዋ ፎዝያ ሃሽም: ኣብዛ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ምልካዊ ምሕደራን ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ቅጽል ስም ተዋሂብዋ ዘሎን ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ዘይብላን መሰል ሰብ ዝግሃሰላን ኤርትራ: ፍትሒ ክነግስን ህዝቢ ኣብ ኮማዊ አብያተ

ስማዊ መዓርግ ሚኒስተር ፍትሒ ዘለዋ ፎዝያ ሃሽም: ኣብዛ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ምልካዊ ምሕደራን ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ቅጽል ስም ተዋሂብዋ ዘሎን ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ዘይብላን መሰል ሰብ ዝግሃሰላን ኤርትራ: ፍትሒ ክነግስን ህዝቢ ኣብ ኮማዊ አብያተ ፍርዲ ጉዳያቱ ከሳልጥን ከምዘለዎ: ንተቀማጦ ኣስመራን ንኣባላት መበል 32 ሃገራዊ ኣገልገሎትን መግለጺ ሂባ።

ሚኒስተር ፎዝያ: ዕላማ ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሳታፍነት ህዝቢ ንምርግጋጽን ብቑዓት ፈታሕቲ ግርጭታትን ኣለይቲ ጉዳያትን ሸምገልቲ ንምምራጽ ምዃኑ ሓቢራ። ንሳ ብተወሳኺ: ነቶም ካብ ወለዶምን ማሙቅ ገዝኦምን ተነጺሎምን ካብ ስደት ተሪፎም ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ውትህድርና ተቆሪኖም ዘለዉን ተዓለምቲ: መንእሰያት ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ልዑል ተራ ክጻወቱን ብሞያ ክምዕብሉን ኣተሓሳሲባ።

ዘኽፋኣላን ዘጸብቀላን ዘይትፈልጥን ሕልና ዘይብላን ሚኒስተር ፎዝያ: ነቶም ፍትሒ ይንገስ: ቅዋማዊ መንግስቲ ይተኸል: ሃገራዊ ምርጫ ይካየድ: ህዝቢ ኤርትራ ወናንን ወሳንን ጉዳያቱ ከኸውን ስልጣን ይወሃቦ: ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ግዜ ይገበረሉ: ኢሎም ድምጾም ዘስምዑ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ብስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት: ፍትሒ ክረኽቡ ብሒም ኢላ ዘይተዛረበት: ብዛዕባ ምምስራት ኮማዊ ጉዳያት ምምዳራ ዘነውር’ዩ።

ሕብረተሰብ ኤርትራ: ባዕሉ ዘርቀቆን ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱን ዕለታዊ ንጥፈታቱን ዝመሓደረሉን ዝዳነየሉን ሕግታት’ኳ እንተነበሮ:  ስርዓት ህግደፍ  ዝዝውሮን ንስለያዊ  መዓላ ዝጥቀመሉን ኣሰራርሓ ብምተካእ: ነቲ ህዝብና ንዘመናት ዝግልገለሉ ዝነበረ ሕግታት ኣዕንይዎ ኢዩ። እዚ ሚኒስተር ፎዝያ ከም ጽቡቕ ባህልን ፈታሒ ጸገማትን ኣምሲላ ተቀናጅዎ ዘላ ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲ: ደያኑ ናይቲ ኣብያተ ፍርዲ ብኣማሓደርቲ ስለዝምረጹ: ስለዝእዘዙን ብቅዓት ስለዘይብሎምን: ኣብ ዝወሃብ ብይን ብዙሕ ጸገማት ከምዝፍጠርን ኣብ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ከምዝርአን: ኣብቲ ጉዳይ ፍልጠት ዘለዎም ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ 1997 ዝተነድፈን ኣብ ተግባር ክውዕል ዝነበሮን ቅዋም ኤርትራ: ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ድሌቱ ከይዕንድር ስለዝቆጻጸሮ: ኢሳያስ ቅዋም ዝብሃል የለን ሞይቱ ኢዩ ኢሉ ከምዘጎሓፎ ዝዝከር ኢየ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ብቅዋም ምምእዛዝን ስልጣንካ ንህዝቢ ምርካብን ንጉደኒ ገዲፍካ: ን27 ዓመታት ብዛዕባ ኣገዳስነት ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምዳር ድማ: ህዝቢ ንምድንጋርን ስልጣንካ ንምቅጻል ኣብ ጓል መንገዲ ግዜኻ ምሕላፍን ኢዩ።

ሚኒስተር ፎዝያ: ብዛዕባ ኣሰራርሓ ፍትሒ እንዶ ስለዘይብላን ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ካብ ዝህባ መደብ ወጻኢ: ብናጽነት ክትሰርሕ ዕድል ስለዘይውሃባን: ተግባሪት ሰንካም ፖሊሲታት መላኺ ኢሳያስ እምበር ተጣባቂት ፍትሒ ኣይኮነትን።

ሚኒስተር ፎዝያ: ከም ዓስቢ ጥልመታን እሺ ኢላ ንኢሳያስ ምምእዛዛን ድማ: መዘናታታን መሳርሕታን: ክእሰሩ: ካብ መዝነቶም ክባረሩ:  ክድስክሉ: ክስደዱን ካብ ሓደ ስራሕ ናብ ካልእ ሰራሕ ክከላበቱን እንከለው: ንሳ ግን ን25  ዓመታት ካብቲ ስማዊ ስልጣና ኣይተተንከፈትን።

ሚኒስተር ፍትሒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፎዝያ ሃሺም ንኮማዊ ቤትፍርዲ ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ እተካይዶ ዘላ ኣኼባታት፡ ምስ ምሕዳስ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ ዘሕደሮ ትጽቢት ብዘይምምልኡ ክቑጣዕ ጀሚሩ ንዘሎ ህዝቢ ኣጉል ናይ ለውጢ ስምዒት ብምሕዳር ንምዝሕሓሉ ዝግበር ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ዕላማ ዘለዎ ምንቅስቓስ ምዃኑ “ውን ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ርእሲ `ዚ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ቅዋም ኤርትራ ከይትግበር ኣጊዱ፡ ነጻ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ከይህሉ ዓንቂጹ፡ ዜጋታት ብዘይፍርዲ ዝእሰሩሉ ኣማኢት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣባዚሑ ኣብ ሃገርና ዘንገሶ ፋሉላዊ ምሕደራ ተኸቲሎም እቶም ከም መሳፍንቲ ኲናት (ዎር ሎርድስ) ኮይኖም ዝንቀሳቀሱ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን በብወግኖም ኣብ ዝኸፈቱዎ ኣባያተ ማእሰርቲ ህዝቢ እናሳቐዩ፡ ብዛዕባ ኮማዊ ፍርድን ሕግን ምዝራብ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ተገንዚቡዎ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነገስ እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ኹሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፈሪሱ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ሕጋዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Danilo October 26, 2018

    ወይ ስጊንጢር!!!
    ኮማዊ ማፍያ ምስፈጠርካ ወዳጄየ ሕጊ።ሕጊ እኮ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ እዩ ዝጥቀስ።ዓንቀጽ ዝህሉ ግን ዓንዲ ዓንቀጻት ” ቅዋም” ምስዝህሉ እዩ። ቁዋም የለን ሕጂ፡ጽባሕ ግን ክህሉ ግድን እዩ።ስለዚ ሶፊያ ጽባሕ የራኽበና።

    • Simon G. October 26, 2018

      Danilo,
      ኣይትሓዘላ ንፎዝያ (ልክዕ ከምቶ ካል ኦት ሚንስተራት)።
      ኣብዘይፈልጥዎ ፊልድ ‘ዮም ተመዲቦም (ተኣዚዞም ተበልኩ ሓይሽ)
      ፎዝያ: ሕጊ: ቅ ዋም: እንታይ ምኻኑ ኣይርደኣን።
      ተገላብጦሽ’ዩ ናይ ኤርትራ ነገር!

      • AHMED SALEH !!! October 29, 2018

        By the way , did she completed high school education before she joined
        revolution because Issaias prefers people with limited knowledge to follow
        his orders .
        As Simon put it , they are selected based solely on loyalty . To observe high school drop outs at higher government position had been our jungle politics
        reality show .
        lets face facts . How many percent of Eritrean cabinets hold Masters or Phd
        degrees ? Does the number of highly educated citizens inside our country has increased or decreased ?
        From educated personnel we can learn something but from unqualified
        official we can’t expect constructive outcome . Remember when Sebhat
        Efrem was appointed as healh minister in 1990’s .
        Can we blame yes men like him ? No we can’t . That is how they built haddas
        ERITREA the same way CHOGAR DANGA was preferred to lead military units .

        • Simon G. October 30, 2018

          Good to hear from you, brother Ahmed!
          I doubt it. This lunatic DIA wants to have surrounded by idiots or/and criminals.
          Your reference should be WuChu and the rest are +/- 1.

  • Wedi Hagher October 26, 2018

    She is a traitor like her Higdef comrades who are bleeding the country.
    She will face justice.

  • Hb October 27, 2018

    Fithi tewarida
    Here a soul searching test for Ms Sophia Hashim

    Can you look yourself up in the mirror and tell yourself three times that as a minister of Justice ‘I Sophia Hashim am fulfilling my duities and obligation and can go to bed with a clean concience. I can also look my children straight in the eye and tell them the same.’ You know dear Ms. Hashim I am certain you cannot muster the courage to say this unless you have completely sold your soul. So please do yourself and your country a favour_resign.

    Where there no Justice, to be a minister of Justice is not only a folly but also a crime.

    With all due respect

  • Sol October 27, 2018

    Dear HB, Fozya Hashim knows very well that there is no justice in the PFDJ system even for her to say no or to resign because if she do so, ElaEiro is her home.

  • k.tewolde October 27, 2018

    A picture is more than a thousand words,the audience looks like they are saying “are you kidding me!!!” tigrigna version,”tlagetsi diki zeleki!!!”

  • Hb October 27, 2018

    Dear Sol,
    I concur with your remarks, I was just
    .wondering how she felt everyday leaving her office knowing very well that people spend years on end underground without a day in the courts to defend themselves.
    Mind you she is the Minister of Justice!!!!!!

  • Sol October 27, 2018

    Dear HB, once some one whose name I forgot, wrote here in assenna about how DIA treats his generals and high rank officials giving examples of some events. The very strange story was of ልኡል ገ/ኣብ when she tried to reconcile between her husband Gn Tekhlay and G. Wuchu in his last days, the irony was when the news reached DIA he called ልኡል to his office adnmonished her saying who asked you to reconcile between them are you minister of reconciliation and he dissolved her for 9 months.

  • Wedi Hagher October 28, 2018

    Fozya Hashim and many like her, if they are left with some decency and bit of humanity, at least they should leave the country, instead of working for a enemy of the people.
    No amount of excuses can save them from facing justice. That may not be soon but it will happen.

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply