Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ካልኣይ ክፋል

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ካልኣይ ክፋል “ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!” (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ ጽሩይ

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ካልኣይ ክፋል

“ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!” (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ

ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ኢና ዘይብሉ ዓለቕቲ

 

ቀዳማይ ክፋል፣ ክሳብ ብስርዓት ፈደረሽን ዝነበረ ግዜ ብሕጽር ዝበለ ንምድህሳስ ዝፍትን’ዩ ኔሩ። ዝቕጽል ከኣ ብግዜ ጃንሆይን ብግዜ ደርግን ዝነበረ  ናይ ኤርትራ ታሪኻ ዝምልከት ኢዩ። ዝተጋገ ምእራምን፡ ዝጎደለ ምምላእን ከይንርስዕ ግን ሓደራ።

ኣጼ ሃይለስላሴ፣ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትዮጵያ፡ ስዩመ እግዚኣብሔር፡ ተባሂሎም ንዓመታት ኣብ ቤተክርስትያናት ይስበኸሎምን ይጽለየሎምን ስለ ዝነበረ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ከም ዘለዎምን ዝደፍሮም ምድራዊ ሓይሊ ከም ዘየለን’ዩ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝእመን ዝነበረ። ዝበዝሕ ህዝቢ፡ ጃንሆይ እንተዘየልዮም፡ ኢትዮጵያ የላን! ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ’ዩ ዝፍለጥ። ንመጀመርያ ግዜ ኢዩ ብ1953 ዓም ግእዝ፡ ንብራዚል ምስ ገሹ፡ ንጃንሆይን መንግስቶምን ዘንቀጥቀጠ ናዕቢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ። ለውጢ ከምጽእ ዝተላዕለ ጉጅለ ከኣ ብጅ/ል መንግስቱ ንዋይ፡ ናይ ክብር ዘበኛ ኣዛዚ ዝነበረ፡ ግርማሜ ሓዉን፡ ኮ/ል ወርቅነህ ገበየሁ ናይ ልዩ ኤታ ማጆር ሹም ናይ ደሕንነት ቤት/ጽ ሓላፊን፡ ዝምራሕ’ዩ ኔሩ። ጀ/ል መንግስቱ ንዋይን፡ ኮ/ል ወርቅነህን ብስርዓት ሃይለስላሴ ናብ ህዝቢ ብዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ይጭነቑ ስለ ዝነበሩ’ዮም ንስርዓት ሃይለስላሴ ክኣልዩ ዝተሰማምዑ። ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ዘማዕበለ ገርማሜ፡ ሓዉ ንጀነራል መንግስቱ ከኣ ሳልሳዮም ኔሩ። ኣቶ መኮነን ሃብተወልድ፡ ብናቶም ፍሉይ ስለላ መርበብ፡ ናይ ለውጢ ምልዕዓል ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ጃንሆይ ዝኣምንዎን  ንብራዚል ከገሹ ከለዉ ሓድራ  ኢሎሞ ዝኸዱን፡ ኮ/ል ወርቅነህ፡ ከጻርን ክከታተልን ይነገሩዎ። ወርቅነህ፡ ከም ዘይሰምዐ መሲሉ፡ ኣጻርዩ መልሲ ከም ዝህቦም ብምግላጽ ንስግኣቶም የፋኹሶ። ብምስዖም ስለ ዝሰምበደ ግን፡ እቲ ጉጅለ ምድላዋቱ ከይጻፈፈ፡ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክጅምር ዘተሓሳሰበ’ዩ ዝመስል። ከም መረዳእታ ዝጥቀስ ከኣ፡ 1) ናይ ኢትዮጵያ ጦር ሓይል ኤታ ማጆር ሹም ጀነራል መርዕድ መንገሻን፡ ናይ ምድር ጦር ኣዛዚ ጀነራል ከበደ ገብረን፡ ድጋፍ ከይረኸበ፡ ወይ ኣብ ቁጽጽር ከየውዓለ፣ 2) ካብቶም ናይቲ ስርዓት ቀንዲ ደገፍቲ ዝነበሩ ባላባቶች፡ ከምኡ’ውን ናይቶም ዝጽልዩሎም ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሓላፍትን ድጋፍ ከይረኸበን፡ ለውጢ ንምምጻእ ምፍታኑ፡ ንውድቀት ዝዕድም ገዚፍ ስሕትት’ዩ ዝብሉ ኔሮም። እቲ ጉጅለ ግን ወላ’ኳ ኣቶ መኮንን ሚስጢር እንተሰምዑ፡ እቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ጀሚሩ ዓወት ከመዝግብ እንተኽኢሉ ኩሉ ክትሓባበር’ዩ፡ ክድግፍ’ዩ፡ ብዝብል ግምትን ተስፋን፡ ከም ዝነበሮ’ዩ ዝንገር። መጀመሪያ ከኣ ንገለ ካብቶም ናይ ጃንሆይ ደገፍትን ለውጢ ክቃወሙን ይኽእሉ’ዮም ዝተባህሉን ሰብ ስልጣናት፣ ‘እቴገ ብጽኑዕ ስለ ዝሓመማ፡ ቀልጢፍኩም ናብ ቤተመንግስቲ ከም ትመጹ!’ እናበለ ጸዊዑ። ኣቶ መኮንን ሃብተወልድ፡ ራእሲ ኣበበ ኣረጋይን ካልኦትን ምስ መጹ ከኣ ኣሰሮሞም። ን ልዑል ኣልጋ ወራሽ፡ ‘ብሕጊ ዝግዛእ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ” ከም ዝመስረቱ ብራድዮ ኣዋጅ ንህዝቢ ከም ዘስምዑ ጌሩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ድምጾም ምስ ሰምዐ፡ ሰምቢዱ። ጀ/ል መንግስቱ ብፍላይ ነቶም፡ ‘ፍትሕ ጎደለ፡ ድኻ ተበደለ!’ እናበሉ ኣብ ቕድሚ ጃንሆይ ከይተረፈ ከም ዝዛረቡ ዝፍለጡ ራእሲ እምሩ ጸዊዑ፡ ዘካይዶ ዝነበረ ለውጢ ክድግፉ ሓቲቱዎም። ንሶም ከኣ፡ ‘ከጃንሆይ የተሻልክ መሆንክን ኣስረዳኝ! ኣሳምነኝ! ብማለት ከም ዝመለሱሉ ይንገር። ጀ/ል መርእድን ጀ/ል ከበደን፡ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ክፈለጡ ዝከኣሉ፡ እቶም ቤተሰቦም ንቤተ መንግስት ተጸዊዖም ዘይተመልሱ ስለ ዝነገሩዎም ኢዩ። ክልቲኦም ከኣ፡ ተቀላቲፎም ናይ ኣየር ሓይልን ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቡናትን ድጋፍ ረኺቦም፡ ኣንጻር’ቲ ንለውጢ ዝተላዕለ ጉጅለ ተላዒሎም። ንጃንሆይ ናዕቢ ከም ዝተላዕለ ምስ ነገሩዎም ከኣ፡ ነቲ ዝኣምኑዎን ሓደራ ኢሎሞ ዝገሹን፡ ‘ወርቅነህ ንገሩዎ!’ ከም ዝበሉ ይንገር።  ኣባል ናይቲ ናዕቢ ዘልዓለ ጉጅለ ምዃኑ ምስ ተነግሮም ከኣ፡ ‘ወርቅነህም ኣለበት!’ ከም ዝበሉ ይንገር። ጀ/ል መርእድን ጀ/ል ከበደን ንጀ/ል ኢሳያስ ገብረስላሴን ገለ ኣቡናትን ናብቲ ጉጅለ እናለኣኹ፡ ደም ካብ ምፍሳስ ዘድሕን ዕርቂ ንግበር!’ ይብሉ ኔሮም። ካብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ጦር ሰራዊት ንኣዲስ ኣበባ ንምእካብ ዝኣክል ግዜ ምስ ረኸቡን ዘተኣማምን ሓይሊ ምስ ኣከቡን ግን፡ ንናይ ክብር ዘበኛ ቤት/ጽሕፈት ብኣይሮፕላን ኣዕንዮም። መሪር ኩናት ተጀሚሩ። ናይ ክብር ዘበኛ ሰራዊት ብቁጽሪ ዝወሓደ’ኳ እንተነበረ ዝሓሸ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮን ዘመናዊ ቅዲ ኩናት ስለ ዝተማህረን፡ ንቁሩብ መዓልታት ዝድነቑ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ይፍለጥ። ሓይሊ ሚዛን ናብቲ ብዝሒ ዘለዎ ሓይሊ ምስ ዘምበለ ግን፡ ነቶም ተጸዊዖም ተታሒዞም ዝነበሩ ሰብ ስልጣን፡ ‘ወላ እንተዘይተዓወትና ነዞም ንኢትዮጵያ ህዝቢ ሕማም ዝኾኑ ተኣሲሮም ዘለዉ ክንኣልየሉ ኣለና!’ ብማለት ረሺኖሞም። ብህይወት ዝተርፉ፡ ናይ ኤርትራ እንደራሴ ዝነበሩ ራስ ኣንዳርጋቸው መሳይ ከኣ፡ ‘ምስቶም ዝተቐትሉ ሓቢረ ውድቕ ኢለ ተሪፈ!’ ክብሉ ብራድዮ ክዛረቡ ዝሰምዐ ህዝቢ መዛረቢ ጌሩዎም ቀንዩ። ሰራዊት ክብር ዘበኛ ምስ ተሳዕረ ከኣ ኣባላት’ቲ ጉጅለ ተበታቲኖም፡ ዝመውትን ዝማረኽን ኮይኖም። ጀ/ል መንግስቱ ሓደ ዓይኑ ዓዊሩ ተታሒዙ ንሞት ተፈሪዱ። ይግባይ ክብል ምስ ተሓተ ግን፡ ‘ይግባይ ዝሰምዕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ እንተዝኸውን ይግባይ ምበልኩ! ናብ ጃንሆይ  ግን ይግባይ ኣይብልን!’ ስለ ዝበለ ኣብ ተክለሃይማኖት ኣደባባይ ተሰቒሉ። ጃንሆይ፡ ካብ ዝገሽዎ ብራዚል ምስ ተመልሱ፡ ንኣዲስ ኣበባ ምእታው ስለ ዝሰግኡ ነስመራ ኣትዮም። ናይ ኤርትራ እንድራሴን ዝነበሩ ሰብኣይ ጓሎም ጀ/ል ዓቢ ኣበበ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሎሞም። ካብ 1953 ግእዝ ጀሚሩ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መንፈስ በብዓመቱ ይዓብን ይምዕብልን ኔሩ።

ድሕሪ 13 ዓመት፡ ብ1966 ግእዝ (ብ1974) ብመምህራንን፡ ናይ በንዚን ዋጋ ብውሳኹ ዝቃወሙ ሰብ ታክስን’ዩ ብወርሒ ለካቲት ህዝባዊ ናዕቢ ክልዓል ዝጀመረ። ጃንሆይ፡ ናብ ስልጣኖም ዝመጣጠር መሲሉ ስለ ዘይተራእዮምን ከህድኡዎ ዝኽእሉ ስለ ዝመሰሎምን፡ ብዙሕ ንስልጣኖም ዘዳኽም ተግባራት ይፍጽሙ ኔሮም። ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ክመርሕ ዝኽእል ዝተጠርነፈ ሓይሊ ስለ ዘይነበረ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ምስሕሓብ ኔሩ። ካብ ወርሒ ሰነ ንድሓር ግን ካብ ክፍልታት ተመሪጾም ዝተወከሉ 122 ዝኾኑ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣራተኛ ክፍለ ጦር ተኣኪቦም። ነቲ ናይ ዘረባ ክእለት ዝነበሮ ኮ/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ከም 1ይ ም/ሊ/ መንበር፡ ኮ/ኣጥናፉ ኣባተ ከም 2ይ ም/ሊ/መ መሪጾም ‘ደርግ’ ብዝብል ስም ስልጣን ሒዞም። ኮ/ል መንግስቱ፡ ከምታ ናይ ግብጺ ኮ/ል ዓብደል ናስር ንውሩይ ዝነበረ ጀነራል ናጊብ ከም ጽላል ተጠቂሙ ስልጣን ዝሓዘ፡ ደርግ’ውን ነቲ ብወተሃድራት ስሙ ገኒኑ ዝነበረ፡ ጀ/ል ኣማን ዓንዶም ሊቀ መንበር ናይ ደርግ ክኸውን መሪጹ። ኮ/ል መንግስቱ ስልጣኑ ምሰዘደላደለ’ዩ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ። ደጊያት ከበደ ተሰማ ዝብሃሉ ናይ ቤተ መንግስቲ ሚኒስትር ዝነበሩን፡ ምስጢር ቤተመንግስትን ንጉስ ሃይለስላሴ ዝፈልጡን ምኽሪ እናተቐበለ፡ ነቲ ናይ ለውጢ ማእበል ብብልሓት ክመርሖ ከም ዝኸኣለ’ዩ ዝንገር። ጃንሆይ ነብሶም ዝፈትውን ብስልጣኖም ዝምክሑን ከም ዝኾኑ ደጊያት ከበደ ስለ ዝፈልጡን፡ ንኮ/ል መንግስቱ ነቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብጥንቃቐ ክመርሖ ይመኽሩዎ ስለ ዝነበሩ ይዕወት ከም ዝነበረ’ዩ ዝንገር። ካብቲ ዋና ስልጣን ክሕዙ ዝኸኣለ ብልሓት ከኣ፡ ኮ/ል መንግስቱ ዝመርሖም ናይ ደርግ ኣባላት ናብ ጃንሆይ ቀሪቦም፡ ‘ንሕና ከምታ ቀድም ዝመሓልያ! ንኣኹምን ንዙፋኩምን ተኣመንቲ ኢና! ነዞም ብስምኩም ተጥቂሞም ህዝቢ ዝብድሉን ዝዘርፉን ዝነበሩ ብምቅዋም ኢና ተላዒልና!’ እናበሉ ንጃንሆይ ከእሞኑዎም ስለ ዝኸኣሉ፡ ካብ ደርግ ኣባላት ዝቐርበሎም ዝነበረ ሕቶታት ተቐቢሎም፡ ነቶም ባዕሎም ሸይመሞም ዝነበሩ ሰብ ስልጣን በብሓደ፡ ‘ድሓን ኣይትፍርሁ፡ ኢድኩም ሃቡ፡ ኣብቲ ለውጢ ባዕልና ኣለናዮ፡ ዘስግእ የብልኩምን፡ እዚ ምልዕዓል ንኣናን መንግስትናን ዘስግእ ኣይኰነን፡’ እናበሉ ደገፍቶም ብዘይ ተቓውሞ ኢዶም ከም ዝህቡን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉን ጌሮሞም። ልዑል ኣስራተ ካሳ ካብ ዝነብርሉ ፊቸ ከተማ፡ ብወተሃደራት ደርግ ክውሰዱ ከለው፡ ኣዲኦም፡ ‘ሂድ እንጂ ብቻህን! ብቻህን በልተሃላ! ብቻህን ባትበላ ኖሮ! ዛሬ ኣንተ ታስረህ! የሰላለ ህዝብ ተኝቶ ኣያድርም ነበር!’ ከም ዝበልኦም ይንገር። ጃንሆይ፡ ስብ ስልጣን ዝነበሩ ምስ ተኣስሩን በይኖም ምስ ተረፉን፡ ንኣራተኛ ክፍለ ጦር ተወሲዶም። ቅድሚ ምውሳዶም ዝነበረ ምሸት፣ ብዲንብልቢ ዝብሃል እንግሊዛዊ ጋዚጠኛ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ህዝቢ ወሎ ብጥሜት ክኹስተር ከሎ ብዝርዝር ዘርኢ፡ ምስኡ ብምብርራይን ምቅንብባርን ከኣ ጃንሆይ ኣብ መበል ሰማንያ ዓመት ልደት በዓሎም ነኽላባቶም ስጋ ክቕልቡ ከለዉ፡ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጸሙዎን ግፍዕን፡ ዝዘረፉዎ ሃብትን ዘርእዩ ቢድዮታት ህዝቢ ከም ዝርእዮ ጌሮም። ንጽባሒቱ ነቲ ቪድዮ ክርኢ ዝሓደረን ዝሓረቐን ህዝቢ፡ ናብ ቤተመንግስቲ ብምኻድ፡ ጃንሆይ ብኮ/ል ዳናኤል ትዝወር ንእሽቶ ቮልስዋገን ክወሰዱ ከለዉ፣ ብዙሕ ህዝቢ፡ ጎኑ ጎኒ’ታ ቮልስ እናጎየየ፡ ‘ሌባ! ሌባ!’ ዝብል ድምጺ የስምዕ ኔሩ። ጃንሆይ፡ ‘እንታይ ይብል ኣሎ’ዚ ህዝቢ?’ ኢሎም ምስ ሓተቱ ከኣ፣ ‘ሌባ ሌባ ይብል ኣሎ፡’ ዝብል መልሲ ይሰምዑ። ‘ምን ይበል ንጉሱ ሰርቃቹ ስትወስዱበት!’  ከም ዝበሉ ይንገር።  መስከረም 1967 ዓም ግእዝ፡ ጃንሆይ ካብ ስልጣን ወሪዶም ዝብል ዜና ብራዲዮ ምስ ተሰምዐ፡ ኣቶ ጸጋይ ኢያሱ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ጠበቓ፡ ‘ነዞም ኤርትራ መሬታ እምብር ህዝባ ኣየድልየናን! ዝበሉ ንጉስ ምግልባጥኩም እንቋዕ ደስ በለኩም!’ ዝብል ተለግራም ናብ ደርግ ከም ዘመሓላለፈ ብኢትዮጵያ ራድዮ ተሰሚዑ። ደርግ፡ ንጃንሆይ ንዓመታት ካብ ህዝቢ ዝዘረፉዎ ብሚልዮን ዝቑጸር ኣብ ወጻኢ ሃገር ባንክታት ዘቐመጥዎ ገንዘብ ክመልሱ፡ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ክሕብሩ ምስ ሓቲቱ ግን ኣቕቢጾም። እንደ ማንም ሰው ለልጆቻችን ኣውርሰናል! ኢሎም  ይብሃል። ሓደ መዓልቲ ከኣ ደርግ፡ ጃንሆይ ሓሚሞም መይቶም ዝብል መግለጺ ዘርጊሑ። መቓብሮም ግን ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ፡ ደርግ ምስ ወደቐ፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ኮ/ል መንግስቱ ካብ ዓሚቕ ቦታ ተፋሒሩ ተረኺቡ ተባሂሉ። ዓጽሞ ከኣ ተኣርዩ ቤተሰቦም ከም ዝወሰዱዎ ይስማዕ።

ናይ ቢቢሲ (BBC) ጋዜጠኛታት፡ ናይ ሃይለስላሴ ካብ ስልጣን ምውራድ ጠንቁ፡ ናይ ስርዓት ፈደረሽን ምፍራስ ኢዩ፡  ኮ/ል መንግስቱ ሃ/ማርያም እውን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣይክእል’ዩ! ዝብል መግለጺ ከም ዘውጽኡ ዝዝከር ኢዩ። ደርግ ግን ነዚ መግለጺ ዝግብኦ ሚዛን ዝሃቦ ኣይመስልን። ድርግ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ብዛዕባ ምሕደራ ከም ዘይፈልጥ ብምግንዛብን ካብ ጌጋ ንምድሓንን ሃገር ብኸመይ ትመሓደር? ዝብል ሕቶ ናብ ህዝብን ምሁራትን ጻዊዒት የቕርብ ኔሩ። ካብ 14 ክፍላተ ሃገራትን፡ ካብ ሚኒስትር መ/ቤታትን ሓደ ሓደ፡ ናይ ምምሕዳር ክእለት ዘለዎም ከም ዝምረጹ ጌሩ። ካብ ኤርትራ ተመሪጾም ዝተወከሉ ዶ/ር ኢዮብ ተኽሉ ኔሮም። ካብ ካልእ ሚኒስትር መ/ቤትታት ዝተመርጹን ዝተወከሉን ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያን’ውን ኔሮም። በዞም 50 ዝኾኑ ዝተመርጹን ዝተወከሉን ኣማኸርቲ ሓገዝ’ዩ ደርግ ብዛዕባ ምምሕዳር ሃገር ክምሃርን ክመርሕን  ዝጀመረ። ኣብ መጀመርያ ከኣ፡ መሰል ህዝቢ ንምኽባርን፡ ብሰላማዊ መገዲ ንህዝቢ ካብ ፊውዳላዊ ጭቅና ናጻ ንምውጻእን ከም ዝተላዕለ’ዩ ዝገልጽ ኔሩ። “ያለ ምንም ደም ኢትዮጵያ ትቅደም!” ዝብል ጭርሆ የስምዕ ኔሩ። ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ተማሂርና ዝብሉ ካብ ሩሲያን ቻይናን ከም ኣማኸርቲ ምስ መጹ ግን፡ ‘በሶሺያሊዝም ወይ ሕብረተሰባዊነት ስነ-ሓሳብ ፡ ያለ ምንም ደም የሚባል ለውጥ የለም፡ ኣቋማችሁን ኣስተካክሉ፡ ኣቤቱን ልትቀለብሱ ነው እንዴ!’ እናበሉ ንደርግ ኣባላት ወግሐ-ጸብሐ ይደፋፍኡዎ ኔሮም። ኢሃፓ፡ መኤሶን፡ ማለሪድ፡ ሰደድ፡ ኢጭኣት ብዝብል ስም ዝፍለጣ ዋህዮታት ዝተፈላለየ ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ብምግላጽ ይኸፋፍሉዎም ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ካብኡ ንድሓር ደርግ፡ ደም ሰብ ምፍሳስ ናተይ ኢሉ ተተሓዙዎ። ብወርሒ ሕዳር 1974 (1967 ግእዝ)  ጀነራል ኣማን ዓንዶም፡ ኮሞዶር እስክንድር ደስታ፡ ክልተ ጠቅላይ ሚኒስትራት ዝነበሩን (ኣክሊሉን እንዳልካቸውን)፡ ሚኒስትራትን ጀነራል ዓቢይ ኣበበ፡ ዶ/ር ተስፋይ ገብረዝጊ፡ ናይ ደሕንነት ሓላፊ ዝነበረ ኮ/ል ሰለሞን ከድርን ካልኦትን ዝርከቡዎም ስልሳ ሰበ ስልጣን ዝነበሩ ብዘይ ፍርዲ ብሓንቲ ለይቲ ረሺኑ። ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣለም በቃኝ ኣብ ሓደ ጋህሲ ደርቢዩዎም። ኣብ ልዕሊ ሬስኦም ዝፈልሐ ኖራ ከም ዘፍሰሱሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ድሕሪኡ ደርግ ንጀ/ል ተፈሪ በንቲ ከም ሊቀ መንበር መሪጹ። መንግስቲ ብሶሺያሊዝም ወይ ሕብረሰባዊነት ስነ ሓሳብ ከም ዝምራሕ ኣፍሊጡ። ጠቅላይ ግዛት ዝብል ቃላት፡ ከም ‘መግዛእቲ’ ስለ ዘስምዕ፡ ብ ኣስተዳደር ተኪኡ። ብ25 ለካቲት 1967 ግእዝ “መሬት ለኣራሹ!” ኣዋጅ ኣውጺኡ። እዚ ኣዋጅ ብባላባት ዝውነን ዝነበረ መሬት፡ ነቲ መሬት ዘይነበሮን ካብ ሕርሻ እቶቱ ዳርጋ ፍርቂ  ክህብ ዝግደድ ዝነበረን ‘ጭሰኛ’ ሓረስታይ ክኸውን፡ ካብ ፍረ ጻምኡ ዝኾነ እቶት፡ ንባላባት ካብ ምሃብ ናጻ ኮይኑ ንባዕሉ ክተጠቀመሉ፡ ኣብ መንጎ ባላባትን ጭሰኛን ዝነበረ ርክብ ከም ዝተቋረጸ፡ ሕነ ምፍድዳይ ኩልኩል ምዃኑን ዝገልጽ ኔሩ።

ደርግ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝኻየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበሩ ሰብ ስልጣን ንጥቕሞም ክብሉ ስለ ዘናዋሕዎ’ዩ ክቅጽል ዝጸንሐ ፡ ሕጂ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ነዞም ውሑዳት ‘ወንበዴዎች ‘ለኣንዴና ለመጨረሻ ግዜ!’ ክድምስሶም ኢና! እናበለ ይፍክር ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ጀ/ል ኣማን ግን፡ እዚ ብሓይሊ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ብምልዛብ ብሰላም ምፍታሕ’ዩ ዘድሊ! ዝብል ሓሳብ ሒዙ፡ ንህዝብና ንምግላጽ ኣብ ኤርትራ ኡደት ከም ዘካየድን ዝጸዓረን ዝፍለጥ ኢዩ። ደርግ ግን ንጻዕሩ ዘዳኽም ተግባራት ካብ ምፍጻም ኣየዕረፈን። ኣቶ ኣማኑኤል ዓምደሚካኤል ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ህዝቢ ምስ ደቁ ተራኺቡ ንተጋደልትን መንግስትን ከትዓርቕን ፍታሕ ከምጽእን ብማለት፡ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ንዓዲ ገብራይ ክኸይድ ተፈቒዱሉ። ምስ ተጋደልቲ ውዒሉ ክምለስ ከሎ ግን፡ ‘ተጋደልቲ ሕድሕድ ኩናት ደው ኣቢሎም፡ ተዓሪቖም ፡ኣንጻር መንግስቲ ክገጥሙ’ዩ ክገብር ውዒሉ! ብዝብል ምኽንያት ወተሃደራት መትረየሳት ጸሚዶም ክኹስትሩዎ ይጽበዩ ኔሮም። ኣቶ ኣማኑኤል ነዚ ጉድ ምስ ፈለጠ ግን፡ ንጀ/ል ኣማን ደዊሉ፡ ህዝቢ ከድሕን ስለ ዝተማሕጸኖ፡ ብፍሉይ ኣይሮፕላ ነስመራ መጺኡ ከድሕኖ ከም ዝኸኣለ’ዩ ዝንገር። ካብዚ እዋን’ዚ ጀሚሩ ደርግ፡ ጀ/ል ኣማን ጉዳይ ኤርትራ፡ ከይንፈትሕ ምስራሕ ከሊኡና፡ ዝብል ጎስጓስ የካይድ ኔሩ። ምስቶም ስልሳ ምስ  ቀንጸልዎ ከኣ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብሰላም ምፍታሕ ዝብል ሓሳብ ማህሚኑ ተሪፉ። ደርግ ግን ናይ ሰላም ዕማመ ዝብል መናውራ ካብ ምምሃዝ ኣየቋረጸን። ጀ/ል ተፈሪ በንቲ ሊቀ መንበር ኮይኑ ምስ ተባህለ’ውን ኮ/ል መንግስቱ ንካልኦት ከየማኸረ ናይ ሞትን ህይወት ውሳኔ ይህብ ኔሩ። በዚ ዝተቖጥዑ ብዓል ሻምበል ኣለማየሁ ሃይለ፡ ሻምበል ሞጎስ ወ/ሚካኤልን ዝርከቡዎም ናይ ደርግ ኣባላት፡ መንግስቱ ውልቀ-መላኺ ይኸውን ኣሎ! ስልጣን ደርግ ብሒቱዎ! ብዝብል ስልጣኑ ውሱን ክኸውን ፈቲኖም  ኔሮም። ሓደ መዓልቲ ግን ኣድብዩ ጸኒሑ፡ ኣብ ኣኼባ ከለዉ፡ ንጀ/ል ተፈሪ ከይተረፈ ቀዲሙ ኣጥፊኡዎም። ‘ለምሳ ያሰቡንን ለቁርስ ኣደረግናቸው!’ ብማለት ኣብ ኣብዮት ኣድባባይ ንህዝቢ መደረ ኣስሚዑ። ምስ ኣምሳ ኣለቃ ለገሰ ኣስፋው ኮይኑ ብኢሰፓን ሜሶንን ዝፍነኖ ዝነበረ ‘ነጭ ሽብር!’ ‘ብቀይ ሽብር!’ ንምድምሳስ ብዝብል ጉልባት፡ ንኽንደይ ተመሃሮን መንእሰያትን ኣብ ጽርግያታት ኣዲስ ኣበባ ዘርጊሑ። ካብኡ ንድሓር ኮ/ል መንግስቱ ክሳብ መወዳእታ ዕድመ ስልጣኑ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ቀጺሉ። ብዘይካ ሻለቃ ሲሳይ ሃብተ ከህድኦ ዝፍትን ደርግ ኣባል’ውን ኣይነበረን። ምስ ቀንጸሎ ከኣ ያዕ ዝብሎ ዘይብሉ ፈለል ከይዱ። ብሕግን ብጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ንምግላጽ፡ የኢሰፓ የሰራተኞች ኣደራጅ ኮሚሽን (ኢሰፓኣኮ)፡ ቀጺሉ የኢትዮጵያ ሰራተኞች ፓርቲ (ኢሰፓ) መስሪቱ። ካብኡ ንድሓር ‘ጓድ መንግስቱ’ ኮይኑ መለለይኡ። ኣብ ኣብዮት ኣደባባይ ናይ ዓስራይ ዓመት ብዓል ንምኽባር ሰፊሕ ምድላዋት ጌሩ። ብዓለም ደረጃ ከይተረፈ ዝድነቕ እግዚብሽን ክዳሎ ምስ ወሰነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ክፍጽምን ከብጽሕን ዝኽእል ንፉዕ ሰብ ድለዩ ይብል። ሓደ ኤርትራዊ ኣሎ ኢሎም ይጽውዑሉ። ጓድ መንግስቱ ብዛዕብ’ቲ ስራሕን ክፍጸም ዘለዎ ናይ ግዜ ሰለዳን ይገልጸሉ። ዘድልየካ ሓገዝ ሕተት፡ ግን ነቲ ብዓል ከም ዝበጽሕ ግበር፡ ይብሎ። ግዲ የለን ከውድኦ እኽእል’የ! ብማለት ምስ ገለጸ ከኣ ስራሕ ይጅምር። ኤግዚብሽን ዝዳለወሉ ቦታ ትግርኛ ዝዛረቡ ሰራሕተኛታት ጥራይ ይመልእ። ቀልጥፍ፡ ጉየ፡ ስሓቦ፡ ጉተቶ፡ ወዘተ ይስማዕ። ናይ ድሕንነት ሓለፍቲ ሻዕቢያ ኣብ ማእከልና ኣትዮም! እናበሉ ይጭነቑ። ንጓድ መንግስቱ ክነግሩ ግን ኣይደፈሩን። ጓድ መንግስቱ ኣብ ሰሙን እቲ ስራሕ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሕን ይሰምዕ ይዓግብን ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ጓድ መንግስቱ፡ ‘ትግሬ!’ ትግርኛ ዝዛረብ) ብቻ ነው የምትቀጥረው ኣሉ!’ ይብሎ። ንሱ ከኣ፡ ‘ጓድ መንግስቱ፡ ስራው ተሎ እንዲደርስ ኣላሉም? እኔ የሚሰራ ሰብ ነው የምፈልገው! የሚሰራ ዘመድ ኣለዎት! ብማለት ምስ መለሰ ከኣ ብዙሕ ስሒቑ። ነቶም ድሕንነት ከኣ፡ ‘እንዳትነኩት! የሚያጠፉንም የሚያለሙንም እነሱ ናቸው!’ ከም ዝበለ ይንገር። ምስቲ ንፉዕ ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ከኣ ተመሳጊኖም ተፈላልዮም። ደርግ ብፍላይ ናይ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኣዛዚ ዝነበረ ጀነራል ጌታቸው ናደው፡ ዝኣክል ዕጥቅን ስንቅን እንተረኺበ፡ ‘ብሓይሊ ከምበርክኾም ይኽእል’የ! ይብል ስለ ዝነበረ ዝኣክል ዕጥቅን ስንቅን ምስ ተዋህቦ ከኣ፡ ወሰን ኢሉ ህዝቢ ምጥፋእ ተተሓሒዙዎ። ንህዝቢ ካብቲ ሓሪሱ፡ ጓሲዩ ዝናበረሉ መሬት ዓዱ ክግዕዝ ፡ ናብ ሓደ ዝተወሰነሉ ዓዲ ክእከብ የገደድ ኔሩ። ህዝቢ ከኣ፣ ‘ዝገበርኩም ግበሩ’ምበር ሎሚ ጠለ- በጊዕን ከብትን ከብኩብና፡ ኣይንስደድ! ዓድና ኣይለቅቕን! ስለ ዝበለ ትእዛዝ ኣየኽበርኩምን ብዝብል ምኽንያት ንብዙሓት ዓድታት የንድድ ኔሩ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ግፍዕታት ፈጺሙ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ግፍዕታት፡ ብሓደ ኮሎኔል ዝምራሕ ጦር ሰራዊት ኣብ ጎምሆት ጥቓ ዓይለት ዝተፈጸመ ግፍዒ ኢዩ። ዓድታት  ኣንዲዱ። ክሃድም ዝኸኣለ ሃዲሙ፡ ክሃድም ዘይከኣለ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከኣ ኣብ ጽርጊያ ደማስ ተሰጢሑ ክውዕል ክሓድር ተገዲዱ። ህዝቢ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣውራጃ ኣማሓዳሪ ዝነበሩ ቀኛማች ሚካኤል ሓሰማ ኣእውዩ። ብቑልጡፍ ንደማስ መጺኦም ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኣዘራሪቦም። ህዝቢ ከኣ ዝወረዶ መዓት ጥራይ ዘይኮነ 22 ዝኾኑ ኣቦዋት ከም ዝተጨውዩን ሃለዋቶም ክፈልጥ ከም ዘይከኣለን ገሊጹ። ምስ ህዝቢ እናተዘራረቡ ከለዉ እቲ ኮሎኔል መጺኡ፣ ‘እንታይ ክትገብር መጺእካ! ካብ ሎሚ ንድሓር ኣብዚኣ እንተመጺእካ! ወይልኻ!’ እናበለ ክጥህሮም ምስ ቀረበ ንባጽዕ ክምለሱ ተገዲዶም። ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሽማግለታት ብለይቲ ለይቲ ደልዮም፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፣ ተሓሪዶም፡ ኣብ ሩባ ብሑጻ ተደፊኖም፡ ከም ዝረኸቡዎምን ከም ዝቐበሩዎምን ይንገር። ኣብ ዑናን ካልኦት ዓድታትን ዝተፈጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ብዝፈልጡዎ ዝተገልጸን ዝግለጽ ዘሎን ሓቂ ኢዩ። እዚ ኩሉ ግፍዒ ግን ህዝብና ሽግሩ ጸላእቱ ብምጉሓፍ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ኣሚኑ ብዝሓየለ ቃልሱ ክቕጽል ዝደፍኦን፡ ብሓይሊ ዝምብርኸ ህዝቢ ከም ዘይኮነን ዘረጋግጽ ኢዩ ኔሩ። ሻለቃ ዳዊት ወ/ጊዮርጊስ  ናይ ኢሰፓኣኮ ላዕላዋይ ተወካልን ኣምሓዳርን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ብምልዛብ ፍታሕ ንምርካብ ፈቲኑ ኣይሰለጦን። በደርግ ኣባል ብርሃኑ ባየህ ዝምራሕ ጉጅለ ከኣ ካብ 300 ዘይውሕዱ ሽማግለታት ብምእካብ ፍታሕ ከናድዩ ጽዒሩ ግን ኣይሰለጦን። ካብ ኣየር ሓይል ኢትዮጵያ ተወኪሉ ኣባል ደርግ ዝነበረ፡ ሻለቃ ሲሳይ ሃብተ ነስመራ ከይዱ ምስ ጀነራል ጌታቸው ምስ ተማኸሩ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ምፍታሕ ዝከኣል ብሓይሊ ዘይኮነስ ምስ ተጋደልቲ ብምርኻብን ብምስምማዕን ኢዩ!  ብዝብል ሓሳብ ከም ዝተሰማምዑን፡ ምስኦም ዝነበረ ንናይ ኦሮሞ ህዝቢ ናጽነት ዝቃለስ ፓርቲ ሓላፊ ዝነበረ ሃይለ ፊዳ፡ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ብሰላም ክንፈጥሖ ብዝብል ጉልባብ፡ ምስ ሲ፡ ኣይ፡ አ፡ ተሰማሚዖም፡ መንግስቲ  ክግልብጡ ይሓስቡ ኣለዉ! ብማለት  ንኮ/ል መንግስቱ፡ ስለ ዘእመኖ፡ ክልቲኦም መንግስቲ ክትግልብጡ ሓሲብኩም ተባሂሎም ጠፊኦም። ብፍላይ ጀነራል ጌታቸው፡ ‘ንተጋደልቲ ብሓይሊ ከምበርክኾም’የ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብሓይሊ ክፈጥሖ’የ! ስለ ዝበልካን ዝኣመናካን፡ ዝሓተትካዮ ዕጥቅን ስንቅን ሂብናካ። ሕጂ ብኸመይ ሓሳብካ ለዊጥካ! ዝብል ክሲ ተወሲኹዎ ኣብ ገዝኡ ተኸቢቡ፡ ኣብ ቅድሚ ስድራኡ ከም ዝተቐትለ ኢዩ ዝፍለጥ። ብዝተፈላለ ግዜ’ውን ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብስምምዕ ምውዳእ ይሓይሽ ብዝብል ሓሳብ ትሽዓተ ነጥቢ ዝሓዘ (Nine Point Statement on Eritrea) ናይ ሰላም ዕማመ ብምውጻእ፡ ነዚ ዘተግብር ኮሚሽነርን ክልተ ም/ ኮሚሽነራታን ሰይሙ። ንመ/መቶ ኣለቃ ግርማ ወ/ጊዮርጊስ (ድሒሮም ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ዝኾኑ) ዋና ኮሚሽነር፡ ዶ/ር ገብረትንሳኤ ሓጎስ ኣብ ኣስመራ ዝተቐጸለ፡ መ/ኣለቃ በርሀ ሃብተጊዮርጊስን (ዶ/ር) ኣብ ኣመሪካ ዝርክብ ም/ ኮሚሽነር፡ መዚዙ። ነቲ ከም እንደገና ዝተመስረተን ዝሓሸን ዝበለጸን ዕጥቂ ዝነበሮን ብዘበናዊ ቅዲ ኩናት ዝሰልጠንን ክብር ዘበኛ ሰራዊት ንኤርትራ ልኢኹ። ብ1968-9 ደርግ፡ ወሰን ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዘኽእሎ፡ ናይ ራዛ ዘመቻ፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዊጁ። ቅድሚ ምእዋጁ ከኣ፡ ብሽሕ ዝቑጸሩ ሚኒስቴራት፡ ኣምባሳደራትን ካልኦት ስብ ስልጣንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኮል መንግስቱን ኮ/ል ኣጥናፉን በብተራ ዘስምዑዎ መደረ፡ ነቶም ተጸዊዖም ዝመጹ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ዘይተኣከቡን ምላቚ ዝሰምዑን ከይተረፈ ዘጸልል’ዩ ኔሩ።  ካብኡ፣ ‘ይህ የዓረብ ቡቹላ! በፔትሮ ዶላር የተገዛ! ገንጣይ ኣስገንጣይ! እኛ ስልጣን ከያዝን በሁዋላ ትግሉን ኣባባሰው። ኣሁን ለማን እንደሚብስበት ይታያል! ወዘተ…!’  ዝብል ዘስደምምን ዘሰምብድን ፈኸራን ታህዲድን ኣስምዖም። ሕቶ ዘለዎ ኣሎዶ? ምስ ተባህለ ከኣ፡ ክልተ ኤርትራውያን ነቲ ዝሰምዑዎ ምጻር ስኢኖም፡ ብሕርቃን ተሳዒሮም፡ ንህይወቶም ከይሰግኡ! በብተራ ብድድ ኢሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኮ/ል መንግስቱን ኮ/ል ኣጥናፉን ዝነበረ ህዝብን ! ነዚ ንዘመናት ኣንጻር ጸላእቲ ገጢሙ፡ ክንደይ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ወሰናስን ሃገሩ ዘየድፈረን፡ ጅግንነቱ ዘመስከረን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ሃገሩ ዝሸይጥ ዝልውጥ ዓረብ ይብሃል!  ብሓይሊ ዝሓዝኩሞ ህዝቢ ድዩ ዝመስለኩም! ባዕሉ መጺኡ! እንታይ ስለ ዝኾነ ኢዩ! ገጹ ግልብጥ ኣቢሉ! ኣንጻርና ዝቃለስ ዘሎ?! ኢልኩም ክንዲ ምሕታትን መልሲ ንምርካብ ምጽዓርን! እዚ ኩሉ ጸለመን ታህዲድን ክተውርዱሉ! ዘይግብኦ ህዝቢ!  ንሕና መንግስቲ ምስ መስረትና ኣንጻርና ተላዒሉ ምባልኩም ከኣ ሓቂ ኣይኮነን። ብሃይለሰላሴ ግዜ ዝተጀመረ ቃልሲ ኢዩ። ጀነራል ክፍለ እርገቱ ብግዚ ሃይለስላሴ ኢዩ ዝመተ። ታሪኽ ዘይተፈልጡ እንተኮንኩም ክንነግረኩም! እዞም ዘጣቓሕኩምከ እንታይ ሰሚዕኩም ኣጣዒቕኩም?/ ነዚ ህዝቢ’ዚ ክነጥፋኦ ኢና ሰሚዕኩም ክተጣቑ! እዚ ቅቡል ኣይኮነን።  ብማለት ተቓውሞ ከም ዘስምዑ ኢዩ ዝንገር። ኣኼባ ምስ ተበተነ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ደሕንነት ክሕዙዎም’ዮም ዝብል ግምትን ፍርሂ’ኳ እንተነበረ ኣይተታሕዙን። ካብ ኣኼባ ውጽእ ምስ በሉ ከኣ ውሑዳት፡ ሰብ ከይርእዮምን ከይሰምዖምን ተጠንቂቖም፡ ኣገናዕ! ንስኻትኩም! ጀጋኑ ኢኹም! ከም ዝበሉዎም ይንገር። እቶም 50 ዝኾኑ ናይ ደርግ ኣማኸርቲ ዝነበሩ፡ ነናብ ዝነበሩዎ መ/ቤት ክምለሱ ከለዉ ግን፡ ክልቲኦም ኤርትራውያን ጡረታ ክወጹ ተወሲኑ። እቲ ክንደይ ዝተፈከረሉ ናይ ራዛ ዘመቻ፡ ካብ ዝተፈላልያ ኣውራጃታት ዝርከብ ህዝቢ ብምእካብ ጀሚሩ።   ንህዝብና ወሪሩ፡ ስዒሩ፡ ሃብቱ ዘሪፉ፡ ለቖትኡ መሊኡ፡ ነንዓዱ ክምለስን ክህብትምን ከም ዝኽእል ሰቢኾም ኣእሚኖም ዝለኣኹዎ ቁጽሪ ማኣለያ ህዝቢ ዘሚቱ። እዚ  ክንደይ ነጋሪት ዝተጎሰመሉን ብክንደይ ዓጀባ ዝተጀመረ፣ ወንበዴዎች ለኣንዴና ለመጨረሻ ለመደምሰስ የሚያስችል የራዛ ዘመቻ ግን፡ ብጅግና ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ተሓምሲሹ ተሪፉ። ደርግ ነቲ ብሓገዝ ኩባ ኣብ ምስራቕ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ዝሰዓረ ሰራዊትን፡ ብሕብረት ሶቭየት ዝምጽወተሉ ዝነበረ ዕጥቅን ስንቅን ተኣማሚኑን፡ በምስራቕ የተገኘ ድል ብሰሜን ይደገማል! ዝብል ጭርሆ እናስምዐ፡ መሬት ዝኸድን ሰራዊት፡ ንኤርትራ ብዓበይቲ መኻይንን መራኽብን ይጓረት ኔሩ። ብዙሓት ግን፡ ክምዛ ምስ ተጋደልቲ ኣብ ኣብ ኩናት ዝወዓሉ ኮይኖም፡ ነቲ ‘ሎምስ ሃገርና ናብ ሓሞኽስቲ ከትልወጥ’ያ!’ ብማለት ዝሰግእን ዘዕለብጥን ዝነበረ ህዝቢ፡ ‘ኣጆኹም፡ ኣይትስግኡ! ዕጥቂ ምዑታት ተጋደልትና’ዩ ዝኸውን! እናበሉ ተስፋ የስንቑዎ ኔሮም። ከም ዘይተጋገዩ ከኣ በብግዚኡ ይስማዕ ዝነበረ ናይ ዓወት ዜና የረጋገጽ ኔሩ። ብ1975 ኣብ ማእከል ኣስመራ ብርቱዕ ኩናት ስለ ዝተኻየደ ካብኡ ንድሓር ኤርትራ ኣብ ህጹጽ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኔራ። ብ1988 ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ብቀጥታ ካብ ዓውዲ ኩናት ኣፍዓበት ንሎንደን ደዊሉ፡  ‘ኤርትራ ሎሚ ኣብ ኣዓፍበት ዝተጎናጸፈቶ ዓወት! ብሓቂ ዝድነቕ ኢዩ። ነቲ ብ1954 ኣብ ቬትናም ንፈረንሳይ ዘጋጠማ፡ ንዓለም ዘዛረበ፡ ዓቢ ናይ ዲየን ቢየን ፉ (Dien Bien Phu) ስዕረት ዝመሳሰል ኢዩ!’ ዝብል ናይ ዓወት ዜና፡ ንዓለም ምስ ገለጸን ምሰቃልሐን፡ ንኤርትራዊ ዝተሰመዖ ሓበን፡ ክዝከር ዝነብር ኢዩ። ናብ ሓመድ ድበ ናደው እዝ! ዝነቐለ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ናደው እዝ ምጅማሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ኳሕ ጠሸም ከይስማዕ፡ ሰላም ዝሰፈኖ መሲሉ ክርአ፡ ጥንቃቐ ዝገብረ’ዩ ዝመስል። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩናት ከም ዝጀመር ክይጥርጥር ክገብር ከም ዝኸኣለ’ዩ ምርዳእ ዝከኣል። ኮ/ል መንግስቱ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ንኣዛዚ ናደው ዝነበረ ጀ/ል ታሩኩ ላይኔ፡ ‘ደፊሩኒ!. ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ወተሃደራት ስለ ዝረሸኖ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተሰናቢዶም ከም ዝነበሩ፡ ሞራሎም ባይታ ከም ዝዘበጠ፡ ኣብ ቦትኡ ዝተተክአ ጀ/ል ውበቱ ጸጋየ ከኣ ምስቶም ኣብ ኣፍዓበት ዝዓረዱ ወተሃደራት ክላለ ዝኣክል ግዜ ከም ዘይረኸበ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ዝመስል። መጥቃዕቲ ሓመድ ድበ ናደው እዝ ምስ ተጀመረ ከኣ፡ ሓደ ምዑት ታንከኛ ኤርትራዊ ተቐዳዲሙ፡ ንሓንቲ ካብተን ክሃድማ ዝፈተና ታንክታት መሪሓ ትኸይድ ዝነበረት፡ ኣብ መጻብብ ክሳድ ዓዲ ሽሩም ምስ በጽሐት፡ ተኩሱ ስለ ዘቃጸላ እቲ እንኮ መሕለፊ መገዲ ተረጊጡ። ሕንፍሽፍሽ ኣትዩዎም ሰራዊት ኢዮትዮጵያ። ሓደ ኮ/ል ዝርከቦም ሰለስት ሩስያውያን ምስ ኣሽሓት ወተሃደራት ደርግ ተማሪኾም። ጀ/ል ውበቱ ግን ንስክላ ኣምሊጡ፡ ንሰብ ኣምግማል እናፈራርሐን እናጠበረን፡ ድሕሪ ሰሙን ምስቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ክጽምበር ክኢሉ። ኣብ ኣፍዓበት ዝተመዝገብ ዓወት ሃገርና ናጽነታ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰራዊት ከም ዘለዋ ዘበስረ’ዩ ኔሩ። ኣብ 1989 ከኣ ንኩነታት ሃገርናን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ብርቱዕን ቅልጡፍን ምዕበትለታት ተኸሲቱ። ናይ ኢትዮጵያ ጀነራላት፣ መርእድ ንጉሰ፡ ፋንታ በላይ፡ ኣምሃ ደስታን ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ደምሴ ቡልቶ ካብ ኣስመራ ዝርከቡዎም፡ ኮ/ል መንግስቱ ንምስራቕ ጀርመን ብኣይሮፕላን እናኸደ ከሎ መንግስቲ ክግልብጡ ተላዒሎም። ንኮ/ል መንግስቱ ኣብ ኣየር ከሎ፡ ንህረሞ! ኣይንህረሞ!  መን መራሒ ይኹን! ኣብ ዝብል ምስሕሓብ ከም ዝነበረ’ዩ ዝንገር። ኮ/ል ወልደስላሴ ናይ ድሕንነት ሚኒስቴርን’ውን ምስኦም ኔሩ፡ ድሒሩ’ዩ ከዲዑዎም ይብሃል። ጀ/ል ቁምላቸው ደጀኔን ካብ ኣስመራ ፍሉይ ናይ ኮማንዶ ሓይሊ ሒዙ ኣዲስ ኣበባ ኤርፖርት ከም ዝበጽሐ’ዩ ዝንገር። ኮ/ል ወልደስላሴ ሓሳቡ ለዊጡ ምስ ናይ ኮ/ል መንግስቱ ፍሉይ ጸሓፊ ዝነበረ ሻምበል መንግስቱ ገመቹን  ኮይኑ ከም ዝጥፍኦም’ዩ ዝፍለጥ። ኮ/ል መንግስቱ መገሽኡ ኣቛሪጹ ናብ ስልጣኑ ምስ ተመልሰ፡ ንካልኦት 12 ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞክሮን ክእለትን ዝነበሮም ብቀሊል ክትትክኡ ዘይክእሉ ጀነራላት፡ ንምግልባጥ ተሓባቢርኩም ብዝብል ምኽንያት ኣጥፊኡዎም። ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳርጋ ምኩራት መራሕቲ ዘይብሉ ተሪፉ ክብሃል ይከኣል። ጀ/ል ቁምላቸው ደጀኔ ሃዲሙ ንኣመሪካ ምስ ኣተወ፡ ንኮ/ል ወልደስላሴ ‘የኢትዮጵያ ህዝብ የጭቃ ውስጥ ምላጭ!’ ኢዩ ብማለት ገሊጹዎ።  ናይ ሶቭየት ሕብረት መራሒ ሚካኤል ጎርባቾቭ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ህዝቢ ምስራቕ ጀርመን ነቲ ንዓመታት ሓይሩዎ ዝነበረ ናይ ባርነት መንደቕ ኣፍሪሱ ምስቲ ናጻ ዝነበረ ኣብ ምዕራብ ዝነበረ ወገኑ ተሓዊሱ። ሓቢሩ ንዓለም ዘደንቕ ምዕባለ የመዝግብ ኣሎ። ጎርባቸቭ ነቲ ንኢትዮጵያ ብቀጻሊ ዝውሃብ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓገዝ ስለ ዘቋረጾ ኮ/ል መንግስቱ ኣብ ዝገደደ መዋጥር ኣትዩ። ነቲ ብምዑታት ተጋደልቲ ኤርትራን ትግራይን ዝፍኖ ዝነበረ መጥቃዕቲ ክዓግቶ ከም ዘይክእል ምስ ፈለጠ ከኣ ንኩሉም ናይ ደርግ ኣባላት ከይሓበረ ምሉቕ ኢሉ ንዝምባብወ ሃራረ ሃዲሙ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንሃገሮም ናጻ ኣውጺኦም። ኢህወደግ ከኣ ንኣዲስ ኣበባ ብዓወት ኣትዩ ሓዲሽ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ መስሪቱ።

ዕድል ህዝብና ከፊኡ ግን፡ ምስቲ ናይ ዓወታት ብስራት፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከቐንዙን ከንቀጥቅን ዝነብርን ንሓጎስ ህዝብና ዝድውንን ‘ዘጠነኛ ሻለቃ ክፍለ ጦር! ን400 ህዝቢ ሽዕብ ብታንክ ረጊጹ!  ዝብል ክፉእ ታሪኽ ኣሎ። ነዚ ዝሰምዐ ብጓሂ ኣብ ሕማም ዝበጽሐ ኤርትራዊ ብዙሕ ኔሩ። እዚ ሻለቃ ጦር ንትግራይ ምስ ተዛወረ ተደምሲሱ ዝብል ዜና’ውን ኔሩ። ብወርሒ ለካቲት 1990 ብ ‘ስርሒት ፈንቅል! ባጽዕ ንምሓዝ ውሑልል መጽናዕትን ቅዲ ኩናትን ዝነበሮን ንጸላኢ ዘዳህለለ ከም ዝነበረን’ዩ ዘመላኽት። ባሕር ሓይል ንዓመታዊ ብዓሉ ዝዳለወሉ ግዜ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ሰብ ስልጣን ንባፅዕ መጺኦም። ህ.ግ. መጥቃዕቲ ከም ዝፍኑ ዘጠራጥር ኩነታት ከይፍጠር ስለ ዝተጠንቀቐ፡ ጸላኢ ክጠራጠር ኣይከኣለን። ስለዚ ኩሉ ንብዓል ተዓጠቕ ተሰለፍ’ዩ ዝብል ኔሩ። ናይ ደርግ ኣባልን ናይ ባሕር ሓይል ዋና ኣዛዝን ዝነበረ ሪር ኣድሚራል (ሜጀር ጀ/ል) የሁዋላ እሸት ግርማ፡ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ መጥቃዕቲ ናይ ደርግ ኣባላት ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ሰብ ስልጣን ኣብ ጥቓ ድረዳው ሄሊኮፕተር ተጋጭያ፡ መይቶም ተባሂሉ ንቐብሪ ንኣዲስ ኣበባ ስለ ዝተጸውዐ ከይዱ። ናይ ኣጋር ሰራዊት ኣዛዚ ዝነበረ ጀ/ል ጥላሁንን ናይ ታንከኛ ኣዛዚ ዝነበረ ጀ/ል ዓብዱላሂን ተማሪኾም። ካብ ባሕር ሓይል ከኣ ካፕተን (ኮ/ል) ጸጋየ መኮነን ተማሪኹ። ብናይ ድምጺ ሓፋሽ’ውን ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ኩናት ይገልጽ ኔሩ። ኣብ ናቫል ቤዝ ዝነበሩ መዓርጎም ቀንጢጦም ተራ ባሕረኛ መሲሎም ስለ ዝተዋግኡ፡ ናይ ኮሞዶር (ብ/ጀ/ል) በለገ በለጠ ናይ ባሕር ሓይል ም/ ዋና ኣዛዚ ዝነበረን ኮሞዶር ጌታቸው ስዩምን ሬሳ ክርከብን ክልለን ኣይተኻእለን። ጋድ መንግስቱ ንኮሞዶር በለገ ብራድዮ፡ ‘ከዳህልኣክ ተጨማሪ ሓይል እየደረሰላቹ ስለሆነ በርትታቹ ተዋጉ!’ ብማለት ዘይፍጸም ተስፋ የስምዖ ስለ ዝነበረ ኢዱ ክህብ ዝፍትን ከም ዘይነበረ ኢዩ ዝንገር። ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዓሪዱ ዝነበረ ጀ/ል ተሾመ ግን፡ ነቶም፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዓሪድካ ምውጋእ ህልቂት ህዝቢ ምዕዳም’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ኩናት ምቕጻል ዋጋ የብሉን! ብማለት ምሕጽንታ ዝለኣኹሉ ክልተ ጀነራላት፡ ‘ኣነ ከማኹም በኻይሽ ዝመልአ ዶላራት ዝግዛእ ኣይኮንኩን፡ ከም ኣጼ ቴድሮስ ጥይቱ ሰትየ ምማት’የ ዝመርጽ! እናበለ ይገልጽን ይፍክርን ኔሩ። ድሕሪ 24 ስዓት መጠንቀቕታ ከኣ ከም ተኣምር ክቕጸር ዝኽእል ንማእከል ባጽዕ ሓራ ናይ ምግባር መጥቃዕቲ ተጀሚሩ። ምዑታት ተጋደልቲ፡ ኣብቲ ንውሓቱ ሓደ ኪሎ ሜትር፡ ስፍሓቱ ሹዱሽት ሜትር፡ ብየማነ ጸጋሙ ብባሕሪ ዝተኸበ ጥዋለት ቀጣን፡ ሓጺን ዝለበሱ ዝመስሉ ጀጋኑ ክጥሕሱን፡ ብጃጉዋር ትፍለጥ ታንክ ንታንክ ንጸላኢ ክትጭፍለቕን ዝተራእየሉ መስተንክር ዓወት ተመዝጊቡ። ርእሲ ምድሪ ንባሕሪ ዝሰንጥቑ ጀጋኑ ናቶም ጌርማ። ከተማ ባጽዕ ካብ ጸላኢ ተናጊፋ። ህዝብና ሓጎሱ ክገልጽ ምስ ጀመረ ግን ናይ ኢትዮጵያ ኣየር ሓይል ኣይሮፕላናት፡ ኣብ ዓለም ብዝተኸልከለ ቦምብታት ናፓልም ንህዝቢ ከቃጽላን ንወደብ ባጽዕ ክዕንዋን፡ ብካናዳዊ ጋዜጠኛ ዝተቐርጸን ንዓለም ዝመሓላለፍ ዝነበረን ቪድዮ ርእዩ ዘይደመየ ልቢ ኤርትራዊ  ኣይነበረን። ዓለም ከይተረፈ ዘሰካሕክሓሉ ክፉእ ትርኢት ኔሩ። ብዙሓት’ውን ካብ ምሒር ጓሂ ዝተላዕለ ከኣ፡ ‘ንምንታይ ነዚአን ቁልብ! ቁልብ! ዘብል ዕጥቂ ከይሓዙ ንባጽዕ ሒዞም!’ ዝብሉ ኔሮም። ካብ ህዝብና፣ ነቲ ‘ቅብጸት!’ ብዝብል ዝፍለጥ ቪድዲዮ፡ ክርኢ ዝኸኣለ ክንደይ ኢዩ? እናነብዐ ዝርኢ ወይ ፈጺሙ ክርኢ ዘይክእልከ ክንደይ ኢዩ? እዚ ኩሉ ግፍዒ ግን ንህዝብና ቃልሲ ከም ዝሓይልን ናብ ዝለዓለ ጠርዝ ከም ዝድይብን ኮይኑ እምበር ኣይዛሕተለን። ተስፋ ዘይቆርጽ ጅግና ህዝቢ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ናጽነቱ ዝጎናጸፈላ! ሓንቲ መዓልቲ ከም ዘላ! ኣሚኑ፡ ዝተኸፍለ ይከፈል ኢሉ ቃልሱ ይቐጽል ኔሩ። ምእንቲ ናጽነት ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወትን ንዋትን መስዋእቲ ስለ ዝኸፊለ ከኣ፡ ናብ’ዛ ንዓመታት ክደምየላ ዝጸንሐ ናይ ዓወት መዓልቲ 24 ግንቦት 1991 በጺሑ። ንኣዋርሕ ብሓጎስ ዘሊሉ ዓሊሉ። ህዝብና ግን ከምቲ ‘ትኣምኖ ሊኢካ እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል!’ ዝብል ባህሉን እምነቱን፡ ኩሉ ሓላፍነት ንዝኣምኖም! ደቀይ ዝብሎም! ኣረኪቡ ደቂሱ ኔሩ ህዝብና። ከምቲ ‘ያልጠረጠረ ተመነጠረ! ዝብሃል ግን ክሕደት ጥልመት ኮይኑ ዓስቡ። ጠበንጃ ኣብ ዝባን ሰብ ዝሰቐሎም፡ብህርፋን ስልጣንን ምግባት ሃብቲ ህዝቢ ዝተለኽፉን፡ ማሕልኦም ዘፍረሱን ውሑዳት! መሰሉን ክብሩን ሰሪቖሞ።፡ ይሳቐ! ይስደድ! ይጠፍእ! ኣሎ። ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ የእዊ ኣሎ። ኣውያቱ እናሰምዐት ትድቅስ ነፍሲ ኣይሃበና። ዘበን ኣካሒዳ፡ ኣብ ሃገርና ሓዊ ኣጒዳ፡ ትጽበ’ላ ከምዘይትምለስ ጌሩ ዘኸርድዳ ኮርዒዳ።   3ይ ይቕጽል

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ህዝብና ነናብ ገዝኡ ክምለስ።

ምስሉ ተኪኤ መጋቢት 05/2018?

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT