Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ንኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይኣትዉ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ብትሪ ተነቒፉ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከተማ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝወጽአ ሓድሽ ቅጥዒ፣ እቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም ዑቕባ ክሓቱ ዝፍቀደሎም ቆልዑ 12 ዓመት ወይ ትሕቲኡ፣ እሞ ድማ ሓደጋ ጾታዊ ምዝመዛ ዘንጸላልዎም ክኾኑ ኣለዎም።

ካብ 15 ዓመት ንታሕቲ እንተኾይኖም ከኣ ዜግነቶም ሱዳናውያንን ሶርያውያንን ክኾኑ ኣለዎም። ኣዝማዶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንተልዮሞም ግን፣ ብመሰረት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕጊ ምስ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን ‘ምበር ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ፣ ነቲ ብዕድመን ዜግነትን ዝፈላሊ ሓድሽ ቅጥዒ፣ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ምዃኑ ከምዘይተርፎ ብምጥቃስ፣ ብዜግነት ኮነ ዕድመ ኣድልዎ ክግበረሎም የብሉን ክብሉ ብቑጥዐ ተቓዊሞሞ።

ብፍላይ ነቶም ካብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ካብ ኵናትን ማእሰርትን ኣምሊጦም ዝመጽኡ ቆልዑ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀይዲ ክግበረሎም ግቡእ ከምዘይኮነ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT