Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሓመዶ ጋሳማ ዝተባህለ ማላዊ ስደተኛ፡ ኣብ ፓሪስ ብዘይመሳልል ናብ ራብዓይ ደረጃ ፐላሶ ብምሕኳር ሓደጋ ምጽዳፍ ኣንጸላልዩዎ ንዝነበረ ቆልዓ ብምድሓኑ፡ ብ ፕረዚደንት ፈረንሳ ናይ ጅግንነት ማዳልያ ክሽለም ከሎ፡ ብኡንብኡ ዜግነት ፈረንሳ ተዋሂቡ።

ማሓመዶ ጋሳማ ዝተባህለ ናብ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ወዲ 22 ዓመት ማላዊ ስደተኛ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ብዘይመሳልል ብቕጽበት ናብ ራብዓይ ደረጃ ፐላሶ ብምሕኳር ጫፍ መንደቕ ሒዙ ተንጠልጢሉ ናይ ዝነበረ ህይወት ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ካብ

ማሓመዶ ጋሳማ ዝተባህለ ናብ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ወዲ 22 ዓመት ማላዊ ስደተኛ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ብዘይመሳልል ብቕጽበት ናብ ራብዓይ ደረጃ ፐላሶ ብምሕኳር ጫፍ መንደቕ ሒዙ ተንጠልጢሉ ናይ ዝነበረ ህይወት ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ካብ ምጽዳፍ ብምድሓኑ፡ ናብ ቤተመንግስቲ ፈረንሳ ተዓዲሙ ብ ፕረዚደንት ፈረንሳ አማኑዌል ማክሮን ናይ ጅግንነት ማዳልያ ክሽለም ከሎ፡ ብኡንብኡ ዜግነት ፈረንሳ ተዋሂቡ። ኣብ መጥፋእቲ ሓዊ ፈረንሳ ናይ ስራሕ ዕድል ክኽፈተሉ ምዃኑ `ውን መብጽዓ ኣትዩሉ።

እቲ ትማሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተሃቢቡ መዛረቢ ኮይኑ ዝወዓለ፡ ብ ከንቲባ ፓሪስ፡ ናይ ፓሪስ `ስፓይደር ማን` ተባሂሉ ዝተመጎሰ መንእሰይ ማላዊ ስደተኛ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ከይሓሰበ ህይወት ናይቲ ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝነበረ ቆልዓ ንምድሓን ቅጽበታዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣገንዚቡ።

እቲ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ብ ሞባይል ቪድዮ ተሳኢሉ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ማሓመዶ ነቲ ቆልዓ ከድሕን ከሎ ዘርኢ ስእሊ ኣዝዩ ዘገርም ፍጥነትን ትብዓትን ናይቲ መንእሰይ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ በንጻር`ቲ ካብ ማሊ በቲ መዓት ወሪዱዎ ዘሎ ሃገረ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ኣቢሉ ኤውሮጳ ክኣቱ ኸሎ ዘጋጠሞ ዘይሰብኣዊነት፡ ዘርኣዮ ልቢ ህዝቢ ዓለም ዝመሰጠ ሰብኣውነት የጒልሕ።

እቲ ብጥልያን ኣቢሉ ናብ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዝኣቱ 6 ወርሒ ዝገበረ ኣብነታዊ መንእሰይ፡ ሓያለ ዝኾኑ በቲ ጉዳይ ዝተጨነቑ ጎረባብትን ሓለፍቲ መንገድን ዝገብሩዎ ጨኒቑዎም ዋጭዋጭ እናበሉ ከለዉ እዩ ብዘይ ዝኾነ መሳርሒ ነቲ ስጉምቲ ብቕጽበት ወሲዱ ነቲ ቆልዓ ኣድሒኑዎ።

እቲ ማሓመዶ ጋሳማ ዝዓየዮ ዓለም ዘዛረበ ጅግንነታዊ ስጉምቲ ኣብ ፈረንሳ ን ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዘተን ክትዕን ከምዘለዓዓለ ዘ ሎካል ዝተባህለ ጋዜጣ ካብ ፓሪስ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ኣባላት ፓርላማ ፈረንሳ ነቲ ንናይ `ቁጠባ`፡ ከምኡ `ውን ጉዳዮም ተቐባልነት ዘይረኸበ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ንምስጓጒ ዝእምም ኣሻማዊ ዓንቀጽ ኣመልኪቶም ኣብ ዝካትዑሉ ዘለዉ እዋን ዝተኸስተ ፍጻሜ፡ ነቶም ምስ ስደተኛታት ዝደናገጹ ፖለቲከኛታት፡ ` ስደተኛታት ንፈረንሳ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበርክቶ እዮም ዝገብሩላ` ኢሎም ነቶም ጽልኢ ስደተኛታት ዘለዎም የማናውያን ክማጎቱዎም ከለዉ፡ እቶም የማናውያን ብወገኖም፡ እቲ ናይ ማሓመዶ ጅግንነት፡ ነቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ቅልውላው ጉዳይ ስደተኛታት መሸፈኒ ክኸውን የብሉን ኢሎም ይከላኸሉ ኣለዉ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ናይቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዝኾነ ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር፡ ዋላ ኳ ማሓመዶ ጋሳማ ዜግነት ፈረንሳ ምቕባሉ እንተደገፈ፡ ኩሎም ካልኦት ስደተኛታት ብጅምላ ክስጎጉ ከምዘለዎም ምግላጹ እቲ ጋዜጣ ይጠቅስ።

በምሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና፡ እቲ ቆልዓ ካብ ሞት ኣድሒኑ ዝተሸለምን ዝተመጎሰን ኣብነታዊ መንእሰያት ስደተኛ መሓመዶ ጋሳማ፡ ካብ ኣፍሪቃዊት ሃገሩ ማሊ ቅድሚ ሓያለ እዋን ተበጊሱ፡ ብቡርኪና ፋሶ ናይጀርያ፡ ሊብያ ኣቢሉ ብዘይውሑሳት ጀላቡ በቲ ጽንኩር ናይ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምእታው ኣብ መስከረም 2017 እዩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፈረንሳ በጺሑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Degoli May 30, 2018

    What would Issaias and the worthless Jebha leaders would have had done?

    They would have armed Mohameda Gasama into a rudimentary “commando” camp and sent him to futile wars of Badme and Barentu as they did to many poor Eritrean highland peasants.

    Lucky for the heroic veritable and innocent Mohameda to have lived in the land of Liberte – France – but not in Eritrea, Saudi Arabia or Libya.

    • k.tewolde May 30, 2018

      Dog you loosing it,people don’t illegally enter adi halo,they haul ass every time they get a chance out of there,so this scenario doesn’t apply there.You need to get off this arabophobia funk.

      • Degoli May 30, 2018

        ya Kalid al-tewolde,
        Give him a break the Malian Mohameda is not an Arab “dog” like you nor did he claim he is an “Arab”, as many of you who just arrived across the Eritrean borders claim. As to your claim of “Arabphobia”, if the Arab Muslims were good, he would not have gone to France – the land of Liberte.
        Arab dog or “Abeed aswad Najis” as your Arab masters call you, clear your eyes now and tell me how the Arabs treat self-hating and language burning slaves and Abeeds such as Omar al Bashir and the worthless Jebha leaders with fossilized brains.
        If one does not respect who he is, his own languages, identity and millennial history, he lives in delusional hypocrisy all his life to become a copycat of his disrespectful masters.
        Dogs like you and the servant Jebha elites should have known long ago that an Arab comes to your house to belittle your languages, burn your identity, snatch your kidney, enslave your sister and sell you to slavery. Every Arab slave Abeed knows this fact, including Omar al Bashir and the bankrupt self haters and language burners. See them below bark to protect the honour of their masters. such is the fate of slaves who disown themselves.

  • AHMED SALEH !!! May 30, 2018

    Brother k.tewolde
    When we notice a person obsessed with anti-Moslems sentiment , Arabphobia
    and most all anti-Eritrean , we must suspect where he came from .
    Do we have to give such people any attention since they hate everyone outside
    their region ? I guess not . Tell him it is too bad to invite enemies .

POST A COMMENT